ድለ

መዓልቲ ኣደታት - ርሑስ በዓል ኣደታት ንኩለን ኣደታት! ዘለዋን ኣብ ሰማይ ዝቀደማን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 9 ግንቦት 2021 ዓም ተዘኪሩ ንዝወዓለ መዓልቲ ኣደታት ብምዝካር ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ንኩለን ኣደታት እንቋዕ ሓጐሰክን እንክብሉ ሠናይ ምንዮቶም ምስ ገለጹ ንዘለዋ ጥራይ ዘይኮነ ነተን ኣብ ሰማይ ቀዲመናነን ዘለዋ እውን ክንዝክረን ሓደራ ኢሎም። ንፍቅሪ ኣደ ዝምልከት ጥቀ ክቡር ኣባ ንጉሠ ጽሒፎም ዝለኣኹልና ነቅርበልኩም።
ብድምጺ ንምክትታል!

መዓልቲ አደታት 2013 ዓ.ም.

ንባባት ፡ ግ.ሓ. 4፡25-48፥ 1ዮሓ 4፡7-10፥ ዮሓ 15፡9-17

ብሓደ ዘስሕቕ ግን መልእኽቲ ብዘለዎ ክጅምሮ ስብከተይ። ሓደ እዋን ሓደ አቡን ንሓደ ሓዲስ ካህን ክትሰብኽ ከሎኻ ህዝቢ ክሰምዓካ ንልቦም ብዝስሕብ ክትጅምሮ አሎኣካ አባኻ ምስ አድሃቡ ሽዑ ስብከትካ ተስምዖም ኢለሞ። ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ክሰብኽ ከሎኹ ክትሰምዓኒ ምጻእ ኢሎሞ። ስለዚ አቡን አብ ስብከቶም ከምዚ እናበሉ ጀሚሮሞ “ምስ ሓንቲ ጽብቕቲ ሰበይቲ ፍቕሪ ሒዙኒ” ኢሎም ሱቕ ኢሎም ሽዑ ኩሉ ሰብ እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ ኢሎም ጽን ኢሎም። ሽም እታ ሰበይቲ ኸአ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ ኢሎም። እቲ ሓዲስ ካህን አብ ቍምስንኡ ምስ ከደ አብ ዝመጽእ ሰንበት ክሰብኽ አብ መንበረ ታቦት ክሰብኽ ምስ ጀመረ ብድሕሪት እቶም አቡን ስብከቱ ክሰምዑ ደው ኢሎም ርአዮም እሞ ተሃዊኹ/ተረቢሹ፥ ብዝኾነ አብ ስብከቱ አትዩ ክጅምር እንከሎ “አቡን ምስ ሓቲ ብዓልቲ ሓዳር ሰበይቲ ፍቕሪ ሒዝዎም” ኢሉ ደርግሖ ግን ስማ አይዝክሮን እየ ኢሉ ይብሃል።

ሰባት አብ መነባብሮና ቀንዲ አድለይቲ ብዝይብኦም ሕይወት ክንረክብ ዘይንኽእል ነገራት አለዉና፥ ካብቲ ብዙሓ ቀንዲ ተራ አደ እዩ። አደናን አቦናን አብዚ ዓለም አብ ትሕቲ አምላኽ ህላዌ ዘምጽኡልና እዮም። ተራ አደ ካብ ጽንሲ ክሳብ መወዳእታ ሕይወትና ነባሪ እዩ። ሎሚ ነደታትና ክንዝክረን ክነኽብረን እንከሎና ነዚ አብ ግምት አእቲና እቲ ዝግብአን ክብርን ፍቕርን ክነርእየን አሎና።

አብ ታሪኽና ክንምለስ ስማ ማርያም እዩ፥ ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ሰይቲ ዮሴፍ አደ አምላኽ እያ። አብ ወርኂ ግንቦት ምህላውና ዘሓጉስ እዩ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፥ ወርኂ ማርያም፥ዓመታዊ ብዓል ማርያም ድዓሪት እንዝክረሉ እዩ። መዓልቲ አደታት አብ ወርኂ ግንቦት ዝኾነሉ ምኽንያት ወርኂ ማርያም ስለ ዝኾነት እያ። ሎሚ ዝበለጸ ህያብ ነደኹም ወይ ሓፍትኹም ወይ ዓባይኩም አሞኹም ሓፍቲኖኹም ምእንትአን ወይ ምስአን ኮንኩም ሓደ መቝጸርያ ምብጻሕ እዩ።

ኩሉ ሓንቲ አደ ክተርእዮ ዝንግባእ አብ ማርያም ንረኽቦ፡

  • ንአምላኽ ሕራይ ምባል። አምላኽ አብ ዝጸውዓክን ሕራይ ክትብልኦ። አደ ምዃን ማለት ንድላይ አምላኽ ክርድአካን ከም ግድነት ከይወሰድክን ሕራይ ምባል። አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ አሎ ኢልክን ክተስተንትና።
  • አብ ኩሉ አምላኽ ካባኽን ዝደልዮ ክትገብራ ስንድዋት ምዃን። አብ ጉዕዞ ሕይወትክን ሓጎስ ስቓይ ክገጥም እንከሎ ንአምላኽ ጽን ክትብላ። ከምቲ ማርያም ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሻ ንወዳ አብ ጊዜ ጽቡቕን ሕማቕን ጊዜ ዘሰነየቶ ንስኽን እውን ክሳብ መጨራሻ አምላኽ ሒዝክን ንስድራኽን ክትሓልያን ንአምላኽ ክትሰምዓን።
  • አደ ሰታሪት እያ። ማርያም አደኽን ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነራ። ንስኽን እውን ቤትክን ብፍላይ ፈተና እንተ አተዎ፥ ጸገም እንተሎ ሰተርቲ ክትኮና ማርያም አብነትክን እያ። አደ ዘይትሰትሮ የለን።
  • ጸለይቲ ክትኮና። ማርያም ጸላይት እያ ነራ፥ ጸሎት ንሓንቲ አደ ሕይወታ ክኸውን ይግባእ። ምስ አምላኽ ተዛሪባ እትኽእል አደ ንቤታ ተድሕን። ጸሎት አደ አብ አምላኽ ይዓርግ እዩ ስለዚ ከየቋረጽክን ምእንቲ ኹሉ ጸልያ።

ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ፡

ካብ ናይ አደ ዝበልጽ ወይ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን። አደ ንውላዳ እተፍቅር እቲ/ታ ሕፃን ህያው ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ሕጻን አዲኡ ክትፍቅሮ ዝገበሮ ወላ ሓንቲ ነገር የለን። ነዲኡ ወላ ሓንቲ ኽገብረላ ዝኽእል የብሉን። ወላ ነቲ እተፍቕሮ ዘላ እውን ክፈልጦ አይክእልን እዩ። ወላዲት አብ ውሉዳ ዘልአ ፍቕሪ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት እዩ።

ሕይወት አደ ሕይወት ፍቕሪ እዩ። ምስ ብዓል ቤታ ምስ ደቃ ካብ መጀመርያ እተርእዮ ፍቕሪ እዩ። ብፍቕራ ቤት ይመውቕ። አብ ሓንቲ ቤት ዋሕስ ፍቕሪን ሰላምን ዝዛሪ ካብቲ አደ እትህቦ ምንጪ እዩ፥ እዚ ንተልእኮ አደ ፍሉይ ሓላፍነት የልብሶ። ፍሉይ ጸዋዕታ ሓንቲ አደ ምፍቃር እዩ። እዚ አምላኽ ዝህባ ፍሉይ ህያብ እዩ። ቅ. ዮሓንስ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና፥ ሓንቲ አደ እውን ፍቕሪ እያ እንተ በልና አብ ኩሉ ሕይወታ ነቲ አምላኽ ዝሃባ እትህብ ስለ ዝኾነት እያ።

ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ዘስተምሃሮ ዓቢ ትምህርቲ መንጪ ናይ ኩሉ ፍቕሪ ከምቲ አቦ ዝፍቅረኒ አነ ኸአ አፍቅረኩም ኢሉና። እግዚአብሔር አቦ ንወዱ ካብ ዘለዓለም ይወልዶ፤ ንዘለዓለም ሰማያዊ ፍቕሩ አብ ልዕሊኡ ከም ዝፈስስ ይገብር። ወልድ ነቲ ናይ አብኡ ፍቕሪ ብግብሩ አይኮነን ዝረኽቦ፥ ንሱ ብርእሱ ናይ አብኡ ፍቕሪ እዩ። ወልድ ነቲ ንፍቕሪ አብኡ ንኻልኦት ንአና ይህቦ፥ ከምቲ አቦ ዝፍቅረኒ አፍቅረኩም ይብለና።

ጥዑያት ውሉዱታት አደታትና እንተ ኾና ብዘይ ሓደ ዝገበርናዮ ዘፍቅራና ካብአን ስለ ዝተወለድና ጥራሕ ዘፍቅራና ነቲ ካብአን ዝተዋህበና ፍቕሪ አብ ካልኦት ክነመሓላልፎ ይግባእ። ብሓቂ ንፉዓት አርድእት ክርስቶስ እንተ ኾና ከምቲ ንሱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ናይ አብኡ ገሩ ዘፍቀረና ንሕና እውን ንኻልኦት ከምኡ ክነፍቅር አሎና።

ኢየሱስ ካብ አብኡ ዝረኸቦ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ አባና አመሓላሊፍልና፥ ሳላ ፍቕሩ ድሒና አብ ኩሉ መዓልታዊ ሕይወትና ብፍቕሩ ንነብር አሎና። ክነኽብሮ ክንሰምዖ እንከሎና አባና ብዝያዳ ሰላም ቅሳነት ይሓድር። ሓንቲ አደ ንደቃ ፍቕሪ ትህቦም እዚ ኸአ ተቐበልቲ ፍቕራ ፍቕሪ ክመልሱላ ይግባእ። አብ ፍቕሪ ምሃብን ምቕባልን እዩ ባህሪኡ። ስለዚ ነደይ አፍቅራ እየ ክንብል ከሎና ግዳማዊ ፍቕሪ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ልቢ ዝነቐለ ብዝያዳ ምስ አምላኽ ክትራኸብ ዝሕግዛ ፍቕሪ ክነርእያ እንከሎና ጥራሕ እዩ። 

ክልተ ደረጃታት ፍቕሪ፡

ፍቕሪ ክልተ ወገን ክልተ ደረጃ አልኦ። ፩ያ ፍቕሪ ንቕበል። ቅ. ዮሓንስ ከምዚ ይብል ፍቕሪ ማለት ኸአ ኸምዚ እዩ፥ አምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢአትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ አይኮነን (1ዮሓ 4፡10)። መጀመርያ ዝይተቐበልናዮ ፍቕሪ አባና የለን ኩሉ ህያብ እዩ፥ ዝኾነ ፍቕሪ አነ ዘፍቅሮ አቐዲሙ ብኻልእ ዝተዋህበኒ እዩ (አደይ አቦይ አዕሩክተይ. . . ) መጀመርያ ምንጪ ፍቕሪ አብ ዓለም ካብ አምላኽ እዩ። ስለዚ ቀዳማይ ክፍሊ ፍቕሪ ካብ አምላኽ ፍቕሪ ምቕባል እዩ። አፍቂሩ ዝኽእል ዝተዋህቦ ዘለሊ እዩ፥ ምናልባት ክርኢ ዘይክእል እንተ ኾይኑ ሓቀኛ ፍቕሪ ጎዲልዎ አሎ ማለት እዩ።

ፍቕሪ አብ ካልእ ክመሓላለፍ አለዎ እንተ ዘይኮነ ምሉእ አይኮነ ብሳዕበኑ ክመውት ይኽእል እዩ። ካልአይ ክፍሊ ፍቕሪ እምብአር ነቲ ዝተቐበልካዮ ፍቕሪ አብ ካልኦት ምምሕልላፍ እዩ። ንዝተቐበልናዮ ፍቕር አብኡ ከይሃብና ንርእስና ጥራሕ ሒዝና ሱቕ እንተ በልና ይመውት። በዚ ምኽንያት ኢየሱስ ከምዚ ኢሉና። ትእዛዛተይ ብምሕላው አባይ ንበሩ ይብለና። ተፍቅሩኒ እንተ ድአ ኮንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ ይብለና። እዚ እዝዘኩም አሎኹ ይብለና ኢየሱስ ነነድሕድኩም ተፋቐሩ። ፍቕሪ ስምዒት አይኮነን (ወላ ሓደ ንስምዒት ክእዝዝ አይክእልን እዩ፥ ልዕሊ ቍጽጽርና እዮም)። ንድለትና ክንእዝዝን ክንቆጻጸርን ንኽእል ኢና፥ ክነፍቅር ክንውስን ንኽእል። ዝኾነ ሰብ ከፍቅር ክውስን ይኽእል እዩ። እዚ መሰረታዊ ናይ ሓደ እሙን አገልጋሊ መምርሒ እዩ። ኵሉ ዝውሃበና ዘበለ ክንካፈሎ ምእንቲ እዩ፥ ብፍላይ ንፍቕሪ ብዝርኢ ሓቂ እዩ። ንዝተቐበልካዮ ፍቕሪ ክትመልስ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ምሉእ ወይ ፍረ ዘለዎ ክኸውን አይክእልን እዩ።

ፍቅሪ አደ፡

ፍቕሪ ብዓስቢ አይኮንኩን ዝረኽቦ ግን ከምሓላልፎ ክህቦ እኽእል እየ፥ እዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ፍቕሪ ብኸመይ ክግለጽ ይክአል። አብ ሓንቲ ነፍሰ ጾር አደ ንመልከት። አብ ግዜ ጽንሳ ደም አብቲ ሕፃን ይመሓላለፍ። ድሕሪ ሕርሳ ንሕጻና ጸባ ተጥብዎ። ነተን ቀዳሞት ክልተ ዓመት ልዕሊ ዝኾነ ናታ ነገር እያ እትህቦ ድቃሳ ሕይወታ ዓይና ልባ. . . ኩሉ ግዚአ ድኻማን አድህቦአን ልባን ቀልባን አብ ሕፃና እዩ። ከምዚ እናገበረት እንከላ ፍቕሪ ምናልባት ብቐጥታ አይ ኮነን ግን ካብ ሕፃና ፍቕሪ ትቕበል። ካብ ሕፃና ጥራሕ ዘይኮነ ካብ አምላኽ እውን ይውሃባ። ሓቀኛ ፍቕሪ ከምዚ አብ ተለቭዥን እንርእዮ አይኮነን። ከምቲ አብ አደና ከምኡ አብ አቦና እንርእዮ እዩ።

አደታት ፍቕርን ብኹሉ ይገልጻልና፥ ዓይኒ አደ ክርኢ እንከሎ ብፍቕሪ እዩ ዝርኢ በዚ ምኽንያት እዩ አብ ዝኾነ አቐዲመን ዝነብዓ ፍቕረን ክቖጻጸርኦ ስለ ዘይክእላ። አደ ክጥምተካ ፍሽኽታአ ምስዓማ ሕይወት ሰላም እዩ ዝህብ። ነዚ ኹሉ አብ ካልእ ተምሓላልፎ። አብ ደቃ ሓዳር ፈርዓን ዓዳን ተሕልፎ። አደ ፈራዕ አደ ኩሉ ዝብል ክጽልን ንህባ።

በዚ ምኽንያት እዩ ነደታትና እነፍቅረን። ከመይ ኢልና ከም እነፍቅር ምሂርክና፥ ነቲ ካብ አምላክ ዝተቐበልክዮ ፍቕሪ ሂብክና። ከመይ ገርን ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ከምዘሎና ኸአ አስተምሂርክና እዚ ኸአ ምሳና ብምክፋልኪ እዩ። መጠን እቲ ዝሃብክና ፍቕሪ መጠኑ ክነኽብረክን ክነፍቅርከን ይግብአና ኢልና ሎሚ ክንገልጸልን ይግባአና።

ማርያም መጀመርያ ፍቕሪ አምላኽ ዝተቐበለት እያ ምኽንያቱ አምላኽ አብ ከርሳ ሓዲሩ ፍቕሩ ገሊጽላ። ነቲ አምላኽ ዝሃባ ፍቕሪ ሥጋ ለቢሱ ንአና ሂባቶ። እዚ እዩ ባህሪ ሓንቲ አደ። አብዚ መሰረት ገርና ኢና ነደታት ክነኽብረን ዝግባእ።

ሎሚ መዓልቲ አደታት ኢልና ክነብዕል ከሎና እምብአር ፍልይ ብዝበለ ክብርን ፍቕርን አደ ክነስተማቕር ይግብአና። አደ መጀመርያ ህያብ አምላኽ እያ። ንአምላኽን ንኹሉ ግብሩን እተዘኻኽረና እያ። ነዲኡ ዘኽብር ንአምላኽ እዩ ዘኽብር ስለዚ ነደታትና ዝግብአን ክርስትያናዊ ክብሪ ክንህበን አሎና። ምዓልኪ ሓደርኪ ካብ ዝብል ጀሚርና ኩሉ ጊዜ ምስአን ድልዱል ርክብ ክህልወና እንከሎ ንኹልና ጽቡቕ እዩ።

አደታት ሎሚ በዚ ክብርኽንን ፍቕርኽንን አብ እንገልጸሉ ብወገንክንክን እውን ክትዝክርኦ ዝግባእ አሎ። ጸዋዕታኽን አለሊኽን መጀመርያ ምስ አምላኽ ክተራኽባና። አደ መሃሪት ጸዋር ፈቃር መሓሪት ሓዳግ እያ። አብ ብዙሓት ስድራታት ከምኡ አብ ሃገርናን ዓለምናን እዚ ስለ ዝጎደለ ብዙሕ ጎጽገጽ ንብል አሎና። ሰላም አብ ቤት እያ እትጀምር፥ አደ መምህር ሰላም እያ ስለዚ ነዚ ሎሚ እውን አብ ሕይወትክን ክተበራብራኦ ይግባእ። ከመሎኹ አብ ቤተይ አብ ሓዳረይ ክትብላ። አደ ክትዝንግዕ እንከላ ቤት ጸልማት እዩ ዝወርሶ ስለዚ አብ አምላኽ አሚንክን ገዛኽን ዓድኽን ፈራዕክን ሰላም ክተልብሳኦ።

ኦ ማርያም አደና ንኹለን አደታት እቲ ዘድልየን ጸጋ አብ ምምራሕ ሕይወተንን ሕይወት ስድርአንን ክትዕድልየን ንልምነኪ አሎና። ንሕና እውን ነቲ ከይተሓለላ ዘርእያና ፍቕሪ ሓልዮት ብኹሉ ክነሓጉሰን ሓግዝና።

ኦ ሓጋዚት አደታት ለምንልና።

ዝተባረኸ መዓልቲ አደታት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

10 May 2021, 19:41