እቲ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ካብ ኮምቦናውያን ንስደተይናታት ዝተዘርገሐ ኢድ እቲ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ካብ ኮምቦናውያን ንስደተይናታት ዝተዘርገሐ ኢድ 

እቲ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ካብ ኮምቦናውያን ንስደተይናታት ዝተዘርገሐ ኢድ

ስደተይናታትን ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ ቀያዲ ብምዃኑ በዚ ኮምቦናዊ ማሕበር ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሕገዙ ስደተይናታት ብዝሒ ኣዚዩ ክብ ይብል

ናይ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮምቦኒ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓልይ ኣብ 1969 ዓ.ም. ዝተመስረተ ማሕበር ዘቕርቦ ኵለ መደያዊ ሓገዝ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ድኻታትን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እውን “ብዘይምቕራጽ ንብዙሓት ተስፋ ከምዝሃበን” ኮምቦናዊ ናይቲ ማሕበር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓልይ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣባ ቨናንዚዮ ሚላኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንድኻታትን ንሓያሎ ተኣፋፍያንን እንኮላይ ነቶም ካብ ድኽነትን ውግእን ዝሃድሙ ስደተይናታት ብዝተፈላለየ መዳይ ከምዝጸለዎምን ኣብ 2020 ዓ.ም. 34 ሺሕ ስደተይናታት ኢጣሊያ ከምዝኣተዉን ካብእቶም እቶም 13 ሺሕ ካብ ሊቢያ ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ዝመጹ ከምዝኾነን እውን ኣባ ሚላኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ካብቶ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ስደተይናታት ደቀንስትዮን ሕጻናትን ንዝርከብዎም ጭቡጥ ሓገዝ ከምዘቕርብን ብፍላይ ኣብዚ ናይ ክንክን ጥዕና ቅልውላው ብሰፊሕ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ምቕራብ እውን ከምዝቐጸለ ኣመላኺቶም፡ ብጀካ እዚ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ጣልያንይና ብምቕራብ እውን ኣብ ዝተኣገንዱላ ኢጣሊያ ተዋሂዶም ንኽነብሩ ኣብ ዝኽእል መዳይ እውን ዝዋሳእ ኣብ 1969 ዓ.ም. ብኮምቦናዊ ካህን ኣባ ረናቶ ብረሻኒ ዝተበገሰ ማሕበር ድጋፍ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እውን ምዃኑ ገሊጾም።

ኮምቦናዊ ማሕበር ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ 2020 ዓ.ም.

እቲ ኮምቦናዊ ማሕበር ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ፍልዩ ጉባኤ ከምዘካየደን፡ ናይቲ ብለብዒ ኮቪድ 19 ኣዚዩ ናይ ዝተናወጸ 2020 ዓ.ም. ሚዛን ቍጠባውን ናይ ወጻእን ኣታዊ ሚዛን ሃብቲ ገንዘብ ከምዝመርመረን ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣባ ቨናንዚዮ ሚላኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ንድኻታትን ስደተይናታት ዘቕርቦ ኵለንተናዊ ድጋፍ ውሑስ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ብፍላይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዝሒ ድኻታት እውን ክብ ክብል ይገብር ብምህላዉ ንድኻታት ኣባይቲ ስድራ ዘድሊ መግባዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከምእተዋፈረን መግባዊ ሓገዝ ክብ ከምዘበለ ኣፍሊጦም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ደሕንነትን ስደተይናታትን ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ ቀያዲ ብምዃኑ በዚ ኮምቦናዊ ማሕበር ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሕገዙ ስደተይናታት ብዝሒ ኣዚዩ ክብ ይብል ኣሎ ምስ በሉ ኣስዒቦም እውን “ነቶም ኣብቲ ኮምቦናዊ ማሕበር ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ወለንተይናታት ከየመስገንኵ ክሓልፍ ኣይደልን፥ ብተወፋይነትን ግዜኦምን ክእለቶምን ብምልጋስ ንዘቕርብዎ ህብረ ኣገልግሎት ነቲ ማሕበር ወሳኒ እዩ” ኢሎም።

ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ናይዚ ማሕበር ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለን ብፍላይ ለብዒ ካብ ዘተኣታተወሉ እዋን ንነጀው ሓገዝ ዘድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣባይቲ ስድራን ቁጽሮም ክብ ይብል ምህላዉ ሓቢሮም።

2020 ዓ.ም. መጀመርታ ኣዋርሕን ቀጺሉ እውን ኣብ 2021 ዓ.ም. ብርቱዕ ስንባደ ኣስዒቡን ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞትን ኵለ መደያዊ ቅልውላው ኣቃሊዑ እዩ፡ ብጀካ እዚ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን ዓመጽን ኣሳዶን ካብ ቤቶም ሃገሮም ዝመዛበሉ ድኻታትን እውን ብዙሓት እያቶም . . . ሓቂ እዩ በቲ ለብዒ ምኽንያት ዝቐረበ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ብዙሕ ምንቅስቓስ ስለ ዘይከኣል ሓገዝ ንኽሓቱ ዝመጹ ቁጽሮም ክንክይ ገይሩ እዩ። እዚ ግና ድኻትት የለዉን ወይ ድኽነት ተወጊዱ ማለት ዘይኮነስ፡ በቲ ለብዒ ምኽንያት ክብ ከምዝበለን ብዙሓት ኣብ ጽንኩር ኵነት ይርከቡ ኣለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ  ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣቢሎም ሃገረ ቫቲካን ንድኻታት ናይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ክወሃብ ይገብሩ ምህላዎም ዘኪሮም፡ ገሊኣቶም እውን ብኮምቦናዊ ማሕበረ ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብ ዝርድኡ ክኽተቡ ዕድል ረኺቦም እዮም፡ ሃገራት እውን ኣብዚ መዳይ ክንክን ጥዕና ንድኻታት ክዋስኣ ጻውዒት ነቕርብ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ብምኽንያት እቲ ዕለት 26 መስከረም ዝበዓል መዓልቲ ስደተይናታት ድሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መጻኢ ማሕበረሰብና ብብዝሓነትን ብውስጠ ባህላውን ርክባት ዝበልጸገ ሕብራዊ እዩ” ከምዝበሉን “እታ ዅላቶም ህዝብታት ብሓደ ዝኢከቡላ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ብሰላምን ስኒትን ክንዓምም እንኽእል ብኸመይ እዩ? እቲ ዝበለጸ ኵሎም ሰባት ገዛእ ርእሶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክረኣኣዩ እንከለዉ እዩ፡ ሕውነት እንተድኣ ኣልዩ ንደቅሰብ ዚጠቕም ዝኾነ ይዅን ነገር ኵሉ ኪህሉ ይኽእል፡ ካብ ህብረ ባህሊ ናብ ውስጠ-ብህልትውና ከነብል ካብ ተራ እንገዳ ናብ ውህደት ከነብል ይግብኣና፡ እዚ ግን ዝከኣል ሰብኣውነትን ሕውነትን ምስ ዝህልወና ጥራሕ እዩ፡ ኣብኡ ኢኻ ነዚ ዅሉ እትጻወቶ።

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ዝብልዎ፥ “ሓቢርና ንኽንሓልም ተጸዊዕና ኢና፥ . . . ኵላትና ኣሓትን ኣሕዋትን፥ እወ ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ኣብ ኵውንነት እተመርኮዘ ንምዃን ኡጦቢያዊኣ ምዃን የድሊ፡ ኣብ ኡጦቢያነት ምእማን የድሊ ዝበልዎ እዩ፡ እንክብሉ ኣባ ሚላኒ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 May 2021, 15:09