2021.03.19 ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ኣቦታት 2021.03.19 ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ኣቦታት 

መዓልቲ አቦታት ሰነ 13 2013 ዓ.ም. June 20, 2021

ነቦ ውሉድ ክህልዎ ይቐልል ካብ ንውሉድ አቦ ክህልዎ ር.ሊ.ጳ. ቅ. ዮሓንስ 23
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዘፀ 20፡12፥ ዘዳግም 6፡6-9፥ ሚልክያስ 4፡6፥ ኤፈ 6፡1-4፥ ሉቃ 15፡20-23

ሎሚ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር መዓልቲ አቦታት ተባሂሉ ብሃገር ደረጃ ዝውዕል ፍሉይ አኽብሮትን ተዘክሮን ሒዙ ዝኸብር እዩ። አቦታት ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ብዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ደቂ ደቆም ፍቕሮምን አክብሮቶምን ዝቕበሉሉ ዕለት እዩ። ልዕሊ ኹሉ ብስሞም ቅዳሴ ዝዕርገሉ ንኹሉ አቦ ዝገበሮ እተመስግነሉ ከምኡ ፍቕርኻን አኽብሮትካን እትገልጸሉ ዕለት እዩ።

እዚ ዓለማዊ ብዓል እዩ ግን መንፈሳዊ መልክዕ ክነልብሶ ጽቡቕ እዩ ግን ንብዓለ ጰራቅሊጦስ ዝወዳደር ወይ ዝትክእ ክኸውን የብሉን፥ አብዚ ሰንበት ቀንዲ መንፈሳዊ አትኩሮና አብዚ እነብዕሎ ዘሎና ብዓል መንፈስ ቅዱስ ከተኩር አለዎ።

ንወለዲ ምኽባር ሓደ ካብቲ አምላኽ ዝሃበና ትእዛዝ እዩ። አብታ አነ እግዚአብሔር አምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድመኻ ምእንቲ ኪነውሕሲ አቦኻን አደኻን አኽብር (ዘፀ 20፡12፥ ዘዳ 5፡16) እናበለ ድላይ አምላኽ ገሊጹልና። አብ ኤፈ 6፡1 አቱም ውሉድ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተአዘዝዎም፥ ከመይ ምእንቲ ክቐንዓካ አብ ምድሪ ከአ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ክህልወካ ንዝብል ቀዳማይ ትእዛዝ እቲ አቦኻን አደኻን አኽብር ዚብል እዩ ዝብል ንወለድና ክነኽብር አብ ሕጊ አምላኽ ከም ዝምስረት ይገልጸልና። ነዚ አኽብሮት ክንፍጽም እንከሎና አብ ምድሪ ሽልማት ዘውህብ እዩ፥ ነዚ ትእዛዝ ምኽባርን ምሕላውን ምስቲ መንፈሳዊ በረኸት (ፍረ) ምድራዊ ፍርያት ሰላምን ብጽልግናን ዘምጽእ እዩ (ሓ/ት/ክ 2200)።

መለኮታዊ አባትነት ምንጪ ሰብአዊ አባትነት እዩ (ኤፈ 3፡14)። ንወለዲ ዝውሃብ ክብሪ መሠረቱ እዚ እዩ። ውሉድ ናእሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ እቲ ነቦኦምን ነዲኦምን ዘለዎም አኽብሮት (ምሳ 1፡8)፥ ጦቢ 4፡34)፥ ካብቲ ዘወሃህዶም ማእሰር ብዝተረኽበ ባሕርያዊ ፍቕሪ ዝደልደለ እዩ (ሓ/ት/ክ 2214)።

ንወለዲ ዚወያብ ውሉዳዊ አኽብሮ ካብ ምስጋና ይፍልፍል፥ እዚ ምስጋና እዚ ከአ ናብቶም ብህያብ ሕይወቶም፥ ብፍቕሮምን ተግባሮምን፥ ውሉዶም ናብዚ ዓለም እዚ ዘምጽኡን ብቝመትን ብጥበብን ብጸጋን ከምዚዓብዩ ዝገበሩ ወለዲ ናብዚአቶም ዝዓለመ እዩ (ሓ/ትክ 2215)።

ተራ አቦ አብ ሓዳሩ፥ አብ ቤተ ክርስትያን፥ አብ  ሕብረተ ሰብን።

አብዚ ዘኪርናዮ ዘሎና ዕለት አትኩሮና አብቲ ተራ አቦ ዝብል ክኸውን ጽቡቅ እዩ። አብ ኵሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ተራ ናይ ሓደ አቦ ብሩህን ንጹርን እዩ።

ክቶሊካዊ አቦ፡ አብ እምነትና ፍሉይ ቦታ አልኦ። አቦ ጠርናፊ መራሒ፥ ሓላዊ ምእንቲ ካልኦት ዝስዋእ እዩ። አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብአምሳሉ ፈጢርዎ እዚ ኸአ ነቲ አምላኽ አብዚ ዓለም ዝደልዮ ክገብርን ክፍጽምን እዩ እዚ ሓላፍነት ንቦና አዳም ተዋሂብዎ። ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸአ ምልእዋን ምለኽዋን. . . . ንዅሉ ግዝኡ (ዘፍ 1፡28) እናበለ ንድላይ አምላኽ ክገብሩ ተነጊርዎም። ኵልና አብ ድላይ አምላኽ ክንወፍር እዩ ተፈጥሮና ግን ብሰንኪ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ አይንኸይድን ስለዚ ጸጸኒሕና ሕይወትና ርክባትና በበቲ ዘሎና ክንሓስብን ክነዘኻኽርን አሎና።

አቦ ፩ይ ሓላፍነቱ መራሒ ምዃን እዩ። ንሓዳሩ አብ መንግስተ ሰማይ ገጹ ዝመርሕ እዩ። መራሒ ምዃን ሓላፍነት እዩ ነቶም እትመርሖም ብሓቀኛ መገዲ ክትመርሖም አብቲ ዝድለ መፈጸምታ ክተብጽሖም አብ መንጎ ጉዕዞ ጸገም እንተ ተጓነፈ ዝክአለካ ገርካ ኵነታት ክትቅይር ናትካ ልቦናን ምስትውዓልን የድሊ። መራሒ ምዃን ክብሪ ስልጣን ክትመልኽ ዘኽእለካ አይ ኮነንን ክተገልግል ክትሕግዝ እዩ ተውሂቡካ ዘሎ ሓደ አቦ ንቤቱ ክመርሕ እንከሎ ንቤተይ ከመይ እመርሕ አሎኹ እናበለ ንርእሱ ክሓትት ግድን እዩ። ንቤተይ እንታይ አብነት እህብ አሎኹ እናበለ ክርኢ የድሊ። ንሰብ በቲ እንገብሮን እንብሎን ንሃንጾ ወይ ከአ ነዕንዎ። አቦ አብ ገዛ ብጠባዩ ብአተሓሳስብኡ ብኹሉ ዝገብሮ አብነታዊ እንተ ዘይኮነ ዕንወት አብ ገዝኡ ድሕሪኡ ኸአ አብ ሕብረተ ሰብ እዩ ዝፈጥር ዘሎ። ስለዚ አብነታዊ አቦ ንኹሉ እዩ ዝሕግዝ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሓላፍነት አቦ አብ እምነቱ ዘርእዮ እዩ። አቦ ንስድርኡ አብ እምነቶም ጽኑዓትን እሙናትን ክኾኑ ከም ቀዳማይ ተልእኮኡ ክርእዮ አለዎ። እምነት በቲ ካብ ወለድና እንረኽቦ መዕበያ እያ እትዝራእ። ወለዲ እምብአር አፍልጦ እምነቶም ክህልዎም ይግባእ። ንርእሱ ዘይፈልጥ ንቤቱ ክምህር ክሕግዝ አይክእልን እዩ። አቦ አብ ሕይወቱ ንእምነቱ ዘይነብሮ እንተ ኾይኑ ደቁ እውን ከምኡ እዮም ዝኾኑ።

አቦ መምህር ጸሎት ክኸውን ይግባእ። ጸሎት ዝገብር አቦ አብ ቤቱ በረኸት እዩ ዘውርድ። አደን ውሉድን ከአ ምእንቲ አብኦም ጸሎት ክገብሩ ይግባእ። ብሓባር እትጽሊ ስድራ ቤት ብሓባር ትነብር ከም ዝብሃል ጸሎት ንኹልና ቀንዲ መንፈሳዊ ርክባትናን ሕይወትናን እዩ። ብሓባርን ብግልን ዘይትጽሊ ስድራ ጸገማት እዩ ዝበዝሓ። አቦ ነዚ ሓላፍነት ፈሊጡ ንስድርኡ ከጸሊ አለዎ።

አቦ ሓላፍነት ዝስምዖ ክኸውን ይግባእ። አምላኽ ዘልበሰካ ሓላፍነት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርካ ክትመርሕ ይግባእ። ናይ እዚ አብነትና ቅ. ዮሴፍ እዩ፥ ንሱ ንቅድስት ስድራ ከምቲ አምላኽ ዝበሎ ይመርሕ ነሩ፥ አብ ጊዜ ጸገምን ራህዋን ንሓላፍነቱ አይዘንግዐን። አብ ወንጌል ብትሕትና ከም ዝመርሕ ዝነበረ ንርኢ። ሓንቲ ብግሉጽ እንርእያ አምላኽ ብመልአኹ ገሩ ክዛረቦ እንከሎ ንዝተባህሎ ይፍጽም ነሩ በዚ ኵሎም አቦታት ካብኦም ዝድለ ክንገሮም እንከሎ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ይግባእ። ሓላፍነት ናይ ሓደ አቦ ንስድርኡ አብ መንግስተሰማይ ምብጻሕ እዩ።

አቦ አብነታዊ ክኸውን ይግባእ። ውሉዳት ኩሉ ጊዜ ንስድርኦም ይዕዘቡ ይርእዩን ይሰምዑን እዮም ስለዚ ንደቆም ሕማቕ አብነት ከይህቡ ዓቢ ምስትውዓል ክገብሩ ይግባእ። ብፍላይ አቦታት ደቆም ከም ሞደል ዝወስድዎም እዮም። ሓደ መምህር አጸቢቑ ክምህር እንከሎ ተመሃሮ አብ ዓቢ ቑምነገር ይበጽሑ። አቦ እቲ መጀመርያ መምህር ስለ ዝኾነ ተመሃሮኡ ዝኾኑ ደቁ አብ ዓቢ ቁምነገር ክበጽሑ ጽቡቕ ገሩ ክምህሮም ይግባእ።

ተፈጥሮና አብ መንግስተማይ ክንአቱ ኢና ነዚ መሰረት ገርና ሕይወትና ክንመርሕ አሎና። አቦ አብዚ እንመርሖ ሕይወት ዓቢ ተራ አልኦ ብፍላይ አብተን መጀመርያ መዓልታት ሕይወት ደቁ ብምቕጻል ከአ ኩሉ ጊዜ አብ ዝህቦ አብነት።

ደቅና ህያባት አምላኽ እዮም ክነፍቅሮም ክንሓልየሎም እንከሎና ንአምላኽ ህያብና ነቕርበሉ። አቦ መምህር ፍቕሪ ምሕረትን ሕድገትን ክኸውን እንከሎ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዝሓፍስ። ብዙሕ ጊዜ ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ።

አቦ አብ ሕይወቱን አብ ሕይወት ስድርኡን ክዕወት ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይግብኦ፡

·       ምስ ስድርኡ ጊዜ ከሕልፍ ይግብኦ። አብ ዕላል፥ አብ መአዲ፥ አብ ጸወታ፥ ምስ ስድርኡን ደቁን ክዝቲ ከመክር ሓስቡ ከካፍልን፥ ፍሉይ ጊዜ ስድራ ወሲንካ ብሓባር ኮፍ ኢልካ ዝኾነ ነገር ምግባር፥ ቀጻሊ ርክብ ክህሉ እንከሎ ጸገም ብእዋኑ ይእለ።

·       ቅድሚ ምዝራብን ምምካርን ሰሚዑ ክኽእል ይግብኦ። ንደቁ መጀመርያ ክሰምዖም ይግባእ ድሕሪኡ ክመኽሮም ይግባእ። አብ ልቦናን ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመርኮሰ ምኽሪ ኩሉ ጊዜ ተሰማዕነት አለዎ።

·       አቦ ቃል ኪዳኑ ከኽብር ይግብኦ። ውሉድ ወለዱ ዝገብርዎ እዩ ዝገብር። ስድርኦም አብ ነነድሕዶም ዘልኦም ፍቕሪ ክርእዩ ከለዉ ዓቢ ጽልዋ አብ ሕይወቶም አልኦም። ውሉድ ዘየድሊ ጠባይን ዘረባን ዘየሰማምዕ ነገራት አብ ቅድሚ ደቆም ከርእዩ ወይ ክዛረቡ የብሎምን። ቃልን ካብ ዘይከብረሉ ዝተወልዱ ብዙሕ ጊዜ ደቆም እውን አየኽብሩን እዮም።

·       አቦ አብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዝገብሮ ዝዛረቦ ዘርእዮ ኵሉ ከስተውዕል ይግብኦ ምኽንያቱ ደቁ ኩሉ እዮም ዝዕዘቡ። ጠባይ፥ አዘራርባ፥ አመጋግባ፥ አብ ተለቭዥን ዝሓልፍ ጊዜ፥ አጠቓቕማ ኮምፒተር እተሕልፎ ጊዜ ምስ አዲኦም ዘለዎ ርክብን ኩነታትን ይዕዘቡ እዮም ስለዚ ኩሉ ጊዜ ዕንቅፋት ከይህብ ምጥንቃቕ የድሊ።

አብ ሕይወት አቦ ንስድርኡ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ከይመርሕ ዝግብሩ ነገራት አለዉ። አብቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ስለ ዘየዓውቶ አብዞም ዝስዕቦ ምስትውዓል የድልዮ።

  • ምስ አምላኽ ርክብ ዘይብሉ አቦ ከይከውን። አምላኽ ዘይዝክር ወላዲ ንስድርኡ ክመርሕ ሰላም ክህብ ከቢድ እዩ። አቦ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ቀጻልን አብነታውን ክኸውን ይግባእ።
  • ንብዓልቲ ቤቱ ከምቲ አብ ቃል ኪዳን ዝአተዎ ኪዳን ክሕሉ ካብ ዝፈታተኖን ዘጋግዮ ነገራትን ክርሕቕ አለዎ። ምስ ብዓልቲ ኪዳኑ ናይ ሓቂ ፍቕርን አኽብሮትን ከርኢ ከሎ አብ ገዝኡ ሰላም እዩ ዝነግስ ደቁ ነዚ አብ ሕይወቶም ከግብርዎ ይጽዕሩ።
  • መስቀሉ ከይጸውር ካብ ዝዓግቶ ምጥንቃቕ። ንዝተዋህበካ መስቀል አብ መወዳእታ ምብጻሕ የድሊ እምበር ደኺመ ጸሊአዮ ኢልካ ክትቅይር ካብ ዝፈታተን ምጥንቃቕ። ፈተና ኩሉ ጊዜ ክህሉ እዩ ስለዚ ትዕግስቲ ልቦና ከዘውትር ይግባእ። 
  • ምስ ስድርኡ ርክብ ከይህልዎ ካብ ዝገብር ክርሕቕ ይግብኦ። ካብ ሕማቕ ወልፍን ልምድን ክጥንቀቕ፥ ንስድርኡ ቀዳምነት ከይህብ ካብ ዝኸልኦ ነገራት ክርሕቕ ይግባእ። ምስ ስድርኡ ርክብ ዘይብሉ አቦ ከሎ ከም ዝሞተ እዩ። ስድራ ብዝኾነ ነገር ክትክኡ አይግብአን።
  • ጸሎት ምእንቲ ርእሱን ስድርኡን ከይገብር ካብ ዝዕንቅፎ ክርሕቕ አለዎ። አቦ ምእንቲ ርእሱን ስድርኡን ኵሉ ጊዜ ክጽሊ ይግብኦ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ከዕርግ ዝተፈላለየ ጸሎትን ምህልላን ምእንቲ ደቁን ሓዳሩን ክገብር ይግብኦ። አቦ መምህር ጸሎት እንተ ኾነ መጻኢ ሕይወት ስድርኡ ብሩህ ተስፋ ይለብስ።
  • ሓላፍነት ካብ ምልባስ ዝዓግቶ ክፈልጥ ይግብኦ። ብዙሕ ጊዜ ጸገም ዝፍጠር አቦ ሓላፍነቱ ምስ ዘይገብር እዩ ስለዚ ዝኾነ ከምኡ ዝግብሮ ክአሊ ይግብኦ። ሓላፍነቱ ዝዘንግዐ አቦ ገዝኡ ባዕሉ እዩ ዘፍርስ ስለዚ አብ ሓሳቡ አብ ኩሉ ብስድርኡ ዝግደስ አቦ የድሊ።

አቦ ዘውርስ እዩ። አቦ ንደቁ ዘውርሶም ግዙፋውን መንፈሳውን ነገራት እዩ። ግዙፋዊ ክብሃል እንከሎ ብጻዕሩ ዘጥረዮ ገንዘብን ካልእን ከውርስ ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ውርሻ ግን ፍቕሪ፥ ስነስርዓት፥ እምነት፥ አብ ሕይወቶም ጻዕራማት ከም ዝኾኑ ምግባር እዩ። አቦ ንደቀይ እንታይ አውርሶም አሎኹ ኢሉ ኩሉ ጊዜ ሕይወቱ ርእዩ እንተ ኸአለ መጻኢ ሕይወት ደቁ ዋሕስ አለዎ።

አቦ አብነት “Model” ክኸውን ይግብኦ። አቦ ንደቁ ብአብነቱ ከም ዝበልክዎ ግበሩ ዘይኮነስ ከም ዝገብሮ ግበሩ ዝብል ክኸውን ይግብኦ። አቦ መምህር እዩ፥ አብ ዓለም ንደቁ ጥቕሚ ጽቡቕ ነገር ክነግር፥ እምነት ክምህር፥ ስነ ስርዓት፥ ሞራላዊ ጽቡቕ ነገራት ከስተምህር ከምኡ ጎዳእን ጠቓምን ነገራት ከም ዘለልዩ ኽገብር ይግባእ። ሕማቕ አብነት ንስድራ ጊዲኡ አብ ሕብረተ ሰብን ሃገርን ዓቢ ሳዕበን አለዎ ስለዚሰናይ አብነት ክንህብ አሎና። 

አቦ ንደቁ ርእሰ ምትእምማን ከሕድሩ ክሕግዞም ይግባእ። አብ ዝገብርዎ ምሉእ አፍልጦ አሕዲሮም ከም ዝጉዓዙ ክገብር ይግብኦ። ነዚ ብሕይወቱ ብዝያዳ ከርእዮም አለዎ። አብኡ እምነት ከሕድሩ እሞ ክቐርብዎ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ፍቕሩ ገሊጹ ክኽእል አለዎ።

አቦ ንደቁ አብ ሕብረተ ሰብ ዘልኦም ፍቕርን አኽብሮትን ስነ ስርዓትን ከምህሮም ክነግሮም ግብኡ እዩ። ሕጊ ከኽብሩ ሰብስልጣናትን መራሕት ከም ዘኽብሩ ምንጋሮም ከምኡ አብ ኩሉ ብሕጊ ዝምእዘዙ ኽኾኑ ደጋጊሙ ከምህር ይግባእ። ንኻልኦት ሰባት ብፍላይ ሓገዝ ንዘድልዮም ክሕግዙ ከምዝግባእ ምስትምሃሮም። ልዕሊ ኹሉ ብአእምሮ በሲሎም ንርእሶም ኮይኖም ንኻል ከም ዝኾኑ ምግባሮም። ሓላፍነት እምነቶም ለቢሶም አብ ሕይወት ቍምስናኦም ከም ዝዋስኡ ክገብር አለዎ።

አብ መወዳእታ አቦ ሰብ ከማና እዩ ስለዚ ንኹሉ አብኡ ጽዒንካ ኵሉ ንሱ ክገብሮ ይግብኦ ኢልካ ካብኡ ምጽባይ ጥራሕ ዘይኮነ ደቆም ልዕሊ ኹሉ ብዓልቲ ቤቱ አብ ጎኑ ክሕግዝዎ ክጽልዩሉ ክሓልዩሉ ይግባእ። ከምቲ ንሶም ፍቕሩ ዝደልዩ ንሱ ኸአ ፍቕሮም አኽብሮቶም ይደሊ እዩ። አብ ዝደኸመሉን ዝወደቐሉን ጊዜ ክምሕርዎን ክሕግዝዎን ይግባእ። እምብአር ሎሚ አብዚ ብሩክ መዓልቲ ንኹሎም አቦታት መንፈስ ቅዱስ ዘድልዮም ጸጋ ክዕድሎም እናጸለና ብሩኽ መዓልቲ አቦታት ንብል።

እዚ ዓመት ብፍሉይ ንቅ. ዮሴፍ እንዝክረሉ እዩ ስለዚ ከም አቦ መጠን አቦታት አብነት ቅዱስ የሴፍ ክኽተሉ አብ ሕቕፊ ቅ. ዮሴፍ ነማሕጽኖም።

ጸሎትን አምላድነትን ቅዱስ ዮሴፍ አይፈለኹም አምላኽ አብ ኩሉ ይባርኽኩም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ። 

26 June 2021, 13:20