2021.05.24 ሓንቲ ወርሒ ምስ እኖና ድንግል ማርያም! 2021.05.24 ሓንቲ ወርሒ ምስ እኖና ድንግል ማርያም! 

ወርሒ ግንቦት ወርሒ ድንግል ማርያም! ሓንቲ ወርሒ ምስ እኖና ድንግል ማርያም!

ብፁዕ ካርዲናል ኣንገሎ ኮማስትሪ ካብ ባሕቲ ግንቦት ጀሚሮም ዕለት ዕለት ዝተፈላለየ ኣስተንትኖ እናኣቅረቡ ነዛ ወርሒ እዚኣ ምስ ማርያም ክነሕልፋ ካብ ዘቅርብዎ ንዕለት 24 ዘቅረብዎ ኣብነት ጃፓናዊ ሓኪም ታካሺ ፓውሎ ናጋይ እዩ። እዚ ሰብዚ ብብርቱዕ ቅልውላውን ሓዘንን ሓሊፉ ካብ ባህላዊ እምነት ጃፓን ናብ ክርስትና ኣትዩ ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ ብፍሉይ መንፈሳውነት መቁጸርያ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ ዕረፍቲ ጻድቃን ኣዕረፈ። ካብዚ ሰብዚ ኣብዚ ወርሒ ከመይ ቢልና ናብ እኖና ድንግል ማርያም ከምእንምሕጸን ንመሃር ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ሰኑይ ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓም ኣብ ሕምብርቲ ወርሒ ማርያም ምርካባ ጥራይ ዘይኮነ ክልተ ዓበይቲ በዓላት ማርያም ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉን ሥርዓተ ግዕዝ ዝኽተሉ ሓበሻን ተጋጢመን። ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰኑይ ካብ ነዊሕ ዓመታት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተክርስትያን ካብ ዓበይቲ በዓላት ሓንቲ ኰይና እትዝከረሉ ዕለት እንክኸውን ከምኡ እውን ሥርዓተ ግዕዝ እንኽተል ሓበሻ በዓለ ኪዳነ ምሕረት ምናዳ ኸኣ ሃገረ ኤርትራ ዕለተ ናጽነታ እትዝክረሉ ኰይኑ መበል 30 ዓመት ናጽነት ብዓቢይ ክብርን ምስጋናን ዝተዘከረሉ ዕለት ነበረ።

ከም ኩላዊት ቤተክርስትያን ማርያም ኣደ ቤተክርስትያንስ ይኹን ምሕረት ኣምላኽ ብጭቡጥ ዝገልጽ ብዓለ ኪዳነ ምሕረት ኩሉ ነናቱ ተመኲሮን መንፈሳውነትን ሃልይዎ ሰፊሕ መግለጺ ክግበረሉ እኳ ዚከኣል እንተኾነ ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ ከም ኣብነት ዘቅረብዎ ከም ቅዱስ ዘኡክራሚ ዝፍለጥ ነፍሰኄር ዶክተር ታካሺ ፓውሎ ናጋይ ንኩሉ ኣብነት ዝኸውን ተመኲሮ ስለዘቅርብ ታሪኹ ኣሕጽር ኣቢልና ክንምልከት።

እዚ ብኣብነታዊ ጸሎቱን ኣገልግሎቱን ቅዱስ ዘኡራካሚ ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ብዕለት 3 ለካቲት 1908 ተወሊዱ ብባሕቲ ግንቦት 1951 መቊጸርያ ዓቲሩ እናጸለየ ዘዕረፈን ሓኪም ብዙሕ ጽሑፋት ዘበርከተን ካብቲ ሕሱም ኣቶሚካዊ ደብዳብ ናጋሳኪ ንእስክላ ዝደሓነን ነበረ። ብዕለት 9 ነሐሰ 1945 ዓም ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ መዓት ኣቶሚክ ቦምብ ክዘንብ እንከሎ ዶክተር ታካሺ ኣብ ሆስፒታል ናጋሳኪ የገልግል ነበረ። ደሓን ኢልዎ ራጂ ከልዕል ኣብቲ ብተሪር ካሻእስትሩስ ዝተገብረ ታሕታይ ክፍሊ ሕክምና ዝርከብ ክፍሊ ራጂ ስለዝነበረ እቲ ቦምብ ምሉእ ብምሉኡ ከምርሶ ስለዘይከኣለ ቈሲሉ ንእስላ ተረፈ። ምስ ቊስልታቱ እንከሎ ነቶም ግድያት ኣብ ምሕካም ተዋፈረ። እንተኾነ ላዕልን ታሕትን ክብል ብጸርጊ ራጂ ስለዝተበከለ ክሳብ ሞቱ ዘሰነዮ ካንሰር ደም ኣስዒቡሉ። ብባሕቲ ግንቦት 1951 ዓም ከኣ ጸሎተ መቊጸርያ እናደገመ ኣዕረፈ።

ካርዲናል ኮማስትሪ ናብ ታሪኽ እምነት ታካሺ ምልስ ይብሉ እሞ መጀመርያ አማኒ ሺንቶይዝም ናይ ሃገር ጃፓን እምነት ጸኒሑ ከኣ ንኩሉ ጠንጢኑ ኣልቦ እግዚአብሔር ንዝብል መስመር ክኽተል ምስ ጸንሐ ኣብ ግዜ ትምህርቱ ምስ ክርስትና ይላለ። ብ1930 ኣዲኡ ኣብ ርእሳ ደም ብውሽጢ ፈሲሱ ኣብ ኢድ ክትዓርፍን ናይ መወዳእታ ጠመተኣን ኣብ ዓቢ ቅልውላው የእትዎ ጒዕዞ ለውጡ ካብዚ ይጅምር። ነዚ ፍጻሜ ምጅማር ጒዕዞ ክርስትና ድሒሩ ባዕሉ ብዓቢ ዝኽሪ እንክገልጾ ‘ኣብተን ቀቅድሚ ሞታ ኣትኪለን ዝጥምታኒ ዝነበራ ኣዕይንቲ ኣደይ መንፈስ ደቂሰባት ድሕሪ ሞት ብሕይወት ከምዝቅጽል ተረዲኤ’ ይብል። እዛ ፍጻሜ እዚኣ ንሕይወት ብዕምቈት ኣብ ቅልውላው ኣእትያ ቀስ ብቀስ ብዛዕባ ሕይወትን ሞትን ከስተንትን ኣብ መወዳእታ ከኣ ነፍሲ ዘለዓለማዊት ዘይትመውት ምዃና ይግንዘብ። ኣጋጣሚ ሓንቲ ሰብ ኣብ ቅዳሴ ልደት ከሰንያ ትሓቶ ይኸይድ። መዛሙርን ጸሎትን ታሕጓስን ናይቶም አመንቲ ብሓቂ ሓደ ነገር ከምዘሎ የገንዝቦ። ዕለት 9 ሰነ 1934 ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ይጥመቅ። ጳውሎስ ዝብል ስም ይመርጽ። ኣብ ዝሰዓበ ወርሒ ታሕሳስ ሜሮን ይቅባእ። ነታ ኣብ ቅዳሴ ልደት ከሰንያ ዝሓተቶ ክትምርዐዎ ይሓትት ሓደር ይገብሩ 4 ውሉድ የፍርዩ። ነቶም ካብ 1931 ዓም ክሳብ 1936 ኣብ ሻውላት ናጋሳኪ ዘገልግሉ ዝነበሩ ቅዱስ ማክሲሚልያን ኮልበ ብዙሕ ግዜ ከምዝተራኸበን እውን ይዝከር። ኣብተን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ናጋሳኪ ዝነበራ ማሕበራት ግብረ ሠናይ ከም ማሕበር ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘጳውልን ካልኦትን እናተመላለሰ ንድኽታት ሕክምና የወፊ ነበረ ኢሎም።

አብ ወርሒ ግንቦት ዕለት ዕለት ኣብ ዝቀርብ ብዙሕ ኣስተንትኖታት ከም ተኣምረ ማርያም ዝተመዝገበ ብዙሕ ታሪኻት ከም ኣብ ኣብነት ይቀርቡ። ብርቱዕ ጸገም ምስ ዘጋጥማ ቤተክርስትያን ወትሩ ናብዛ ኣዲኣን ኣደ ደቃን ዝኾነት ኪዳነ ምሕረት ትምሕጸንን ትምዕቈብን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክርስትያን ከምዝግበር ኣብ ሃገርና እውን ዝተፈላለየ ምህለላን ጸሎትን ይቀርብ። ሎምዘመን ከኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነዚ ክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ንዓለምና ኣንቀጥቂጡ ካብ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንክተናግፈና ንምሉእ ወርሒ ግንቦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ብሓባር ምሸት ምሸት ጸሎተ መቊጸርያ ንምዕራግ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝቀረበ ወፈራ ጸሎት ብዝለዓለ መንፈሳውነት ዕለት ዕለት ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ መካነ ንግደት እኖና ድንግል ማርያም ብቀጥታ ንዝመሓላለፍ ጸሎተ መቊጸርያ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ይከታተልዎ ኣለው። እንተደኣ ብእምነት ጸሊና ንዘድልየና ጉዳይ ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ወይኒ እምበር የብሎምን ክትብል ቀዳማይ ተኣምር ዘማለደት ሎሚ እውን ጥዕና እምበር የብሎምን ፍትሒ እምበር የብሎምን ሰላም እምበር የብሎምን እንክትብል ካብ ወዳ ከም እተውህበና እሙን እዩ። ፍረ ናይዚ ዓለም ብዓለሙ ዘቅርቦ ዘሎ ልመናን ምሕጽንታን እንርኢ ይግበረና።

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!] 

25 May 2021, 13:06