ኡክራይን፡ ሸቭቹክ፥ ዘተ ኣብ ልዕሊ ፈተና ምጥቓም ኣጽዋር ውግእ ክዕወት ኡክራይን፡ ሸቭቹክ፥ ዘተ ኣብ ልዕሊ ፈተና ምጥቓም ኣጽዋር ውግእ ክዕወት 

ኡክራይን፡ ሸቭቹክ፥ ዘተ ኣብ ልዕሊ ፈተና ምጥቓም ኣጽዋር ውግእ ክዕወት

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽው ሻቕሎት ሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝካፈሎን ተመሳሳሊ ሻቕሎት እውን ከምዘለዎን ዘተን ሜላዊ ርክባትን ሓላፋ ዝብል ባይታ ንምፍጣር ይዓዪ ከምዘሎ

ኣብ ኡክራይን ናይ ኪየቭን ሃልይችን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንስግተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ዘሎ ህልው ኵነታት ዘስክፍም ምዃኑ ገሊጾም፡ ውጥረትን ግጭትን ብዘተ ክፍታሕ እንክብሉ ምእንቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ንቕዱስነቶም ኣመስጊኖም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገም ርኢኻ ብሓቂ ብወተሃደራዊ ኪደት መሊስ ክረክብ ምድላይ ዘሕዝን ፍጻመ ጥራሕ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ዘድሊ ንሓደ’ኳ ዘይሃስይ ዘተ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኡክራይን ናይ ኪየቭን ሃልይቺ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕነቶ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ዝርአይ ዘሎን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን እቲ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክገሃስን ምርኣዩ ብዙሕ  የሻቕለኒ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ዘተ ሓላፋ ዝብል ሃዋሁ ክፍጠር ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽው ሻቕሎት ሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝካፈሎን ተመሳሳሊ ሻቕሎት እውን ከምዘለዎን ዘተን ሜላዊ ርክባትን ሓላፋ ዝብል ባይታ ንምፍጣር ይዓዪ ከምዘሎ ገሊጸን፡ ኣብቲ ሩሲያን ኡክራይንን ዘዳብው ዞባ 150 ሺሕ ናይ ሩሲያ ወትሃደራት ከምዘልዉ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ላዕለዋይ ወኪል ቦረል እንክሕብሩ፡ ፐንታጐን እውን ብወገኑ ብርቱዕ ሻቕሎት ከምዘለዎ ብወግዒ ከምዝገለጸ ኣፍሊጠን።

ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕነቶም ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘሻቕሎም ገሊጾም፡ ውጥረት ብዘተ ክፍታሕን ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽልይ ምእንቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፥ “እቲ ዝተበጽሐ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ሓደ ዓመት ከምዝገበረን ኣብዚ እዋን’ዚ ይገሃስ ከምዘሎን ቶኽስን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ይረአይ ኣሎ፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረት መፍተሒኡ ወተሃደራዊ ዘይኮነ ፖለቲካውን ስነ ክልኣዊ ርክባትን እዩ እዚ እውን ኵላትና ተስፋ እንገብረሉ ምርጫ እዩ፡ ወተሃደራት ሩሲያ ኣብቲ ዘዳብዎ ከባቢ ብሰፍሕ ዝሰፈሩ እያቶም ዝመስሉ እዚ እውን ፍርሒ የሕድረልና ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ሻቕሎት እዩ፡ ነዚ ኵሉ ርኢኻ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፍርሂ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፥ ቅዱስ ኣቦና ንስቓይና ኣቃልቦ ስለ ዝገብሩን ምእንታና ስለ ዝጽልዩን ምእንቲ ዘቕርብዎ ሓገዝ ኵሉ ነመስግን” ኢሎም።

ሻቕሎት ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ ካብ ቃሎም ሰሚዕናዮ ኢና፥ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት እንታይ ይመስል? ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚዩ ክብ ይብል ኣሎ፡ ቅድሚ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ሕዝቢ ክንቀሳቐስ ይኽእል ስለ ዝነበረ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ኡክራይን ቍጽጽር ናብ ዘሎ ዞባ ይግዕዝ ነይሩ እዩ፡ ኣረጋውያን ናይ ጡረታ ደሞዞም ንኽወስዱ እውን ብቐሊሉ ይንቀስቐሱ ነይሮም እዮም፡ ሰብእዊ ሓገዝ እውን ይበጽሕ ነይሩ እዩ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ምንቅስቓስ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ብኾረና ተህዋስ ናይ ዝልከፉ ቍጽሪ ክብ ይብል ኣሎ፡ . . . ኣብ ልዕሊ እዚ ወተሃደራዊ ግጭት እንተድኣ ተወሲኽዎ ህልቂት እዩ ዝኸውን፡ . . . ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝተረሰዔን መጠቀሚ እውን ኮይኑ እዩ ዝስምዖ ዘሎ” ይብሉ።

ዕርቅን ሰላምን ንምድንፋዕ እንታይ ምሕጽንታ ተቕርቡ? . . . ምሕጽንታይ ኣይፋል ንውግእን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ምርጋፍ ኣጽዋር ዝብል ውሳኔ እገዳሲ ዝብል እዩ ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ብውግእ ዝኽሰብ ሓደ’ኳ የልቦም እንትርፎ ዕንወትን ጥፍኣትን . . . ኣብ ልዕሊ ኣጽዋር ውግእ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ዘተን ክዕወት እዩ ምንዮተና ቢሎም፥ “ንሕና ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታውያን ውድባትን ኡክራይን - ኣነ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኡክራይን ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር እየ - ብሓባር ኣብ እዋን በዓለ ፋሲካ ናይ ሓባር ሰነድ ምሕጽንታ ሰላም ከቲምና ወግዓዊ ገይርና ኣሎና፡ . . . ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያ ክርስቲያን ናትና እውን - ድሕሪ ክልተ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ንኸነብዕል ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ማህሌት ፋሲካን ጸሎትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ፋሲካ ደውል ኣብ ልዕሊ ቶኽስን ኣጽዋር ውግእን ክዕወትን . . . ወተሃደራዊ ስርሒት ኩሉ ተኣልዩን ካብቲ ከባቢ ወተሃደራት ክወጹን ህዝቢ ናብ ንቡር መነባብርኡ ክመልስ ተስፋ ንገብር” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 April 2021, 16:20