ሰንበት ዘዕርገት 6 ሰነ 2013 ዓ.ም.( 6/13/2021) ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥

መዝሙር፡ በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. . . ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  ኤፈ 1፡17-23፥ 1ጴ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ.1፡1-11፥ ማቴ 28፡16-20።  ስብከት፡ ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብዕልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና  ዘምሩ መዝ. 47፡5-6።

ዕርገት ክንብል ከሎና ቃል ንቓሉ ክንርድኦ ወይ ክንሓስቦ የብልናን ማለት ንመንግስተ ሰማይ ነፊሩ ማለት አይኮነን። ንምዃኑ መንግስተ ሰማይ አበይ እዩ ዝርከብ? አብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ድዩ? አብ ላዕሊ ልዕሊ ጠፈር ንዓለም ከቢቡ አብ ዘሎ? መንግስተ ሰማይ ከም ሓደ ቦታ ወይ ሰፍር ክንርድኦ የብልና፥ ከም ሓደ ርክብ ምስ አምላኽ እዩ አምላኽ ከአ አብ ኩሉ እዩ ዘሎ። ኢየሱስ ምስ አብኡ ኽኸውን አብ ሓደ ቦታ ክኸይድ የብሉን። ምስጢረ ትንሣኤ፥ ምስጢረ ዕርገት ክፍሊ ናይ እቲ ምስጢረ ትንሣኤ ኢልና እንጽውዖ እዩ። አርባዕተ ነገራት አብ ነነድሕዶም ዝተአሳሰሩ አለዉ። ስቓይን ሞትን፥ ትንሣኤ፥ ዕርገት፥ ምውራድ መንፈስ ቅዱስን። እዚኦም ኩሎም ከም ሓደ ፍጻሜ አብ ነነድሕዶም ዝተተሓሓዙ እዮም። ትንሣኤ እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ብሕይወቱ አሎ እንተበለ ዕርገት እቲ ሕያው ኢየሱስ አብ ክብሪ አብኡ ማዕረ ኮይኑ ክሳተፍ አትዩ ይብል። እዚ አተሓሳስባ እዚ አብ ሓዲስ ኪዳን ብዝተፈላለየ መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ። አብ ናይ ሎሚ ንባባትና ብሰለስት መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ። አብ የማን እግዚአብሔር ተቐመጠ ዝብል አብ ቀዳመይቲ ንባብና መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ንረኽቦ፥ እቲ ሓሳብ ብዓቢ ክብሪ እዩ ተገሊጹ ዘሎ እንተ ኾነ ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈጸመ ከይገለጸ፥

እዚ አባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸአ እቲ ንክርስቶስ ካብ ሙታን ዘተንሥአሉን አብ ሰማያት አብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉን እዩ። አብዛ ዓለም እዚአ ጥራይ ዘይኮነ አብታ እተመጽእ እውን አብ ልዕሊ ግዝአትን ሥልጣናትን ኃይልን ምልክን ሸይሙ አብ ልዕሊ ኹሉ ዚስመ ስም ሃቦ (ኤፈ 1፡19-21) ይብል።

እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ትርጉም ዕርገት ማለት ኢየሱስ ዓወትና ዝኾነ መስሕን ንጉሥን ብኽብሪ አብ ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ይነግሥ አሎ። አብዚ ጥቕሲ አበይ ከምዝኸደ ወይ ከመይ ኢሉ አብኡ ከምዝበጽሐ ዝነግር የብሉን።

አብ ግ.ሓ. እንተ ረአና እቲ ንብዙሓት ክርስትያን ትርጉም ዕርገት ዝውሃቦ ንረክብ። ኢየሱስ ብሰንበት መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ፥ ድኅሪ ትንሣኤኡ ን40 መዓልቲ ንሓዋርያቱ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ እናመሃረን እናሓበረን ጸኒሑ። አብዚ ጊዜ እዚ ሓዋርያት ምአስ ድአ እዩ ንመንግስቲ እስራኤል ዝሕድሶ ወይ ዝዕርዮ እናበሉ ይሓስቡ ነሮም። አብዚ ጊዜ ጌና ብዛዕባ ተልእኮ ኢየሱስን ተልእክኦምን እኹል ርድኢት አይነበሮምን። ድሒሩ ከም ዝርድኦም ብርግጽ ንሶም እዮም ንመንግስቲ እስራኤል ዝዕርዩን ንመንግስቲ አምላኽ አብ ኩሉ ዓለም ከምዝበጽሕ ዝገብሩ።

ሓደ መዓልቲ አብ ደብረ ዘይቲ እንከለዉ ካብኦም ተላዒሉ ንሰማይ እናረአይዎ ዓረገ ካብ አዒንቶም ከአ ደመና ሠወረቶ። እዚ ንሰማይ ዓረገ ዝብል ብዝያዳ ብመንፈሳዊ አረአእያ ክንርድኦ አሎና፥ ከምቲ ብዙሕ ጊዜ አብ ወንጌል ዮውሓንስ ከም እንረኽቦ ብዙሕ ጊዜ ኢየሱስ ከም ዝዓረግ ይዛረብ (ንአብነት አብ ሰማይ ምስ ዓረግኩ ንኹሎም አህዛብ አባይ ክወስዶም እየ ይብል)። እዚ ብፍሉይ ነቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ እዩ ዘመልክት ንሱ አብ ግርማ ክብሪ ሰማያዊ አቦ ተንሢኡ። ሉቃስ ነዚ ክገልጽ ኢሉ ደመና ካብኦም ሰወረቶ ይብለና። እዚ አገላልጻ እዚ አብ ብሉይ ኪዳን እውን ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና ማለት አብ ደብረ ሲና ምልክት ህላዌ አምላኽ ክገልጽ እንከሎ ብደመና ተሸፊኑ ይብል፥ ከምኡ አብ ደብረ ታቦት ደበና ከሊልዎም ድምጺ ከአ ተሰምዐ ይብል፥ ደመና ከስ ህላዌ አምላኽ እዩ ዘመልክት።

ንላዒ አይተንቃዕርሩ እቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ንላዕሊ ብምጥማት አይኮንኩምን እትረኽብዎ ንሱ ዝርከቦ ንታሕቲ ብምጥማት እዩ። ከምብሓዲስ ክረኽብዎ እንተ ኾይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ክምለሱ አለዎም አብኡ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብመንፈስ ቅዱስን ብመንፈስ እቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስን  ከመልኡ እዮም። ናይ እቲ ዝተንሥኤን ዝዓረገን ኢየሱስ ሓቀኛ ህላዌ ክሳብ መወዳእታ ዓለም መርአያ መሰኻኽር ክኾኑ እዮም፥ ንእኦም ዝርአየ ንኢየሱስ ረአየ። ከምቲ ኢየሱስ ቀቅድሚ አብ ሰማይ ምዕራጉ ዝበሎም መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና ኃይሊ ክትቕበሉ ኢኹም። አብ ኢየሩሳሌምን አብ ኵላ ይሁዳን አብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸእ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም (ግ.ሓ. 1፡8)።

አብ ወንጌል ብምድግጋም ከም ዝግለጽ ኢየሱስ ምስ አርድእቱ ክህሉ ክሓድጎም አለዎ። አብዚ ዓለም እንከሎ ከም ሓደ ሰብ፥ አብ ሓደ ቦታ አብ ዓዲ እስራኤል፥ ንውሑዳት ሰባት ጥራሕ ዝረክብ፥ አብ ሓደ ሓጺር እዋን ታሪኽ ጥራሕ ዝነበረ እዩ ነሩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ግን ጊዜን ቦታን ዘይውስኖ አብኩሉ ጫፍ ዓለም ብሓደ ህሞት ዝርክብ ሓዲስ ህላዌ እዩ ዘልኦ። ካብ ሕጂ ንድሓር ፍቕሪ፥ ሓጎስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ሕያውነት፥ እምነት፥ ርግአት. . . . . . አብ ዘልኦ  አብኡ አሎ። አብ ዝኾነ ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ ትዕግስቲ፥ ርትዒ፥ ነጻነት አብዘለዎ ናይ ኢየሱስ ሰናይ ነገር አብኡ አሎ።

ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ዝተነበ ምስቲ አብ ግ.ሓ. ዘሎ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ይገልጽ። አብ ግ.ሓ ከምኡ አብ ሉቃስ እቲ ፍጻሜ አብ ኢየሩሴልም እዩ ዝኾነ ምኽንያቱ ንሉቃስ ኢየሩሳሌም ናይ ኩሉ ወንጌሉን ሓሳባቱን ማእከል እያ። ንማቴዎስ ግን አብ ገሊላ አብታ ዝዓበዩላ ዓዶም አብቲ ኩሉ ዝፈልጥዎ አብኡ እዩ ኢየሱስ ክርከብ ዘለዎ እምበር አብ ሰማይ አብ ላዕሊ አይኮነን ዝርከብ።

ንማቴዎስ ዕርገት አብ እምባ እዩ ተፈጺሙ ማለት አብ ደብረ ታቦር ወይ እምባ ገሊላ ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝነግረና። አብዚ ነቶም ሰለስተ ሓዋርያት ራእዩ ከምዝተለወጠ ዝተራእየሉ ቦታ እዩ (ማቴ 17)። አብዚ እቲ ቀንዲ ዝግድስ እቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ድሮ አብ ሰማይ አብ መንበር ግርማ አብኡ ተቐሚጡ ከምዘሎ እዩ፥ እዚ ሕጂ ዝርአ ብዓይኒ እምነት ክንርእዮ ከምዘሎና ክንርዳ አሎና። ሓዋርያት ብሓደ ወገን ክሰግዱን ከምልኹን ንርእዮም ብኻልእ ወገን ከአ ክጠራጠሩን ክፈርሑን ንርእዮም። እዚ አብ ሕይወትና ብተደጋጋሚ እውን ዝርአ ነገር እዩ። አብዚ ዝያዳ አትክሮ ዝውሃቦ አብቲ ናይ ኢየሱስ ምርአይ ዘይኮነስ አብቲ ንሓዋርያቱ ዝበሎም እዩ። እዚ ኸአ አብ ሰለተ ወቕቲ ዘመልክት እዩ ማለት አብ ዝሓለፈ አብ ዘሎን አብ ዝመጽእን።

ኢየሱስ መንጪ ናይ ኩሉ ስልጣን ከምዝኾነ፡

1.   ኢየሱስ ኵሉ ሥልጣን ናይ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ከም ዝተዋህቦ ነጊሩ። ንኢየሱስ ብምሉእ ሕይወትካ ምውፋይ ማለት ንአምላኽ ብምሉ እርእስኻ ምውፋይ እዩ ዘስምዕ።

2.   ኢየሱስ ንሓዋርያቱ አብ ኩሉ ዓለም ከይዶም ንኹሎም ሓዋርያቱ ክገብርዎም አዚዝዎም። መብዝሕትኡ ካብ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሓዋርያቱ አመሓላሊፍዎ። ምውራድ ጰራቅሊጦስ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። ንሳቶም ነቲ ኩሉ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩ እዮም። ንኃጥእ ሰብ ምስ አምላኽን ምስ ማሕበርን ክዓርቅዎን እዮም። እታ ማሕበር ሕያው ምስክር ንኢየሱስን ንወንጌሉን ክትከውን ክትገብሮን ክትክተሎን ዘለዋ አገባባት አለዋ። ነቶም እትኽተሎም አገባባት ክትፍጽም ትሕዝቲ እያ። ክትምህር፥  ክተሕዊ፥ ከምኡ ነቶም ንህዝቢ ክፈላልዩ ዝኽእሉ ነገራት ደው ክተብል። አብ ጥምቀት ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናአጠመቐት ምሉእ ኣባለታ ትገብር።

3.   ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ፥ እቲ ዝተንሥኤን ዝዓረገን ኢየሱስ ካባአቶም ርሑቕ አይኮነን ዘሎ። ምስ ተኸተልቱ እዩ ዘሎ ካሳብ መወዳእታ ዓለም ከአ ምስኦም ክኸውን እዩ። እዚ ነቲ ማቴዎስ አብ መጀመርያ ወንጌሉ ብዛዕባ ልደት ኢየሱስ ዝበሎ መዘኻኸሪ እዩ፥ እንሆ ድንግል ክጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ ስሙ ከአ አማኑኤል ክብልዎ እዮም ትርጉሙ ኸአ አምላኽ ምሳና ማለት እዩ” (ማቴ 1፡23)። አብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል ከአ ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ ኸአ አብኡ አብ ማእከሎም አሎኹ (ማቴ 18፡20)። አብዚ ህያብ መንፈስ ቅዱስ አይጥቀስን ግን በቲ ናይ ኢየሱስ ቀጻሊ ምህላው ከምዘሎ ይግለጽ።

ናይ ሎሚ ብዓል ከስ ናይ ኢየሱስ ክብሪ ድሕሪ ሕማምን ሞትን እዩ ዝነግረና፥ ንሕና ክንሳተፎ ብተስፋ እንጽበዮ ክብሪ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ኸአ ቀጻሊ ህላዌ ክርስቶስ አብ መንጎና ኢና እነብዕል ዘሎና። እዚ ናይ ኢየሱስ አብ መንጎና ምህላው ንክነርእዮ ዘሎና ቀጻሊ ምስክርነት አብ መንጎ ማሕበርና ክሳብ መጨረሻ ዓለም እዩ ዝሕብረና። ኢየሱስ ነቶም ሓዋርያት አብ ኩሉ ከድኩም መስክሩኒ ኢልዎም። ነዚ ትእዛዝ ሎሚ ንነፍስወከፍና በቲ እንነብሮ ሕይወት ክንምስክሮ ንእምነትና ክነብሮ ከምዘሎና የዘኻኽረና።

ኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታና ንአናን ንደቅኻ ነዚ ጸጋ ክንለብስ ባብ ዝኸፈትካ ሎሚ እውን ልብና ቀልብና ኩሉ አባኻ ገርና ንዝተዋህበና ህያብ አመስጊና ክንምስክረካ ቅዱስ ሕይወት ክንለብስ ብጸጋኻ ሓግዘና፥ መንፈስ አቦኻን መንፈስካን ንዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ብዳግም ንምቕባል ብቝዓት ግበረና።

ብሩኽ ብዓለ ዕርገት ይግበረልና

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

12 June 2021, 19:59