ማርያም ደዓርት ግንቦት 21 2013 ዓ.ም. (5/29/2021) ማርያም መንፈሳዊት አደና

ንባባት፡ ገላትያ 4፡1-9፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ.1፡12-14፥ ሉቃ. 1፦39-56 ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት። ናይ ህዝቢ ሃብታማት፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ። (መዝ 44.12)
ብድምጺ ንምክትታል!

ሎሚ ብዓል ማርያም ድዓሪት ዘኪርና ነብዕል አሎና። አደታት ክጽልያ እንከለዋ እዚ ኹሉ አበይ ዝበል ናብ እኖይ ማርያም ምሕረት፥ ሰላም፥ ዝደለ እናበላ ይጽልያ። ነዚ ሎሚ አኪቡና ዘሎ ብዓል የዘኻኽረና። ውሉድ ነብኡ/አ ብወላዲቱ/ታ ገሩ ክልምኖ እንከሎ ብቐሊል ክስማዕ ይክአል እዩ። አደ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናገበረት ተስምዕ እያ፥ አደታትና አብ ሕይወተን ብዝያዳ ነዚ ስለ ዝፈልጣ ኩሉ ጊዜ ምሕረት አምላኽ ክደልያ እንከለዋ ብማርያም ይምህለላ። አብ ሕይወትና ከም አደና ዝቐርበና የለን መብዝሕትኡ እቲ አነ ዘብለና ካብ አደና ኢና እንወስዶ። አብ ኢየሱስ እንተ መጻእና ኩሉ ሥጋዊ ሰውነቱ ጠባያቱ መልክዑ ካብ ማርያም ወሲድዎ ንሳ ኩሉ ናታ ሂባቶ። በታ ኩሉ ዝሃበቶ አዲኡ ክንቀርቦ እንከሎና ክሰምዓና ክቐርበና ግድን እዩ።

አብ መስቀል ቅድሚ ምማቱ ብለበዋ ዝሃበና አደ ማርያም እያ። እንሃ አደኹም ኢሉ ንቅ. ዮሓንስ ክንዲ ኩልና ኮይኑ ሂብዎ። እዚአ አደኹም ክብለና እንከሎ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትኩም ሓላዊትኩም ሓጋዚትኩም መራሒትኩም እኮታ ንኹሉ ካባይ እትደልይዎ እትሓልየልኩም ኢሉ ሂቡና። ንአአ እውን እዚኦም ደቅኺ እዮም ኢልዋ፥ ጉዳይ ወላዲት ክትገብር፥ ኩሉ እቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝገብረሉ ክትገብረልና ሓላፍነት ሂብዋ። ክትመርሓና ክትሕግዘና ክትመኽረና አብ ቅድሚ ወዳ እሙናት ኮና ክንጉዓዝ አብ ኩሉ ክትሕግዘና።

ሕይወት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ምስ ማርያም እዩ ተጀሚሩ ቅ. ሉቃስ ነዚ ከረድእ ኢሉ እዚአቶም ኩሎም ምስ ገሊኤን አንስትን ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ (ግ.ሓ 1፡14) ይብል። አብ መንግኦም ኮይና ማርያም ክልተ ነገር ትምህሮም ነራ፡

  • ጸሎት ምግባር፡ ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት እዩ። ጸሎት ክንብል ከሎና ንአምላኽ ምፍላጥ እሞ ኩሉ ብድላዩ ምምራሕ እዩ። ትውፊት ካብንእስነታ አብ ቤተ ጸሎት ከም ዝዓበየት እዩ ዝነግረና ስለዚ ትርጉም ጸሎት አጸቢቓ ትፈልጥ ነራ። ንሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ነዚ እትፈልጦ እያ ትመርሖም ነራ። ሎሚ ንሕና ካብአ እንምሃሮ አብ ዝኾነ እዋን ንዝኾነ ነገር ብጸሎት ክነሰንዮ ከሎና ርግአት ተስፋ ይህበና። ሓዋርያት አብቲ ጊዜ ፍርሓትን ምሹቕራርን አብቲ ከቢድ እዋን እታ ሓንቲ ሓይሊ ዝህቦም ብሓባር ጸሎት ምግባር እዩ ስለዚ ምስ ማርያም ኮይኖም እናጸለዩ ከለዉ ንምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተሰናድዎም ነራ። ማርያም መምህር ጸሎት እያ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ንድላይ ወዳ ክንሰምዕ ክነኽብር ክንጽሊ ትነግረና።
  • ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ ገርካ ምኽአል። ሕይወትና ብምልኡ አብ ትሕቲ አምላኽ ገርና እንተ ኸኣልና ኩሉ ሒዝና አሎና ማለት እዩ። ማርያም እነኹ ባርያ እግዚአብሔር ኢላ ምስ አመነት ካብኡ ንድሓር ዝመጽአ ይመጻእ ሰጋእ አይበለትን። ንስደት አብ ግብጺ ክትከይድ እንከላ፥ ንወዳ በቲ ዝምህሮን ዘገብሮ ዝነበረ ተአምራታትን አብ ክንዲ ሰናይ ውርደት ክረክብ ክትርኢ እንከላ ትጉሂ ነራ ግን ሰጋእ አይበለትን፥ አብ ሕማማቱ ጎኑ ጎኑ እናተጓዕዘት ክትከይድ እንከላ እሞ ክግዕር ክመውት ክትርኢ እንከላ ሓንቲ ናይ ተስፋ ቍርጸት ምልክት አየርአየትን፥ ካልኦት አንስቲ ድሕሪ ሞቱ ላዕልን ታሕትን ክብላ እንከለዋ ንሳ ሓንቲ ምልክት ናይ ሓዘን ምጭናቕ አየርአየትን እቲ ምንታይ ኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ከምዘሎ ትአምን ስለ ዝነበረት። ንቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ ነዚ እያ ምሂራት።

ነዚ መሰረት ገርና ማርያም አደ ኩልና እያ ንብል ስለዚ መንፈሳዊት አደና ክንብላ ሓቀኛ ስማ እዩ። ማርያም እምብአር አደ አምላኽ ጥራሕ አይኮነንትን አደና እውን እያ። ንማርያም አደና፥ እምበትና፥ አደ ቤተ ክርስትያን፥ ከምኡ አብ ብዙሕ ጽሑፋት አበው አደ ኩሎም ሕያዋን ዝብል ንረክብ እዚ ኵሉ መንፈሳዊ አደነት ማርያም ይገልጸልና። ግን ማርያም አደና ክንብላ እንከሎና አብ እንታይ ትርጉም ወይ እንታይ ማለትና ኢና? እዚ ቀሊል መልሲ እዩ ማርያም አደና እያ ምኽንያቱ ንሳ ንመድኃኒና ስለ ዝወለደት። ንሕና ብእምነትን ብጸጋ ጥምቀትን ምስኡ ንወሃሃድ አባላት ናይ እታ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንኸውን። ንሱ ርእሲ እዩ ንሕና ኸአ ኣባላት ኢና። ንሕና ኣባላት ሰውነት ክርስቶስ ስለ ዝኾና ማርያም ከአ አዲኡ እያ ስለዚ ማርያም እምብአር አደና እያ። እዚ ግን ብግዙፍ ብአካላዊ መልክዕ አይኮነን ብመንፈሳዊ መልክዕ ናይ ጸጋ እዩ። ካብ ካልአይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብዙሓት ዓበይቲ ክርስትያን ከምኡ ብዙሕ ጊዜ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንማርያም ብዝርኢ መንፈሳዊ አደና ከም ዝኾነት ይገልጹ።

ንማርያም መንፈሳዊት አደና ክንብላ እንከሎና አብ ክልተ ቀንዲ ነገራት መሰረት ገርና ኢና፡

·       ንአምላኽ ሕራይ ብምባላ፡ መልአኽ እግዚአብሔር አደ መስሕ ከምእትኸውን ከበስራ እንከሎ ዝሃበቶ መልሲ። እቲ ካብአ ዝውለድ ንድሕነት ኩልና ብምዃኑ እሞ ነዚ ክንዲ ኩልና ኮይና መልሲ ክትህብ እንከላ ንኹልና አብቲ ናይ ድሕነት መአዲ ከምእንሳተፍ ገራትና።

·       ንእግዚአብሔር ሕራይ ክትብሎ እንከላ እቲ ዝሃበቶ መልሲ ብመንጽር አብ ቀራንዮ ዝፍጸም ተራእዩ እዩ። ንሳ አብ ስቓይን መስዋዕትን ወዳ ብመንፈስ ተሳቲፋ እያ፥ ንወዳ ምእንቲ ድሕነት ኩሎም ደቂ ሰብ አብ ሰማያዊ አምላኽ መስዋዕቲ ገራ አቕሪባቶ እያ። ብዘይ ናታ እምነትን ተአዝዞን መድኃኒ አይምተዋህበናን ስለዚ ድሕነት አይምመጽአን ቤተ ክርስትያን አይምሃለወትን።

አብዚ ክልተ ሓሳባት እንተ አስተውዓልና ዝመሓላለፍ ዘሎ ሕይወት እዩ። ናይ ሓንቲ ወላዲት ቀንዲ ስራሕ ወይ ጸዋዕታ ኸአ ሕይወት ምትሕልላፍ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና ማርያም ምንጭ ናይ ኩሉ አብ ሕይወትና እንረኽቦ ጸጋ፥ መንፈሳዊ ሕይወትናን እያ፥ ስለዚ መንፈሳዊት አደና ክንብላ መሰልን ግንዖትን አሎና። ቅድስት አደና ክንብላ እንከሎና ነዚ ኢና እነመልክት።

አብ ሓዲስ ኪዳን ማርያም መንፈሳዊት አደና ከምዝኾነት ዝሕብር አብ ክልተ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ።

  1. አብ ዮሓ 19፡26-27፥ ኢየሱስ ነዲኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝምርውን አብ ጥቕአ ደዊ ኢሉ ምስ ረአየ ነዲኡ አቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ በላ። ነቲ ወዲ መዝምሩ ኸአ እንሃ አዴኻ’ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ ዝብል ነንብብ። ብዙሓት ከምዝብልዎ አብዚ ኢየሱስ ዝብሎ ዘሎ ካብቲ ንዮውሓንስ ዝበሎ ንላዕሊ እዩ ዘስምዕ ማለት ካብቲ ዮውሓንስ ንማርያም ዝህቦ አገልግሎት ንላዕሊ እዩ ዘስምዕ ይብሉ። ሓዋርያ ዮውሓንስ ክንዲ ኩልና ክንዲ መላእ ቤተ ክርስትያን እዩ ደው ኢሉ ዘሎ። ኩልና ደቂ ማርያም ኢና፥ ንሳ ኸአ ፍሉይ ተራ እትጻወቶ አብ ክንዲ ቤተ ክርስትያን ተዋሂባ። እዚ ብአምሳል ዝግለጽ ብዛዕባ ዮውሓንስ ብመንጽር ወንጌሉ ክንርእዮ ከሎና ክነረጋግጾ ንኽእል። ግዙፋዊ ነገራት አብ ክንዲ መንፈሳዊ ነገራት ከስምዑ ንረኽቦ።
  2. ራእ 12፡1-5፡ዓቢ ትእምርቲ ድማ አብ ሰማይ ተርእየ፥ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍኤት ተራእየት. . . . . ንሳ ንኹሎም አሕዛብ ብበትሪ ሓፊን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ ወለደት ዝብል ነንብብ። አብዚ እዚአ ሰበይቲ አብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን አምሳል ህዝበ እግዚአብሔር እያ። ናይ ብሉይ ኪዳን እስራኤል መስሕ ወሊዳ ሓዳስ እስራኤል ቤተ ክርስትያን ኮይና፥ ንሳ በቲ ገበል ድራጎን ትሳቐ።

እዚአ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ነደ ኢየሱስ እውን ከስምዕ ይኽእል እዩ። ካብ መጀመርያ ብብዙሓት ጳጳሳትን ተሎጋውያንን ንማርያም ከምዘስምዕ አስተምሂሮም። በዚ ርድኢት ማርያም እያ ንሰይጣን በቲ ሓደ ወዳ አቢላ ዝሰዓረት። ሳላ ማርያም አሕዋት ክርስቶስ ኮና። ብማርያም አቢልና መንፈሳዊ ውሉድነት ረኺብና።

አብዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ብዓል ማርያም ድዓሪት ብፍሉይ ክንዝክሮ ዝድለ ዘሎ ከመሎና አብ ኩሉ መንፈሳዊ ሕይወትና ኢልና ንርእስና ክንሓትት እሞ አብታ ወላዲትና ክንምለስ። ጊዜና እንተ ርኤና ማርያም እንታይ አለዋ ደይ ከም ኩልና እያ፥ ዝያዳ ክብሪ አይግብአን እዩ፥ መሳርሒት ጥራሕ እያ ነራ፥ ክነኽብራ አየድልን እዩ፥ ድሕሪ ኢየሱስ ቆልዑት ነሮማ እዮም እቶም አብ ወንጌል አሕዋት ኢየሱስ ዝብል ናይ ብሓቂ ዝወለደቶም እያ እናተባህለ ግጉይ ትምህርትን ሓበረታን ብብዝሒ ዝስምዓሉ ኢና ዘሎና። እሞ ማርያም ከምዚ ዝብሃል ድያ ወይስ ናይ ብሓቂ አብ ድሕነት ዓቢ ተርአ ዘልአ እያ።

ብርግጽ ማርያም ከማና ፍጥርቲ እያ ግን ብመንጽር አደ አምላኽ ክትከውን ስለ ዝተሓርየት ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ እዚ ካብ ኩልና ፍልይቲ ይገብራ። መልአኽ ከበስራ እንከሎ ምልእተ ጸጋ ኢልዋ። እዚ ጸጋ እዚ ካብ ወዳ ዝረኽበቶ እዩ። አደ አምላኽ እያ ምስ ወዳ ፍሉይ ርክብ ዘልአ እያ። ብወገና እውን ንድላይ አምላኽ ክትፍጽም ብምሉእ ሕራይ ዝበለት እያ ስለዚ ማርያም ብኹሉ ሕርይቲ ፍጥረት አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ዝረኽበት ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት እያ። አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዕርቂ ዘምጽአት መንጎኛ እያ። አምላኽ ብማርያም ክንልምኖ እንከሎና ከይሰምዓና አይተርፍን እዩ። ሓንቲ እትብለና ወዳ ዝደልዮ ክንገብር እዩ።

ሎሚ እውን ማርያም አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዕርቂ ክተውርደልና ጸጋ ወዳ አብ ማእከልና ከምዝርከብ ክትገብር ትኽእል እያ ሓንትስ ንለምና። ብፍሉይ ጸሎት ክንገብር ንኹሉ ክትቅይረልና ለምንልና ንበላ። ርሑስ ብዓል ንኹልና ብአማላድነታ ፍቕርን ሰላም አብ ኩል ተውርደልና።

ብሩኽ ብዓል

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

29 May 2021, 17:50