ጅሃዳውያን ንቕድሚት እናገስገሱ እንከለዉ ምስ ሕዝበይ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ሂንዶ ዓሪፎም ጅሃዳውያን ንቕድሚት እናገስገሱ እንከለዉ ምስ ሕዝበይ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ሂንዶ ዓሪፎም 

ጅሃዳውያን ንቕድሚት እናገስገሱ እንከለዉ ምስ ሕዝበይ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ሂንዶ ዓሪፎም

ዳዒሽ - ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተፈላለየ ዞባታት ሶሪያ እናተቖጻጸረን እናመረሸን እንከሎ ምስ ሕዝበይ ዝበሉ ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ቅድሚ ሕዝበይ ዝበሉን እታ ብኣኦም ትምራሕ ዝነበረት ርእሰ ኤጳርቅና እትርከበላ ከተማ ከይትረፈ ብዳዒሽ ክትውረር እንከላ ፈጺሞም ካብ ሕዝቦም ዘይተፈልዩ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ብቓልን ሕይወትን ዝነበሩን

ኣብ ሶሪያ ጅሃዳውያን እስላማዊ ግዝኣት ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዳዒሽ ብዙሕ ናይታ ሃገር ዞባታት ኣብ ምቁጽጻር ገጽ እናበለ እንከሎ ምህላወይን ሞተይን ምስ ሕዝበይ፥ ቅድሚ መጓሰይ ንዓይ ዝብሉ መስካሪ ትርጉም እውነተይና ጓሳ ሶሪያዊ ቡጹዕ ኣቡነ ሂንዶ ብብርቱዕ ሕማም ተጠቒዖም ኣብ ፈረንሳ ንነዊሕ እዋን ብሕክና ክድገፍ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሶሪያ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ እትርከብ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኤጳርቅና ሃሳከ - ኒሲቢ ህየንተ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዣከ በሕናን ሂንዶ ኣብ ፈረንሳ ብሕክምና ክርድኡ ድሕሪ ምጽናዕ ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ዝመጽእ ዘሎ ነሓሰ ሰማንያ ዓመት ምኾኖምውን ነይሩ። ዳዒሽ - ጉጅለ ኣሸበርቲ ዝተፈላለየ ዞባታት ሶሪያ እናተቖጻጸረን እናመረሸን እንከሎ ምስ ሕዝበይ ዝበሉ ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ቅድሚ ሕዝበይ ዝበሉን እታ ብኣኦም ትምራሕ ዝነበረት ርእሰ ኤጳርቅና እትርከበላ ከተማ ከይትረፈ ብዳዒሽ ክትውረር እንከላ ፈጺሞም ካብ ሕዝቦም ዘይተፈልዩ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ብቓልን ሕይወትን ዝነበሩን ምእመናን ኮኑ ብፍላይ ከኣ ካህናት ምስ ሕዝቦም ክኾኑ ዝምዕዱ ዝነበሩ” እንክብሉ ኣብ ደማስቆ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘፈጢማ ካህን ኣባ ኣመር ካሳር ከምዝዘከርዎም ኤሺያን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ 1969 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 1996 ዓ.ም. ናይ ሃሳከ ነሲቢ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ተሰምዮም ከምዘገልገሉን ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብመሰረት ሕገ ቀኖና ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ንማሕበረ ክርትያንን ንመላእ ሕዝቢ ሶሪያ መሰልን ክብረትን ብዘይ ምቍራጽ ጠበቓ ኮይኖም ድምጾም ዘስምዑን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ብደማስቆ ኣፍልጦ ኣብ ዘይተወሃቦ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ርእሰ ምምሕዳር ኮርድሽ ዝነበራ ገሊኣተን ክርስቲያን ኣቢያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ እንከለዋ ከምእተቓወሙ ኤሺያን ነውስ ቃል ኣባ ኣመር ጠቒሱ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዓቢይ ክቡር ዋጋታት ተክለ ሰብነት ዝነበሮም ኣብ መንጐ ዓረብን ኩርድን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ምእንቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ናይ ሓባር ዘተ ዘደልደሉን ፈጺሞም ካብ ሓሳቕ ከይወጹ፥ ዳዒሽ እውን ናብታ ከተማ እናተቐረበን ብዙሓት ዞባታት እናተቖጻጸረን እንከሎ ካብታ ከተማ ከይወጹን ምስ ሕዝብን ኣብ መንጐ ሕዝብን ኮይኖም ናይ ዘተን ርክብን ባህሊ ዘተባብዑን ንመንእሰያትን እቲ ዞባ ብዘይ ማሕበረ ክርስያን ከይተርፍ ናይ ልምዓትን ሕንጸትን መደባት ዘነቓቕሑን እንክብሉ ኣባ ኣመር ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኤሺያን ነውስ ጠቑሱ ይሕብር።

08 June 2021, 15:33