ቀዳም ሥዑር ማያዝያ 23 2013 ዓ.ም. (5/01/2021)

ወትቤ ሲኦል አይ ውእቱ ዝንቱ ዘእም ሥልጣንየ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፥ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፥ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ። 'ሲኦል መን እዩ እዚ ሥጋ ለቢሱ ካብ ሥልጣነይ ዝሰዓረኒ! መን እዩ እዚ ምድሪ ዝለበሰ! ንሱስ ሰማያዊ እዩ በለት'
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት ሮሜ 6፡3-11፥ ጴጥ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12-4፡5፥ ማር 16፡17   ምስባክ፡አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ድቃስ እውን ወሰደኒ፥እግዚአብሔር ስለ ዘተንስአኒ ካብቶም አእላፍ አሕዛብ አይፈርሕን እየ” መዝ. 3፡5።

ቀዳም ስዑር እንብሎ ኢየሱስ ምስ ሞተ ሞት ተሳዒሩ ነቶም ቅድሚኡ አብ ሲኦል ዝነበሩ ሒዙ አብ መንግስተ ሰማይ ስለ ዝአቶ ቀዳም ስዑር ንብሎ, ከምኡ አብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ብጾምን ጸሎትን ዘሕለፍናየን ክንስዕር ስለ ዝኾና ቀዳም ስዑር ንብሎ። እቲ ቀንዲ ትርጉሙ ግን ሞት ተሳዒሩ ሰይጣንን ልኡኻትን ዝተሳዕሩሉ፥ ተኸተልትን አመንት ክንርስቶስ ከአ ናይ ዓወት መዓልቲ እዩ። ቀዳም ስዑር ፍሉይ መልእኽቲ ዝሓዘት ፍልይቲ ዕለት እያ። አብ ጸሎተ ሃይማኖት “ናብ ሲኦል ወረደ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሥአ” እናበልና ንጽሊ። ኩሎም እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝሞቱ ጻድቃን አብ ሲኦል እዮም ዝጽበዩ ነሮም ኢየሱስ ድሕሪ ሞቱ ንሰማይ ሒዝዎም አትዩ። አፍደገ ሰማይ ብሰንኪ ኃጢአት ቀዳሞት ወለዲ ተዓጽዩ ሎሚ ግን ብሳላ ሞት ክርስቶስ ተከፊቱ አሎ።

አፍደገ ሰማይ ተኸፊቱ ንብል አሎና ዝተኸፍተ ንሕና ክንአቱ ምእንቲ እዩ። አምላኽ ብዓቢ ፍቕሩ ተዓሪቑና ብሞት ወዱ ደቂ ሰማይ ክንከውን ንኹሉ ሂቡና አሎ፥ ካባና ዝድለ ዘሎ ነቲ ዝውሃበና ዘሎ ጸጋ ተቐቢልና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር። ሕይወትና ክንቅይር ንሞት ኃጢአት ምኽታል ሓዲግና ንመንግስተ ሰማይ ዝወስደና መገዲ ክንጉዓዝ። ንሰይጣን ክንስዕር ንኹሉ ተልእኮኡን ንኹሉ ግብሩን ስዒርና ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ክንምስርት ዘዘኻኽር ዕለት ኢና እንዝክር ዘሎና። ሓወይ ሓፍተይ ትዕወት ትዕወቲ ዘሎኻ/ኺ ክንብሃሃል እዋኑ እዩ። ብማዕዶ ኴና ናይ ዓወት መዝሙር ብምዝማርና ዝተዓወትና ከይመስለና ብሓቂ ንኽፍአት ንኃጢአት ንሰይጣን ክንዕወተሎም አሎና።

ሓ/ት/ክ ቍ 631 ከምዚ ይብል ኢየሱስ ናብቲ መዓሙቕ ምድሪ ወሪዱ እዩ እቲ ናብ መዓሙቅ ዝወረደ ከአ እቲ ልዕሊ ኹሉ ሰማያት ዝዓረገ እዩ (ኤፌ 4፡9-10) ይብል። ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱ ዝወረዶ ናይ ሙታን ቦታ ቅዱስ መጽሓፍ ፡ሲኦል” ብዕብራይስጥ “ሽኦል” ብግሪኽ ድማ “ሃደስ” ኪብል ይሰምዮ፥ ምኽንያቱ ከአ እቶም አብኡ ዘለዉ ካብ ትርኢት አምላኽ ዝተኸወሉ እዮም (1ጴጥ 3፡18-19)። ኢየሱስ ነተን አብ ሕቕፊ አብርሃም ክአትዋ ዝጽበያ ዝነበራ ነፍሳት ሒዝወን ንሰማይ አትዩ ይብል።

አብ ቍ 635 ቀጺሉ እቶም ምውታን ድምፂ ወዲ አምላኽ ምእንቲ ኪሰምዑ. . . . . እቶም ዚሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብሕይወት ምእንቲ ክነብሩ (ዮሓ 5፡25፥ ሮሜ 10፡7፥ ኤፌ 4፡9) ክርስቶስ ናብቲ መዓሙቕ ሞት ወረደ። እቲ “ዋና ሕይወት ዝኾነ ኢየሱስ ብሞቱ “ነቲ አብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኪስዕር ምሉእ ዕድመኦም ብናይ ሞት ፍርሓት ባራዩ ኮይኖም ንዝነበሩ ሓራ አውፀኦም (ዕብ 2፡14-15፥ ግ.ሓ. 3፡15) ይብል።

አብ ታሪኽ እምነትና ቀዳም ስዑር ብፍሉይ ከምእትዝከር ኢና እንርኢ። ወዲ አምላኽ ከም ኩልና ሞይቱ አብ ከርሲ ምድሪ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሓለን ዕለታት ንዝክር። ዕለት ቀዳም ፈታኒት ዕለት እያ ነራ ብፍሉይ ነርድእቱ። አበሎ ክትንሥእ ድዩ ከምቲ ዝበለና? ንሕና ዕጫና እንታይ ክኸውን እናበሉ አብ ከቢድ ጭንቀት ዝነበሩላ ዕለት እያ። ሰለስተ አንስቲ ክወግሕ ይጸበያ ነረን ድሕሪኡ ክቡር ዘይቲ ሒዘን ከምቲ ልሙድ ነቲ ሬሳ ክቐብአ ናብ መቓብር ከይደን።

አብ መገዲ እናኸዳ ነቲ እምኒ መን ክኸፍተልና እዩ እናበላ ይሓስባ ነረን። ቅዱስ ዮሓንስ ከም ዝሕብረና እቲ መቓብር አብ ጀርዲን (ገነት) እዩ ነሩ ዮሴፍ ብዓል አረማትያስ ንርእሱ ኢሉ አብ ዝቐረቦ ኢዩ ንኢየሱስ ቀቢርዎ ይብለና። ቀዳማይ አዳም አብ ምድረ ገነት ንአምላኽ ክሒዱ ሞት አምጺኡልና ዳሕረዋይ አዳም ግን አብ ገነት ሞይቱ ሕይወት አምጺኡልና። ክሕደት አብ ገነት ተፈጺሙ ድሕነት ከአ አብ ገነት ተፈጺሙ።

እተን ሕያዎት አንስቲ አብ መቓብር ምስ በጽሓ እቲ መቓብር ተኸፊቱ እቲ እምኒ አንኮራርዩ ጸኒሕወን። መንዩ ነዚ ዝገበረ ምንድቕዳቕ ምድሪ ድዩ ከፊትዎ ወይስ መልአኽ መጺኡ ከፊትዎ? እቲ ነቲ መቓብር ዓጽዩ ዝነበረ ዓቢ ደንጎላ አብቲ አፍደገ መቓብር አይነበረን። አብዚ ብዙሕ ክነስተንትን ንኽእል። እቲ ዓቢ እምኒ ተኸፊቱ ጸኒሑ ዝብል አብ ርእስና አቲና ክንሓስቦ ዘድልየና ነገር ከም ዘሎ እዩ ዝነግር። ንሕና ብተፈጥሮና ልብና ንኻልእ ክንህብ አይነፍቅድን ኢና ስለዚ ዓጺናዮ ንነብር ከምኡ ዓቢ ኃጢአት ምስ ገበርና አብኡ ጸኒዕና ዓጺናዮ ንነብር እዚ ኸአ ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ንነብር። እምብአር ነዚ ካብ አምላኽን ሰብን ከዊሉ ዓጊቱ ሒዙና ንዘሎ ደንጎላ ቅምታን ክፍአትን ካብ ልብና አውጺእና ክነንከራርዎ ክንስሓሉ ልብና ክንሓጽብ እሞ ምስ ኢየሱስ ክንራኸብ ሎሚ መዓልቱ እዩ።

ምስ ኢየሱስ ከይንራኸብ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ኩሉ ክንሓድግ ሎሚ ንኢየሱስ ክመርሓና አብ ትንሣኤን ሕይወትን ከእትወና ንድለዮ። አንስቲ ገሊላ ንኢየሱስ ድለየን አብ መቓብር አብ ጀርዲን አብ ኩሉ ደልየንኦ ክሳብ ዝረኽብኦ ደው አይበላን አብዚ ዅሉ ዘብጽሐን ፍቕሪ ኢየሱስ እዩ። ሓንሳብ ንአምላኽ ክነፍቅር እንተ ኸአልና ፍቕሩ ሓያልን ሰላም ዝህብን ስለ ዝኾነ አብ ኩሉ ከም እንደልዮ ይገብረና።

እተን አንስቲ አብቲ መቓብር ድንን ኢለን ብማዕዶ እንተ ረአያ ጥርሑ ርእየንኦ እቲ ሬሳ አብኡ አይነበረን፥ እቲ ዓቢ ደንጎላ ነቲ መቓብር ዓጽዩ ዝነበረ የለን መቓብር ተኸፊቱ ጸኒሕወን። መላእኽቲ እቶም ልደቱ ዘበሰሩ ሕጂ ኸአ ትንሣኤኡ አበሲሮም “አብዚ የለን ተንሢኡ እዩ” እናበሉ አበሲሮመን፥ ነዚ ሰናይ ዜና ከምቲ ጓሶት ምስ ተወልደ መድኃኒ ተወሊድልኩም አሎ ምስ በልዎም ዝበጽሕዎ ነዘን አንስቲ ኸአ ተንሢኡ እዩ ምስ በልወን ከበስራ ክሰብካ አብ ሓዋርያት ከይደን። ቅድም ግን ብለይቲ አብ መቓብር ከምዝኸዳ ማርቆስ ወንጌላዊ ይነግረና።

ቀዳም ስዑር ኩሉ ጸጥ ዝበለላ አምላኽ ብርእሱ ክርስቶስ አብ መቓብር ዝጸንሓላ ስለ ዝኾነት ናይ አስተንትኖ ናይ ፍሉይ ጊዜ ንአምላኽ ሂብካ ምኽአልን እያ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ካብ ምፍጣር ብቀዳም መዓልቲ አዕረፈ ይብለና። አብ ቀዳም ስዑር ከአ አብ ከርሲ ምድሪ ኮይኑ ኩሉ ጸጥ በለ ስለዚ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ብዝያዳ ክንሓስብ ከምኡ ንትንሣኤ ክንቀራረብ ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን ኢና ዘሎና።

እተን አንስቲ ንኢየሱስ ክረኽባ ተጓይየን ንሕና እውን አብ ሕይወትና አብ ሓዳርና አብ ግላውን ሓበራውን ሕይወትና ክንረኽቦ እዋኑ እዩ። ኢየሱስ ዘይብሉ ሕይወት አብ ጸልማት እዩ ዝነብር። አብ ብርሃን ትንሣኤ ክንሳተፍ ምስንዳው የድልየና።

·       ንስሓ ኃጢአትና ንግበር። ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ንዝርከብ ኃጢአትና ሎሚ ክንሓጽቦ ፍቓደኛታት ኮና አብ መንበር ኑዛዜ ክንቀርብ። ክርስቶስ አነ ክድሕን እዩ መይቱ ዝተንሥኤ ኢልና ሕልናና ደፊኡና ክንሳሕ።

·       ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ክንገብር። ሞት ኢየሱስ ንጽልኢ ንቅርሕንቲ ንሞት ንፍልልይ እዩ ስዒሩ። ምእንቲ ኩልና እዩ መይቱ ኩልና ከአ ክንድሕን እዩ ድላዩ። አምላኽ ዘየፍቀሮ ሰብ የለን ምእንቲ ኩልና እዩ ወዱ ተሰዊዑ። እሞ ሎሚ አብ ነነድሕድና ሰላም ምሕረትን ሕድገትን ክንእውጅ ፍቓደኛታት ንኹን።

·       ንስብከት ንምስክር ንበገስ። እተን ሕያዎት አንስቲ ትንሣኤ ምስተበሰራ ቀዳመይቲ ዝገበርአ ስብከት ምስክርነት እዩ። ተንሢኡ አብዚ አብ ቦታ ሞት አይትድለይኦ ምስ ተባህላ እናጎየያ ከይደን ነቲ ዝተባህለን ነጊረን። ሎሚ አነን ንሱኽምን እንልአኽ ንሕና ኢና። መልእኽቲ ክርስቶስ አብቲ ጸሚኡን ጠምዩን ዘሎ ልቢ እነብጽሕ ንሕና ኢና እሞ ንበገስ።

ቀዳም ስዑር አብ ባህልና ብኹሉ ብመንፈሳውን ብሥጋውን እንሰናደወላ ዕለት እያ። ክዳና ነጻዕዱ ቤትና ነጽሪ ኮታስ ንብዓል ዝግባእ ምቅርራብ ንገብር ከምኡ ብመንፈሳውነት ንቕረብ ሎሚ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር እውን እዚ ሰናይ ልምዲ ብፍላይ ነፍስና አጽሪና ካብ ጽልእን ቅርሕንት ፍልልይን ነጻ ኮና አብ ሓደ ክርስቶስ ክንምለስ ይግብአና።

ሰብ ሎሚ ካብ ኩሉ ከቢድዎ ዘሎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ነነድሕዱ ዝፈላለ በዚሑ ሰላም አብ ኩሉ ስኢናያ ነዕሎብጥ አሎና። መንፈስ ቃኤል ነጊሱ ክፉእ ዝገበረ ንሓዉ ዘርሓቐ ዝተዓወተ ዝመስሎ ጊዜ ኢና ዘሎና እሞ አብዚ ናይ ብርሃን ናይ ሰላም እዋን አብ አምላኽ ቀሪብና ብምሉእ ልብና ንነሳሕ።

መሓሪ አምላኽ ሎሚ እውን ዝጠፋእና ደቁ ክንምለሶ አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ ይጽበ አሎ ደቀይ ጠፊኦምኒ ርሒቖምኒ እናበለ ክንምለሶ ይጽበየና አሎ፥ እመጽእ አሎኹ ተቐበለኒ ምስ ኩሉ ክፍአተይን ኃጢአተይን እመጽአካ አሎኹ ኢልና ብልብና ተደፊእና ንብዓት ሓዘን ሓጢአትን እናአፍሰስና አብ ሰማያዊ አቦና ንመለስ።

ቀዳም ስዑር ልዕሊ ኹልና ዝኸበደታ ንማርያም አደ እየሱስ ነደና እዩ። ሓደ ወዳ ክስዋዕ አብ መስቀል ክግዕር ዝረአየት፥ ጸሚአ እናበለ ዘልኦ ጽምአት ነፍሳት ክጭርሕ ዝሰምዐት ነዚ ኹሉ አብ ልባ እተስተንትን ዝነበረት ብፍሉይ ዝጉሃየት አደ እያ። ምናልባት ወዳ እዚ ኹሉ ከምዝወርዶ ድሮ አብ ልደቱ ብነብይ ስምዖን ከምኡ ብመልአኽ ተነጊርዋ እዩ ትፈልጥ ነራ እያ ግን አደ ስለ ዝኾነት ይኸብዳ ከምዝነበረ ብሩህ እዩ።

አብ እግሪ መስቀል ኮይና ሕድሪ ተቐቢላትና አብ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ምእንታና ንሳ እውን አብ መስዋዕቱ ተሳቲፋ እያ፥ ካብ መስቀል ክወርድ አብ ሕቕፋ ክትቅበሎ እንከላ ኩሉ ጓህን ስቓይን ክበዱ ብሩህ እዩ እንተ ኾነ ብዓይኒ እምነትን ምስ ድላይ አምላኽ ስለ እትርእዮ ንኹሉ ፍቓድካ ይኹን እያ ትብል ነራ። ሎሚ እምብአር ደቃ አብ እግሪ መስቀል ዝተወሃብናያ አደና ዓለምና ክቕየር ዘመና ክቕየር ለምንልና ንበላ። ሕሰም ስቓይን ውርደትን ዝያዳ ኩልና ትፈልጥዮ ኢኺ እሞ እዛ እንነብረላ ዓለም ብፍላይ ሃገርና ዓዲ ሰላምን ስኒትን ምርድዳእን ግበርልና ኢልና ንማሕጻና። ዝጽሊ ይስማዕ እዩ እሞ ብልቢ ንጸሊ።

ብሩኽ ብዓለ ትንሣኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

01 May 2021, 05:05