ባሰቲ፥ “ሲኖዶሳዊ ኪደት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ውሳጠአ ዝሕድስ እዩ” ባሰቲ፥ “ሲኖዶሳዊ ኪደት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ውሳጠአ ዝሕድስ እዩ” 

ባሰቲ፥ “ሲኖዶሳዊ ኪደት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ውሳጠአ ዝሕድስ እዩ”

ሰብኣዊ ንጥፈታት ምስ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ዚሰማማዕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ስእነት ስራሕ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሎሚ ዝብገስ መጻኢ ናይ ሕይወት ምርጫኦም የሰናኸል

ኣብ ሮማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ግንቦት ዝተኸፍተ ክሳብ ዕለት 27 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 74 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምእተዛዘመን ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፐሩጃን-ፒያቨን ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢጣሊያ ዝረአይ ዘሎ ናይ ስራሕ ቅልውላውን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋን ዝርአይ ዘሎ ዋሕዲ ውልደትን ኣብ ዝምልከቱን ካልኦት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢጣሊያን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መበል 74 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝረአ ዘሎ ስእነት ስራሕን ክሳብ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ሞት ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ሳዕቤናቱን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰረት ዘትሕዝዎ ዘለዉ ሲኖዶሳውነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳያት ዝመኸረ ከምዝኾነ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ እቲ ጉባኤ ዘካየዶ ምይይጥ መጻኢ ዘማዕደወን እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ፊረንዘ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘንበሮ መስመር፥ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ ኣደነት ክህልዋን እተአንግድን እትሓልይን ምዃና ንምርግጋጽ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእን ወንጌል ምስፋሕን ሕንጸትን ዘለዎ ኣገዳስነት  ምስ ኪደት ሲኖዶሳውነት ብምጥማር ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝመርሕ መገዲ ዘመላኸተ እውን ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ

ሲኖዶሳዊ ኪደት፥ ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ተስፋን ሓልዮትን ዝብል እዩ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕልን ካብ ላዕሊ ናብ ታሕትን፥ ካብ ሕዝበ እግዚኣቤር፥ ካብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ናብ ጉባኤ ጳጵሳትን ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ህዝበ እግዚኣብሔር ዘለዎ ኵነት ኣንቢብካ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት መልሲ ምቕራብ፡ ምኽንያቱ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምእማን ዘይጋገይ ስለ ዝኾነ፥ ኵሉ ብጸጋ ጥምቀት ማዕረ እዩ፡ በዚ መሰረት ከኣ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምህላው ግድ እዩ፡ ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣስዒቦም፥ ሲኖዶሳውነት ንቤተ ክርስቲያን ካብ ውሳጤኣ ዝሕድስ ኪደት እዩ ይብሉ።

ሰባት ካብ ስራሕ ምስጓግ ክብረቶም ምሕኻኽ እዩ ዝኸውን

እቲ ዓውደ ኣኼባ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽናይት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕን ካብ ስራሕ ምስጓግን ዘሕዝን ፍጻሜ ክብሪ ሰብ ዝትንክፍን ዝሓክኽን እውን እዩ፡ ብጀካ እዚ እውን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ሞት ኣብ ስራሕ ጠቒሶም፥ ሰብኣዊ ንጥፈታት ምስ ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ዚሰማማዕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ስእነት ስራሕ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሎሚ ዝብገስ መጻኢ ናይ ሕይወት ምርጫኦም የሰናኸል ከምዘሎ ኣመላኺቱ፥ ንናይ ሰብ ክብሪ ዝመዓራረይ ፖለቲካን ኣገልግሎትን ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረበ ብጹዕነቶም የመላኽቱ።

ክብሪ ሰብ ክሕሎን ከም ምዃንነቱ ክኽበርን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቃል ኪዳን ድዩ ኣብ መውስቦ ዘለዋ ኣረኣእያ ቅዱስ መጽሓፋዊ እዩ፥ ኣብቲ እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም ኣብ ዝብል ቃል፡ ሰብ ከም ሰብ መጠን ግና ክኽበር እዩ ዘለዎ፡ መንነቱን እንታይነቱን ብዘየገድስ፥ ናይ ኵሉ ሕልና ብምኽባር ናጻ ዝኾነ ክትዕን ምይይጥን ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናብ ናይ ሓባር ረቛሒ ንምብጻሕ እዩ ዝሕግዝ፡ እዚ እውን እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘስመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብሩ፣

ዋሕዲ ውልደት ምልክት ፍርሂ ኣብ መጻኢ

ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ኵለን ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ብሰፊሕ ዝርአይ ዋሕዲ ውልደት ኣብዘን ሃገራትን ሕዝበን ንዘሎ ፍርሂ ኣብ መጻኢ ዝገልጽ እዩ፡ እዚ ፍርሂ እዚ ነቲ ኣብ ሕይወትን ኣብ ሓድሽ ህይወትን ዘሎ ተስፋ እዩ ዘጥፍእ፡ ንሰባት ውሕስነት መሰል ምርግጋጽ ክበሃል እንከሎ “ሰባት ንመጻኢኦም ርሁዋት ክኾኑ ምድጋፍ ማለት እዩ፡ ውላድ ዘይብላ ስድራ ቤት ትንእስ እምበር ኣይትዓብን፡ ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት መጻኢ ኣብ ውላድ እዩ፡ ስለዚህ መንግስቲ ነዚ ዝድግፍ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ ክፈጥር ከምዘለዎ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ኣብቲ ዘካይድዎ መበል 74 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ከምዘመላኸቱ ብጹዕነቶም ይሕብሩ።

ሓገዝ ንኣባይቲ ስድራ

ንኣባይቲ ስድራ ከከም እቶቱን ብዝሒ ኣባላት ስድራን ደሕንነት ውሑስ ዝገብር ሓገዝ የድልዮ፡ ኣብዚ ዓይነት ቍጠባዊ ኪደት ኢጣሊያ ድሕርቲ እያ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ናይ ድሕንነት ቍጠባ ብዙሕ ዝሰጐማ እያተን፡ ስለዚህ ንስድራ ቤት ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ፖለቲካዊ ምሕደራ የድሊ፡ ኣብ ስድራ ቤት ዘይተተኵር ሃገር ነዊሕ ክትስጉም ዝሰኣናንን ኣናገደደ እውን እናለመሰት እያ እትኸይድ እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቃለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 May 2021, 16:23