2021.06.26 ነፍሰኄር አባ ወልደማርያም ዮውሓንስ 2021.06.26 ነፍሰኄር አባ ወልደማርያም ዮውሓንስ 

ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ!

‘እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ’ (2ጢሞ 4.6-8)
ብድምጺ ንምክትታል!

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ወልደማርያም ዮሓንስ ተኽላይ

ኣብ ወልደማርያም ዮሓንስ ተኽላይ ብ16-07-1949 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ጋድማይ (መንሳዕ ቤተ ኣብርሀ) ተወሊዶም። ወለዶም፡ ኣቶ ዮሓንስ ተኽላይን ወይዘሮ ኣኽያር ህያቡን ዝተባህሉ ካቶሊካውያን ስድራቤት ኢዮም። ኣባ ወልደማርያም (ሓድገምበስ) ወዲ ዓመትን ፈረቓን ከለዉ፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ወላዲቶም ብኃውትና ሞት ተፈልያቶም። ብእናታዊ ፍቕሪ ንምዕባይ ምስ ብኣደ ዓባዮም ዝኾና ሚዛን ጋብር ዝተባህላ፣ ኣብ ገለብ ዝተባህለ ዓዲ ክልተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ ናብታ ዝተወልዱላ ናብ ጋድማይ ናብ ኣብኦምን ኣኅዋቶምን ተመልሱ። ምኽኒያቱ ንምሉእ ስድራቤት እትናቢ ዓባይ ኃውቶም ጓል 16 ዓመት ስለዝነበረቶም።

ኣባ ወልደማርያም ወዲ 14 ዓመት ምስ ኮኑ ብ1963 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ገለብ መንሳዕ ቤተ ኣብርሀ፣ ምስ ወዲ ሓትነኦም መም. ኣብርሀ ኤልያስ ዝተባህለ ኣናኣተዉ፡ ኣብ እንዳ ከኒሻ ንመጀመርያ ጊዜ (ኣዚሎ) ትምህርቲ ፊደል ቆጽሩ። ብሓቂ ንምእማኑ ዘሸግር ኢዩ፥ ምኽኒያቱ ኣብዚ ጊዜ እዚ ደቂ 14 ዓመት 10ይ ክፍሊ ኢዮም ዚመሃሩ ዘለዉ።

ብዝኾነ ኣባ ወልደማርያም ንኽረምታዊ ዕረፍቲ ምስ ስድራኦም ንጋድማይ ተመልሱ። ኣጋጣሚ ሓደ መዓልቲ ኣባ ዮሴፍ ማንታይ ዝተባህሉ ካፑቺናዊ ካህን በዓል ገመድ፡ ብምኽኒያት ሓዋርያዊ ስራሕ ንጋድማይ ምስ መጹ ምስ ኣባ ወልደማርያም ይራኸቡ እሞ ይጠማመቱ። ብዝኾነ ኣባ ወልደማርያም ምስ ኣባ ዮሴፍ ማንታይ ምስ ተራኸቡ፥ ኣባ ወልደማርያም ነባቴ ካብ ርእሶም ክሳብ እግሮም እናጠመትዎም ብቋንቋ ትግረ ገይሮም፡ “ቃሸ ከምሰልካ ቀሺ እግል እግባእ ሓዜኮ!” በልዎም፡ ማለት “ቀሺ ከማኻ ካህን ኪኸውን እደሊ ኣሎኹ” እናበሉ ይሓትዎም። ኣባ ዮሴፍ ከኣ፣ “ጽቡቕ ተበገስ፡ ቅድሚዚ ትደልዮ ዘሎኻ ክህነት ግና ትምህርተ ክርስቶስ ክትመሃር ኣሎካ በልዎ” ኣባ ወልደማርያም ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚሮም ብተስፋን ሃንቀውታን እናተጸበዩ እንከለዉ፥ ሓንቲ መዓልቲ፡ ካብ ኣባ ዮሴፍ ማንታይ መጸዋዕታ ይመጾም።

ብ1964 ከኣ ኣብ ደብረ ማርያን ጽዮን ምሕላብ ኣተዉ። ኣብ ምሕላብ ትምህርተ ክርስቶስ ተማሂሮም፡ ሜሮን ተቐቢኦም፣ መጀመርያ ቅዱስ ቊርባን ድማ ተቐበሉ። ኣብ ምሕላብ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተማሂሮም። ብ1969 ብተገዳስነት ኣባ ዮሴፍን ኣባ ሉቃስን ንመንደፈራ ንኡስ ዘርኣ-ፍልስፍና ኣተዉ። ኣብ መንደፈራ 5 ዓመት ድኅሪ ተማሂሮም፥ ብ1974 ዓመተ ተመክሮኦም ኪጅምሩ ንደቀምሓረ ከዱ። ድኅሪ ዓመት ተመክሮ ብ11 -08- 1975 ንኡስ መብጽዓ ገበሩ።

ካብኡ ኣብ እዲስ-ኣበባ (ኢትዮጲያ) ንሠለስተ ዓመት ትምህርቲ ፍልስፍስና ገበሩ። ንኣሥመራ ተመሊሶም ን4 ዓመት ትምህርተ መለኮት ቀጸሉ። ብ18 ወርሒ 1 1981 ከኣ ብምሉእ ሕይወቶም ብዓቢይ መብጽዓ መላእ ሕይወቶም ንኣምላኽ ኣወፈዩ። ትምህርተ መለኮት ብዚግባእ ወዲኦም ብ11 ሓምለ 1982 ክህነት ምስ ሥለስተ ብጾቶም (ነፍስሄር ኣባ ተኽለብርሃን ተስፋጊዮርጊስ፡ ነፍስኄር ኣብ ቪቶሪዮ ኣንቱቱ፡ ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን) ብኢድ ኣቡነ ዘካሪያስ ዮሓንስ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።እዞም 4 ካህናት ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ክህነት ዝተቐበሉ ካፑቺናውያን ኢዮም።

ኣባ ወልደማርም ድሕሪ ክህነቶም ዚሰርሑለይ ዓድታት፥

1982-1985 = ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ (ባረንቱ፡ ቢምቢልና፡ ደለ)

1985-88 = ኣብ ዞባ ዓንሰባ (ሽዕብ ሰለባ፡ ፈርሐን)

1988-93 = ኣብ ኢትዮጲያ (ድሬዳዋ፡ መጋናሰ (ጉራጌ)

1993-2005 = ዞባ ዓንሰባ (ሽዕብ ሰለባ፡ ከተማ ከረን)

2005-6 = ኣሥመራ ገጅረት = ምኽትል ቆሞስን ሓላፊ ዓለማዊ ፍራንስካዊ ማኅበርን

2006-13 = ዞባ ዓንሰባ (ኤድን)

2014-2016 ዞባ ደቡብ (እምባይላ) ከም ሓለቓ ገዳም ሓላፊ ደብሪ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ

2016-2018ዓዲ ጥልያን (ማኖፐሎ፡ ኣውራጃ ኣብሩዞ)(ኣብ ዓመተ ርኅራኄ) ኣብ ኣገልግሎት ኑዛዜ ተጸምዱ።

ካብ 2018 ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣብ ደብረ ቅዱስ ቅንጦኒዮስ ኣሥመራ ጎዳይፍ ከም ሓለቓን ምኽትል ሓላፊ ደብርን ኮይኖም ኣገልገሉ።

'እግዚኣብሔር ንኣሕሉቕን ኣኅዋትን ከየሸገርኩ ዝኸደሉን ዝፋነወሉን ጸጋን ዕድመን ይፍጠረለይ' ምንዮት ኣባ ወልደማርያም ዮሓንስ

 

ኣባ ወልደማርያም ድኅሪ ናይ 46 ዓመት ዉፉይ ሕይወቶም፡ ድኅሪ 39 ዓመተ ክህነቶም ብዕለት 17 ሰነ 2021 ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ብሰላም ዓሪፎም። ብዕለት 18 ሰነ 2021 ብብዙኃት ፈለስቲ ኣኅዋቶምን ካህናትን ደናግልን ስድራቤትን ተሰንዮም፣ ሓመደ ኣዳም ለበሱ።

ኣባ ወልደማርያም ኣብ ኣኅዋቶም ይኹን ኣብ ስርሖም ሕሉፍ ጥንቁቕ ኃው ነበሩ። መብዛኅትኡ ጊዜ ኣብ ሕልቅነት መካናተ ኅውነት ዜሕለፍዎ ጊዜ ጥንቁቕን፡ ሓላይን ኣኅዋት ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ተሕጒሶም ብትግሃት ነኅዋቶም የገልግሉ ነበሩ። ኣብዚ ሕጽር ዝበለ (ገለ ሳምንታት) ናይ ሕማም መዓልትታቶም፡ ንዝወረዶም ስቓይ ብትዕግሥቲ ተጻወሩ።

ሰበኻ ማኅበር ካፑቺኒ ቅ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዘመነ ኮሮና 9 ኣኅዋት ብኃውትና ሞት ተወሲዶም፣ ንሰማይ ስለዝቀደሙና፡ ነዛ ፍትውቲ ሰበኻኦም ካብ ሰማይ ቡራኬኦም ይስደዱልና፡ ንማኅበር ከኣ ራሕሲ ይግደፉልና።

እግዚኣብሔር፣ ንነፍሲ ኃውና ኣባ ወልደማርያምን ካልኦት ሙታንን ይምሓር።

ቤት ጽሕፈት ሰበኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ

ኣሥመራ 22 ሰነ 2021 ዓም።

24 June 2021, 10:30