፬ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 15 2013 ዓ.ም.(5/23/2021)

መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም።
ብድምጺ ንምክትታል!

መአዲ ቅዱስ ቍርባን

ንባባት፡ ቆላ 3፡1-ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡1-19፥ ሉቃ 24፡33-45    ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ ኢይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ መዝ. 3፡5-6።

፬ይ ሰንበት ትንሣኤ ኢና ዘኪርና ዘሎና ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም ዝብል ጸሎት ንደግም። እዋኑ እዋን ትንሣኤን ተሓድሶን ካብ ዝነበርናዮ ሕይወት አብ ሓዲስ ሕይወት ክንአቱ እሞ ምስ ክርስቶስ ክንወሃሃድ ዝሓትት ቅዱስ እዋን ኢና ዘሎና። ብፍሉይ ናይ ሎሚ ወንጌል አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ብሓደ ልብን መንፈስን ክንካፈል ከሎና ብርእሱ ክርስቶስ ምሳና ስለ ዘሎ ሓጎስ ክስምዓና ቅዱሳን ክንከውን ሕይወትና ክንሕድስ ጽቡቕ ምኽንያት አሎና።

አብ ሕይወት ቀዳሞት ክርስትያን ድሕሪ ትንሣኤ እንዕዘቦ ሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ለቢሶም ንክርስቶስ አብ ኹሉ ክሰብክዎን ብዛዕብኡ ክምስክሩን ንርእዮም፥ ከምኡ ስለ ዝገበሩ አብ ሓጺር እዋን መልእኽቲ አምላኽ አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ገሮም። ንሞት ንማእሰርቲ ንስደት ንኹሉ ብኻልእ ርድኢትን መንፈስን ክርእይዎ ስለ ዝኽአሉ ዝዓግቶም ሓይሊ አይተረኽበን። ጳውሎስ ሓዋርያ ነዚ ክነግር እንከሎ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ. . . . መከራዶ ጸበባዶ ስደትዶ ጥሜትዶ ዕርቃንዶ ድንገትዶ ወይስ ሞት. . . ካብታ አብ ክርስቶስ ዘላትና ፍቅሪ አምላኽ ኸቶ ክፈልየና ዚኽእል የለን (ሮሜ 8፡35-39) ይብል። እዋና ነዚ ዓይነት ሕይወት ዝሓትት ኮይኑ ይርአየካ። ክርስትና ክድፈር ክርስትያን ምዃን ዓገብ ተቖጺሩ አሕዋትና ብኻራ ተጎይሖም አለዉ ገዳማትና ካህናትና ደናግልና አብ ምሉእ ዓለም ይድፈሩ ይእሰሩ ይቕተሉ አለዉ ስለዚ ብመንፈስ ተሓዲስና ንክርስቶስ ብምሉእ ክንቅበሎን ክንለብሶን ዝሓትት እዋን ኢና ዘሎና።

ምሉእ እምነት ገሩ ዝተጓዕዘ ንሓቅን ንፍቕሪ አምላኽ ካብ ምምስካር ዝዓግቶ ሓይሊ የለን ሰብ አብ እምነቱ ምጥርጣር ወይ እውን አይ ምዉት አይህልው ዝኾነ ኩይኑ ክጉዓዝ ምስ ጀመረ ሽዑ ንሓቂ ንእምነት እናረአያ ይቀብራ ይክሕዳ ንኽፍአት ዓወት ገሩ ይወስዶ መጠን ካብ አምላኽ ዝረሓቐሉ መጠኑ ክፍአተ ግብሪ ከም ልምዲ ሒዝዎ ንመገዲ ጥፍአት ሒዙ ይጉዓዝ። አንታ ከመይ ኢሉ እዩ ሰብ ብአርአያ ስላሴ ዝተፈጥረ ነዚ ክገብሮ ዝኽእል እናበልና ንግረም። እዚ ናይ እዋና እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ሰብ ከም ወዲ እንስሳ ክሕረድ ክቕዘፍ፥ አብ ባሕርን አብ በረኻን ንሞት ደፊሩ ክአቱ ክንርኢ ከሎና ብዙሕ የሕስበና ምኽንያቱ ብትኽክል ዝሓስብ ሰብ ከግብሮ ስለ ዘይክእል። እሞ ሎሚ ነዚ ክንቅይር ኢና ንሕተት ዘሎና።

ንዅሉ ርኢና ክንክእል ናይ ሎሚ ወንጌል ንኢየሱስ ክንርኢ እንተ ኸአልና ጥራሕ ምዃኑ ይነግረና። ንክርስቶስ ክንርኢ ክሳብ ዘይከአልና ንርኢ አሎና ክንብል አይንኽእልን ኢና። ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ናይ ምልላይን ምርአይን ጸገም ነርዎም። ክርስቶስ ደጋጊሙ አብ ዝተራእዮም አነ እየ ርአዩኒ፥ ዝብላዕ ሃቡኒ እናበለ ንሱ ምዃኑ ነጎርዎም። ቶማስ ነቲ ሽንካር አእዳዉን አእጋሩን ከምኡ ጎድኑን እንተ ዘይረአኹ አይአምንን እናበለ” ንዘይ ምእማኑ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ፥ ብዙሕ ጊዜ ድኹማትን ተጠራጠርትን ስለ ዝኾና ክንአምን የጸግመና ግን ሓንሳብ ክንአምንን ክንርእን ምስ ከአልና ኵነታት ብዘየገድስ ነቕ አይንብልን ኢና እኳ ድአ ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝኾነ ባህርያዊ ጸገማት ምእንቲ እምነትና ክንረክብ ከሎና የሓጉሰና።

ንሎሚ ዝተነበልና ወንጌል ንኢየሱስ ብኽልተ ነገር ከነለልዮ ከም እንኽእል ይነግረና፡

  • አብ ቅዱስ መጽሓፍ። እዞም ክልተ አርድእት ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ካብ ነብያትን ክነግሮም እንከሎ ልቦም ይነዶም ነሩ። ቃላትካ እምብዛ ጥዑም እዩ፥ ንአፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር (መዝ 119፡103)። አምላኽ ብቃሉ ይዛረበና። ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ እንተ ኸአልና እሞ አብ ልብና ክነሕድሮ እንተ ፈተና ማኅደሩ ንኸውን። ቃል አምላኽ ምስማዕ ንእስራኤላውያን ቅሳነት ሰላም ኩሉ የውርደሎም ነሩ። ቃላይ እንተ ሰማዕኩም አነ ኸአ ድላይኩም ክህበኩም እየ ይብል። ሎሚ ቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገሩ ይዛረበና አሎ ንስምዓዮ። 
  • አብ ቅዱስ ቍርባን፡አርድእቲ ኤማሁስ አብ ምቍራስ እንጌራ ዓይኖም ልቦም ተኸፊቱ ዓይኖም ክርኢ ጀሚሩ አለልዮሞ። ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አነ አብኡ እነብር ንሱ አባይ ይነብር እናበለ ቅ. ቍርባን ክንቅበል ከሎና እንረኸብ ሓድነት ምስ አምላኽና ገሊጹልና። ብርእሱ ክርስቶስ ስለ እንቕበል ብኹሉ ተቐሪብና አሚና ክንቅበሎ ይግባኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብሎ ከይተገብኦ እንጌራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዝዕግብ፥ እምብአር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር (1ቆሮ 11፡27-30) እናበለ ትርጉምን ዕብየትን ቅ. ቍርባን ይገልጽ። አብዚ መአዲ ክርስቶስ ከስ አለሊናን ርኢናን ክንክእል ብወገና እቲ ዝድለ ምቅቅርራብ ንስሓን ንግበር እሞ ሽዑ ክንርእዮ ክነለልዮ ኢና።

ንክርስቶስ ዘለለየ ሕይወት ብዙሕ ለውጥን ተልእኮን እዩ ዝለብስ። ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ደጊም ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ አነ አይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ እዚ ሕጂ ብሥጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ ከአ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ አምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘሎኹ (ገላ 2፡20)። አባና አምላኽ እንተሎ ቀዳማይ ነገር ካባና ዝቕንጠጥ ፍርሒ እዩ። ሰብ ብዙሕ ጊዜ ፈራሕ ዝኸውን ንሓቂ ከጥፍእ ከሎ አብ ሓሶትን ምትላልን ክነብር እንከሎ ሽዑ ፈራሕ ይኸውን። ፍርሒ ዝቕንጠጥ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ክህልወና ንከሎ እሞ ኩሉ አብ ኢዱ ክነብሮ እንተ ኸኣልና ዝመጸ ይምጻእ መዝሙርና መን እዩ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየና ዝብል እዩ።

ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ፈርሓትን ተጠራጠርትን እዮም ነሮም፥ እምነት ዝጎደሎ ሕይወት መለለይኡ እዚ እዩ። እምነት ክጎድለና እንከሎ ብኽልተ ነገር ንሳቐ፡

  • አምላኽ ምሳና ስለ ዘየሎ ዋሕስ የብልናን ሽዑ ንፈርሕ ንሳቐ ዝሓዝናዮን ዝረኸብናዮን አየዕግበናን። አምላኽ ዘይመርሖ ሕይወት አብ ክፍአተ ግብሪ ክወድቕ ድሕር አይብልን እዩ፥ አብኡ ጥልመት ዓመጽ ግፍዒ መዓልታዊ ሕይወቱ እዩ። እዚ አብ ብዙሓት አብ ሕይወቶም አብ ሃብትን ካልእ ንርእሶም ጥራሕ ዝአመኑ ዝርአ እዩ። ዘዕግቦም ወይ ዋሕስ ስለ ዘይብሎም ኩሉ ጊዜ ዘዝገደደ ክገብሩ ይነብሩ አብ መወዳእታ ተስፋ ቆሪጾም ሕማቕ ይነብሩ።
  • እንውንኖ ግዙፍ ነገር ዋሕስ አይህበናን እዩ። ሃብቲ ጥዕና ከምኡ ፍልጠት ኩሉ አብ አምላኽ ዘይበጽሕ እንተኾነ ገዚኡና ኢና እንነብር ዓይንና አይርኢ እዝንና አይሰምዕ አብ ሕልሚ ንነብር።

ንአምላኽ አለሊናን ርኢናን ክንክእል እንታይ ንግበር?

  1. ሕይወትና ንድላይ አምላኽ ክፈልጥ ክፉት ንግበሮ። አምላኽ አብ ሕይወትና ዝአቱን እንደልዮ ክህበና ናታትና ፍቓድ የድልዮ። እቲ ብዘይ ናታትና ተሳትፎ ዝፈጠረና አምላኽ ብዘይ ድላይና ክድሕነና አይ ክእልን እዩ (ቅ. አጎስቲኖስ)። አርድእቲ ኤማሁስ ንኢየሱስ ምስ ዓደምዎ ሽዑ ክርእዩ ክኢሎም። ዘይዓድምዎ እንተ ዝኾኑ ምናልባት ምሓለፈ ነሩ። ንሕና እውን ንአምላኽ ዓዲምና ክንክእል አሎና። አምላኽ ብዙሕ ጊዜ ብዝተፈላለየ መገዲ ብጥቓና ይሓልፍ እዩ ክነለልዮ እሞ ክንዕድሞ ሽዑ ዓይንና ከብርሃልና ክንርእዮ ክነለልዮ ክሕግዘና እዩ። ልብና እንተ ኸፈትናሉ ጥራሕ እዩ ክሕግዘና ክመጽአናን ክህበናን ዝኽእል። ለምኑ ክውሃበኩም ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም ኢሉና እዩ።
  2. አምላኽ ብብዙሕ ክዛረብ እንከሎ አለሊና ክንክእል የድሊ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና መልእኽቲ አምላኽ ዝሓዘ ነገራት ይጓነፈና እዩ። አብ ገለ እዋን ክንርድኦን ክነለልዮን ፍሉይ ጸጋ የድልየና፥ አብ ገለ እዋን ከአ ዘንጊዕና ከምዘይርአና ኮና ንሓልፎ ሽዑ አምላኽ ከየለልናዮ ይሓልፈና። እሞ ሎሚ አምላኽ አብንታይ ይግለጸኒ አሎ ኢልና ንርእስና ክንሓትት የድልየና።
  3. ኃጢአት ከም ዘይንርኢ ከም ዘይነለሊ ይገብረና። ኃጢአት ንልብናን ዓይንናን ይሽፍኖ ንሓቂ ክንቀብር ንፍቕሪ ከም እነጥፍእ ይገብረና ሽዑ እናረአና ከም ዘይ ንርኢ ንኸውን እና ሰማዕና ከምዘይ ንሰምዕ ንኸውን። ኃጢአት ዝመለኾ ሕይወት ኩሉ ክፍአተ ግብሪ እዩ ዝገብር። ኢሳያስ ሳዕበን ኃጢአት ክገልጽ እንከሎ ንአኹምን ንአምላኽኩምን አብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ አበሳኹም እዩ ከይሰምዓኩም ከአ አብ ቅድመኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዚኃብአልኩም ዘሎ ኃጢአትኩም እዩ (ኡሳ 59፡2) ይብል።
  4. ኃጢአትና ክንናዘዝ ይግባእ። ቅ. ዮሓንስ ኃጢአትና እንተ ተናዘዝና አምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንኃጢአትና ይቕረ ኪብለልና ካብ ኵሉ በደልናውን ኬንጽሓና እዩ (1ዮሓ 1፡9) ይብለና። አብ ምንጻሕ ርእስና ክንወፍር አድላዪ እዩ። ልብና አብ ኃጢአት እንከሎ አብ አምላኽ ክንቀርብ ስለ ዘይክአል ክንሳሕ እዋኑ እዩ። መንግስተ ሰማይ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ዝብል ፍሉይ ግምት ክንህቦ እሞ ክንሳሕ ንዕደም አሎና።

ዘሎናዮ ዘመነ ትንሣኤ ከም ምዃኑ መጠን አብ መአዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ልብና ሕይወትና አንጺሕና ምስኡ ሓደ ክንከውን አሎና። ቅ. ቍርባን ክርስቶስ ብርእሱ ስለ ዝኾነ ሎሚ ፍሉይ አስተንትኖ የድልየና። ድላይና ክህበና ድላዩ ንስማዕ እሞ ሽዑ ክነለልዮን ክንርእዮን ኢና። ሓደ ካብቲ ድሕሪ ትንሣኤ ዝተራእየ ነገር እንተሎ ኢየሱስ ንሓዋርያቱን አመንቱን ካብ ሕጂ ንድሓር ብአካል ምርአዩ አድላዪ ከምዘይኮነ ከምኡ ክርእይዎ ንዝደልዩ አብ አመንቱን ስዓብቱን ክርእይዎ ምዃኑ ገሊጽሎም።

አብ ሕይወትና አብ ርክባትና አብ ኩሉ ክነርእዮ አሎና። ሕይወትና ዝርአየ ንኢየሱስ ከም ዝርአየ ክስምዖ አለዎ። ማኅደር አምላኽ ኮና ቅድስና ለቢስና ክንጉዓዝ ሓግዘና ንብሎ።

ኦ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎኻ ኢየሱስ አምላኽና ብምሉእ ምሳኻ ክንሓብር ታቦትካ ኮና ሕይወትና ክንቅይር ሓግዘና ንበሎ ነዚ ኽአ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

20 May 2021, 16:23