ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ ግንቦት 1 2013 ዓ.ም. (5/9/2021) ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ። ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ። አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ ይብል።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡1-41፥ ፩ጴጥ:1:3-9፥ ግ.ሓ. 2:42-47፥ ዮሓ 20፡19-31።     ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፥። ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ       ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ መዝ። 78፡65-66።

ሓደ እዋን አብ ሓደ ከተማ ሓደ ንፉዕ ክርስትያን ዳኛ ክኸውን ተመሪጹ። ሓደ መዓልቲ ዳኛ አብ መጋበየአ ምስ አተወ አብ ቅድሚኡ ካብ ንእስነቱ ምስኡ ብርቱዕ ዕርከነት ዝነበሮ ብዝገበሮ ከቢድ ገበን ክፍረድ ቀሪቡ። እቶም ዕርክነቶም ዝፈልጡ ዝነበሩ ዳኛ ዓርኩ ስለ ዝኾነ የቃልለሉ ይኸውን ኢሎም ይሓስቡ ነሮም እንተ ኾነ ከቢድ መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍል ከም ዝተፈርደ ምስ ሰምዑ ብዙሕ ተገሪሞም። እንተ ኾነ እቲ ዳኛ አብቲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ከይዱ ካብ ገንዘቡ ነቲ መቕጻዕቱ ክኸፍለሉ ምስ ረአዩ ኸአ ብሓቂ ተገሪምዎም። ከም ዳኛ ግቡኡ ገሩ ንሕጊ እንዳባ አኽቢሩ ንዓርኩ ኸአ ፍቕሩን ዕርክነቱን አይጠለሞን። አምላኽ ከምቲ እዚ ዓርኪ ዘርአዮ ርትዕን ፍቕርን ንነፍሲ ወከፍና ዘርእዮ ናይ ምሕረት ስራሕ ከምኡ እዩ። እቲ ሕጊ ዘፍረሰ ዓርኪ ልቡ ተተንኪፉ አብ ንስሓ አትዩ ይኸውን እዩ። ሎሚ ንሕና እውን አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል አሎና።

ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ሂቡካ/ኪ እዩ፥ እሞ ንስኻ/ኺኸ ሂብካዮ/ክዮ ዘሎኺ። ናይ ሎሚ ሰንበት ቀንዲ መልእኽቲ ልብና ንኢየሱስ ሂብና ክንክእል ዘዘኻኽረና እዩ። ሕይወትና ዝመናጥሉ ዝመልኦ ስለ ዝኾነ ምስ መን አሎኹ ኢልና ከባቢና ክንርኢ የድሊ። ምስ ዝነፈሰ እና ተጎዓዝና እንከሎና ብዘይ ጣዕሚ ፍረ ትንሣኤ ከይንነብር ምስትውዓል ከድልየና እዩ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ደጋጊሙ ተራእይዎም ከጸናንዖም ብእምነት ክድልድሉ ኢሉ አብ ኩሉ ዝመጽኦም መአዲ ቅ. ቍርባን ሰርዓሎም መገዲ ሓቅን ተልእክኦምን አነጺሩ ምሂርዎም በዚ ምሰረት ብኹሉ ተቐይሮም ንዓለሞም ቀይሮማ እዚ እዩ ናይ ኩልና ጸዋዕታን ድላይ አምላኽን ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ።

አብ ዘይ ጓይላኻ ምኹዳድ ጣዕሚ የብሉን ክርስትያናዊ ሕይወትና ዘይናቱ መልክዕ አልቢስና ክነብር መልክዑ አይ ኮነን። ብዝነፍስ ወረ ከይሰንበድና እምነት አብ ዝተንሥአ ክርስቶስ ገርና ጽኑዓት አርድእት ክንከውን ሕይወትና ንመርምር።

ዳግማይ ትንሣኤ አብ ሥርዓት ሃገርና ልክዕ ከም ትንሣኤ እዩ ዝብዓል። ኩሉ ንባባትን ሥርዓታትን አብ ምስጢረ ትንሣኤ ከነስተንትንን ምስ ርእስና ክነወሃህዶ ዝዕድም እዩ። አብ ዳግማይ ትንሣኤ ዝንበብ ወንጌል ዳርጋ ኩሉ ጊዜ ካብ ዮሓ ኮይኑ ሓደ እዩ። ዮሓንስ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ አብ መዓልቲ ትንሣኤ ከም ዝተራእዮም ቀጺሉ ኸአ ንቶማስ ምስኦም ስለ ዘይነበረ አብ ሶሙኑ ምስኦም እንከሎ ከምዝተራእዮም ይነግረና።

አብዚ ክርአዮም እንከሎ ፍሉይ ትምህርቲ ክህቦም ስለ ዝደለ ንቶማስ ምጥርጣር ዘይምእማን ካብኡ ክአሊ ነጊርዎ ብእኡ አቢሉ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና እምነትና ከመይ ዝበለ ክኸውን ከም ዘለዎ ከምህረና ኢሉ ነዚ ግልጸት ገርዎ። ሓዋርያት ብሓንሳብ አብ ሓደ ቦታ እንከለዉ እዩ ተራእይዎም ንኣናውን ብኹሉ ብሓንሳብ ክንከውን እንከሎና አብኡ ይመጸና፥ ብፍላይ አብ ጸሎትን አብ ሰናይ ግብሪ እንተ ወፈርና ምሳና አሎ፥ ብፍላይ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን አብ ዝተአከብናሉ ሕጂ እውን ምሳና አሎ።

ካልእ ነዚ ናይ ሎሚ ሰንበት (ዳግማይ ትንሣኤ) ፍሉይ ዝገብሮ ካብ 2000 ዓ.ም. ጀመሮም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ተባሂሉ አብ ምሉእ ዓለም ክብዓል አዊጆም። እዚ ኸአ አብቲ ታሪኽ ቅ. ፋውስቲና እዩ መሰረቱ። ጎ.ኢ.ክ. ንቅ. ፋውስቲና ብ1930 ዓ.ም. ደጋጊሙ ተራእይዋ መለኮታዊ ምሕረቱ ንኹሎም ብምሉእ ኃጢአቶም ዝንስሑ ክበዱን ዕብየቱን ብዝየገድስ ከም ዘውርድ ንዝኾነት ነፍሲ ከምዘይ ነጽግ ድማ ገሊጹላ። እዚ ግላዊ ግልጸት ቅ. ፋውስቲና ካብ ኢየሱስ ዝተቐበለቶ ብአጋጣሚ ዝኾነ አይ ኮነን። ኢየሱስ ደጋጊሙ ሓደ ብዓል ንመለኮታዊ ምሕረት ክውሰን ከም ዝደሊ ገሊጹላ እዚ ኸአ ድሕሪ ትንሣኤ ዘላ ሰንበት ክኸውን ነጊርዋ። ስለዚ ብ30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም. ቅ. ዮውሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ጓል ዓዶም ዝኾነት አብ መዓልቲ ብዕሊ ምእዋጅ ቅድስንአ ከምዚ ኢሎም ነቲ አብ ዳግማይ ትንሣኤ ዝመጽአና መልእኽቲ ካብ ቃል አምላኽ ብምልኡ ክንቅበሎ ካብ ሕጂ ንድኃር አብ ኩላ ቤተ ክርስትያን እዚ ሰንበት ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ተባሂሉ ክብዓል አዊጆም። ብሓጺሩ እዚ ሰንበት አብ ምሕረት አምላኽ ክነስተንትን ከም ዘሎና ዝነግር እዩ። እዚ መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ብጭቡጥ አብ ምስጢረ ኑዛዜን፥ ብዘይ ሓደ አበርክቶና ዝውሃበና ጸጋ አምላኽ ካብ ፍቕርን ምሕረቱን ተበጊሱ ከም ዝኾነ ርኢና ክንርኢ እሞ አብ እምነትን ንስሓን ትጉሃት ክንከውን የዘኻኽረና።

ዳግማይ ትንሣኤ ብዓል ምስጢረ ንስሓ ክንብሎ ንኽእል። አብ ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ናይ ኃጢአት ምኅዳግ ስልጣን ክህቦም እንከሎ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ኃጢአቶም ዝኃደግክምሎም ኪኃደገሎም ንዘይኃደግክምሎም ግና አይክኅደገሎምን እዩ በሎም። እዚ እዩ እቲ መለኮታዊ ሥልጣን ንሓዋርያት ዝተዋህበ ብቤተ ክርስትያኑ አብ ኩሎም ካህናት ዝተመሓላለፈ። አብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና አምላኽ ጥራሕ እዩ ምሕረትን ሰላምን ዝህብ። ካህን እቲ ቦታ ሓዋርያት ወሲዱ ብስም ቤተ ክርስትያን ፍትሓት ዝህብ ንተነሳሒ ካብ በደሉን/በደላን ክስን ነጻ ይገብሮም። እዚ አገባብ ሎሚ እውን ኩሎም ካህናት አብ መንበረ ንስሓ ኮይኖም አብ ልዕሊ ተነሳሒ ይፍጽምዎ። ክልተ ሉጢርግያዊ ስርዓታት ንምስጢረ ንስሓ ዝርእዩ አለዉና ግን ሓደ ዓይነት ጸጋ ዘልኦም እዮም። ምስራቓውን ላቲናውን ስርዓት። አብ ክልቲኡ ተነሳሒ አብ አበነፍሱ ቀሪቡ ብምሉእ ጸጸት ምሕረት አምላኽ ይሓትት እሞ ፍትሓት ይውሃቦ።

አብ ላቲናዊ ስርዓት ካህን ንተነሳሒ ከምዚ እናበለ ይፈትሖ፡

እግዚአብሔር አቦ ምሕረት፥ ብሞትን ትንሣኤን ወዱ ንዓለም ምስኡ ከም እትዕረቕ ዝገበረን፥ መንፈስ ቅዱስ ልኢኹ ምእንቲ ኅድገት ኃጢአት አብ መንጎና ዝኃደረ፥ ብተልእኮ ቤተ  ክርስትያን አምላኽ ሕድገትን ሰላም ይሃብካ/ኪ፥ አነኸአ ካብ ኃጢአትካ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እፈትሓካ/ኪ አሎኹ ብሰላም ኪድ/ዲ እናበለ ይፈትሖም።

አብ ስርዓት ሃገርና ኸአ፡ ብስም ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትስብእቱን ብልደቱን ብጥምቀቱን ብሕማሙን ብስቕለቱን ብሞቱን ብትንሣኤኡን ብዕርገቱን፥ ብሥጋኡን ብደሙን ፍቱሕን ንጹሕን ንመንግስተ ሰማያት ብቑዕ ይግበርካ/ኪ፥ ብአፍ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብአፈይን ፍቱሕን/ፍትሕትን ንጹሕን/ንጽሕትን ንመንግስተ ሰማይ ብቝዕን/ትን ይግበርካ/ኪ እናበለ ይፈትሖም።

እዚ አብ ምስጢረ ኑዛዜ እንረኽቦ ዝበለጸ ዕድል ጸጋ እዩ። ብዝርአ ምልክት ነቲ ዘይርአ ምሕረት አምላኽ ዝህበና ፍሉይ ምስጢር እዩ። አብዚ ብዓል እምብአር ብፍሉይ አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ኃጢአትና ብንጹርን ጽቡቕ ኑዛዜ ክንገብር ከምዘሎና ክንፈልጥ አድላዪ እዩ። ኑዛዜና ግሉጽን ንጹርን እዚ ዝንተ ገበርና ጥራሕ ኢና መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ክነስተማቕር እንኽእል።

ኢየሱስ ክርስቶስ አብታ መጀመርያ መዓልቲ ትንሣኤኡ እዩ ነቶም ብፍርሃት ተዋሒጦም አብ ዕጹው ማዕጾ ብሽጉሩ እንከሎ ንሓዋርያቱ እተራእዮም። አብዚ ክንዝክሮ ዘሎና አብ ወንጌል ዮሓንስ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ መጀመርያ ንማርያም መግደላዊት ብንግሆ አብታ መጀመርያ መዓልቲ ናይ ሶምን ከም ዝተራእያ ይነግረና። እዚ ናይ ኢየሱስ ተርእዮ ወይ ግልጸት ነቲ ዝነበሮም ፍርሒ ክቕንጥጠሎም ወይ ከህድኦም፥ ነቲ ተጠራጣራይ አእምርኦም ክቕይረሎም፥ አብ ትንሣኤኡ ዘልኦም እምነት ናይ እቲ ዝተሳቐየን አብ መስቀል ዝሞተ ከበራትዕ ኢሉ እዩ።

ዮሓንስ ፍሉይ ርድኢት ክህልወና ኢሉ፥ ክርአዮም እንከሎ ድሕሪ ሰላም ንአኻትኩም ይኹን ምባል አቝሳል ጎድኑን አእዳዉን አርአዮም እናበለ አብ ተልእኮኦም ንስሓን ኅድገት ኃጢአትን ክሰብኩ ከም ዝልአኾም አትሪሩ ይነግረና። ድሕሪዚ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ ይብለና። እዚ ክልተ ዓረፍተ ነገር ንምትንባሁ አጸጋሚ እዩ ግን ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ናይ ቤተ ክርስትያን ምጅማር እዩ። አብ ግ.ሓ. ጰራቅሊጦስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት አብ መዓልቲ ትንሣኤ ከም ዝወረደን ከመይ ኢሉ ከም ዝወረደን ገሊጹ ይነግረና። ቅ. ዮሓንስ አብ ናይ ሎሚ ንባብ ብናቱ አገባብን ርእድኢትን ፍልይ ብዘበለ ይነግረና። ሓደ ካብቲ ዘገርም ንቅ. ዮሓንስ ትንሣኤ ክርስቶስን ምውራድ መንፈ ቅዱስን ፈላልዩ አይርእዮን እዩ። ሉቃስ አብ ግ.ሓ. ትሣኤን ጰራቅሊጦን ዝብሎ ንዮሓስን ሓደ ፍጻሜ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበልና ንዝተንሥአ ጎይታ ምስኡ ሓደ ንኸውን።

ነቶም ብፍርሓት ተዋሒጦም ዝነበሩ ሓዋርያት ከጸናንዕን ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ተልእኮ ክቕጽሉ ምእቲ ዝተንሥኤ ጎይታ ከም ብሓዲስ ድሕሪ ሾመንተ መዓልቲ ተራእይዎም። አብ ማእከሎም ደው ኢሉ እንደገና ሰላም ንአኻትኩም ይኹን ኢልዎም። አብዚ እውን እቲ ንጎይታ ርኢናዮ ምስ በልዎ ምእማን ዝአበየ አጻብዐይ አብቲ ዝተወግአ ጎድኑ እንተ ዘይኣእትየ አይአምንን ኢሉ ዝነበረ ምስኦም ነሩ። ሽዑ ኢየሱስ ንቶማስ አጻብዕካ አብዚ አምጽእ እሞ ናብ ጎድነይ አእትዎ አማኒ እምበር ዘይአማኒ አይትኹን በሎ። ቶማስ እናርዓደ ጎይታይን አምላኸይን እናበለ ዝለዓለ እምነት ገሊጹ።ኢየሱስ ከአ ስለ ዝረአኻኒ ኢኻ ዝአመንካ እቶም ከይረአዩ ዝአምኑ ብፁዓን እዮም በሎ። እዚ ንአና እውን ዝምልከት እዩ ከይርአና ክንአምን ከምዘሎና።

ወንጌል ክርስቶስ መለኮታዊ ምሕረት ክነስተንትንን ንጥርጣሬታትና አልጊስና እምነትና ሕያው ክንገብር ዝነግር እዩ። ኢየሱስ ድሕሪ ሰላምታ ምሃቡ ንሓዋርያቱ ስለምንታይ ዝቖሰለ አእዳዉን ጎድኑን ከም ዘርአዮም ትፈልጥዶ? ጽሩይ ወይ ብአርቲፊሻላዊ ቅዲ ዝተዳለወ መስቀል ንብምሉእ ታሪኽ አይነግርን እዩ። ጽሩይ መስቀል ጽቡቕ ተዘክሮ አይህብን እዩ ይብሃል። በዚ ምኽንያቱ እዩ ዝመስል ኢየሱስ ነቝሳል አብቲ ዝተንሥአ ሰውነቱ ሒዝዎ ዘሎ። ምናልባት እቲ ዝተንሥአ ሰውነት ምሉእን ሓንቲ ጸገም ዘይ ብሉን ክኸውን ትጽበ ትኸውን እንተ ኾነ ሓዋርያት ክዝክሩን ከለልዩን አቝሳሉ አድላዪ እዩ ነሩ።

ዮሓስን አብ መወዳእታ ኩሉ እቲ ትእምርትታት ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ከም ዝኾነ ክንአምን ከም ዝተገብረ ይገልጸልና። ብርግጽ ምስጢር ትንሣኤ ተገንዚብና አብ ምሉእ ሓጎስ ትንሣኤ ክንአቱ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ ክርስቶስን ወዲ አምላኽ ከም ዝኾነ ክንአምን የድሊ። ንሱ ናይ ኩሎም እቶም ምስጢረ ትንሣኤ ዝተገንዘቡ ጎይታን አምላኽን እዩ።

ግ.ሓ. 2፡42-47 ንሎሚ ዝተነበ ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ሕይወት ሽዑ ሽዑ ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ከመይ ከም ዝነበረን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምምጻእን ትምህርቲ ሓዋርያት፥ ብዛዕባ ሓደስቲ አመንቲ፥ አብ ምቝራስ ህብስትን ጸሎትን ዘተኮረ እዩ። ኩሎም አመንቲ ኩሉ ንብረቶም ብሓባር እዩ ነሩ ናተይ ናትካ ዝብሃል አይነበሮምን። ኩሎም አብ ነነድሕዶም ይፋቐሩን ይመሓሓሩን ነበሩ። እዛ ንእሽቶይ ማሕበር ብገርህነትን ፍቕርን እትነብር ዝነበረት አብ ቅድሚ ብዙሓት አድንቖትን አትሪፋ ዕለት ዕለት ከአ ሓደስቲ አባላት ይውሰኽዋ ነሮም።

እንነብሮ ሕይወት ንእምነትና ኽገልጽ እንከሎ ብዙሕ ጊዜ ተቐባልነት አለዎ። ቀዳሞት ክርስትያን አብ መንግኦም ዝነበረ ብፍላይ ፍቕርን ሓልዮትን ንብዙሓት ማሪኹ አብ እምነት ክርስትና ከም ዝአትዉ ገሩ። ሎሚ ነዚ መንፈስ ክንሕድሶ የድሊ ብስም ጥራሕ ክርስትያን ግብርና ግን ካልእ ክኸውን አይብግባእን። እምነትና ክንሓፍረሉ ወይ ዘሰክፍ የብልናን፥ አብ ኩሉ ክንገልጾ ይግባእ። ስማዊ ክርስትና ንመንፈስና አደስኪሉ ንኹሉ ሕይወትና በኪልዎ ዓለምና መአዝና አጥፊአ መፍቶ ሰይጣን ኮይና ንርእያ ዘሎና ሓቂ እዩ። ክርስትያን ክበራበር አለዎ ዓለምና ክትቅየር።

አብ ካልአይቲ ንባባና ካብ ፩ጴጥ 1፡3-9  ቅ. ጴጥሮስ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሥኡ ሕያው ተስፋ ዝሃበና ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓዲሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና አምላኽ አቦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን እናበለ ናይ መጻኢ ውርሻ (ዘለዓለማዊ ሕይወት) ነቶም ከም ብሓዲሽ ከም ክርስትያን ዝውለዱ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ይገልጽ። ሕጂ ክርስቶስ ካብ ሞት ስለ ዝተንሥአ ኩሎም ሰዓብቱ ሓጎስ መሊኦም አለዉ። ግን ብብዙኅ ዝዓይነቱ ፈተና ክሓልፉ ግዲ ከም ዝኾነ ከአ ክዝግንዑ የብሎምን። እዚ ኸኹሉ ዝኸውን አብ ጊዜ ፈተናን ጸበባን ብእምነት ጸኒዖም ክቕጽሉ ከምዘለዎም ንምግላጽ እዩ። ፈተና ብስም ገጠመ ካብ እምነት ምዝንባል ከይህሉ የጠንቅቖም። በዚ ርድኢት ዝጉዓዝ አመንቲ ካብቲ ብሓዊ ዝሓለፈ ወርቂ ዝበለጸ እዩ። እዚ እዩ እቶም ቀዳሞት ሰማዕታት አብ ከም ከውሒ ዝተመስረት ንእምነቶም ዝገለጽዎ።

እምብአር ሎሚ ኩልና መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ እናአስተንተና ሓጎስ አብ ልባትና መሊኡ ኦ እግዚአብሔር ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለዓለም ክዝምር እየ (መዝ 89፡1) እናበልና ብዓልና ነብዕል። ነቲ አብ ላዕለዋይ ደርቢ ምስተራእዮም ዝበሎ ንዝክር፥ ማለት ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ አብቲ ብሕድገት ዝመጽእ ሰላም ከም ዝመስረታ ምዝካር እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ምሒረኩም ጥራሕ ዘይበሎም ንተልእክኡ ክቕጽሉ ማለት ሕድገት ኃጢአትን ምሕረትን አብ ዓለም ክሰብኩ እዩ ጸዋዕትኦም።

መጀመርያ ህያብ ትንሣኤ ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ ካብኡ ዘይፍለ ካልአዩ ሰላም እዩ። ዝኾነ ነገር ተጻይ ሓጎስን ሰላምን አብ ሕይወትና ዝመጽእ ንአና ጽቡቕ አይ ኮነን። ሓደ ሰብ ንሓዉ ወይ ሓፍቱ ክምሕር ዘይክእል ወይ ዘይትኽእል ከም ክርስትያን ክርስትያናዊ መንነቱ ጥራሕ አይኮነን ዘጥፍእ ካብ ርእሱ ሰላም የጥፍእ። ከምኡ ብተመሳሳሊ መገዲ ሓደ ወይ ሓንቲ እምነቱ/ታ  ዝጠራጠር ናይ ኣእምሮን ምሉእ ሕይወቱ ሰላም የጥፍእ። ከም አምሳደራት መጠን ወከልቲ ኢየሱስ ኮና ዘራእቲ ሰላም ክንከውን አሎና። እቲ ክርስቶስ ዝጀመሮ ሰላም ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ሓዲሩ ዘራእቲ ሰላምን ሕውነትን ክንከውን ዝክሪ ትንሣኤ ይነግረና አሎ።

አነ አብ ልቢ ሰባት እንታይ እዘርእ ክንብል ግቡእ እዩ። ሰላም ብባህጊ አይትመጽእን እያ ነቲ ግጉይ ስምዒትናን ድለትናን ቀቢርና አብ ሓቅን ምምሓርን ክንአቱ ከሎና እያ እትርከብ ስለዚ ንሰላም አብ ቤትና፥ አብ ሓዳርና፥ አብ ቤተ ክርስትያናን ዓድናን ዓለምናን ክንደልያ እሞ አብ ናይ ሰላም መአዲ ክንጽመድ ሎሚ ቍርጽ ፍቓድ ንግበር።

ብርሃን ትንሣኤ አብ ልባትና አእቲና ንሓቂ ንፍትሕን ሰላምን ኩሉ ጊዜ ደው ንበል ሽዑ ፍረ ጸጋ ትንሣኤ ብዳግም አብ መንጎና ሰላም ንአኻትኩም ይኹን ክብለና እዩ።

ብሩኽ ትንሣኤ ይግበረልና ።  ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

08 May 2021, 13:40