ሰንበት ዘገብር ኄር (ጾም ፵) ሚያዝያ 3 2013 ዓ.ም (4/11/2021)

መዝሙር፡ መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ...መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንህያባት አምላኽ አፍሪኻ ምኽአል

ንባባት፡ 1ቆሮ 4፡1-9፥ 1ጴጥ 2፡11-19፥ ግ.ሓ.16፡9-18፥ ማቴ 25፡14-30     ስብከት፡ ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ። አምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፥ሕግኻ እውን አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ጽድቅኻ አብ ጉባኤ አብሰርኩ መዝ. 40፡8።

መዝሙር፡ መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ጎይትኡ አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎ ዝረኽቦ እናበለ ናይ ሎሚ መዝሙር ነዚ ሰንበት ክነስተንትን ይሓተና። አብ ሰናይ ግብሪ እንከሎና መዓልቲ እግዚአብሔር እንተ መጸት ዕዉታት ኢና። ዝሓለፈ ሰንበት መዓልቲ አምላኽ ብዘይትሓስበ ሰዓት ክትመጽአኩም እያ ስለ ተሰናዲኹም ጽንሑ ዝብል አስተንቲና ሎሚ እውን ምስኡ ዝቕጽል እዩ አስተንትኖና።

አምላኽ አፍረይቲ ክንከውን እዩ ዝደልየና። አብ ተፈጥሮ ንመጀመርያ ወለዲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸአ ምልእዋን ምለኽዋን (ዘፍ 1፡28ፍ) እናበለ አብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክጥቀሙሉን ከፍርዩን ተዋሂብዎም። አብ ወንጌል በቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ገለና 30፥ 60፥ 100 (ማቴ 13፡8) ክነፍሪ ከምዝደሊ ይነግረና። ነርድእቱ ክልእኮም እንከሎ ኪዱ አብ ኩሉ ዓለም ስብዅ ክብሎም እንከሎ አብ ተልእክኦም ከፍርዩ ከምዝደሊ ነጊርዎም። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ከምቲ እንኽእሎ ክነፍሪ ጸግኡ ይህበና።

ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ ምስላ ምእክሊት ይነግረና። አብዚ ምሳሌ እቲ ጎይታ መጀመርያ አብቶም አገልገልቱ ምሉእ እምነት ገሩ ገንዘቡ ከፍርዩሉ ብዘይ አፈላላይ ከከም ዓቕሞም ሂብዎም። ዝውሃቦም ገንዘብ እኹል ገንዘብ እዩ ወላ ነቲ ብዓል ሓደ ምእክሊት ዝተዋህበ እኹል እዩ ነሩ። (ሓደ ምክሊት ሽድሽተ ሽሕ ደናሪ እዩ ሓደ ዲናር ናይ ሓደ መዓልቲ ዶመዝ እዩ)። ንነፍስወከፎም ከምቲ ዝተዋህቦም ከምዝጽበዮም ሓቢሩ ንመገሻ ከይዱ።

ካብ መገሽኡ ምስ ተመልሰ ጸብጻብ ክሓትት ምስ አገልገልቱ ኮፍ ኢሉ። እቶም ክልተ ቀዳሞት አበርቲዖም ስለ ዝሰርሑ ዕጽፊ ከፍርዩ ክኢሎም። እዚኦም አምሳል ናይ እቶም አምላኽ ጸግኡ ዝሃቦም እሞ ዘፍረዩ እዩ ዘመልክት። እቶም ዘየፍረዩ ከአ አምሳል ናይ እቶም ፈርሓት ዘይትጉሃት እሞ ነቲ አምላኽ ዝሃቦም ጸጋ ብግቡእ ዘየፍርዩ እዩ ዘመልክት። ሎሚ ንሕና እውን ነቲ አምላኽ ዝሃበና ዓቕምን ጸጋን ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርና እንተ ዘየፍረና አብ ቅድሚ አምላኽ ጸብጻብ ክንሕተት ኢና።

እዚ ምሳሌ እዚ ብዛዕባ እቶም ካብ ሓደ ሃብታም ብለቓሕ ወሲዶም ክኸስቡ ዝደልዩ እዩ ዝናገር፥ ማለት ካብ ብዓል ገንዘብ ወሲዶም ከሲቦም ለቕሕኦም ዝኸፍሉ። አብዚ ናይ እቲ ጎይታ ሕያውነት ክንርኢ ንኽእል። እቲ ዝተዋህበ ገንዘብ ከምድላዮም ከጥፍእዎ ዘይኮነ ከፍርዩሉ እዩ ተዋሂቡ። እቶም ክልተ ቀዳሞት ከምቲ ጎይትኦም ዝተጸበዮ ነቲ ዝተዋህቦም ገንዘብ ከም ግቡእ ጽዒሮም አፍርዮምሉ በዚ ኸአ ዕጽፊ ገሮምሉ። እቲ ሳልሳይ ግን ገንዘቡ አብ መሬት ቀቢርዋ (በቲ እዋን ዝበለጸን ዋሕስ ዘለዎ ገንዘብካ ሓደ አብ ዘይፈልጦ አብ መሬት ምቕባር እዩ)።

እቲ ጎይታ ምስ መጸ እቶም ክልተ ቀዳሞት ጸብጻቦም አቕሪቦም። እቲ ጎይታ ብዝያዳ ተሓጒሱ ዝያዳ ክውሃቦም እሙናት ኮይኖም። ንነፍስወከፎም ጽቡቕ አታ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብውሑድ ተአሚንካ ኢኻ እሞ አብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ ናብ ሓጎስ ጎይታኽ እቶ” ተባሂሎም።

አምላኽ ካብ ንነፍሲ ወከፍና ዝሓተና ነገር አሎ፡

  • ክነፍሪ ጸግኡ ሂቡና አሎ። አብዚ እንውሃቦ ጸጋ ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብርን ንርእስና ኸአ አብ ጽቡቕ መዓላ አውዒልና ሕጉስ ሕይወት ክነብር። አምላኽ ጸግኡ ክህበና እንከሎ እምብአር ብዓላማ እዩ። ስለዚ ነፍሪ ዘሎና ወይስ መኻናት ኮና አሎና።
  • ከምቲ ጎይታ ንረብሓ ርእሱ ዘይኮነ አምላኽ ንአና ክንጥቀም እዩ ጸግኡ ዝህበና። አምላኽ ብስራሕና ክኸስብ ኢሉ አይኮነን ጸግኡ ዝህበና ንሕና አብ ሕይወቱ ሱታፌ ክህልወና እሞ ምሉእ ሓጎስ ክንረክብ። ሕይወትና ምሉእ ዕረፍትን ሓጎስን ዝረክብ አብ አምላኽ ክምለስ እንከሎ ማለት ንአምላኽ ክረክብ እንከሎ ጥራሕ እዩ።
  • ጸጋ አምላኽ ንርእሰይ ጥራሕ ዝተዋህበ አይ ኮነንን። ርሊጳ ፍራንቸስኮስ ንተመሃሮ ዘርአ ክህነት አብ ዝተዛረብዎ “ጸዋዕት ክህነት ንዕግበት ርእስና አይ ኮነን ዝውሃበና። መምዘኒ ክህነት ምስ ህዝቢ ዘሎካ ርክብ እዩ ይብሉ። አምላኽ እምብአር ጸግኡ ዝዕድለና ንኻልኦት ክነገልግልን አብ ካልኦት ክንልአኽን እዩ። ዘሎኒ ውህበት አምላኽ ንአይ ጥራሕ ዘይኮነ ንአገልግሎት አሕዋተይ እውን እዩ።
  • አብ ቃል ኪዳን ክልቲኦም ነነድሕዶም አብ ምድሓን ክሕግዙ ዝተላእኩ እዮም። ሓደ ነቲ ሓደ ህላዌ አምላኽ አብ መንግኦም ዝገልጽ ኽኸውን ይግባእ። እዚ ክገብሩ እንተ ኸአሉ ጥራሕ እዩ ኪዳኖም ሓደ ካብቲ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ክብሃል ዝኽእል። ስለዚ ኪዳነይ ንመን እዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ።

ኵልና ተኸተልቲ ክርስቶስ አብ ተልእኮ አምላኽ ክንጽመድ እዩ ተልእኮና። አምላኽ ሰብ አብቲ ንሱ ዝገብሮ ስራሕ ክሳተፍ ይደልዮ ሽዑ አብ ጸግኡ ተሳቲፉ ፍሉይ ፍጥረት ይኸውን። አብ ጽቡቕ ስራሕ ክንጽመድ ከሎና አብ ስራሕ አምላኽ ኢና እንሳተፍ ዘሎና። ሱታፌና ብብዙሕ ነገር ክግለጽ ይክአላ በቲ ተጸዊዕናሉ ዘሎና ሕይወት ሕጉሳት ክንከውን ንአምላኽ ዘሓጉስ ነገራት ክንፈጥር ይግብአና። አምላኽ ንዝሃበና ሰናይ ነገር ከምቲ ዝግብኦ ሒዝና ክንርከብ።

እቲ ብዓል ሓደ ምእክሊት ነታ ዝተዋህበቶ ሒዙ ቀሪቡ። አየፍረየን ምኽንያቱ ስለ ዝፈርሐ ነታ ዘላቶ ሓቢእዋ። ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብአይ ምዃንካ እፈልጠካ እየ ስለዚ ፈሪሀ ከድኩ ነቲ መክሊትካ ድማ አብ ምድሪ ሓባእክዋ ሕጂ ኸአ እንሆ ገንዘብካ በሎ። እዚ ብዙሕ ካብኡ አይተጸበየን ዝወሓደ እዩ ተዋሂብዎ ግን ከምቲ ዝተዋህቦ አይገበረን።

እቲ ጎይታ ሓያል ከምዝኾነ አይክሕድን ነቲ ሃካይ አገልጋሊ ኸአ ንገንዘቡ ክረብሓሉ ስለ ዘይሓገዞ ይብአሶ። አብ ባንክ ከቐምጦ ምተኻእለ ሽዑ ወለድ ምረኸበሉ ነሩ እዚ ገን ንገንዘብ ጎይትኡ አምኪንዎ። በዚ ምኽንያት እቲ ገንዘብ ካብኡ ተወሲዱ ንዘፍርይዎ ተዋሂቡ። ዘገርም እዩ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህብዎ ይውስኽዎ እውን ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ። እዚ አገልጋሊ ድኹም/ሕማቕ፥ ሃካይ፥ ዘይረብሕ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ገንዘብ ይሕደግ አብ ጸልማት አብ ወጻኢ ይድርበ። ነዚ ዝተዋህቦ እኳ ከፍሪ ካብዘይከአለ ካብ ገዛ ከውጽእዎ ይእዝዝ።

እዚ ናይ እቶም አምላኽ ዝተፈላለየ ጸጋ ሂብዎም ሓንቲ መዓላ ዘይገብሩ ወይ እውን አብ ክፍአትን ሕመቕን ጥራሕ ተጸሚዶም ናይ ዝነብሩ እዩ። አብ ሓሶት አብ ምጥፍፋእ ከምኡ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናገብሩ ንክብሪ አምላኽን ሰብን ክጎድኡ ዝነብሩ ሰባት ዝነግር እዩ።

አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም አብ ሕይወትና ተመሊስና፡

  1. ንዝተዋህበና ጸጋ አለሊና ክንክእል። ኵልና ጸጋ ተዓዲልና ኢና፥ አብ ገለ እዋን ንዝተዋህበና አይንፈልጦን ወይ እውን አይንርእዮን ኢና ናይ ካልኦት ጥራሕ ንርኢ እሞ ከምዘይተዋህበና አብ ምስትምሳል ንነብር ስለዚ ንዝተዋህበና ጸጋ ንርአ እሞ ነመስግን።
  2. ህያብ አምላኽ ክነፍሪ እዩ ዝውሃበና። ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርና ክነፍሪ ይግባእ። አብ አገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ክንዕጠቕ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮና ክነብር እዩ ድላዩ። ህያብ አምላኽ ንግላዊ ጥቕምናን ድለትናን ጥራሕ አይኮነን ዝውሃብ ንኻልኦት ክንሕግዘሉን ንርእስና ክንጥቀመሉን እዩ ዝውሃበና።
  3. ንርእስና አብ ጽንኩር ነገር ክነእትዋ አሎና። ሰብ ጽቡቕ ክገብር እናጠዓሞ ዘይኮነ አብ ገለ እዋን ምስ ስምዒቱ እናተዋግአ አብ ገለ እዋን እውን ምስ ዘጋግዩ እናተቓለሰ እዩ አብ ዓወት ድሕነት ርእሱ ክበጽሕ ዝኽእል። እዚ ክገብር ግን ንመጻኢ ሕይወቱ ርእዩን አረጋጊጽን እንተ ኸደ ጥራሕ እዩ ክገብሮ ዝኽእል።
  4. ከይጸዓርካ ድሕነት የለን። አምላኽ ከድሕነና ናታትና ተሳትፎ የድሊ። ነቲ አምላኽ ዝህበና ወይ ዝብለና እሺ ኢልና ክንቅበል አሎና ሽዑ ምስ ድላዩ ክንጉዓዝ ንኽእል። አብ ገለ እዋን ክርድአና ይኽእል እዩ አብ ገለ እዋን ግን ምቕባል ጥራሕ እዩ ምርጫና፥ ንድላይ አምላኽ አብ ፍረ ክነብጽሖ ደም ክንርህጽ አሎና።

አምላኽ ክፈጥረና እንከሎ ብሂጉ እዩ ፈጢሩና ምስኡ ክነብር አብ ሓጎስ ክነብር እንተ ኾነ ሕሱም ጸላኢ ገርና እዚ እንርእዮ ሕይወት ለቢስና። ድሕነት ነፍስና ጻዕሪ ሓቲቱ፥ አብ ጉዕዞ ሕይወት ዝፈታተን ነገራት በዚሑ በዚ ምኽንያት ብዙሓት ዓለውቲ ተረኺቦም። መንግስተ ሰማይ ብሓይሊ እትእቶ ኮይና። ጉዕዞ ሰማይ እምብአር እሙናትን ትጉሃትን ኮና ክንጉዓዞ አድልዩ። አብ ጉዓዞ ዝተፈላለየ ፈተናን ድኽመትን ይጓነፍ ስለ ዝኾነ እሙናት ኮና እቲ ዝክአለና ክንገብር ንዝተረፈ አብ ኢድ አምላኽ ክንሓድጎ ንሕተት አሎና።

አብ ግራት አምላኽ ክነፍሪ እዩ ጸዋዕታና አብ ካልእ ግራት ብላዕ ዘይኮነ አብ ግራትና አብ ቤትና አብ አሕዋትና ኢና ክንወፍር ዘሎና። አፍረይቲ ክንከውን። ክነፍርዮ ዝድለ ዘሎ ብዙሕ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ሎሚ ሰብ ሰላም ስኢኑ ምስ አምላኹን ምስ ሰቡን ጸጊምዎ አሎ፥ ሰላም ክንዘርእ ሕውነት ክነዕቢ ነቲ ከይነፍሪ ዘርኢ ክርዳድ ዝሕውስ ወይ እውን ከም ቍልላሕ ኮይኑ ከይነፍሪ ዝዓግት ሓይሊ እምቢ ኢልና ንድላይ አምላኽ ጽን ኢልና ንሰላም ክንወፍር እሞ አብ ኩሉ ፍቕሪ ክንዘርእ እዩ ድላይ አምላኽ።

ክነፍሪ ሓገዝ የድልየና ንሱ ኸአ ካብ አምላኽ እዩ፥ ንኹሉ ንአኻ ሒዘ ክገብሮ እጽዕር አሎኹ እሞ ምሳይ ኩን፥ ንበይነይ አይትሕደገኒ ኢልና ንለምኖ። እዚ ጾምና ፍረ ክህልዎ እምብአር ሎሚ እውን አብ አምላኽ ንመለስ ብኃጢአትና ተአሚና ምሓረኒ ሕደገለይ ንሓወይ ንሓፍተይ በደሎም ሓዲገ ክኽእል ከአ ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ።

ዝክአለና ምስ ገበርና ዝተረፈ ባዕሉ ክምልኦ እዩ። አብ ውሑድ እሙን/እምንቲ ኮንኩም ኢኹም እም አብ ብዙሕ ክሸመኮም እየ ክብለና እዩ። እሙናት አገልገልቲ ኮና አብ ግራት አምላኽ አፍረይቲ ንኹን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

10 April 2021, 13:42