ናይ ኵሎም ኣደዳ ለብዒ ዜጋታት ትምህርትን ሕንጸትን ናይ ምርካብ መሰል ክኽበር ናይ ኵሎም ኣደዳ ለብዒ ዜጋታት ትምህርትን ሕንጸትን ናይ ምርካብ መሰል ክኽበር 

ናይ ኵሎም ኣደዳ ለብዒ ዜጋታት ትምህርትን ሕንጸትን ናይ ምርካብ መሰል ክኽበር

እቲ ለብዒ ዘይማዕርነትን ማሕበራዊ ፍልልያትን እናወሰኸ ክኸይድ ከምዝገበረ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሕብረት ገሊጹ፥ ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታት ኣባይቲ ስድራን ኣብዚ እዋን ብመረብታዊ ዝመሓላለፍ መደብ ትምህርቲ ክከታተሉ ዘይኽእሉን ተመሃሮ ድሕሪት ከይሕደጉ

ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ቑጠባን ሕብረተሰብን ኤውሮጳ ከቢድ ፈተና ከምዝኾነን ሳዕቤኑ እውን ገና ከምዘየብቀዔን ነዚ ዘስዓቦን ዘንብሮ ጽልዋታትን ኵሉ ንምብዳህ ንሰብኣዊ ሕንጸት ብልክዕ እንተ ዘይተመባጂዕካ ድሕነት ክህሉ ከምዘይኽእል ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ብኣጽንዖት ዘንበሮ ሓሳብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ምስ ለብዒ እተተሓሓዘ ማሕበራውን ጥዕናውን ሳዕቤን ኣብ ዝተወሰነ ዕዮ ዘይኰን ኣብ ኵሉ ዓውድታት ዝርአይ ምዃኑ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼብ ኣተሓሳሲቡ፥ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ስልጠናን ኣዚዩ ክትኮር ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መደብ ዘተ

ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ፥ ናይ ሕንጸትን ስልጠናን ጉዳይ ዝምልከቶም ናይ ተቕዋማት ኤውሮጳን ልኡካን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሃገረ ፖርቱጋል ቀዋሚ ወኪል ዥዋው ሳንቶስን ድርገት ሕብረት ኤውሮጳ ወኪለን ናይ ሕብረት ኤውሮጵ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ሚሪያም ሉክስማንን ቅዱስ ዶን ቦስኮ ዘመሓላለፎ ናይ ሕንጸት ክብሪ ኣብ ግብሪ ክውዕል ናይ ዝዓዪ ማኢሶንስ ማሕበር ዝወከላ ደኒስ ለችለርክን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሕንጸትን ስልጠናን ተቕዋማት ኤውሮጳ ዝውክሉ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ለብዒ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝፈጠሮ ቅልውላው ሕንጸትን ስልጠናን ኣሊኻ እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ብምሃብ፡ ነቲ መልሲ እውን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ መርሓ ግብሪ ንምዝርጋሕ ዝኣመተ ኣኼባ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ዝተፈጥረ ማሕበራዊ ፍልልያት

እቲ ለብዒ ዘይማዕርነትን ማሕበራዊ ፍልልያትን እናወሰኸ ክኸይድ ከምዝገበረ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሕብረት ገሊጹ፥ ብሰንኪ ቝጠባዊ ዅነታት ኣባይቲ ስድራን ኣብዚ እዋን ብመረብታዊ ዝመሓላለፍ መደብ ትምህርቲ ክከታተሉ ዘይኽእሉን ተመሃሮ ድሕሪት ከይሕደጉን ናይ ኩሉ ዜጋ ትምህርትን ሕንጸትን ናይ ምርካብ መሰል ውሑስ ክኽውን ኣተሓሳሲቡ፥ ነቲ ለብዒ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ሕጂ ኮነ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብን ቝጠባን ዝፈጥሮ ጽልዋ ንምእላይ ዘድሊ መደብ ምሕንጻጽ ሕጹጽን ኣገዳስን ምዃኑን፥ ብሉጽን ምሉእን ስልጣና ከምዘድልን ካብቲ መደብ ሕንጸትን ትምህርትን ዝንጸል ከይሁሉ ካብ መንግስታት ኤውሮጳን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣገዳሲ ድጋፍን ዘላቒ መደባትን ክዝርግሑ ይግባእ እንክብል ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ሓሳብ ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 June 2021, 16:00