ኣብ ፖርቱጋል፥ ጸዋዕታን መንእሰያትን ንሕልምታት እግዚኣብሔር ኣብ ምር ኣብ ፖርቱጋል፥ ጸዋዕታን መንእሰያትን ንሕልምታት እግዚኣብሔር ኣብ ምር 

ኣብ ፖርቱጋል፥ ጸዋዕታን መንእሰያትን ንሕልምታት እግዚኣብሔር ኣብ ምርካብ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖርቱጋል ነቲ መርሕ ቃል መሰረት ብምግባር “ሕልሚ እግዚኣብሔር ምሕላም” ብዝብል ንእሱ ኣርእስቲ ኣምሪሓ ንክርስቲያን ዝሕግዝ ካብ መንእሰያት ሕይወት ብመንጽር ጸዋዕታ ንኸስተውዕልዎ ናይ ጸዋዕታ ባህሊ ንምትብባዕ ብዝኣመተ መደብ

ናይ ላቲን ስርዓት እትኻተል ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስቲያን ሰንበት ንዕለት 25 ሚያዝያ ሕያዋይ ጓሳ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ከምዝካየድ ዝፍለጥ ኮይ፡  ኣብ ፖርቱጋል ኣብቲ መበል 58 ዓመት ዓለም ሓቆፍ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ፥ ናይ ጸዋዕታ ባህሊ ንምንቕቓሕን ብፍላይ መንእሰያት ዝሰናደውሉ መገዲ ንኸናድዩን ክረኽቡብ ንምትብባዕን ኣሚቱ ምክያዱ ናይ ፖርቱጋል ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ጸዋዕታን ኣገልግሎትን ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንቶኒዮ ኾርገ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ኣለ መእሕት ሓቢሮም፥ እቲ ኣብዚ ምእንቲ ጸዋዕታ ናይ ጸሎት ቅነ፡ እቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊስቦና ንኽካየድ ንዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ናይ ሊስቦና ሰበኻ ዘሰናድዎ ዘሎ ደጋፊ ሰነድ መሰረት ዝገብረ እውን ምንባሩ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 ሚያዝያ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፡ እቲ ንሓደ ሰሙን ዝካየድ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ዝዛዘመሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ናይቲ ዝተኻየደ ጸሎት መርሕ ቃል እውን “ቅዱስ ዮሴፍ፥ ናይ ጸዋዕታ ሕልሚ” ከምዝኾነ ክዝከር ዝብል ኮይኑ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖርቱጋል ነቲ መርሕ ቃል መሰረት ብምግባር “ሕልሚ እግዚኣብሔር ምሕላም” ብዝብል ንእሱ ኣርእስቲ ኣምሪሓ ንክርስቲያን ዝሕግዝ ካብ መንእሰያት ሕይወት ብመንጽር ጸዋዕታ ንኸስተውዕልዎ  ናይ ጸዋዕታ ባህሊ ንምትብባዕ ብዝኣመተ መደብ ምክያዱ ዜን ቫቲካን የመላኽት።

ሓናጺ ዘተ

ከምቲ በቢ ዓመቱ ዝካየድ እቲ ናይ ለምዘበ መበል 58 ዓለም ሓቆፍ ጸሎት መዓልቲ ጸዋዕታ ስንዳአ - ይብሉ ናይ ፖርቱጋል ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ጸዋዕታን ተልእኾን ዝሓልይ ድርገት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣንቶኒዮ ኾርገ - ምስ ኵሎም ኣብ ሰበኻታት ኣብ መዳይ ጸዋዕታ ተዋፊሮም ዘገልግሉ መጋብያን ሓናጺ ዘተ ኣካድናን በዚ መሰረት እውን ነቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊስቦና ዝካየድ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሰናደው ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘማዕደወ ደጋፊ ጽሑፋትን መብርህታትን ብምስማዐ ርእየትን ዝተሰናደወ ምስክርነትን ብዩቲዩብ ማሕበራዊ መረብት ከምዝቐረበ  ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና መደብ ኣለዎ

ቀንዲ ድልየትና ፍቕሪ ኣምላኽ ብዘይ ቅድመ ኵነት ንነፍሲ ወከፍና መደብ ከምዘለዎ ብዅሉ ብፍላይ መንእሰያት ክስትውዓል ዝብል እዩ - ዝበሉ ኣባ ኾርገ ኣስዒቦም - ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊስቦና ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት 230  ተመሃሮ ከምዘለዉን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ኣገዳሲ ምዃኑ ነስተውዕል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 April 2021, 22:15