ቅ. ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ቅ. ኢግናጽዮስ ዘለዮላ 

ንኩሉ ነገራት ብሓዲስ ዓይኒ ርኢኻ ምኽኣል! ዓመት ቅ.ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ይጅምር!

ናይ ሎሚ 500 ይገብር መሥራቲ ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ እታ ንጒዕዞ ለውጢ ሕይወት መበጊሲት ዝኾነ መቚሰልቲ እግሪ ኣብ ፓምፕሎና እትበሃል ክፍሊ ሃገር እስፐይን ኣጋጠመቶ። ንዝኽሪ እዚ ፍጻመ እዚ ጠቅላሊ ሓለቃ ኢየሱሳውያን ዓመት ኢዮቤል ክጅመር ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ማሕበረሰብና ንዘሎ ኅብረተሰብኣውን ቊጠባውን ዘይማዕርነት ቀኒስካ ንዕርቅን ንፍትሕን ኣብ ልቦና ደቂሰባት ንምስራጽ ክሕግዝ ይኽእል እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ጠቅላሊ ሓለቃ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ነዚ ዝተባህለ ዓመት ኢዮቤል ዝኸፍትዎ ጠቅላሊ ሓለቃ ኢየሱሳውያን ኣባ ኣርቱሮ ሶሳ ምዃኑ ዘመልከተ ዜና ኢየሱሳውያን ብዓቢ ሥርዓት ትማሊ ዕለት 20 ግንቦት 2021 ዓም ሰዓት 6 ድ.ቀ ኣብታ ቦታ ፍጻሜ ዝኾነት ኣብ ፓምፕሎና ሃገረ እስፓኛ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ከፊቶም። እቲ ፍጻሜ ብክልተ መርበብ ሓበሬታ jesuits.global/it ን ignatius500.org እንክመሓላለፍ ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ኣብ ሕምብርቲ ሮማ ዝርከብ ዓቢይ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ግረጎርያና ‘ንኩሉ ነገራት ብክርስቶስ ብሓዲስ ዓይኒ ርኢኻ ምኽኣል’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሠነየ ካብ መላእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተሳተፍዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣካዪዱ። ነዚ ስዒቡ ከኣ ንዚመጽእ 23 ግንቦት 2021 ዓም ምሸት ሰዓት 8 ብናይ ሠለስተ ሃገራት ኣቆጻጽራ ማለት ማኒላ ፊሊፒንስ ሮማን ኒው ዮርክን ‘መንፈሳውያን ነጋዶ ምስ ቅዱስ ኢግናጽዮስ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ንምሉእ ለይቲ ዝቅጽል ጸሎትን ኣስተንትኖን ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ምስዚ ብዝተታሓሓዘ መንገዲ ከኣ ንዕለት 30 ግንቦት 2021 ዓም ንመንእሰያት ዘተኰረ ‘ኣሰር ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብምስዓብ ካብ ፓምፕሎና ናብ ሮማ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንጉዕዞ ለውጢ ሕይወት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዕምቈት ዘጽንዕ ጉባኤ ኪካየድ እዩ። ከምኡ እውን ንዝመጽእ 29 ሰነ 2021 ዓም ነታ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ንሓደጋ ሞት ሰጊሩ ሓዲስ ሕይወት ንምጅማር ዝኸኣለላ ዕለት ንምዝካር ኣብ ዞባ መዲተራን ናይ ኤውሮጳ ዝርከቡ ማሕበራት ኢየሱሳውያን ናብ እግዚአብሔር ንምምዕቋብ ፍሉይ ጸሎት ክግበር ምዃኑ ተመልኪቱ። እቲ መደባት ሰፊሕን ቀጻልን ካብ ዕለት 20 ክሳብ 30 ሓምለ 2021 ዓም ኣብ ሰሜን ኣልባንያ ንመንእሰያት ኣብ ዝዝውተር ናይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ሓጋይ ኲስኰሳ እውን ኣብ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣተኲሩ ክሰርሕ እዩ። ንዝመጽእ ዓመት ብደሓን የጽንሓና ዕለት ዝኽሪ ቅድስና ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳቨርዮን ኣብ ዝኾነ ዕለት 12 መጋቢት 2022 ዓም ካብ ከተማ ሮማ ውጽእ ኢልካ ናብ እትክርከብ ላ እስቶርታ ኣብ እትበሃል መንፈሳዊ ንግደት ተገሩ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዕለት 31 ሓምለ 2022 ዓም ኣብ ቤተክርስትያን ኢየሱስ ማእከላይ ገዛ ኢየሱሳውያን ብዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍጻሜ ዓመት ኢየቤል ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ኪኸውን እዩ።  

ዋና ጸሓፊ ጠቅላሊ ሓለቃ ኢየሱሳውያን ኣባ ጃን ጃኮሞ ሮተሊ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ‘ኢየሱሳን ንዓመተ 2021-2022 ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ክኸውን ዝወሰንዎ ንመንፈሳውነቱ ንምግዋሕ ዘይኮነ እግዚአብሔር ነዚ ውጉእ ወታደር ብምጥቃም ከመይ ገቢሩ ክብሩ ከምዝገለጸ ነዚ ከኣ እቲ ብዙሕ ተስፋን ሃረርታን ዝነበሮ መንእሰይ ኣብ ውግእ እግሩ ምስ ተሓምሸሸ መጀመርያ ኩሉ ዝነበሮ ተስፋ ሕልምን ይቅህም ክሳብ ኣፋፈት ሞት እውን ይበጽሕ ደሓር ግን ትሑትን ዓቢይ መንፈሳዊ ነጋዲ ፍቃድ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ቅድስና ከምዝበጽሕን ንምምልካት እዩ።

ካብታ መቊሰልቲ እቲ ንኩሉ ነገራት ብሓዲስ ዓይኒ ክርኢ ይጅምር። እታ ለውጢ ሽዑ ዝተፈጸመት ለውጢ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣብዚ ዘሎና ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ናይዛ እንነብረላ ዘሎና ማሕበረሰብ ሕይወትን ሕይወት ነፍሲወከፍናን ንምልዋጥ ይሕግዘና። በዚ ከኣ እዛ ኣብ መንጎ ውሑዳት ሃብታማትን ብዙሓት ድኻታትን ዘሎ ፍልልያት ክቅንስ ተስፋ ንገብር። ምስ እዚ ከኣ ነፍስወከፍና ምስቲ ኣብዚ ግዜ ሕማም ዘጋጠመና ጸገማትን ሞት ብጾትናን ኣዛሚድና ኣብ ቅርጥው ሰብኣውነት ተመሥሪትና ዝተዓረቅናን ፍትሓውያንን ንምዃን ይሕግዘና። ነዚ ብዝምልከት ጠቅላሊ ሓለቃና ዝጸሓፎ ‘ምስ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣብ ጒዕዞ’ ዝብል መጽሓፍ ብዙሕ ክሕግዝ ይኽእል በዚ ከኣ ንኩሉ ነገራት ብሓዲስ ዓይኒ ርኢኻ ምኽኣል ዝብል መሪሕ ሓሳብ ርኢኻ ምኽኣል ጥራይ ዘይኮነ ክተሐድሶም ምጽዓር እውን የድሊ’ እንክብሉ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ገሊጾም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
21 May 2021, 13:22