ካርዲናል ማርክስ፥ “ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. እቕበሎ እዚ ዓቢይ ብድሆ እዩ” ካርዲናል ማርክስ፥ “ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. እቕበሎ እዚ ዓቢይ ብድሆ እዩ” 

ካርዲናል ማርክስ፥ “ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. እቕበሎ እዚ ዓቢይ ብድሆ እዩ”

ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብቲ ናይ ሰበኻኦም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ “ር.ሊ.ጳ. ቀልጢፎም መልሲ ክህቡኒ ኣይተጸበኹን፡ ኣብ ኣገልግሊተይ እውን ክቕጽል ኣይተጸበዅን”፡ ቅዱስነቶም “ነቲ ካብ ናይ ሰበኻ ሚዪኒክን ፍሪሲንጋን ሓላፍነተይ ንኽሰናበት ናይ ዘቕረብክዎ መሰረታዊ ምኽንያት ተገንዚቦም በቲ ቅዱስ ኣቦና ሓወይ እንክብሉ ብዝገለጽሎም ውሳነ እውን ከምእተተንከፉን፥ ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. ምእዙዝ ምዃነይ እናረጋገጽኵ

ናይ ሞናኰን ፍሪሲንጋን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅዱስነቶም ነቲ ሕቶ ተመልኪቶም ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነትኵም ቀጽሊ ዝብል ነቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ዝነጽግን ኣብኦም ዘለዎም ምሉእ እምነት ዝረጋገጽ ዕለት 10 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍሎም ናይ መልሲ መልእኽቲ ምስ በጸሖም፥ “ብተኣዛዝነት” እቕበሎ ቢሎም እዋኑ ለውጢ ዝሓትት እዩ ስለዚህ ሕዳሴን ለውጥን እንተዘይኮነ ንዓይ ኮነ ብዓቢይ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካልእ መገዲ ክህሉ ኣይኽእል ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንውሳነዅም ብተኣዝዞ መንፈስ እቕበሎ” እዚ ሓረግ እዚ ኣብ መንጐ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ናይ ሰታሪት ምልውዋጥ ማእከል ክኸውን እንከሎ፡ . . . ፍራንቸስኮ ነታ ዕለት 21 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ካብ ናይ ሚዪኒክን ፍርሲንጋን ጒስነት ሓላፍነቶም ከሰናብትዎም ዘቕረብሎም ሕቶ ተመልኪቶም ኣብቲ ናይቲ ሰበኻ ጒስነት ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ዝሃብዎ መልሲ ብውሉድ መንፈስ ተመልኪቶም ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳነ ተኣዛዚ እየ ቢሎም ከምእተቐበልዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብቲ ናይ ሰበኻኦም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፥ “ር.ሊ.ጳ. ቀልጢፎም መልሲ ክህቡኒ ኣይተጸበኹን፡ ኣብ ኣገልግሊተይ እውን ክቕጽል ኣይተጸበዅን”፡ ቅዱስነቶም “ነቲ ካብ ናይ ሰበኻ ሚዪኒክን ፍሪሲንጋን ሓላፍነተይ ንኽሰናበት ናይ ዘቕረብክዎ መሰረታዊ ምኽንያት ተገንዚቦም በቲ ቅዱስ ኣቦና ሓወይ እንክብሉ ብዝገለጽሎም ውሳነ እውን ከምእተተንከፉን፥ ንውሳነ ር.ሊ.ጳ. ምእዙዝ ምዃነይ እናረጋገጽኵ፡ ነቲ ዘጋጠመ ብዙሕ ፍሽለት ኣብ ግምት ብምእታው ወንጌል ንምእዋጅን ንምምስካርን ሓድሽ መገዲ ኣናድይ እንክብሉ ብኣጽንዒት ንዝገለጹሎም ሓሳብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስንድው እየ” ከምዝበሉ የመላኽት።

ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ፥ “ንዳግማይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ጐደና ንምልላይ ዓሚዪቕ ኣስተንትኖ” ዝገብርሉ እዋን ምዃኑን እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ.መልሲ እውን ኣድላይነት ዳግማይ ሕዳሴ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ይዅን እምበር እቲ ኣብታ ዘመሓላለፍኵሎም ሰታሪት ዝበልክዎም፥ ምኽንያት ቅኑዕ እዩ` እዚ ኸኣ ኣነ ንባዕለይ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ‘እቶም ግዳያት’ ብሕታውን መዋቕራውን ሓላፍነት ክስከም ኣሎኒ” ቢሎም - እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝሃብዎ ውሳነ “ንዓይ ዓብይ ብድሆ እዩ” እንክብሉ ኣፍልጦ ሂቦም፡ ስለዚ ናብቲ ዝነበርክዎ ሓላፍነት ምምላስ ናይ ትማሊ መደብ ከምዘለሉ ምንባርን ማለት ኣይኮነን፡ እቲ መገዲ ንዓይ ኰነ ነታ ርእሰ ሰበኻውን ‘ዳግማይ ሕዳሴ’ ዝጠልብ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 June 2021, 23:23