“ምኽንያት ተስፋታትና”፥ ዘተ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስቲያንን “ምኽንያት ተስፋታትና”፥ ዘተ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስቲያንን 

“ምኽንያት ተስፋታትና”፥ ዘተ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስቲያንን

ሓደ ካብቲ ኣብ መንጐ ኽልተ ሃይማኖታት ዘሎ ሓባራዊ ነጥብታት ምጒላሕ ዝብል ዕላማ ዝገበረ እኳ እንተኾነ እቲ “ምኽንያታት ተስፋ” ዝብል መደብ ግን መሰረተ ክርስቲያናዊ እምነት ዝኽሕድ ኣይኮነን

ናይቲ ብብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ዝተመስረተ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘተ ዘነቓቕሕ Oasis - ገነት በረኻ እተሰምየ ማሕበር ምስ ናይ ኖትረ ዳም ማክጋርት ተቕዋም ቤተ ክርስቲያን ንሕይወት ብምትሕብባር “ሃይማኖታት ምኽንያትት ተስፋና” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተወጠነ መደብ መሰረት፥ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያንን ንሓድሕዶም ንኺረዳድኡ ዝድግፍን ነቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ዘሎ ሓባራዊ ባይታን ፍልልያትን ዜጒልሕ ብዝትፈላለየ ቋንቋታት ተሰንዩ ብማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዩቲዩብ ዝርአ ህያው ከሳቲ መደባት ይተሓላለፍ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ትካል ኦኣሲስ - ናይ በረኻ ገነት ናይ ስነ ፍልጠት ጉዳይ ሓላፊ ኣብ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ናይ ስነ ዓርብ ባህልን ቋንቋን ስነ ጽሑፍን መምህር ፕሮፈሰር ማርቲኖ ዳይዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት

ልሙድነት ምስጋር፥

“ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዳርጋ መብዛሕቲኦም ብዛዕባ እምነት ክርስትና ዝያዳ ክፈልጡ ከምዝደልዩ ኣስተውዒልና፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰበኽቲ ሳላፊትን ካልኦትን ብዛዕባ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ምስ እምነት ክርስትና ዘይቃረብን ዘይሰማማዕን ናይ ክርስቲያን መንነት መግለጺ ቢሎም ዘቕርብዎን ዘመሓላልፍዎን ዘጋራጨው መልእኽትን ሓድሓደ እዋን ክርስቲያን ነቲ ብዘዓባኦም ዝበሃል ዘይገልጾም ርእይቶ ብማዕረኡ ዝህብዎ መልስን ከምዘሎን እቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብ በዚ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ክፍለጥን ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝራእናዮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቅ ዘካየድዎ ምብጻሕን እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ብሓባር ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን መሰረት ክንበብ ከምዘለዎን፥ እዚ ሓቂ እዚ እውን እቲ ዝርአይ ዘሎ ምዕባሌ ዝገልጽ እዩ” እዚ ርክብ እዚ ካብ ርሑቕ ዘመናት ዝነቐለ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ተመሳሳሊ ቀጸላታት ግና ዝተፈላለየ ቅንስል (mosaic)

በቲ “ሃይማኖታት ምኽንያታት ተስፋና” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ከሳቲ መደብ ብዩቲዩብ ቀሪቡ እዩ፡ እዚ ኸኣ ብቋንቋ እንግሊዘይና ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብቋንቋ ጣልያንን ፈረንሳን “ኢየሱስ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ቁርዓንን” ብዝብል ኣርእስቲ ስዒቡ እውን “ብዙሓት ነብያትን ሓንቲ መልእኽትን”“መድሕን፥ ናይ ኢየሱስ ግደ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ”፥ ብዝብሉ ኣርእስታት ተሰንዩ ዝመሓላለፍ ከሳቲ፥ ናይ ሃይማኖት ምስልምናን እምነት ክርስትናን ናይ ነፍሲ ወከፈን ኣገላልጻ መሰረት ዝገብርን ኣብቲ ሓባራዊ ነጥብታት ዘተኵርን ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፥ እዚ ኸኣ “ብሓደ ዓይነት ቀጸላ ግና ዝተፈላለየ ቅንስል” ዝብል ኣምር ድሕረ ባይታ ዝገበረ እዩ” ኢሎም።

ምስትውዓል እምነት

ሓደ ካብቲ ኣብ መንጐ ኽልተ ሃይማኖታት ዘሎ ሓባራዊ ነጥብታት ምጒላሕ ዝብል ዕላማ ዝገበረ እኳ እንተኾነ እቲ “ምኽንያታት ተስፋ” ዝብል መደብ ግን መሰረተ ክርስቲያናዊ እምነት ዝኽሕድ ኣይኮነን፡ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ክርስቲያን ዝኾኑሉ ምኽንያት ንኽርድኡ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ፡” እዚ ኸኣ መንነትካ ምግላጽ መንነትካ ካብ ምስትውዓል ዝነቕል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘሳዂዐ ምዃኑ የመላኽቱ።

“ንህንጥዮት እቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዜዕግብ ጥራይ ዘይኮነ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ ኬእትውን ምናልባት እውን ሓቅታት እምነት እንደገና ኺረክብ ዝሕግዞ ሕቶታት እውን ኣሎ፥ ልዕሊ ዅሉ ናይቲ መደብ መሳጢ ጐድኑ እውን ንሱ እዩ፥ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምልላይ መንነት ኣጸቢቕካ ኣብ ምፍላጥ የበርኽ እንክብሉ ይገልጹ።

ንክርስቲያን ተወሳኺ ዋጋ ኣለዎ

ንኣብነት - ይብሉ ፕሮፈሰር ዳይዝ - ናይ ሓደ እሙን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ብትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ “እግዚኣብሔር ከመይ ገይሩ እዩ መስዋዕቲ ነቢዩ ብዝገደደ ድማ መስዋዕቲ ወዱዝደሊ፥ ካልኦት ንኸድሕን ወዱ ዝስውእ ከመይ እዩ፥ እቲ ወልደ እግዚኣብሔር ከም በጊዕ ንማሕረድቲ ዝቐርብ ከመይ ገይሩ እዩ? ዝብል ኣዘራርባን ኣገላልጻን ብፍጹም ክርድኣኒ ኣይኽእልን፡ እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ ነንብብ፡ እዚ ሕቶ እዚ ከም ክርስቲያን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ እቲ እነቅርቦ መልሲ ኣነ ካባኻ ዝበለጽኩ እየ ብዝብል መንፈስ ዝተደረኸ ወይ ውን ኣነ እበልጽ ንምባል ዘይኮነ፡ እቲ እትኣምኖ ሓሳብ ገርካ ንኽትገልጾ ዘተባብዕን ብዛዕባ እምነትካ ንኸተስተንት ዝድርኽ እዩ፡ ስለዚህ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምፍላጥን ምስትውዓልን ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ብዝበለጸ ከተላልይ እትኽእል፥ እዚ መደብ ዘተ እዚ ንኽርስቲያን ተወሳኺ ዋጋ እዩ፡ ነቲ ዘለዎ ዋጋ ክብ ዘብል እዩ፥ እንክብሉ ዘካየድዎ ቅለ መሕትት ዛዚሞም።

03 June 2021, 14:58