ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ኣብ በኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ኣብ በኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ኣብ በኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዞባ ሰሜናዊ ኪቩ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ንዳዒሽ ቅርበት ብዘለዎም “ጥሙራት ደሞክራሲያዊ ሓይልታት” ተቢሂሎም ብዝጽውዑ ጉጅለ ዓለወይናታት ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ዝፍጸም ከምኾነን ዝሓለፈ ወርሒ ናይቲ ዞባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ መልኪዘደክ ኪሱሊ ፓሉኩ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም መቕተልትን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ፍርሕን ራዕድን ዘተኣታትው ተግባር ብቐጻሊ ይረአይ ከምዘሎ ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ሓቢሮም፡ እዚ ኩነታታ እዚ ንዅሉ ዜጋ ዓቢይ ስግኣት እዩ ከምዝበሉን ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብነታጒ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘስዓበሎም እውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ሰበኻ ቡተምቦ - በኒ ኣብ እትርከብ ልዕሊ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ብነታጒ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብሓቂ  ጃምላዊ ቕትለት መስዓበ ነይሩ፡ እቲ ዕለት 27 ሰነ ሰንበት ሰዓት ሽዱሽተ ትሕቲ መንበረ ታቦት ዝተጸምደ ቦምቢ ከምእተተኮሰን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ንዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ዝነበሩ ክልተ ምእመናን ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዓበን ብህጹጽ እውን ናብ ቤት ሕክምና ከምእተወስዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስቲያንን ንብረትን ከቢድ ውድመት ከምዘስዓበን እቲ ቦምቢ ከም ዕድል ኮይኑ እውን ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተተኾሰ ብምዃኑ ከቢድ ህልቂት ከምዘይሰዓበን ነዚ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ግብረ ሽበራ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብታ ቑምስና ሽማግለ ሓለዋ ጸጥታ ከምዝቖመ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዞባ ሰሜናዊ ኪቩ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ንዳዒሽ ቅርበት ብዘለዎም “ጥሙራት ደሞክራሲያዊ ሓይልታት” ተቢሂሎም ብዝጽውዑ ጉጅለ ዓለወይናታት ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ዝፍጸም ከምኾነን ዝሓለፈ ወርሒ ናይቲ ዞባ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ መልኪዘደክ ኪሱሊ ፓሉኩ ፥ ብዛዕባ እቲ ብቐጻሊ ኣሸበርቲ ሓይልታት ዝፍጸምዎ መጥቓዕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከቢድ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝሓብረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም መጥቓዕቲ ዝፍንዉ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን እውን ከምዘጥቕዑን ሰባት ይቕተሉን ብዘይ ዓመጽን መቕተልትን እትሓልፍ ሓንቲ መዓልቲ የላን ቢሎምን ነዚ ግብረ እከይ ኮኒኖም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ካብ 2013 ክሳብ ዕለት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዞባ በኒ ልዕሊ 6 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ከምእተቐትሉን 3 ሚሊዮን ዝግመቱ ካብ ቤቶም ከምእተመዛበሉን 7,500 ሰባት እውን ከምእተጨውዩን ዝነደደ ኣባይትን ኣቝሻትን ኣባይቲ ምሕደራን ዝተፈጸመ ዘመተን ብዙሕ እውን ምዃኑ ይንገር።  ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩም ኣይትቕተሉ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም፥ ነቶም መቕተልትን መጥቓዕቲ ዝፍጽሙ፥ ደም ኣሕዋትኩም ካብ ምድሪ ናብ ሰማየ ሰማይ ይእውይ ኣሎ፡ ቢሎም ካብቲ እከይ ተግባሮም ተላቒቖም መጋርያ ሰላም ንኽኾኑ ጽዋዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ይሕብር።

ስለዚ ብጹዓን ጳጳሳት እታ ሃገር መንግስቲ ናይ ምዋቕራት ሕዳሴ ከሳልጥን ዝሓሸ ምምሕዳር ሓይሊ ጸጥታ ከቕውምን መጥቓዕትን ሞትን ንምውጋድ ዘኽእል ስርዓት ምድልዳልን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝምራሕ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ክቐውምን መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ክብገሰን ኣጽዋር ውግእ ምውጋድን ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ኵሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ኣበርቲዕ ክዓዪ ብዛዕባ ሰላምን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ብኹሉ ጽፍሕታት ሕንጸት ክሰፍሕን ዝድግፍ ፍሉይ ቀዋሚ ንጥምረትን ንሰላም ኣካል ኣብ ሰሜናዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ፍሉይ ቤት ምኽሪ ክቐውም ከምዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብቲ ግጭት ዝበዝሖ ዞባ ናይ ዜግነት ስነ ምግባራዊ ስርዓት ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ምስ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ሽርክነት ንትብባዕን ናይ ዘተ ባህሊ ክምዕብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ውግእ ባይታ ኵሉ ጸባብ እዩ፡ ንዅሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝትክፍ ከምኡ እውን መጻኢ ደቕና ዝኾልፍ እዩ፡ ምክፍፋልን ምክፍፋል ዝወልዶ እከይ ክሰዓር ዓመጽ ክጠፍእን ዝኽእል ብፍቕርን ሓድነትን ምዃኑ ኩሉ ንኽርድኦ ንላበው” ቢሎም ምእንቲ ሰላም ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኵሉ ከከም እምነቱ ዘዋስእ መዓልቲ ጸሎት ክውሰን” ንዕድም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 June 2021, 18:21