ነጋድያን ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ኣብ መካነ ንግደት መጅደጎርሪ ቦታ እንክጽልዩ ነጋድያን ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ኣብ መካነ ንግደት መጅደጎርሪ ቦታ እንክጽልዩ 

መካነ ንግደት ማርያም መጀጎርየ ድሕሪ 40 ዓመት!

ናይ ሎሚ አርባዓ ዓመት ይገብር ብወርሒ ሰነ 1981 ዓምፈ ጀሚሩ መጅጎሪ ኣብ ዝበሃል ናይ ቦዝንያ ሀርዘጎቪና ቊምስና ብመልእኽታት ንግሥተሰላም ተዓዲሞም ንንግደት ካብ መላእ ዓለም ብዝውሕዙ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ነጋድያንን ናይታ ቑምስና ምእመናንን መንፈሳዊ ንግደት ገና ይቅጽል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተገብረ ሕማም ለበድካ ኮቪድ ንከብቅዕ ዝተኣወጀ ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ብዓለምለኸ ደረጃ ብመራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝተፈጸመለን መካነ ንግደታት ማርያም ሓንቲ ነበረት።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ታሪኽ ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ከምዝተነገረ ኣብ ሓደ ማንም ዘይፈልጦ ቊሸት ሎሚ ኣብ ቦስንያን ሀርዘጎቪናን እትበሃል ሃገር ዝርከብ ገለ ጒጅለ መንእሰያት ኣብ ፖድብርዶ ዝበሃል ኩርባ ሓንቲ ምስሊ ጓል ኣንስተይቲ ብጣዕሚ እተንጸባርቅ ይርእዩ ቀስ ብቀስ ከኣ እኖና ድንግል ማርያም ምዃና ይግንዘቡ። እታ ዕለት ናይ ሎሚ ኣርባዓ ዓመት ይገብር ዕለት 24 ሰነ 1981 ዓም ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ሕሱም መግዛእቲ ኮሚኒዝም እኳ እንተነበረ እዞም ሽድሽተ መንእሰያት እታ ዝተገልጸትሎም ‘ንግሥተ ሰላም’ እየ ክትብል ከምዝነገረቶምን ንመላእ ምእመናን ዝኸውን ዕድመ መሠረታዊ ዕርቅን ለውጥን ንክተቅርብ ከምዝመጸት ትነግሮም። ነዚ ንምግባር ጸሎትን ጾምን ንስሓን ቃል ኣምላኽ ምስማዕን ምንባብን ከምኡ እውን ቅዳሴ ምስታፍን ቅዱስ ቊርባን ምቅባልን ሓሙሽተ መሪሕ ሓሳባት ክኽተሉ ተተባብዖም።

ግዜ እናሓለፈ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ካብቲ ዓድን ከባብን ነዞም መንእሰያት ኣብ ጸሎት ዝጽንበርዎምን ካብ መላእ ዓለም በብቁሩብ እናዓበየ ክሳብ ሚልዮናት ዝበጽሕ ቁጽሪ ነጋድያንን እናዓበየ መጸ። እታ ቊምስና ዓቅላ ክሳብ ዝጸባ ዘይውዳእ መስርዕ ምሥጢረ ንስሓ ዝሳተፉ ነጋድያን ንዓለም ምሉእ ኣደነቀ። ንቤተክርስትስያን እውን ከተሓሳስባ ጀመረ እሞ መጽናዕቲ ክተካይድ ግዲ ኮነ። ከመይ በቲ ኣብኡ ዝግበር ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ሕይወቶም ዝተለወጠ ናብ ንስሓን ጸሎትን ዝተመልሱ ሰባት ቊጽሪ እናዓበየ ምስ መጸ ምስክርነታት እውን ማዕረ ማዕረኡ ክጋዋሕ ጀመረ። እቲ ኣብቲ ቦታ ዝግበር ጸሎታት መሥዋዕተ ቅዳሴን መቊጸርያን ንስሓን ቅዱስ ቊርባንን ነዊሕ ሰዓታት ናይ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባንን ንብዙሓት ክጸሉ ተረኽበ። ካብ ኩሉ ዘገረመ ከኣ ህቡባት ሰባት ብስነ ጥበብስ ይኹን ብእስፖርት ኣመት እምነት ዘይነበሮም መጀጐርየ ምስ ከድኩ ሕይወተይ ተለዊጡ ካብ ምባል ክሳብ ገሊኦም ንኩሉ ጠንጢኖም ኣብ ሕይወት ምንኲስናን ክህነትን ድንግልናን ክጽመዱ ምስ ጀመሩ ሽሕ’ኳ ዘድንቅ እንተኾነ ብዙሕ ሕቶታት እውን ኣልዓለ። ቤተክርስትያን ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ምስ ተዓዘበት ናይ መጽናዕቲ ኮሚሽን ክትልእኽ ግድነት ኮና።

ናይ መጽናዕቲ ኮሚሽን ቤተክርስትያን!

ነዚ ጒዳይ እዚ ንምጽራይ ሥረሐይ ኢሎም ዝጀመርዎ ኣቀዲሞም ንእምነታዊ ጉዳያት ቤተክርስትያን ናይ እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ዝነበሩ ቀጺሎም ከኣ ንር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ስዒቦም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ዝሓዙ ሎሚ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ብጸሎት ዝድግፉ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2010 ዓም ካርዲናላትን ኣቡናትን ሊቃውንቲ ንባበ መለኮትን ዝርከቦ 17 ዝኣባላቱ ብብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ዝምራሕ ናይ መጽናዕቲ ኮሚሽን ኣቈሙ። እዚ ኮሚሽን እዚ ንኣርባዕተ ዓመት ምስ መመላእታ ነቲ ጉዳይ ብጽጹይ መንገዲ ምስ ተመልከቱ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቅረቡ። እንተኾነ እቶም ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝሃቡ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2013 ዓም ብወለንታኦም ኣነስ ኣብቂዔ እየ ኢሎም ሥልጣኖም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለዘረከቡ እቲ ጸብጻብ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2014 ዓም ተዋህበ።

ተልእኮ ሓዋርያዊ ጒስነት!

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ሰነድ ምስ ተቀበሉ ብዙሓት ገለስ ይብሉ ይኾኑ ህንጡይነት ዝተሓወሶ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ተጸበዩ። ኣብ ገገሊኡ ግዜ ኣብ ዝህብዎ ናይ ግሎም ርእይቶታ እውን ዳርጋ ኣሉታዊ ዝመስል መልሲ እንክህቡ ንኣብነት ብ2017 ካብ መንፈሳዊ ንግደት ፋጢማ ናይ መበል ሚእቲ ዓመት ክብረ በዓል ተገልጾ ፋጢማ ክገብሩን ቅድስና ጃሲንታን ፍራንቸስኮን ክእውጁን ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ብዛዕባ ግልጸት ማርያም ኣብ መጀጎሪ ምስ ተሓቱ ዝሃብዎ መልሲ ‘ኩሉ ግልጸታት ወይውን ሓውሲ ግልጸታት ናይ ግሊ እምበር ናይ መሃሪ ክፍሊ ቤተክርስትያን ኣይኮነን። ንመጀጎሪ ብዝምልከት ብካርዲናል ርዊኒ ዝቀረበ ጸብጻብ ዘነጽሮ እንተሎ ሰባት ኣብኡ ይኸዱ ይጽልዩ ይንስሑ ይብል። እዚ ከኣ ቤተክርስትያን ጒስነታዊ ጒዳይ እዚኦም ምእመናን እዚኦም የገድሳ እዩ። እቲ ካልእ ኣብ መጽናዕቲ ዝተርፍ ኮይኑ ነዚ ግን ድሮ ኣተኲሮ ገርናሉ ኣሎና’ ዝብል ይርከብ። በዚ መሠረት ከኣ ድሮ ዋርስዛዋ ፕራጋ ናይ እትበሃል ኣብ ሃገረ ፖላንድ እትርከብ መንበረ ሊቀጵጵስና ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ካብ ዕለት 11 የካቲት 2017 ዓምፈ ጀሚሮም ንኩነታት ነጋድያንን ቊምስናን መጀጎርየ ከክንዳኦም ኮይኖም ክዕዘቡን ከም ፍሉይ ልኡኽ ቅድስት መንበር ገሮም ልኢኾሞም ከምዝነበሩን እቲ ተልእኮ ከኣ ነቲ ኩነታት ከጽንዑን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ናይተን ነፍሳት ጒስነት ብዝምልከት ዕሙቚ ዝበለ ጸብጻብ ከቅርቡ ከም ዝኣዘዝዎም ዝዝከር ነበረ።

ንመንፈሳውያን ነጋድያንን ንምእመናን ቊምስናን ቀጻሊ ምስናይ ከምዘድሊ!

ቅዱስነቶም ነቶም ንዓመት ምስ መመላእታ ከክንዳኦም ኮይኖም ጒዳይ ምእመናንን መጅጎሪን ነጋድያንን ከጽንዑ ንዝለኣኽዎም ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ድሮ ካብቲ ዝነበሮም መንበረ ሊቀ ጵጵስና እውን ብናይ ዕድመ ገደብ ምኽንያት ኣቋሪጾም ስለዝነበሩን ጉዳይ ጒስነት ምእመንን ነጋድያንን መካነ ንግደት ማርያም መጅጐሪ ስለዘተሓሳሰቦምን ክንዳኦም ኮይኖም ብቀጻሊ ዘሰንዮም ጓሳን ብግዲ የድሊ ስለዝበሉ ብወርሒ ግንቦት ዕለት 31 2018 ዓምፈ ንሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሆሰር ፍሉይ ሓዋርያዊ ሓዋጺ ናይ ቊምስና መጀጎሪ ንዘይተወሰነ ግዜን  ኣድ ኑቱም ሳንክተ ሰዲስ ማለት ብሥልጣን ሓዋርያዊ ኣመሓዳርን ከገልግሉ ሾምዎም፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ነቲ ሽመት እቲ እንከብራህርሁ ናይ ቅድስት መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ‘እዚ መዝመነት እዚ ብሱሩ ናይ መንፈሳዊ ጒስነት ኮይኑ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህበ ናይ ፍሉይ ተልእኾ መቀጸልታን መጽደቅን እዩ፣ ቀንዲ ተልእኮ ከኣ ንነፍሳት ብመንፈሳዊ ጒስነት ብቀጻሊ ምስናይ እንክኾን እዚ ከኣ ነቶም ናይታ ቊምስና ምእመናንን ነቶም ካብ መላእ ዓለም መንፈሳዊ ንግደት ንክገብሩ ዝመጹ ነጋድያንን ይምልከት እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 June 2021, 13:43