ብዓለ ትንሣኤ ሚያዝያ 24 2023 ዓ.ም. (5/2/2021) ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር!

መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር.. . . ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ ይብል።

 

ብድምጺ ንምክትታል!

ዛቲ ዕለት ዐባይ ፋሲካ ተዝካረ ትንሣኤሁ ለመድኃኒነ።

ንባባት አብ ቅዳሴ ሮሜ 6፡3-11 (1ቆር 5፡6-8) (ቆላ 3፡1-4)፥ 1ጴጥ 3፡17-24፥ ግ.ሓ. 10፡34-43፥ ማቴ 28፡1-10 (ዮሓ 20:1-18).  ስብከት፡ ቅድሚ ቅዳሴ  ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥  ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ መዝ። 78፡65~66

ንባባት፡ ማቴ 28፡1-ፍ፥ ማር 16፡1-ፍ፥ ሉቃ 24፡1-13  ስብከት አብ ቅዳሴ፡ ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈሳሕ ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ። እቲአ እግዚአብሔር ዝገበራ ዕለት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦ ጉይታ አድኅነና መዝ 118፡ 24-25።

ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ እናበልና ብዓል ትንሣኤ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነብዕል አሎና። ሰላም ዘውርድ ፍቕርን ሓድነትን ዘንግሥ ትንሣኤ ይግበረልና። በዚ አጋጣሚ ንኹልኹም እንቋዕ አብ ብርሃነ ትንሣኤ አሰጋገረኩም እናበልኩ ሰናይ ትንምኒተይ እገልጸልኩም።

ትንሣኤ መድኃኒና ፍሉይ ዝገብሮ ነገሩ ጉዳይ አምላኽ ስለ ዝኾነ ከምኡ ሕመረት እምነትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። ትንሣኤ ብዛዕባ ኢየሱስ እቲ መንግስቲ አምላኽ ዝሰበኸ እዩ። እምብአር ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ፍሉይ ብዓል አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝወዳደሮ ዘይብሉ እዩ። ቅድሚ ክርስቶስ ይኹን ድሕሪ ክርስቶስ ይኹን ከምዚ ተሰሚዑን ተራእዩን አይፈልጥን። አልአዛር ብክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ ግን እንደገና መይቱ። ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ዳግም እውን አይመውትን እዩ። ንሱ ካብ ዓለም ምውታን ተንሢኡ እዩ፥ ክትንሥእ እንከሎ ኸአ ግርማን ክብርን ለቢሱ እዩ ተንሢኡ። ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ዓወት፥ ሕይወት አብ ልዕሊ ሞት፥ ተስፋ አብ ተስፋ ዝቖረጸ፥ ብርሃን አብ ልዕሊ ጸልማት፥ ጽቡቕ አብ ልዕሊ ክፍኡ እዩ።

ክርስቶስ ከም ዝተንሥኤ ንአምንን ንፈልጥን ኢና።

  • ንሕና ብጥምቀት አብ ማሕበር ክርስቶስ ዝአቶና ምስኡ ተንሢእና ኢና በዚ ምኽንያት ከአ ሓዲስ ሕይወት ነትስተማቕር። ትንሣኤ ማለት አብ ሓዲስ ሕይወት ምስታፍ ማለት እዩ። ከምቲ እስራኤላውያን ካብ መረት ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ ነጻነት ክዝክሩ ፋሲካ ዘብዓሉ ንሕና ክርስትያን ትንሣኤ ክርስቶስ ፋሲካና እዩ። ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸላም ናብ ብርሃን፥ ካብ ኃጢአት አብ ጽድቂ ዝአቶናሉ ፍሉይ ቅዱስ ዕለት።
  • ንኃጢአት እንተ ሞትና አብ ሓቂ እንተ ነበርና ንሕና እውን ከም ክርስቶስ ብግርማን ክብርን ክንትንሥእ ኢና። አምላኽ ዕጫ ትንሣኤ ንርእሱ ጥራሕ አይ ገበሮን ንአና እውን ክንትንሥእ ከምእንኽእል ገሩና ግን ናታትና ሱታፌ የድሊ። ባህግን ስምዒትን እኹል አይኮነን። ደቂ ትንሣኤ ክንከውን ካብ ኃጢአት ነጻ ክንከውን አሎና።
  • ጎይታና ንሞት ስዒርዎ እዩ፥ ሕጂ አብ ግርማ መንበሩ እዩ ዘሎ። ብትንሣኤኡ አድሒኑና እዩ፥ ምእንታና ደሙ አፍሲሱ ዋጋ ድሕነት ከፊሉልና። ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል እሞ ደቂ ድሕነት ኮና ሓዲስ ሕይወት ምስኡ ክንጅምር።
  • ሰማያዊ አቦ ንኢየሱስ ካብ ሙታን አተንሢኡ ካብ ኩሉ ዝዓቢ ስም ሃቦ። ዓርቢ ስቕለት ነቲ ዘስካሕክሕ ሞት ስዕረት ዝመስል ዝነበረ አብ ዓወት ንሓዘን አብ ሓጎስ ቀይራቶ። ሎሚ ንሕና ክንቅየር ተሳተፍቲ ስቓይን ሞቱን ክንከውን ንሕተት አሎና ከመይ ምስኡ እንተ ሞትና ጥራሕ ኢና ምስኡ ክንትንሥእ እንኽእል።

ትንሣኤ ክርስቶስ ዋሕስ ትንሣኤና እዩ።

ሎሚ እንዕልሎ ዕልልታ ከምኡ እነዚሞ ዜማ ሓጎስ አምሳል እቲ ዘለዓለማዊ መዝሙር ውዳሴ አብ መንግስተ ሰማይ ዝዝመር መዝሙር መላእኽትን ቅዱሳንን አብ ልባትና ዘድምጽ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተ ኾይኑ እምነትና ብላሽ እዩ ይብለና። ኩሉ ክርስትያናዊ እምነትና አብ ትንሣኤ ከም ዝምስረት ከረድአና ኢሉ። ቀጺሉ “ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ” እናበለ ምእማን ጥራሕ ዘይኮነ ምምስካር እውን ከምዘድሊ ይነግረና።

  • ክርስቶስ ኃጢአትን ሞትን አሸኒፉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ። እዚ እዩ ምንጪ እምነትናን ምስጢር ድሕነትናን። ምስኡ ክንትንሥእ ንሕና እውን ንሞትን ኃጢአትን ክነሸንፍ ግድን እዩ። ንሓዲስ ሕይወት ሓዲስ መንፈስን አገባብን የድልዮ።
  • ብምሉእ እምነት አሰር ክርስቶስ ጎይታና እንተ ተጓዒዝና ንሕና እውን አብ ክብሪ ትንሣኤ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ንድሕሪት ከይጠመትና መስቀልና ጸርና ንጎቦ ቀራንዮ ደይብና አብኡ ምስኡ እንተ ተሰቐልና ብርሃን ትንሣኤ ክንርኢ ኢና። ክበድ መስቀል ደው ከየብለና ንአምላኽ ሓግዘኒ ክንብሎ ግቡእ እዩ። ንማርያም ነታ ንጉዕዞ ፍኖተ መስቀል ብዓወት ዝዛዘመት ስለ ዝኾነት አብዚ ጊዜ ጉዕዞና አሰንይና ሓግዝና ንበላ።
  • ዋሕስ ትንሣኤና ሓቀኛን ጽኑዕ ክርስትያናዊ ሕይወት ከም እንኽተል ይገብረና። አብ ትንሣኤ ዝሳተፍ ዳርጋ ንድሕሪት አይጥምትን እዩ። ዕርፊ ድሕነት ሒዝና ንድሕሪት ከይንጥምት ባዕሉ ነጊሩና እዩ። ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃንን ዘይ ወዲ ትንሣኤ ምዃንን ብሓባር አይከዱን እዮም።
  • ንትዕቢት ኃጢአትን፥ ንጽልኢ፥ ንአይ ጥዓመኒ፥ ዘይቅንዕና፥ ሕማቕ አተሓሳስባ ኩሉ አባይ ሓንቲ ቦታ ክህልዎ አይግባእን። ትንሣኤ ካብቲ ባዕልና እንገብሮ ንምንጻሕ ርእስና እዩ ዝጅምር። ተሳተፍቲ ትንሣኤ ክንከውን ነቲ አብ ውሽጥና ዝርከብ መንፈስ ሰይጣን ክነሸንፎ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ክርስቶስ ድሕርን ቅድምን ትንሣኤ ዝነበሮ ሓደን ዝተፈልየን እዩ። ወንጌላውያን ከም ዝሕብሩና እቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ንሱ እቲ አብ መስቀል ዝተንሥኤ እዩ ይብሉና። ብኻልእ ከአ ፍሉይ ሓዋርያቱ ከለልይዎ ዘይክአሉ እዩ ነሩ። አብ ብዙሕ ድሕሪ ትንሣኤ ዝተራእዮ እውን ፍሉይ እዩ ዝመስል ዝነበረ። ድሕሪ ትንሣኤ ዝነበረ መልክዕ ኢየሱስ ከም ናይ ነፍስወከፍና መልክዕ እዩ። ስለዚ አብ ገጽ ነፍሲ ወከፍና ገጽ ኢየሱስ ክርአ ሎሚ መዓልቱ እዩ።

ንሱ ዝልለዮን ዝፍለጦን ብእምነት ጥራሕ እዩ። መሰርት ናይ እዚ እምነት መቓብር ጥርሑ ምጽንሑን ናይ ሓዋርያቱ ፍጹም ምቕያርን እዩ። ንሳቶም ንመምህሮም ክርእይዎ ተስፋ አይነበሮምን። ክትሓዝን ክዋረድን አብ መጨረሻ ክስቀልን እንከሎ መብዝሕትኦም ፋሕ ኢሎም ሃዲሞም። ከምቲ ንአኡ ዝወረዶ ከይወርዶም ፈሪሖም ተሓቢኦም።

አብ መጨረሻ ምስ አለለይዎ ወላ እኳ ብዝተፈልየ መገዲ አብ መንግኦም ይሃሉ እምበር ጨሪሾም ተቐይሮም ካብ ፈረሓትን ተጠራጠርትን አመንትን ሕጉሳትን ኮይኖም። ካብዚ ንድሓር ከም መምህሮም ንዝኾነ ጸገም ከምዝሓልፍዎ ሕይወቶም ምእንቲ ሓቅን ፍቕርን ኢሎም ከምዝህቡ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ኸአ መብዝሕትኦም ብሰማዕትነት ሓሊፎም።

ከመይ እንተ ገበርና ኢና ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ ሕይወትና ክንረኽቦ እንኽእል።

ከመይ እንተ ገበርና ኢና አብዚ ኹሉ ክንሳተፍ እንኽእል። አብ 1ቆሮ 5፡6 ከምዚ ዝብል ንረክብ ጃህራኹም ጽቡቕ አይኮነን ቍሩብ መባዅዕቲ ንብዘሎ እቲ ብሑቕዶ ከም ዝበኵዖዶ አይትፈልጡን ኢኹም ከምቲ ሕጂ ዘሎኽምዎ ዘይበዅዐ ሓዲሽ ብሑቕ ምእንቲ ክትኮኑ ነቲ አረጊት መባዅዕቲ አጽርኹም ደርብይዎ ከመይ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊዑ እዩ። ስለዚ በቲ አረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ ብዘይበዅዐ እንጌራ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር። አብ ርድኢት አይሁድ መባኹዕቲ ነቲ ብሑቕ ይቐትሎ ሕይወት ዘይብሉ ስለ ዝገብሮ ሕይወት የብሉን በዚ ምኽንያት እዩ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘይበዅዐ ዝግበር። ክርስቶስ ፋሲካና ስለ ዝተሰውዐ ብዓልና ንግበር ነቲ አረጊት ዘበለ ኵሉ ንደርብዮ ሓዲስ መልክዕ ነልበሶ። ትንሣኤ ብዓል ጥራሕ አይኮነን ውሽጣዊ ተሓድሶ ሕይወትና እውን ዝሓትት እዩ።

ነቲ ብጥምቀትን ብምስጢረ መሮንን ዝተቐበልናዮን ዝአቶናዮን መብጽዓ ብዳግም እንሕድሰሉ እዋን እዩ። ነዚ ንህብስቲ ቍርባን ክንቆርሶን ክንቅበሎን ከሎና ክንዝክሮ አሎና ምኽንያቱ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ኢና እንቕበል ዘሎና፥ ካብ ሰውነት ክርስቶስ ንካፈል እዚ ሰውነት ሰውነት ኢየሱስን መላእ ማሕበርን ዝሓዘ እዩ።

ተልእኮና፡

ካብ ግ.ሓ. ዝተነበ ካብ ትንሣኤ ዝመጽእ ተልእኮ ይነግር። ጴጥሮስ ምስ ብጾቱ ሓዋርያት ሰናይ ዜና ትንሣኤ ክርስቶስ ከበስሩ ተልእክኦም ከምዝኾነ ይነግር። እዚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኢየሱስ ከም ሓቅን ሕይወትን መገድን ዝቕበል ዘበለ ዝውሃቦ ተልእኮ እዩ። ጴጥሮስን ብጾቱ ሓዋርያት ይብሃሉ ትርጉሙ ኸአ ክነግሩ አብ ተልእኮ ዝተላእኩ ማለት እዩ። አምባሳደራት ክርስቶስ ይብሎም ጳውሎስ።

ንሕና ነዚ ተልእኮ ንለብሶ ኢና። አርድእቲ ጥራሕ አይኮናን ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና። ሕያዋን አምባሳደራት እውን ኢና። ሰባት ንሕና እንተ ዘይነገርናዮም ብዛዕባ ኢየሱስ ክፈልጡ አይክእሉን እዮም።

ከም ልምዲ ቤተ ክርስትያን አብዚ እዋን ብዙሓት ይጥመቑ። ውላ ሓደ ክብዞም ዝጥመቑ ብባዕሉ ተበጊሱ ዝመጸ የለን ግድን ሓደ ካባና በዚ ወይ በቲ ጸልይዎ ወይ ነጊርዎ እዩ ዝመጸ። እቲ ሰናይ ዜና ክርስቶስ ብምስጢር ዝትሓዝ አይኮነን። አብ ዓለምና ብዙሓት ነዚ ሰናይ ዜና ክሰምዑ ዝደልዩ ስአን ዘምጽአሎም ዝነግሮም ከይፈለጥዎ ዝነብሩ አሎዉ ስለዚ ሎሚ አነን ንስኹምን ኢና ነዚ ሰናይ ዜና ትንሣኤ እነብጽሕ። አባይን አባኹም እዩ ክፈልጡ እንተ ኾይኖም።

አበሰርቲ ትንሣኤ ሎሚ ንሕና ኢና። ኩሉ ብርሃን ትንሣኤ ክካፈል ክነብስር ንቀዳደም ሽዑ ዓለምና ክትቅየር እያ። እሞ ጸጋ ትንሣኤ ቀሲምና አብ ነነድሕድና ክርስቶስ ተንሢኡ እዩ ንሕና እውን ንአረጊት ጠባይናን አተሓሳስባናን ሓዲግና ሓዲስ ርክብን ፍቕርን አብ መንጎና ፈጢርና ሰበኽቲ ትንሣኤ ንኹን።

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዓብይ ሓይል ወስልጣን ይእዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም እናበልና ክንጽሊ ከሎና መጀመርያ ሰላም ክርስቶስ አብ ልብና አብ ግላዊ ሕይወትና ክአቱ ክነፍቅድ ድሕሪኡ ምስ ኩሉ ሰላም ክንገብር ድላይ አምላኽ እዩ። አግአዞ ለአዳም አሰሮ ለሰይጣን ክብሃል እንከሎ ሎሚ ካብ ኃጢአት ነጻ ኮና ማለት እዩ። ካብቲ አሲሩና ዘሎ ኃጢአትና ተነሲሕና ጣዕሚ ነጻነትን ደቂ ትንሣኤ ምዃንን ነስተማቕር። ቀዳመይቲ ፍረ ትንሣኤ ሰላም እያ እሞ አብ ገዛና አብ ዓለምናን ሃገርናን ንሰላም ንድለያ።

ጎይታና ካብ ሞት ተንሢኡ እዩ ንሕና ኸአ ካብ ኃጢአትና ንተንሥእ ሓዲስ ሕይወት ንልበስ ነዚ የብቅዓና።

 

ብሩኽ ብዓለ ትንሣእ ንዅልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

02 May 2021, 11:37