ነፍሰኄር አባ ጸጋዘአብ በርሀ ነፍሰኄር አባ ጸጋዘአብ በርሀ 

እስመ አልቦሙ ለአግብርቲከ ሞት አላ ፍልሠት! ንመገልገልትኻ ምስግጋር እምበር ሞት የልቦን! ጸሎተ ፍት

“እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግበኣኩም፥ ነታ አምላኽ ዝመጽኣላ መዓልቲ እናተጸበኹምን፡ እናኣቀላጠፍኩምን፣ ብቅዱስ ሕይወትን ብፍርሓት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዝግበኣኩም”(2ጴ.3፡11-12)
ብድምጺ ንምክትታል!

ናይ ክቡር ነፍስ-ኄር አባ ጸጋዘኣብ በርሀ ሓጺር ታሪኽ ሕይወት

ክቡር ካህን ነፍስ-ኄር አባ ጸጋዘኣብ ካብ ክቡራን መንፈሳውያን ውለዲ አቶ በርሀ እማንን ወ/ሮ ብርሃኑ ሞሳእግዚእን ብ12-9-1935 አብ መበቆል ዓዶም ሓዲሽ ዓዲ ሓደግቲ ተወልዱ። ድኅሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ብኃልዮ ቅዱሳን ወለድን ብሥምረትን ቅድስቲ ቤተክርስቲያንን ጸጋ ምሥጢረ-ጥምቀት ተቐበሉ። ካብ መንጎ 4 አኅዋትካ (2 አወዳትን 2 አዋልድን) ተኃርዮም ናብ ጸጋ ውፉይ ክህነታዊ ሕይወት ንምብጻሕ በቕዑ።     

ትምህርቲ፦ “ንሕግኻ ስለዘስተንትኖ፣ ሓለፋ ኩሎም መማህራንን ለበምኩ። ንትእዛዛትካ ስለዝህሉ ሕልፊ ሽማግለታት ምስትውዓል አሎኒ።”(መዝ.119፣99-100)

ክቡር ነፍስ-ኄር አባ ጸጋዘኣብ ካብ 1950-1953 መባእታን ማእከላይን ደረጃ አብ ማኅበር ናይ ዘርኣ-ክህነት አትዮም አብ ከረን ተማሂሮም፣ ካብዚ ወጺኦም ድኅሪ ክልተ ዓመት በቲ እግዚኣብሔር አብኦም ዘኅደሮ ሕሹኽታ ጸዋዕታ ቪንቸንስያዊ ሕይወት ክህነት ንምኽታል፣

ብ22-11-1955 ናብ ማኅበረ-ልኡካን አትዮም፤ ብ1955 ሓደ ዓመት አብ ኮምቦኒ ኮለጅ ተማሂሮም፤ ካብ 1955-1957 ብመደብ ማኅበር አብ ስያሕ ሓዋርያዊ አገልግሎት አገልጊሎም። ብ1957 (ጂምናስዩም ከምዚ ናይ ሕጂ ጁኒዮር ማእከላይ ደረጃ ማለት እዩ) 6ይን 7ይን ተማሂሮም።

ቀጺሎም ምስቲ ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ብዝተዛመደ፣ ብ1958-59 አብ ሔቦ ደረጃ ፍልስፍና ተማሂሮም። ብ1958-59 አብ ሔቦ ደረጃ ፍልስፍና ተማሂሮም። ብጥቅምቲ 1960 ናብ ዓዲጥልያን ተላኢኾም። 

ካብ 1961-1963 ናይ ክልተ-ዓመት ተመክሮኦም ፈጺሞም ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ካብ 1963-1965 ናብ ኤርትራ ተመሊሶም አብ ገዳም ሲታውያን ዝነበረ ናይ 1ይን-3ይን ትምህርተ-መለኮት ትምህርቲ ተማሂሮም።

ብ20-11-1966 ብዓቢይ መብጽዓ ናብ አምላኽን ንኣገልግሎት ስብከተ-ወንጌል ተወፍዮም። 3ይ ዓመት ቴዮሎጊያ ምስበጽሑ፣ 12 ክፍሊ ክውድኡን፣ 4ይ ዓመት ትምህርተ-መለኮትን፣ ቋንቋ እንግሊዝኛን ንምጽናዕን ናብ ሕቡራት መንግሥታት አሜሪካ (ሺካጎ) ተላኢኾም ንሓደ ዓመት ጸንሑ፥ ብድኅሪ’ዚ

ብ 2 ግንቦት 1968 ናብ ሃገሮም ተመልሱ፤ ብ 24 ግንቦት 1968 ምስ 7 ብጾቶም ብኢድ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ብጹዕ አቡነ-አብርሃ ፍራንሷ አብ ሔቦ መዓርገ-ዲቁና ተቐቢሎም።

ድኅሪ ክልተ መዓልቲ ማለት ብ 26-05-1968 ግንቦት ምስ 7 ብጾቶም ብኢድ ብጹዕ አቡነ አብርሃ ፍራንሷ፣  አብኡ አብ ሔቦ መዓርገ-ክህነት ተቐቢሎም።

ክህነታዊ አገልግሎት፦ “እዜንዎሙ ለነዳያን ፈነወኒ” (ሉቃ.4፣18)

ክቡር ነፍስ-ኄር አባ ጸጋዘኣብ፦ ፈለማ ካብ 1968-70 ቁምስና ደብረ-ማርያም ጽዮን ሔቦ ተሓጋጋዚ ቆሞስ፤ ካብ 1971-1976 አብ ሔቦ ቆሞስ ኮይኖም አገልገሉ ፤ ካብ 1977-1982 ቤት ትምህርቲ ማርያም ጽዮን ሔቦ ዳይረክተር ምስዚ’ውን አብ ደብረ-ቅዱስ ዮሴፍ ዓዲቆንጺ ቆሞስ፤ ካብ 1983-1986 ደብረ ጽንሰታ ተኣምራታዊት ድንግል ማርያም ቆሞስ፤ ካብ 1987-1991 አብ ደብረ-ቅዱስ ዮሴፍ ዓዲቆንጺ ቆሞስ፤ ካብ 1992-1996 አብ ሔቦ ሓዋርያዊ አገልግሎት፣ አብ ውሽጢ’ዚ እዋን’ዚ ንኢትዮጵያ ከይዶም አብ ባሕር-ዳር ንሓደ ዓመት ሓዋርያዊ ተልእኮ ፈጺሞም እዮም፤

ካብ 1997- 2000 አብ ገዳም ማኅበር ደቀምሓረ ሓለቓ፥ ካብ 2001-2002 አብ ተኽላቢ (መረታ-ሰበነ) ተመዲቦም አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት፥ ካብ 2003-2006 አብ ደቀምሓረ ተመዲቦም አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት፥ ካብ 2007-2013 አብ አሥመራ አስሄል ተመዲቦም አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት፣ ካብ 2014-2020 አብ ደቀምሓረ ተመዲቦም አብ ሓዋርያዊ አገልግሎት እናነጠፉ ዕቤት ሽምግልናን፣ ጉድለት ጥዕናን አርኪበናኦም።

2016 ዓምፈ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ኣብ ሮማ ኣብ ዝነገዱሉ ጊዜ!
2016 ዓምፈ ዓመት ምሕረት ኢዮቤል ኣብ ሮማ ኣብ ዝነገዱሉ ጊዜ!

ፍሉይ እወንታዊ ዝምባለን ባሕርያትን ናይ አባ ጸጋ-ዘኣብ፦ ትምህርተ-ክርስቶስ ምምሃር፥ አበ-ነፍሲ ምዃን፣ ፈታዊ ዜማን ሊጡርጊያና ሃገርናን፣ አብ ቀብርን ዓውደ-ዓመታት ብምስታፍ ንሓዋርያዊ አገልግሎቶም ይገልጹዎ ኔሮም። ከም ባሕይርይ ከኣ፣ ገርሂ፣ ተዋዛያይ፣ ርሕሩሕ. መንፈሳዊ፣ ፍቕሪ ክህነት ዘለዎም፣ ሓላዊ ሰዓታት ናይ ጸሎት ዝነበሮም አቦ እዮም።

“እዛ ሓንቲ ንውልቃ ዝኾነት ምድራዊት ሕይወትና ምስተዛዘመት፣ ናብ ሰማያዊ ድግስ-መርዓ ንምእታው ምእንቲ ክንበቅዕ፣ ምስቶም ብጹዓን ምእንቲ ክንጽብጸብን ደኣምበር፣ ከምቶም ክፉኣትን ሃካያትን አገልገልቲ ተቖጺርና፣ ናብ ሓዊ ዘለዓለም ምእንቲ ከይንምደብ፣ ሕጂ መዓልቱን ሰዓቱን ከኣ ሰልዘይንፈልጦ፣ ማዕዳ ጎይታን ሰሚዕና ብንቕሓት ኩሉ ግዜ ስንዱዋት ክንከውን ይግበኣና።” (መዝገበ-ኃይማኖት 1036)

ክቡር ነፍስኄር አባ ጸጋዘኣብ፦ ክሓሙ ጸኒሖም፣ ማለት አብ ቅድሚ 7 ዓመት አብ ዓዲጥልያን ብምኽንያት ጸገም ጉድለት ጥዕና መጥባሕቲ ጌሮም። ናብ ሃገሮም ምስተመልሱ፣ አብዘን ዝሓለፋ 7/8 ዓመታት ክሳቐዩ ድኅሪ ጸኒሖም፣ ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ክልተ ቅነ ካብ ደቀምሓረ ናብ አሥመራ መጺኦም ሕክምና ክገብሩ ድኅሪ ምጽናሕ፣ ትማሊ ሠሉስ ዕለት 24 ግንቦት 2013 ግዕዝ (ብ 1 ሰነ 2021 ፈረ) በቲ ዝተጠቕሰ ምኽንያት አብ መበል 86 ዓመቶምን፣ 53 ዓመት ናይ ክህነቶምን ብዕረፊ ጻድቃን ናብ ዘለዓለማዊ ሰፈሮም ግዒዞም። ሎሚ ረቡዕ 25 ግንቦት 2013 ግዕዝ (2 ሰነ 2021 ፈረ.) ሔቦ ሓመድ አዳም ለቢሶም።

ራሕሲ ይግደፉልና፣ ካብ እግዚኣብሔር አቦና፣ ንሃገርና ቡራኬን ሰላምን ይለምኑልና። “እባርኮ ለእግዚኣብሔር በኩሉ ግዜ፣ ወዘልፈ ሥብሓቲሁ ውስተ-አፉየ፣

በእግዚኣብሔር ትከብር ነፍስየ።  ሃቦ እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም፣ ወአብርህ ሎቱ ብርሃን ዘለዓለም! ወይኩን ዕረፍቱ በሰላም።

 

አባ ኃይለ ተስፋማርያም ውመ

ዘማኅበረ-ልኡካን አሥመራ

25 ግንቦት 2013 ግዕዝ (2 ሰነ 2021 ፈረ.)

05 June 2021, 18:01