መዓልቲ ሰማዕታት ኤርትራ 20 ሰነ 2021 ዓም

ክትዝክር ቀሊል እዩ፥ ክትነግር እውን ቀሊል እዩ፥ እቲ ዝኸበደ ንለበዋን ሕድርን ሰማዕታት አኽቢርካ ምሕላው እዩ። ሰማዕታት እንታይ እዩ ለበዋኦም? ምእንቲ ምንታይ እዮም ተሰዊዖም? ብርግጽ ዓላማ ሰማዕታት አብ ሃገር ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ክነግስ እዩ፥ ኩሉ ወዲ ሃገር ዝዓበየ ዝንአሰ ብማዕረ ኩሉ ብሓጎስ ዝነብረላ ሃገር ከምጽኡ እዮም ሓሊፎም። ዓላምኦም ንጹርን ንኹሉ ብሩህን እዩ። እቲ ሕቶ ከመይ አሎና ድሕሪኦም ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ብዘይ ሓደ ፍርሒ ክነብር ክኢልናዶ? ሃገር ከምቲ ቅድሚ ነጻነት ዝተጸበናዮዶ አላ? መንእዩ ነጻነት ረኺበ ክብል ዝኽእል መንእዩ ኸ ነጻነት ተነፊጉኒ ዝብል? አብዚ ብሓቂ ብሕልናን ክንምልስ ክንክእል አሎና ምኽንያቱ ብስምዒትን ብኸምኡ ዝመስል ተዓሻሺና ክንምልስ እንተ ፈተና መልስና ሓቂ አይክህልዎን እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

መስዋእቲ ምዕራግ ምስ ተፈጥሮ ደቂ ሰብ እዩ ጀሚሩ። ቃኤልን አቤልን መስዋዕቲ የዕርጉ ከምዝነበሩ ቅ. መጽሓፍ ይነግረና። አብርሃም ንሓደ ወዱ ይስሓቕ ክስውእ ብአምላኽ ከም ዝተሓተ ነንብብ። ደቂ እስራኤል ታቦተ ኪዳን ሒዞም ክጉዓዙ እንከለዉ መስዋዕቲ የዕርጉ ነሮም። እቲ ዝዓርግ መዋዕቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ከም መባእ ቀሪቡ አምላኽ ገጹ ክመልስ ሰላም ምሕረት ክወርድ ምእንቲ እዩ። እዚ ብንዋታዊ መስዋዕቲ እዩ። ብአንጻሩ ብዙሓት ንድሕነት ህዝብን ንመሰሎምን ይዋግኡ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ዓዲ ጸላኢ ክወሮ እንተ ጀመረ አሰብኡት መንእሰያት ብፍላይ ንድሕነት ዓደሞ ንውግእ ይቕረቡ በዚ ብዙሓ በጃ ይሓልፉ።

አብ ታሪኽ ክርስትና እቲ ዝለዓለ መስዋዕቲ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓረገ መስዋዕቲ አብ መስቀል እዩ። ብሞቱ ሰላም ምሕረት ዕርቂ አምጺኡልና። “በመስቀሉ ገብረ ሰላም እናበልና” ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ ዘምጽአልና ነስተንትን። ብዙሓት አብተን ቀዳሞት 300 ዓመት ከምኡ አብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዙሓት አመንቲ ክርስትና ሎሚ እንተኾነ ምእንቲ እምነቶም በጃ ሓሊፎም። “ደም ሰማዕታት ፈልሲ እምነት ኮይኑ”። ክርስትና ብዝያዳ ዝዓበየ ብደም ሰማዕታ ስለ ዝተሓጽበ እዩ። ሰማዕትነት ዘይብሉ ክርስትና ዝደስከለ እዩ። መጠን ሰማዕታት ዝበዝሑሉ መጠኑ ክርስትና ይዓብን ይስስንን።

ነዚ ክርስትያናዊ ርድኢት መሰረ ገርና ነቶም አብ ሃሃገሩ ምእንቲ ሰላምን መሰልን በጃ ዝሓለፉ ሓቀኛ ትርጉምን ዓላማን መስዋእቶምን ክንርዳእ ይክአል። አብ ሃገርና በብእዋኑ ብዙሓት ምእንቲ ዓዶም ዝተሰውኡ አለዉና። ዓድና ዳርጋ ዓዲ መስዋዕቲ እንተ በልናዮ ምግናን አይኮነን።

ሰብ ዝስዋእ ዓላም ምስ ገበረ ጥራሕ እዩ፥ ዓላማ ስዉዕ ለውጢ ከምጽእ ምእንቲ እዩ፥ አብ ታሪክ ሰባት ንዝተፈላከየ ዓላማ ክስውኡ ንርኢ፥ ገለ መስዋዕቲ ትርጉሙ ክትርድኦ የጸግም፥ ንሕና ዘኪርናዮም ዘሎና ግን ብሩህ እዩ። ምእንቲ ሰላም ፍትሒ ወድሰብ ብሰላም ሕይወቱ ክመርሕ እሞ ቅሱን ሕይወት ክርከብ በጃ ሓሊፎም ነዚኦም ንዝክሮም። ምእንታና ስለዝተበጀዉ። እታ ዝለዓለት ህያብ ወድሰብ ምእንቲ ካልእ ክሓልፍ እንከሎ እዩ። ኢየሱስ መድኃኒና ምእንቲ ድሕነትና በጃ ሓሊፉ፥ ንሕና ካብ መግዛእቲ ሰይጣን ሓራ ምእንቲ ክንወጽእ። ቅ.ጳውሎስ ብክርስቶስ ሓራ ወጺእኩም ይብለና። ንአና ክርስትያን ትርጉም ነጻነት ሓዲስ አይኮነን። ሰብ ክልተ ነጻነት የድልዮ፥ ንጻነት ነፍስን ነጻነት ሥጋን፥ እቲ ዝበርትዔ ቃልሲ ዘድልዮ ነጻነት ነፍሲ እዩ፥ ባሕርይና ብውድቀት አቦና አዳም ስለ ዝተበላሸወ ክፉእ ዝንባሌ አሕዲሩ ስለዚ ኩሉ ግዜ አብኡ ስለ ዝዝምብል ጻዕሪ የድልዮ። ነጻነት ሥጋ እውን ጻዕሪ የድልዮ ምኽንያቱ ሥጋና እውን ክመልክዎ ዝደልዩ ብዙሓት ጸላእቲ አልኦ። ነጻነት ነፍሲ ግላዊ ጻዕሪ እንተገበርካ ክትረኽቦ ይክአል፥ ነጻነት ሥጋ ግን ናይ ካልኦት ሓገዝ ይሓትት። ነጻነት ሥጋ ብመሰረቱ ናብ ነጻነት ነፍሲ ከምርሕ ይግብኦ ከምኡ ምስ ዝኸውን ሽዑ መስመሩ ሒዙ አሎ ማለት እዩ። ወድሰብ እታ ዝለዓለ ቃልሲ ዝገብረላ ነገር እንተላ መሰል ነጻነቱ ምሕላው እዩ እዚአ ክትጠፍኦ ከላ ንአአ ከምልስ ክሳብ ሞት ይበጽሕ፥ ሰብ ኩሉ ክህብ ይኽእል እዩ ነጻነቱ ግን ካብ አምላኽ ዝተዋህበቶ ፍልይቲ ህያብ ስለ ዝኾነት ዋጋ ዕዳጋ አይግብረላን እዩ። ካልኦት እንተ አሕደግዎ ከምልሳ ሕይወቱ የሕልፍ።   

እዞም ሎሚ ብጸሎት እንዝክሮም ዘሎና ነጻነት ሥጋ ከልብሱና ሓሊፎም፥ ነቲ ዝተነፍገና ነጻነት ከመልሱ ተበጅዎም ዝለዓለ ህያብ። ህያብ ሰማዕታት ህያብ ነጻነት እዩ። ነጻነት ዘየምጽእ መስዋዕቲ ግዝያዊ ጣዕሚ ጥራሕ እዩ ዘምጽእ። አብዚ እዩ እምብአር ናይ ሰማዕታትና ሞት ግዝያዊ ከይከውን ክንሕልዎን ክንዝክሮን ክንለብሶን ዝግብአና። ሕድሪ ሰማዕታት ሕድሪ ነጻነት እዩ። ነዚ አብ ልብና አሕዲርና አብ ክርስትያናዊ እምነት ተመርኲስና ንዝሓለፉ አብሰማይ ክቕበሎም ንዘሎና ኸአ ፍቕርን ሓድነትን ክህበና በዚ ቅዱስ ቅዳሴ ንዋና ነጻነት ክርስቶስ ንለምኖ። ነጻነትና ትርጉም ዝህልዎ ክርስትያናዊ መልክዕ ክነልብሶ ከሎና ጥራሕ እዩ። ምናልባት ንኻልኦት እምነታት ፍሉይ ክመስል ይኽእል ይኸውን ግን ክርስትያንዊ እምነት በሓቂ ስለ ዝምስረት ንኻልእ እምነታት ክጻረር አይክአልን እዩ።

ነጻነት ወዲ ሰብ ሰብ ባዕሉ አብ ዕዳጋ ስለ ዘእተዎ ነጻነቱ ክሕሉ ክስዋዕ ክዋጋእ ግድን ኮይንዎ። አዳምን ሔዋንን ነጻነቶም ባዕሎም አጥፊኦማ ጋሻ ጠባይን መንፈስን አብ መንጎኦምን አብ መንጎ አምላኽን ከምኡ አብ ነነድሕዶም ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን አእትዮም በዚ ኸአ አብ መንግኦም ነጻነት ዘጥፍእ ባህሪ ፈጢሮም በዚ እዩ ዓለምና ኩሉ ጊዜ አብ መንጎ ነጻነት ክሕልዉ ዝደልዩን ንነጻነት ዝግህሱን ፍልልይ ፈጡር ዝርከብ።

አብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝተኸፍሎ ንነጻነት ምሕላውን ምምላስን እዩ። አብ ሃገርና እንተ ርአና ንዘመናት ናጽነትና ክንርክብ ብዙሓት ወለድናን አሕዋትናን አሓትናን በጃ ሓሊፎም። 20 ሰነ ብሃገር ደረጃ ንኹሎም ነቶም ምእንታና ምእንንቲ እዛ ክብርቲ ሃገር ኢሎም ነታ ክብርቲ ሕይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኽብሪ ክንዝክር ተወሲናትልና፥ ቅድስት ዕለት ክንብላ ንኽእል ምኽንያቱ ንኹሎም ነቶም ምእንታና ሕይወቶም ዘሕለፉ ፍቕሮም ዝገለጹልና ዕለት ስለ ዝኾነት።

ክትዝክር ቀሊል እዩ፥ ክትነግር እውን ቀሊል እዩ፥ እቲ ዝኸበደ ንለበዋን ሕድርን ሰማዕታት አኽቢርካ ምሕላው እዩ። ሰማዕታት እንታይ እዩ ለበዋኦም? ምእንቲ ምንታይ እዮም ተሰዊዖም? ብርግጽ ዓላማ ሰማዕታት አብ ሃገር ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ክነግስ እዩ፥ ኩሉ ወዲ ሃገር ዝዓበየ ዝንአሰ ብማዕረ ኩሉ ብሓጎስ ዝነብረላ ሃገር ከምጽኡ እዮም ሓሊፎም። ዓላምኦም ንጹርን ንኹሉ ብሩህን እዩ። እቲ ሕቶ ከመይ አሎና ድሕሪኦም ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ብዘይ ሓደ ፍርሒ ክነብር ክኢልናዶ? ሃገር ከምቲ ቅድሚ ነጻነት ዝተጸበናዮዶ አላ? መንእዩ ነጻነት ረኺበ ክብል ዝኽእል መንእዩ ኸ ነጻነት ተነፊጉኒ ዝብል? አብዚ ብሓቂ ብሕልናን ክንምልስ ክንክእል አሎና ምኽንያቱ ብስምዒትን ብኸምኡ ዝመስል ተዓሻሺና ክንምልስ እንተ ፈተና መልስና ሓቂ አይክህልዎን እዩ።

መዓልቲ ነጻነት ህልው ኩነታት ሃገርና ክንግምግም የኽእለና እዩ። አብ ጽልእን ስምዒትን ተአሊኽና ዘይኮነ አብ ሓቅን ፍቕሪን መሰረት ገርና ንሓቀኛ ኩነታት ዓድና ክንግምግም አሎና። ሰብ መሰል አልኦዶ? እቲ መሰረታዊ ንሰብ ዘድልዮ ነገራት መግቢ ስርሕ፥ ትምህርቲ ሕክምና፥ ልዕሊ ኹሉ መሰል እምነትን፥ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ከምኡ ንመሰል ካልኦት ሓሊኻ ምኽአል ዝብል አሎዶ። እዚ እንተ አሎና ሕድሪ ሰማዕታት ሓሊና አሎና ማለት እዩ እዚ እንተ ዘየሎ ጌና ነጻ አይኮናን ሕድሪ እቶም ምእንቲ ፍትሕን ነጻነትና ዝተበጀዉ ጠሊምና አሎና እዚ ኸአ አብ ካልእ ረጽምን ምክፍፋልን እንተ ኽበደ ኸአ አብ ዳግም ምእንቲ ሓርነት ክትመውት ይዕድም።

ዝኽሪ ሰማዕታት ቀሊል አይኮነን ምኽንያቱ ብቐሊል ዝጥለምን ዝዝንጋዕ ስለ ዝኾነ። ብዝያዳ በቶም ካብ ሞትን መውጋእትን ዝተረፉ ክዝንጋዕ ክጥለም ክትርኢ ብሓቂ ዘጉሂ እዩ። ብዘይ ሓቅን ሞትን መውጋእትን ነጻነት ከም ዝመጽአ ገርካ ንሰባት አብ ፍርሕን ምሽቕራርን ክትርኢ ዘጉሂ እዩ። አብ ብዙሓት ምእንቲ ነጻነት ዝተቃለሱ ምስ ተዓወቱ እቶም ዝተረፉ ነቶም ዝሞቱ ይርስዕዎም እሞ ሓደስቲ ጨኮንቲ ይኾኑ። ታሪኽ ዓለም በበእዋኑ ናይ ከምዚ ነገራት ምስክር እዩ።

አብ ስልጣንን ምምራሕ ሃገር ዝርከቡ ስልጣኖም ንህዝቢ ሰላም ከንግሱ እምበር ክገዝኡ እሞ ብናቶም ፍልስፍናን መምርሕን ጥራሕ ከምዝኸዱ ገርካ አብ ስልጣን ኮንካ ንህዝቢ ምጭኳን ናይ ግፍዒ ግፍዒ እዩ። ብጸበባን ሽግርን ሞትን ዝሓለፈ ከመይ ገሩ ክጠልም ይኽእል እዚ እዩ ምስጢር ወዲ ሰብ፥ ሰብ ንአምላኽ ንፈጣሪኡ ነቲ ኩሉ ዝሃቦ ዝጠለመ ንኸምኡ ዝመስል ክጠልም ዘገርም አይመስለንን። እንታይ ክግበር አለዎ።

ብርግጽ ለውጢ ክትገብር ኢልካ ዳግም ውግእ ምእዋጅ ካልኦ ሞትን ሕንፍሽፍስን ምፍጣር እዩ። እቲ ኽግበር ዘለዎ ህዝቢ መረርኡ ክገልጽ አለዎ፥ ሱቕ ኢልካ ክፉእ እናረኻ ምስቃጥ ዳርጋ አብቲ ክፍአተ ግብሪ ምትሕብባር እዩ። ዓው ኢልና ንኽፍአት ክንዛረበሉ ይግባእ።

አብ ዓድና በዚ ዘሎናዮ እዋን አይጠዓመን አሎ ብዙሓት ዓዲ ሓዲጎም አብ ስደትን ውርደትን ወሪዶም እንርእዮ ዘሎና እዩ። አብ ውሽጢ ግቦን ድኹም ምሕደራን ሽቕለት አልቦነትን ካልእ ዝተፈላለየ ጉድለታት ንርኢ አሎና ልዕሊ ኹሉ ትምህርትን ስነምግባርን እናደከመ ይኸይድ አሎ ሰባት አብ ድንቍርን ይአትዉ ንርኢ አሎና ዝተማህረ ዝጠፍአሉ ዳርጋ ኮይኑ አሎ። እዚ ሓቂ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና እዩ። እንታይ ንግበር።

ከምቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳትና ዝበሉና ሓደ ካብኡ ሃገራዊ ዕርቅን ንስሓን ክነግብር አሎና። ኩሉና ተበላሺና አሎና ወላ እኳ መንግስቲ ብዓቢኡ ነቲ ሕመቕን ክፍአትን ክለብሶ እንተ ኾነ ነፍሲ ወከፍና እውን ክንገብሮን ክንብሎን ዝግብአና ብዘይ ምግባርና ንሃገርና አብ ድንቍርና ነእትዋ አሎና። ጸሎት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መጋበሪ እዩ ክንጽሊ አሎና ብፍላይ ምእንቲ እቶም አብ መንፈሳውን ሥጋውን መርሒነት ዘለዉ ክንጽሊ ይግባእ።

መዓልቲ ሰማዕታትና እምብአር መዓልቲ መብጽዓና እንሕድሰሉ ሰሚርና ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ነጻነት እንዝክረሉን ንድኹም ጎድንታትና አለሊና አብ ሓቅን ምሉእ ነጻነት ዘምርሕ ጉዕዞ ክንጉዕዝ እንውስነሉ ዕለት እዩ። ባህጊ ጥራሕ እኹል አይኮነን ንኹሉ ርኢና ክንክእል አሎና፥ ምህዳም ሱቕ ምባል ፍታሕ አይኮነን። ንገባር ክፉእ ጸኒዕና ክንቃለሶ እንተ አድለየ ኸአ ክንስዋዕ ስንድዋት ክንከው አሎና።

እዚእ ዕለት ንሕልና ዘለዎ ከባድ ዕለት እያ ንለበዋ ሰማዕታት ዘኪርና እሞ ነቲ ንሶም ርእሶም በጃ ዝሃብዎ ዓላማ ከይዘከርና ከም ማንም ብዓል ክንሓልፎ እንተ ኾና ዘይምዝካሩ ይሓይሽ። ሰላማዊ ሰልፊ ሽምዓ ምብራህ፥ ምቝዛም እኹል አይኮነን ብሓቂ ዘሎናዮ ኩነታት ገምጊምና ክንርኢ ይግባእ። ደጊም ጥልመትን ምዝንጋዕን ይአክል ኢልና ሕልናና አበራቢርና አብ ሓቀና ዝኽሪ ንመለስ።

ማርያም አደና ወዳ ምእንቲ ኩሉ ዓለም ምስ ተሰውዐ ነቶም ዝተረፉ ሓዋርያት አኪባ መጀመርያ ጸሎትን ሱባኤን አእትያቶም ነቲ ህያብ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ አሰናድያቶም። አደ ጽንዓትን ሓድነትን ኮይናቶም በዚ ኸአ መንፈስ ቅዱስ ንምቕባል አብቂዓቶም። ሎሚ ንህዝቢ ኤሪትራ ናይ ማርያም ጸሎትን ጽላልን የድልየና አሎ። ህያብ ማርያም ዝኾነ ናጽነትና ሓቀኛ መልክዑ አልቢስና ፍትሕን ነጻነትን መሰልን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሓገር ዝኸብረላ ቅድስት ሓገር ክንሃንጽ ሓግዝና ንበላ።

አምላኽ ዘይተሓወሶ ጉዳይ ከም ግምቢ ባቢሎን እዩ መጨረሽትኡ። ሰብአ ባቢሎን ንአምላኽ ከርክቡ እሞ አብ ቦታ አምላኽ ክቕመጡ ስለ ዝሓሰቡ አምላኽ ከምዘይሰማምዑ ገርዎም አብ መጨረሻ ተበታቲኖም ዝሓሰብዎ ኽገብሩ አይከአሉን። አምላኽ አብ ዘለዎ ግን ኩሉ አሎ ሰላም ምስምማዕ ንግፉዕ ፍትሕን ሓቂ ምውጻእ፥ ኩሉ አብ ህንጸት ሓቅን ነጻነትን ይወፍር በዚ እዩ አምላኽ ማእከል ሕይወትና ገርና ክንጉዓዝ አሎና። ተበታቲና እንገብሮ ነገር የለን ብሓቂ ክሕስበና አለዎ። ሃገር ብዙሕ ነገራት ቀስ ብቐስ እናከፍአ ዝኸይድ ይስዕርረላ አሎ ስለዚ ከይሳዕረረ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጻዕርን ተሳትፎን የድልዮ።

አምላኽ ንኹሎም ነቶም ምእንቲ ፍትሕን ነጻነትን መሰልን ዝተበጀዉ አብ ሕቕፉ ተቐቢሉ ንሃገርና ሰላምን ፍቕርን ፍትሕን የውርደልና። ካብ ሕሱም ጸላኢ ይሓልወና። ሰማዕታትና ንዘለዓለም ምእንቲ ቅዱስ ዓላማ ስለ ዝሓለፉ ይዘከሩ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 June 2021, 10:10