ህንዲ፥ ቤተ ክርስቲያን ግዳያት ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ምእላይ ኣብ ቅድመ ግንባር ህንዲ፥ ቤተ ክርስቲያን ግዳያት ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ምእላይ ኣብ ቅድመ ግንባር 

ህንዲ፥ ቤተ ክርስቲያን ግዳያት ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ምእላይ ኣብ ቅድመ ግንባር

ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ሓገዝ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ዓለም ለኻዊ መልሲ ክረክብ ዘኽእል መገዲ እውን ይዝርግሕ

ኣብታ እስያዊት ሃገር - ህንዲ ኣብ መዓልቲ በሻሓት ዝቝጸሪ ዜጋታት ብኾሮና ተህዋስ ይልከፉን ይሞቱን ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፡ ኣባይቲ ሕክምና በቲ ተላባዒ ተህዋስ ብዝተለኽፉ ዜጋታት ከምዘዕለቕለቓን እቲ ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኾሮና ተህዋስ መላእ ሃገር የምበርክኽ ከምዘሎን ህልው ኩነታት ህንዲ ብሓቂ ዘሰንብድ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ብስሊ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣባል ማሕበር ካሚሊያውያን ኣባ ባብይ ኤሊካል ሓቢሮም፡ ቤተ ክርስትያን ህሙማን ኣብ ምእላይ ኣብ ቅድመ ግንባር እያ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኾሮና ተህዋስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን ዘለዉ ብወግዒ ካብ ዝንገር ንላዕሊ እዩ፡ ዘሰንብን እውን ምዃኑ ኣብ ህንዲ ናይ ማሕበር ካሚሊያውያን ሓለቓ ኣባ ባብይ ኤሊካል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ብኾሮና ተህዋስ ዝተለኽፉ ልዕሊ 19 ሚሊዮን፡ በሸሓት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱን እዩ ዝሕብር፡ ቢሎም እቲ ካልኣይ ማዕበል ኾሮና ተህዋስ እዚዩ ዘሰንብድን መላእ ሃገርን ሕዝብን ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዑ ኣሎ ኢሎም።

ብዝሒ ህሙማንን ቀረብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘይመዓራረይ እዩ

ብዝሒ ብኾሮና ተህዋስ ዝልከፉ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክብ እናበለን ነቲ ዝነበረ ሃገራዊ ኣገባብ ጥዕና ንሓደጋ ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ዝልከፉ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ምእላይ ክሳብ ዘይከኣል ኮይኑ ከምዘሎን፥ ዋሕዲ ቀረብ ኣፋውስን ሕጽረት መሳርዕ መተንፈሲ ኦክስጅንን የጋጥም ስለ ዘሎ እዚ እውን ናይ ዝሞቱ ቅጹር ክብ ክብል ከምዝገበረ ሓቢሮም፥ እዚ ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት ክቕጽል እዩ ዝብል ግምት ስለ ዘሎ ናይ ዝለክፉን ዝሞቱን ቁጽር ካብ ዕለት ናብ ዕለቱ ክብ ከመዘብሎ ገሊጾም፥ ህልው ኩነታት ለብዒ ኣብ ህንዲ ኣዚዩ ዘሰንብድ እዩ ይብሉ።

ዓለም ለኻዊ ምላሽ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንዲ ከምኡ እውን ኣባላት ማሕበር ካሚሊያውያን በቲ መንፈሳዊ ስሕበቶም ኣቢሎም ህሙማን ኣብ ምእላይ ከምዝርከቡን ናይቲ ማሕበር ቀንዲ ዕላማ እውን ህሙማን ምእላይ ዝብል ብምዃኑ ኣብ 15 ግዝኣት ህንዲ ተዋፊሩ የገልግል ከምዘሎን፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሰብኣዊ ሓገዝን ኣሳንዩን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎን ሓቢሮም፡ ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ሓገዝ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ዓለም ለኻዊ መልሲ ክረክብ ዘኽእል መገዲ እውን ይዝርግሕ ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

03 May 2021, 22:28