ባሰቲ፥ ንሰባት ሓቂ ንምትራኽ ምስ ሰባት ኣብ ኵነቶም ብምርኻብ ባሰቲ፥ ንሰባት ሓቂ ንምትራኽ ምስ ሰባት ኣብ ኵነቶም ብምርኻብ 

ባሰቲ፥ ንሰባት ሓቂ ንምትራኽ ምስ ሰባት ኣብ ኵነቶም ብምርኻብ

ስለዚ እቲ እተራኽብዎ ሓቂ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ሓናጺ ዝኸውን፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓቂ ባህሉ ክግበር ምድጋፍ ማለት እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ፥ “ሓቂ” እትብል ቃል ደጋጊሞም ከምዘስመሩላን እዚ እውን ጋዜጠይናታት ሓሶት ከይዛረቡን “ናይ ሕይወት ሓቂ” ከዘንትዉን ዘተባብዕ እዩ

ኣብ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ኢጣሊያ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ፥ ንጋዜጠይንታት ምስ ሰባት ኪራኸቡን ካብቲ “ድሮ እተፈልጠ እዩ/ፍሉጥ እዩ” ካብ ዝብል ግምት ኪወጹ ዓዲሞም፡ ንር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ተወኪሶም “ብርሕቐት ኣብ ጣዕምን ምቾትን ኮይንካ ዘይኮነ ኣብ ጐደናታት ሳእናኻ ክሳብ ዝበልይ ኣብ ናይ ሰባት ኩነት ምርኻብ” እዩ ተኣማኒ ዝገብር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኢየሱስ ነርብዓ መዓልቲ ምሳታቶም ሓቢሩ ኣብ መኣዲ ምስ ተቛደሰ ናብ ኣቡኡ ( . . . ) ተመልሰ” ነዚ ዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ስነ ጥበበይናታት ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ዕርገት ዘእግዚእነ ኣብ ዝብዓለትሉ ዕለት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ጥሪ ዝበዓል ናይ ጋዜጠይንታትን ሓላዊ ቅዱስ፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳለስ ምስ እተብዕለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ብዝመሓላለፍ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ መራኸቢ ብዙሓን፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ ዝበልዎ ጠቒሶም፥

ብዛዕባ እትፈልጦ ምዝራብ

ብሓባር ኣብ መኣዲ ምቕራብ - “ናይ ሕይወት ሓቂ ንኽትዛረብ፡ ካብቲ ድሮ እተፈልጠ እዩ ካብ ዝብል ምቹእ ግምት ወጺእና ክንጓዓዝን ምስ ሰባት ክንከውንን ክንሰምዖምን ነቲ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ረእይቶታት ክንእክብ ኣድላዪ እዩ። እዚ እውን እቲ እንብሎ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ እንብሎን እንዛረቦን እውን ንኣና ከገርመናን ከድንቐናን እዩ” ቢሎም ኣስዒቦም እውን “ምስ ሰባት ብምዃን ጽን ኢልና ብምስማዕን ሻቅሎቶም ምስ እንርዳእን እንካፈልን ጥራሕ እዩ ድሕሪኡ ምስኣቶም ሓቢርና ኣብ መኣዲ ተቐሚጥና ነርና ክንብል ንኽእል” . . . ዛንታታት ንኸነናድይ ወይ እተወሰነ ኵነታት ንኸነረጋገጽ ምስ ሰባት ከይተራኸብካ ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ነገራት ክትዛረብ ዝከኣል ይኮነን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጋዜጠይናታት ሓቂ ንኺዛረቡ ዝተጸውዑ እያቶም

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ፐሩጃ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ዝተጸምዱ ፍቕሩታ ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ዝዛረቡሉን ዝጽሕፉሉን ዝነግሩሉን ክቡር ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ኣጸጋሚ እውን ከምዝኾነ ትፈልጡ ኢዅም፡ እትብልዎን ወይ ውይ ከይበልኵምዎ ብውስጠ ፍሉጥነት እተመላኽተዎ ታሪኽ ክጸልው ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ፥ ስለዚ እቲ እተራኽብዎ ሓቂ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ሓናጺ ዝኸውን፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓቂ ባህሉ ክግበር ምድጋፍ ማለት እዩ፡ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ፥ “ሓቂ” እትብል ቃል ደጋጊሞም ከምዘስመሩላን እዚ እውን ጋዜጠይናታት ሓሶት ከይዛረቡን “ናይ ሕይወት ሓቂ” ከዘንትዉን ዘተባብዕ እዩ። “ኣብዚ ዘይተኣማምን እዋን’ዚ ደለይቲ ሓቂ ክትኮኑ ደኣ እምበር ጐዳኢ ዜና ዘቕርቡን ወይ ከኣ ሓባራዊ ረብሓ ዘይሃንጹ ክትኾኑ ኣይግብእን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቃል ምስጋና ብጹዕነቶም

ብጹዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ነቶም ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉን ብዙሓን ንሞትን ስቓይን ኣብ ዘቃልዓሉ ዘሎ እዋን ኣብቲ እቲ ስቓይን ሞትን ዝረኣየሉ ስፍራ ኵሉ ተረኺቦም ሕይወቶም ንሓደጋ እውን እናቃልዑ ብዛዕባ እዚ ለብዕን ሳዕቤናቱን ንዝነግሩን ንዝትርኹን ጋዜጠይናታት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣመስጊኖም፡ ጋዜጠይናታትን መስዋዕትነት ዝሓትት መጋበርያ ሓቂ እዩ፡ . . . እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

19 May 2021, 08:48