፪ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ሰነ 20 2013 ዓ.ም. (6/27/2021)

መዝሙር፡ ወረደ መንፈስ ቅዱስ . . . . መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ሓዊ ወረደ፥ በብዓይነቱ ቋንቋ ኸአ ተዛረቡ
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኤፌ 4፡1-17፥ 1ዮሓ 2፡1-18፥ ግ.ሓ. 2፡1-14፥ ዮ.ሓ 14፡1-22   ስብከት፡ ዐርገ ውስተ አርያም ጸዊወከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይኅድሩ። አብ ሰማይ ዓሪግካ ምርኮ ማረኽካ፥ ህያባት ንደቅ ሰብ ወሃብካ፥ ከምኡ     እውን ዓመጸኛታት አብኡ ክሓድሩ ምእንቲ መዝ. 67፡18።   

አብ እዋን ጳራቅሊጦስ ኢና ዘሎና። አብዚ እዋን ብፍሉይ ክሕግዘና ሕይወትከምኡ ኩነታት ናይ እታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ክንዕዘብ ሓጋዚ እዩ። ብፍላይ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኦም ምስ ወረደ ብኹሉ ተቐይሮም፥ ካብቲ ዕጹው ማዕጾ ወጺኦም ክሰብኩ ጀሚሮም። ነቲ ብሕይወቱ ዝብሎም ዝነበረ ኩሉ ክሰብክዎ ጀሚሮም። እቶም ንመጀመርታ ዝሰምዕዎም እና ተደነቑ እንታይ ኢና እንርኢ ዘሎና እዚኦም ሰባት ዝብልዎን ዝገብርዎን ምስቲ ሓቀኛ እንታይናቶም ምስ ረአይዎ ገሪምዎም ገለ ጉዖሽ ብንግሁኡ ሰትዮም እዮም ገለ ኸአ ተገሪሞም፥ እቲ ንጹር ነገር አብ አርድእቲ ኢየሱስ ሓዲስ ነገር ተራዩ። አብ ሕይወት ሓዋርያት ድሕሪ ምውራድ መንፈ ቅዱስ ዝተራእየ ነገራት እንተሎ፡

  • እምነቶም ተሓዲሱ፥ እቲ ክፈልጥዎ ከቢድዎም ዝነበረ መምህሮም መን ምዃኑ አረጋጊጾም ክአምኑ ክፈልጡን ጀሚሮም። ንሱ አምላኽ መድኃኒ መዃኑ ነቲ ንሶም ዝአምንዎ ንኻልኦት ክነግሩ ተጓይዮም። ንኹሉ ነገር ድሕሪ እምነቶም ሰሪዖሞ ክጉዓዙ ጀሚሮም። መብዝሕትኦም ብሞቶም መስኪሮሞ። ብእምነቶም ንብዙሓት አብ ኢየሱስ መሊሶም፥ ነቲ እምነቶም አብ ካልኦት አሕሊፎም ሓሊፎም። 
  • ብሓንሳብ ተአኪቦም አብ ዝጽልዩ አብ መንግኦም አምላኽ አሎ። ሓዋርያት ምስ ማርያም አብ ማእከሎም ገሮም እናጸለዩ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም። ማርያም ንበይና እናጸለየት እንከላ መልአኽ አበሲርዋ መንፈስ ቅዱስ አብአ ዓቢ ነገራት ከም ዝገብር ተነጊርዋ ንኻልኦት አብ መንፈስ ቅዱስ ትመርሕ። ብዙሓት ነብያት ቅዱሳን አምላኽ አብ ጽሙና አብ ጸሎት እንከለዉ መጺእዎም። አምላኽ ጽምዋን ጸሎትን ይፈቱ። ንሕና አብ መአዲ ቍርባን ብሓንሳብ መስዋዕቲ ክነዕርግ እንከሎና ንሱ አብ መንጎና አሎ። አብ ሰናይ ግብሪ ተአኪብና ክንጽሊ እንከሎና አምላኽ በረከቱን ጸግኡን የውርደልና። ብሓንሳብ ኮና ክንልምኖ ከሎና ይሰምዓና።
  • ብመንፈስ ቅዱስ ክምርሑ ወሲኖም። መንፈስ ቅዱስ ምቕባሉ ጥራሕ እኹል አይኮነን ክመርሓና ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። አብ ገለ እዋን ድላዩ ምስ ድላይና ክሰማማዕ አይክእልን ይኸውን ሽዑ እዩ ዝያዳ ክንሰምዖ ዝግብአና። ካብ ድላየይ ክገብር ድላይካ ኽገብር ሓግዘኒ ንበሎ። ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝመርሓ ኩሉ ጊዜ ሓቂ ተስተምህር። ካብ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ወጻኢ ካልእ ሓቂ ክህሉ አይክእልን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ አቡናት ሓቢሮም ቃል አብ ክንዲ ክርስቶስ ክዛረቡ እንከለዉ አይሰሓሓቱን እዮም። እዚ ዓምዲ እምነትና እዩ።
  • ስብከተ ወንጌል ንመንፈስ ቅዱስ ክንሰምዕ ከሎና ጥራሕ እዩ ዝሰልጥ። ሓላዊኡ ሰባኺኡ ንሱ ስለ ዝኾነ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ጽን ክንብል ክንክእል አሎና። ንወንጌል ዋንኡ ባዕሉ እዩ። ሰባት ልኡኻት ኢና። ካባና ዝድለ መልእኽትና ክነብጽሕ እዩ። ስብከተ ወንጌል አብ ክእለትናን ሓይልናን ተምስሪትና ክንሰብኮ ከሎና ናይ ሰብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ ስለዚ መንፈስ ከምርሓና እንከሎ ጥራሕ ኢና እነፍሪ። ናይ ሕወትና ተግባር ወሳኒ እዩ።

ወንጌል ዮውሓንስ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ናይ መጨረሽታ ለበዋን ትምህርትን ዝሃቦ ይነግረና። ከጸናንዖምን ንሱ አበይ ከም ዝከይድ ክነግሮምን አብ ዝሓሸ ክኸይድ ምኻኑ ክነግሮም አብኡ ቦታ ከም ዘሰናድወሎም ከምኡ መጸናንዒ ንወትሩ ምስኦም ዝኸውን ክሰደሎም ምኻኑን ተመሊሱ ከም ዝወስዶም ይገልጸሎም። ቶማስ ኩሉ ምርድኡ ጸጊምዎ ናቱ ምኻድ ስለ ዘይተቐበሎ ምስ ከደ ዝኽተልዎ መገዲ ይሓትት ብኻልእ አዘራርባ እቲ ዝብሎ ክርድኦ ኢሉ ንሱ ብከመይ አብ መንግኦም ከም ዝህሉ ክፈልጥ ይሓትት። ናይ ኩልና ሕቶ እዩ። መገዲ ኢየሱስ ክንፈልጥ እሞ ክንስዕቦ ክንፈልጦ አሎና። በየናይ መገዲ እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ ይግብአና።

ኢየሱስ ቅድሚ ምኻዱ ንሓዋርያቱ ንኹሉ ዝሕተት ሕቶ መልሲ ዝኸውን ናይ መልሲ መጽሓፍ አይሓደገሎምን አይረከቦምን። ከምኡ ንዝኾነ ሓጢአት ዝርኢ ክበዱን መቕጻዕቱን አይሓደገሎምን። ንሕና እውን ከምኡ ገሩ እንተ ዝኸውን ንምነ እንተኾነ መገዱ ከምኡ አይኮነን። ንመገዱ ዝሕብሩ ማለት ስእልታትን ሓበረታታትን የለን። ብግሩህ አዘራርባ አብ ርእሱ እና አመልከተ “ አነ መገድን፥ ሓቅን ሕይወትን እየ” ይብል። ንሱ ጥራሕ እዩ አፍደገ አምላኽ፥ ንሱ ጥራሕ እዩ አብ አቦ ከብጽሓና ዝኽእል። እቲ እንኮ መንጎኛ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ካልእ መንጎኛ የብልና። ማርያምን ካልኦት ቅዱሳንን ንስራሕ ኢየሱስ ናብ ኢየሱስ እዮም ዘብጽሑና።

·         ኢየሱስ መገዲ እዩ፡

ኢየሱስ እቲ ክንከዶ ዝግብአና መገዲ አብ ሰማያዊ አቦና ዘብጽሓና እዩ። ንሱ መገዲ አሎኒ አይኮነን ዝብለና አነ መገዲ እየ እዩ ዝብል ነዚ መጊዲ ተኸተሉ አይኮነን ዝብለና ንሱ ብርእሱ እቲ መገዲ እዩ። እዚ አዘራርባ እዚ ቀሊል ዘረባ አይኮነን። ምስኡ ምስታወሃሃድና ጥራሕ ኢና አብ ሰመያዊ አቦ እንበጽሕ ምኽንያቱ ንሱን አቦን ሓደ ስለ ዝኾኑ። ንሕና እንዛረበሉ ዘሎና ናይ ዘይፍለጥ አምላኽ ናይ ግሪኻውያን ወይ ዘይርአ አምላኽ ናይ አይሁድ አይኮነን፥ ንሕና እንዛረበሉ ዘሎና ብዛዕባ እግዚአብሔር ባዕሉ ብኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ገሩ ዝተገልጸልና ኢና። ኢየሱስ ገጽ አምላኽ፥ ልቢ አምላኽ፥ ቃል አምላኽ እዩ። አምላኽ ካብ ኢየሱስ ክፍለ አይክአልን እዩ ከምቲ ኢየሱስ ካብ አምላኽ ክፍለ ዘይክእል። “ብወልድ አቢሉ እንተ ዘይኮነ ናብ አቦ ዝመጽእ የለን፥ ንአይ እንተፈለጥኩም ነቦ እውን ክትፈልጥዎ ኢኹም”። አብ ወንጌል ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ንሰባት አብ መገዲ ከምዝረኸቦም ነንብብ አብ መገዲ ኢየሩሳሌም፥ ኢያሪኮ፥ አብ ገሊላ፥ አብ ደማስቆስ፥ አብ አንጾክያ . . . እናበለ ኢየሱስ ዝርከቦ ይነግረና። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብ መገዲ ሕይወትና ክረኽበና ይደሊ። አብ መገዱ እንተረኸብናዮ ምሕረት ጸጋ ክንቅበል ኢና። አብ መገዲ እናተጓዕዘ እንተ ጸዋዕናዮ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ እዩ ዝብለና። አብ መገዲ ሽሙ እንተ አልዓልና ሎሚ ምሳኻ/ኺ ክውዕል እዩ ዝብለና።

·         ኢየሱስ ሓቂ እዩ፡

ንሱ ሓቂ ጥራሕ አይኮነን ዝዛረብ እንታይ ድአ ንሱ እቲ ምንጪ ሓቂ  አብኡ ጥራሕ ዝርከቦ እዩ። እዚ እዩ ንጲላጦስ ዝተዋህቦ መልሲ። እንታይ እዩ ሓቂ ንዝብል ሕትኡ። ሓቂ ዝብሃል ሓደ አብ አእምሮ ጥራሕ ዝርከብ ረቂቕ ነገር ዘይኮነ አብ ኢየሱስ ግዙፍ መልክዕ ለቢሱ ዝርከብ እዩ። ኢየሱስ ብርእሱ እቲ ሓቂ እዩ። ሓቂ ትዮሪ ወይ ስነሓሳብ አይኮነን አካል እዩ። ኢየሱስ ሓቂ ብዛዕባ አምላኽን፥ ሓቂ ብዛዕባ ሰብን እዩ። እቲ አብ መገድታት ፍልስጢኤም አብ ኩሉ ዝዛወር ዝነበረ ምስ ኃጥአን ዝበልዕ ዝነበረ ብርእሱ ህያብ ኮይኑ ዝመጸና አምላኽ ንሱ እዩ።

ከምቲ አምላኽ ንሓቀኛ መንነቱ ኽገልጽ አብ ኢየሱስ ዝጥምት፥ ንሕና እግዚአብሔር ክግለጸና አብ ኢየሱስ ንጠምት። ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ ሓገኛ ምስሊ አምላኽ። ሰብ ንሓቂ ክፈልጥ እንከሎ ዕግበት ይስምዖ እንተኾነ ንኢየሱስ ከፈልጥ እንከሎ ሕይወት ይለብስ አብኡ ኩሉ ጊዜ ሓቂ ስለ ዘላ ብርሃን ይኸውን። ንሓቂ ክርስቶስ ክንለብሳ ክንምስክራ ክርስትያናዊ እምነትና እዩ። አብ ሓቂ ንበሩ እናበለ ሕይወት ተኸተልቱ መፍለጢኦም ሓቂ ክገብሩ ይነግሮም። አብዚ ዓለም እንገብሮ ሓቀኛ ነገር አብቲ ናይ ሓቂ መግዲ ኢየሱስ ዝህቦ ስለ ዘብጽሕ አብ ናብራና አብ ሕይወትና ንሓቂ ክንሰርሕ እንከሎና ናይ ብሓቂ አብ ጉዕዞ ኢየሱስ አሎና ማለት እዩ። ሓቂ ብቐሊል እትጠፍእ ስለ ዝኾነት ኩልና ክንሕልዋ ክንከላኸለላ አሎና።

·         ኢየሱስ ሕይወት እዩ

ቅዱስ ዮውሓንስ አብ ወንጌሉ ከም ዝብሎ ብእኡ ኹሉ ተፈጥረ፥ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ ዝተፈጥረ የልቦን፥ ሕይወት አብኡ ነበረት እታ ሕይወት ከአ ብርሃን ሰብ ነበረት (ዮሓ 1፡3-4) ይብል። ናይ ኩሉ ፍጡር ምንጪ አብ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ይነገረና።

ንሕና ሕይወት ዘሎና ብሳላ ኢየሱስ ኢና። ሕይወትና ህያቡ እያ። በዚ ምኽንያት ኢና ሕይወት ካብ መጀመርትኡ ክሳብ መጨረሽትኡ ቅዱስ ነገር እዩ ኢልና እንአምን። ሕይወት ብዕድል ወይ ብአጋጣሚ ዝመጸ ዘይኮነ ህያብ አምላኽ እዩ። አብ ኢየሱስ ብዘሎና እምነት ጥራሕ ኢና ትርጉም ሓቀኛ ሕይወት ክንርዳእ እንኽእል። ንሱ እቲ ሓቀኛ ሕይወት ስለ ዝኾነ ምስኡ ርክብ ዘልኦ አብ ሕይወት ይነብር። ትርጉም ሕይወት ከአ ይፈልጥ። ሰብ ሎሚ ዋና ሕይወት ኮይነ ዝብል ርድኢት አሕዲሩ አብ ሕይወት ዝተፈላለየ ግፍዒ ክፍጽም ይርኤ። ውግእ፥ ጽንሲ ምንጻል፥ ምጭኳን ሰብ፥ ዝተፈላለየ አብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ክንገብር ከሎና ንሰብ ንፈርዶ እዚ ኸአ ሕጊ አምላኽ ምፍራስ እዩ። ሕይወት ዋንኣ አምላኽ እዩ ሰብ ብዝኾነ መገዲ ንሕይወት ጎይታ ኮይኑ ክውስናላ ወይ ከምድላዩ ክገብራ አይክእልን እዩ።

እዚ ኹሉ ንኢየሱስ ክንፈልጦ ክንረኽቦ ምስኡ ክነብር እሞ ናቱ ክንከውን ምእንቲ እዩ። ንኢየሱስ ክንረኽቦ መገዱ ክንፈልጥ አሎና። ሓዋርያት ቅድሚ ምቕባል መንፈስ ቅዱስ መገዱ አይፈልጡን ነሮም። ብዙሕ ዘደናግር ይገጥሞም ነሩ። ካብኦም ምስተፈለ ንዝኾነ ነገር ዝከውን መልሲ አይነበሮምን ስለዚ ሓደ ነገር ዝርአ ዝነበሮም ብሓደ ኮንካ ንቕድሚት ምጉዓዝ ንዝኾነ ነገር አብ ማሕበር የምጽእዎ ነሮም። ብዙሕ ነገር ኢየሱስ ዘይነገሮም ነርዎም ስለዚ ብሓባር ኮይኖም ብሓቂ ይመርሑ ነሮም።

ኢየሱስ ንተኸተልቱ አብ ዘመናት ዝመጽእ ምድንጋራት አብ ሓላፍነቶም ስለ ዝሓደጎ አብኦም እምነቱ ይገልጽ። በዚ እዩ መልሲ ንዝኾነ ነገር ዘይሓደገሎም። ብሕጂ እውን ብዙሕ ነገራት ዝግበር አሎ። ቤተ ክርስትያን አብ ኢየሱስ እምነት ገራ መልሲ እትህበሉ። አብ ኢየሱስ ንሱ ሕይወትን መገድን ሓቅን ገርና ምርአይ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ አይምልሰልናን እዩ። ሓንቲ ነገር ዘላ ኢየሱስ አብኡ እምነት ገርና ክንነብር እዩ ዝደሊ።

አብዚ እዋናት ንመንፈስ ቅዱስ ዘኪርና አብ ዘሎናሉ ፍሉይ ጸሎትን ልብና ክንከፍት ንሕተት አሎና። መንፈስ ቅዱስ መራሒ ሃናጺ ሓጋዚ ጎይታ እዩ። ትማሊ ሎሚ ጽባሕ ንቤተ ክርስትያኑ ዝመርሕ ንሱ እዩ እሞ ምርሓና ንበሎ። ቀይረና አብ መንጎና ሕደር ብመንፈስካ ምርሓና። ንቤተ ክርስትያንካ ሎሚ እውን አብርሃላ ንኹሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት አርህወልና ንበሎ።

መንፍስ ቅዱስ አምላኽና ሎሚ እውን ንቤተክርስትያኑ ጸግኡ ይዓድላ ንኹሉ ፈተናን ተጻብኦን አሸኒፋ አብ ሓቅን ቅሳነትን ክትርከብ ጸሎት ንግበር። ንኹልና አብዚ ቅዱስ ጊዜ አብ ኩሉ አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንጉዓዞ ኩሉ ብርሃኑ ይዓድለና። ርሑስ ዘመነ ጰራቅሎጦስ!

ብሩኽ መኣልቲ አቦታት!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

26 June 2021, 12:44