፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 8 ግንቦት 2013 ዓ.ም (5/26/2021)

መዝሙር፡ ወበእኁድ ሰንበት. . . .አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ጌና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  2ቆሮ 5፡11-21፥ ፩ጴጥ 1:17-21፥ ግ.ሓ. 2፡22-33፥ ሉቃ 24:13-35።   ስብከት፤  ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡ ኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106።

አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር እንርእዮ እምነት ማርያም መግደላዊት እዩ፥ ንሳ ንመምህራ ክሳብ እትረኽቦ ብጸልማት ብቐትሪ አብ ኩሉ ክትደልዮ ንርእያ። ክሳብ እትረኽቦ አይዓረፈትን። ክትረኽቦ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ እምነትን ፍቕርን ገራ ስለ ዝደለየት ባዕሉ ረኺብዋ። አብዚ እዋን ትንሣኤ ኩልና ንኢየሱስ ክንደልን ክንረኽቦ ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። አብ ሕይወትና ከይረኸብናዮ ክነዕርፍ የብልናን። ከየለለናዮ ከይሓልፈና አዒንቲ ሕልናና ክፈተልና ኢልና ንለምኖ።

ሎሚ ካብ ኣተነበ ካብ ሉቃስ ክልተ ካብ አርድእቱ ንኢየሩሳሌም ሓዲጎም ንኤማሁስ ዝብሃል ዓዲ 11 ኪሎ ሜተር ዝምርሓቓ ገጾም ይሃድሙ ከምዝነበሩ እናኸዱ ኸአ ብዝዓባ እቲ ኹሉ ዝኾነ ነገራት የዕልሉ ከም ዝነበሩ ይነግረና። አብዚ ነዚ ዝስዕብ ሓባክ ክንግንዘብ ንኽእል።

  • ጨሪሽካ ተስፋ ምቝራጽ። እዞም ክልተ አርእቲ ብምሉእ ጨሪሾም ካብ ኢየሩሳሌም ይሃድሙ ነሮም። አርድእቲ ኢየሱስ ከምዘይ ኮኑ ከርእዩ ካብቲ ከባቢ ይሃድሙ ነሮም። አብ ዕላሎም መሲሉና ነሩ እናበሉ አብ ውሽጦም ዘሎ ርድኢት ገሊጾም። ካብ ሕጂ ንድሓር ካቶሊካውያን አይ ኮናን ከም ምባል እዩ።
  • አብ መገዲ ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ነገር ኩሉ የዕልሉ ነሮም። እዚ ኩሉ ጊዜ ሓደ ንእምነቱ ዝሐድግ ዝገብሮ እዩ። ተጎዲአ ነረ ከምዚ ገሮምኒ፥ ክሒዶምኒ፣ ጠሊሞምኒ እናበለ አብ ልዕሊ ካልኦት ይውንጅልን ክሲ ይገብርን። እዞም ክልተ አርድእት ከምዚ ኢሎም እናአዕለሉ ኢየሱስ አብ መገዲ ሕውስ ኢልዎም ከየለልይዎ ግን አዒንቶም ተሠዊረን ነበራ።

ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ አብ ጎድንና አሎ ግን ብዙሕ ጊዜ ቀልጢፍና አይንርድኦን ኢና። ብዙሕ ጊዜ አብ ጽንኩርን ከቢድን እዋን ተስፋ አብ ዝቖረጽናሉ፥ ዓቕልና ተጸንቂቑ አብ ዘለዎ ጊዜ ምሳና አሎ ግን አይነድህበሉን። እዞም ክልተ አርድእት ከየለልይዎ ገለ ሠዊርዎም። እሞ ሎሚ ንአይ ንኢየሱስ ከይርኢ ከዊልኒ ዘሎ እንታይ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ፍርሒ ጥርጣረ ከምኡ ምቾት ስልጣን ክብሪ ወይ ሃብቲ ንኢየሱስ ከይነለሊ ይኽውሉና እዮም። ሰብ ከለሊ እንተ ዘይክኢሉ ነቲ ነገር ብሓቂ አይፈለጦን አሎ ማለት እዩ። ምስ ፈራሕና፥ ምስተጎዳእና፥ ተስፋ ምስቆረጽና፥ ዘይአፍልጦና ንህላዌ አምላኽ ከምዘይነለሊ ይገብረና።

ኢየሱስ እዚ እትዛረብዎ ዘሎኹም ነገር እንታይ እዩ ኢሉ ሓቲትዎም። ንሳቶም ከአ ጉህዮም ደው በሉ።

  • ኢየሱስ ነዚ ከም መበገሲ ይወስዶ። ኩሉ ጊዜ ዝገብሮ ነገር እዩ። ክሓስቡ ዕድል ሂብዎም። እዚ ብሓቂ ጽቡቕ አገባብ እዩ። አብ ዝሓረቑ ተስፋ ዝቖረጹ፥ ብኹሉ ምዃን ዝአበዮም፥ ዝተጎድኡ ክሓስቡ ዝን ይብሉ። እዚ ዝገብር ከም ዝጽሊ እዩ፥ ንኢየሱስ ጸገምና ክነግሮ ህድእ ንብል።
  • ጉህዮም ርእሶም አድኒኖም ደው በሉ። እዚ አገባብ ዝኾነ ጽቡቕ ነገር ክነግሮም ክንመኽሮም ዕድል ይህበና። ንኢየሱስ ክንዛረብ እንተ ኾና አብ መንጎ ጽን ምባል ክንምሃር ይግብአና፥ ካብቲ እንብሎ ዝጸናሕና ሱቕ ክንብል ተምበርኪኽና ልብና ከፊትና ንኢየሱስ ክንሰምዕ ብምሉእ ልብና አብኡ አተኲርና ክንጥምት ይግብአና። እቶም ክልተ አርድእት ሕዙናት ገጾም ብኹሉ ዝኸሰሩ እዩ ዝመስል ነሩ። እዚ ጽቡቕ እዩ ምኽንያቱ አብ ከምዚ ዝአመሰል ኩነታት ምስ በጻሕና ኢና አብ ኢየሱስ ክንምለስ ዝግብአና። ንሱ አብ ጎንና ክሰምዓናን ከበራትዓና ነቲ ዘጥፋእናዮ ሓጎስ ክመልሰልና ምሳና አሎ።

ሓደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝብሃል በዘን መዓልታት እዚአን ነዚ አብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥሲ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ እናበለ መለሰሉ።

  • ከቢድ ሕቶ አቕሪቡ ቀለዮጳ። ኢየሱስ ክሕግዞም እዩ ዝደሊ ዘሎ ዝተዋህበ መልሲ ዝሕግዝ አይመስልን፥ ስለዚ ተቐላጢፍካ አጽብብ አቢልካ መልሲ ምሃብ ሓጋዚ አይኮነን። እዚ ኾይኑ እቲ ኢየሱስ ብቐሊል ዝሓድግ አይ ኮነን ወላ እኳ ተቖጢዕና ሕርቕርቖትና፥ ዝተጎዳእናዮ ተስፍ ዝቖረጽናዮ፥ ፍርሕና እንተ ገለጽና። ኢየሱስ ህድእ ኢሉ እንታይ ነገራት ኢሉ ሕቶ ብሕቶ መሊስሉ።
  • ኢየሱስ ጸገምና ክንገልጸሉ ይደሊ። ብርግጽ አቐዲሙ ከይነገርናዮ ይፈልጥ እዩ ንሕና ግን አይንፈልጥን ኢና በዚ እዩ ኸአ ባዕልና /ጸገምና ክነግሮ ዝደልየና፥ ሽዑ መልሲ ጸገምና ክህበና ይኽእል።

እቶም ክልተ አርድእት ኩሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝፈልጥዎ ነገር ክነግርዎ ጀሚሮም፥ አብ ቅድሚ አምላኽን አብ ቅድሚ ኹሉ ህዝብን ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነብይ ዝነበረ ሰብአይ፥ ሊቃነ ካህናትን ሹማምንትናን ናብ ናይ ሞት ፍርዲ አኅሊፎም ከም ዝሃብዎን ዝሰቐልዎን፥ ንሕና ግና እቲ ንእስራኤል ከድኅን ዘለዎ ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ነርና እናበሉ ዝስምዖምን ርድኢቶምን ነጊሮሞ።

አብ ገለ እዋን ሕይወትና ብአምላኽ ክኾነልና እንጽበዮ ግን እንተ ዘይኮነልና ክንደይ ተስፋ ንቖርጽ። እዚ አብ ኩልና ደቂ ሰብ ዘሎ ጸገም እዩ። ሃንደበታዊ ሞት እንፈትዎ ሰብና፥ አብ ስራሕና ብምሉእ እንተ ጠፈሽና፥ ዘይሓዊ ሃንደበታዊ ሕማም እንተ ወረደና፥ ሓደ ሰብና ሃይማኖት እንተ ቐየረ. . . ዘይተጸበናዮ ስለ ዝኾነ ዓለምና ትቕየር። እዞም ክልተ አርድእትን ብጾቶምን ኢየሱስ ከምቲ ንሶም ዝተጸበይዎ ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበ ዓለሞም ስለ ዝተገልበጠት ክሃድሙ መሪጾም። ኩሉ ብሰንኪ ኢየሱስ ገሮም ስለ ዝረአይዎ ናይ ኩሉ በደል አብኡ ገሮሞ።

እዚ ጥራሕ አይኮነን ገለ አንስቲ አንጊሀን አብ መቓብር ዝኸዳ ዜገርም ነገር አዘንተዋልና፥ ሥጋኡ ምስ ሰአና ኸአ ሕያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ከም ዝረአያ መጺአን ነገራና፥ ገለ ካባና አብ መቓብር ምስ ከዱ ኸአ ኸምቲ እተን አንስቲ ዝበላኦ ረኸቦምዎ ንእኡ ግና አይረአይዎን።

·         እዞም ሰባት ዝብልዎ ዘለዉ። ንቤተ ክርስትያን ሓዲግናዮ ምኽንያቱ ዝነበረና ተስፋ ስለ ዝቐሃመ ግን እዞም ሰባት ተስፋ ዘቑርጽ የብላናን ምኽንያቱ ጎይታ ሕያው አሎ ምሳና አሎ ኢሎምና ንሕና ግን አይንአምንን ኢና።

ንሱ ድማ አቱም ነብያት ብዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ዓያሱ፥ ክርስቶስ ነዚ ሓሳረ መከራ እዚ ክቕበል እሞ ናብ ክብሩ ኽአቱ ናይ ግዲ ደይኮነን በሎም። እዚ አበሃህላ አብ ገለ እዋን ሰባት ንቤተ ክርስትያን ብዘይከውን ከም ምውቃስ እዩ፥ ቤተ ክርስትያን ናይ ገንዘብ ምእካብ ጥራሕ እዩ፥ ፈሪሳውነት ዝመልኦ ሕይወት እዩ ከም ምባል እዩ። ነቲ ሓቀኛ እንታይነት ቤተ ክርስትያን ዘይምፍላጥ አብ ዘይንፈልጦ ርድኢትን ገምጋምን የውድቐና።

ድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ብዛዕብኡ አብ ኩሎም ጽሑፋት ዘሎ ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ኂዙ ኸአ ኪትርጕመሎም ጀመረ።

·         ቅዱሳት ጽሑፋት ክገልጸሎም ምስ ጀመረ ልባቶም ክነድድ ጀሚሩ። ሓደ ሰብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክገልጽ እንተ ጀሚሩ ክንደይ ሰናይ ነገር እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ቃል አምላኽ እዩ፥ አምላኽ ብኦም አቢሉ ይዛረበና፥ አብኦም ቃል አምላኽ አሎ፥ አምላኽ ካባና ርሑቕ አይኮነን። ድንቁርና ቅ. መ. ድንቅርና አምላኽ እዩ (ቅ. ጂሮም)።

አብ ጥቓ ዓዶም ምስ ቀረቡ ኢየሱስ ከም መገዲ ዝቕጽል ካብኦም ከም ዝሓልፍ መሲሉ ንሳቶም ግና ምስኦም ክኃድር ዓደምዎ ንሱ ከአ ምስኦም አተወ። አብ መአዲ ምስኦም ምስ ተቐመጠ ድማ እንጌራ አልዒሉ ባሪኹ ቖሪሱ ሃቦም፥ ሽዑ ዓይነ ልቦናኦም ተኸፍተ እሞ አለለይዎ ንሱ ግና ኻብአቶም ተሠወረ።

·         ንሱ ቃል አምላኽ ገሊጽሎም ድሕሪኡ ምስጢረ ቅ. ቍራብን ዝሰርዓሎም እዩ ዝመስል። ሰለስተ አዕማድ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ቃል አምላኽ፥ ምስጢራት፥ ማሕበር ክርስትያን። እዞም ክልተ አርድእቲ ድሕርዚ ዝገበርዎ አብታ ዝሓደግዋ ማሕበር ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤተ ክርስትያን ተመሊሶም። ናብ ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት፥ ናብ አቡናት እቶም ሓዋርያትን አብቶም ምስኦም ዝነበሩ ምእመናንን። ካብዚ ንድሓር እሙናት ካቶሊካውያን ኮይኖም።

ቀለዮጳን ብጻዩን ምስቲ ጋሻ ኩሉ ናይ ልቦም አዕሊሎም፥ አብ ቤት ምስኦም ክአቱ ዓዲሞሞ ማኅደር ሂቦሞ መግቢ ቀሪቦምሉ። አብዚ እዋን እዩ እቲ ተገልጾ ዝጀመረ እቲ ጋሻ ሓንቲ ዘይብሉ ጽጉም ዝመስል ዝነበረ ኢየሱስ መልሲ ናይ እቲ ኩሉ አብ ልቦም ዝነበረ ሕቶታት እዩ ነሩ። እቲ ሞይቱ ዝብልዎ ዝነበሩ ብሓቂ ብሕይወቱ አሎ፥ ንሕይወቶም፥ ንእምነቶም ንመጸዋዕታኦም ሓዲስ ትርጉም ሂብዎ። ኩሉ ዝነበሮም ፍርሕን ጥርጣረን ካብኦም ወጺኡ ንድሕሪት ንኢየሩሳሌም አብቶም ዝሓደግዎም ሓዋርያትን ስዓብቲ ኢየሱስን ተመሊሶም። ነቲ ኩሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን ነገርዎም። ነቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ ረኺብናዮ አብ ሓደ ጓና መንገደኛ ረኺብናዮ ኢናበሉ ትርጉም ብዘልኦ ነገርዎም።

ትንሣኤ ኢየሱስ ነቲ ምድራዊ ሕይወቱ ውሱን ተባዕታይ አይሁዳዊ ዝነበረ ድሕሪ ትንሣኤ ካብ ሕጂ ንድሓር አብ ሓደ ቦታ ዝውሰን አይኮነን። እቲ ዝተንሥአ ጎይታ ካብ ሕጂ ንድኃር ብዝኾነ መልክዕ ሰውነት ተባዕታይ አንስታይ፥ ጸሊም ጻዕዳ፥ መንእሰይ ሽማገለ፥ ሃብታም ድኻ፥ ልሙስ ጥዑይ፥ ወዲ ዓዲ ጓና፥ ካቶሊክ ከኒሽን አስላማይን፥ ዓቃባውን ሊበራላውን. . . . ኮይኑ ይግለጽ። ወላ እኳ ነቶም ካባና ፍሉያት ኮይኖም ዝርአዩና ናይ ሎሚ ወንጌል አብ መገዲ ከም ምሳና ዝጉዓዙ ዘለዉ ገርና ክንርእዮም ይነግረና። አብ ሆስፒታላት አብ ዝተፈላለየ ካልእ ቦታታት ክንረኽቦም ከሎና አምላኽ ከም ዝረኸብና ገርና ክንርእዮም እሞ አብ ርእስና በረኸት ከም ዘውረድና ጌርና ክንርኢ ይግባእ።

ሎሚ እምብአር አምላኽ ካብ ኩሉ ፍርሕን ጥርጣረን እንወጽአሉ ጸጋ ክዕድለና ንጸሊ። ንሰባት ብዓይኒ ጥርጣረ ዘይኮነ ብኽፉት ልቢ ክንቀርቦም ብፍላይ ነቶም ካባና ብብዙሕ ዝፍለዩ ክንቅበሎም ንሕተት አሎና። እቶም እንርእዮም ዘሎና ጓኖት ወላ እኳ ንኢየሱስ አይምሰሉ ከምቲ አብ መገዲ ኤማሁስ ዝገጠመ አብ ኢየሱስ ክልወጡ ይክአል እዩ።

ስለዚ ሎሚ እውን ንኢየሱስ አብ ሕይወትናን ርክባትናን ዓለምናን እነለልየሉ ብዙሕ አጋጣሚ አሎ እዩ። ሓንትስ ንኢየሱስ ብቕኑዕ ልብን ሕልናን ንቕረቦም እምበር ባዕሉ ክግለጸልና እዩ፥ ብፍላይ ብንጹሕ ሕልና አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንቀርብ እንከሎና አብኡ ኢየሱስ ብርእሱ ስለ ዘሎ ዘድልየና ጸጋ ክዕድለና ፍቓዱ እዩ። አምላኽ ባዕሉ አብ መገዱ ይምለሰና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

14 May 2021, 13:31