ፋረል፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት፥ ሕንጸትን ምትሕብባርን! ፋረል፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት፥ ሕንጸትን ምትሕብባርን! 

ፋረል፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት፥ ሕንጸትን ምትሕብባርን!

“ናይቲ ተልእኾ ሸቶ ንጹር እዩ፥ ክመጹኻ ዘይኮነ ኣብ ዝርከብሉ ኣበይን መዓዝን ምኻድ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት እዩ፥ ምክንኻን ኣባይቲ ስድራ ብመሰረቱ ናይ ተልእኾ ሕመረት እዩ

ሓዳር-መርዓ ምስ ጓሶትን ሱታፌ ምስ “ስድራ ቤት ኣባይቲ ስድራ” ዝኾነት ቍምስና ንዝብል ተልእኾ ዝተጸውዔ እዩ፥ ነፋረል፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት፥ ሕንጸትን ምትሕብባርን!

ዚ ዝበሉ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፋረል ኣብቲ ዛዕባ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መዕጸዊ መደረ ክኸውን እንከሎ ብጹዕነቶም ልኡኻውነት - ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ግደ ስድራ ቤት ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣባይቲ ስድራ ሎሚ እቲ ብምስጢረ ተክሊል ተልእኾ ከምእተቐበለ ምስ ጓሶት ብሓባር ንኽገልጾን ክነብሮን ክካፈሎን መታን ክረኽቦ ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ነቲ “ምስ - ናይ ፍቕሪ ሓሴት - ኣበይ በጺሕና ኣሎና? ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ምዕዶ ጒስነት ንምትግባር ዝመርሕ ዕማም” እዚ ነቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ምስቲ ካብ ወርሒ መጋቢት 2021 ክሳብ ሰነ 2022 ዓ.ም. ዝተኣወጀ ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ኣተሓሒዙ ብመረብታዊ ውሕዘት ካብ ዕለት 9 ሰነ ክሳዕ ዕለት 12 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዘካየዶ ብሲኖዶሳው ኣገባብ ዘዛተየ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ዓለማውያን ምእመናን ብፍላይ ሰብ ሓዳር ብሓባር ማሕበራዊ ኣካሊት ንምሕናጽ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክዋስኡ ኣለዎም እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ሕመረት ምዃኑ የዘካኽር።

ጭቡጥ ምንጽጻር ዝተገብረሉ ዓውደ ጉባኤ

ፍረ ነገር ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ብልክዕ “ምስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣበይ በጺሕና ኣሎና?” ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእታቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዝኾነ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ቅዱስነቶም ኣብታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንብርዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ጒስነት ንኣባይቲ ስድራን ንሰብ ሓዳርን ንምትግባር ዘብቅዕ ሜላ ንምሕጻን ዝኣመተ ከምዝነበረን። ብዛዕባ ሕጅን መጻእን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት ብዝያዳ ጭቡጥ ክኸውን ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ ኣብ ምዃን ዝድርኽ ፍኖት ንምልላይ ዝተመያጠጠ እውን ምንባር ክዝከር እንከሎ፡ ብጹዕ ካርዲናል ፋረል ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መዕጸዊ መደረ፡ “እቲ ቐንዲ ኣበርክቶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣባይቲ ስድራ ካብ ቁስምና እዩ፥ ቁስምና ዝተፈላለያ ኤቅለሳውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣባይቲ ስድራን ዝሓቁፍ ናይ ኣባይቲ ስድራ፥ ስድራ ቤት ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ገሊጾም፥

ህጹጽ ኣገዳስነት ኵለ መዳያዊ ሕንጸት

ህየንተ ብጹዕ ካርዲላን ፋረል፥ “ንኻህናትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ካልኦት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓዩን ዓለማውያን ምእመናን ዘሳትፍ ኣገባብ ብቝዕ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ፡ እቶም ንሓዳር ንዝዳለዉ ዘዳልዉ ብቐዳምነት ብቝዕ ሕንጸት ዝረኸቡ ክኾኑን እቶም በዚ መልክዕ እዚ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ሰብ ሓዳር እውን ብተራኦም ኣብ ሕንጸት ኣባይቲ ስድራ ክዋስኡ ኣለዎም፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣባይቲ ስድራ ቀንደይና ተዋሰእቲ ክዀኑ ይግባእ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ተልእኾ ክቡር ዋጋ

“ናይቲ ተልእኾ ሸቶ ንጹር እዩ፥ ክመጹኻ ዘይኮነ ኣብ ዝርከብሉ ኣበይን መዓዝን ምኻድ ዝብል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንስድራ ቤት እዩ፥ ምክንኻን ኣባይቲ ስድራ ብመሰረቱ ናይ ተልእኾ ሕመረት እዩ፥ ኣብ ቅልውላው ንዝረከባ ኣባይቲ ስድራ ንዝተፋትሑን ዝተፈላለዩን ብፍትሕ ምኽንያት ዝትንከፉ ቈልዑን ኣተጠንተጥኑን ስንኩላን ኣረጋውያንን ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ፍሉይ ቆላሕታ ዝብል ጒስነት እዩ” ቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ካብኣ ኣዚየን ዝረሓቓ ኣባይቲ ስድራ ቀረባ ክትከውን ዝድርኽ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓባሪ ኣንፈት

ብጹዕነቶም፥ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ኤቅለሲያውያን ምንቅስቓሳትን ዘሎ ምትሕብባር ክድንፍዕ” ካብቲ ጉባኤ ዝቐረበ ሓሳብ ኣመስጊኖም እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ዘለዎ ሓላፍነት ብምኽባር” ክኸውን ብምዝኽኻር፥ “ሓሳባትን መደባትን ውጥናትን ንምክፋልን በዚ ኣገባብ እዚ እውን ንመላእ ኣባይቲ ስድራ ዓለም ንምብጻሕ ክከኣል መታን መረብታዊ ሓባራዊ ዕዩ ምምዕባል የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 June 2021, 00:05