ሰንበት ዘደብረ ዘይት ጾም ፵ መጋቢት 26 2013 ዓ.ም. (04/04/2021)

መዝሙር፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተደብረ ዘይት. . . . . ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና።
ብድምጺ ንምክትታል!

መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ኾይና ክትመጽእ እያ

ንባባት፡ ፩ተሰ 4፡13-ፍ፥ ፪ጴጥ 3፡7-ፍ፥ ግ.ሓ. 24፡1-21፥ ማቴ 24፡1-28።    ምስባክ፡ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ  ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል መዝ.50፡3።

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትን መዝሙርን ብዛዕባ ምጽአት ጎይታና ይዛረቡ። አብ ወንጌል ማቴዎስ  ዘሎ ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብዛዕባ አብ መወዳእታ ዝኸውን ነገራት እናተዛረበ እንከሎ ሰለስተ ዝተተሓሓዘ ነገራት እዩ ነጊርዎም። 1. ብዛዕባ ዕንወት ኢየሩሳሌም (ብወተሃደራት ንጉስ ቲቶ ብ70 ዓ.ም.)፥ 2. መወዳእታ ዓለም፥ 3. ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ። ነዚ ሰለስተ ነገራት ክንጽበ ከሎና ኩሉ ጊዜ ነቒሕና እናጸለና ክንጽበ ከምዘሎና ይነግረና።

ሰብ አብዚ ዓለም ልዕሊ ኹሉ ዘሰክፎ ናይ ሕይወቱ መወዳእታ ዕጫ እዩ። ኩልና ከም እንመውት ንፈልጥ ኢና ግን ከምዚአ ነገር ገርና እንዝንግዓ ኸአ የላን ደፊርና ከምዘይንመወት ኮና ንኽፍአትን ካብ አምላኽ ዘርሕቐና ነገራት እናገበርና ንነብር። አብዚ ጾም አርብዓ ንኹሉ አወንዝፍ አቢልና ብዛዕባ መወዳእታ ሕይወትና ክንሓስብ ግቡእ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ክመውት እየ ስለዚ ተቐሪበዶ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ የድልየና።

አብ ታሪኽ ክርስትናና እንተ ርኤና አብተን ቀዳሞት ዘመናት ነዞም ሰለስተ ነገራት ብሓደ አተሓሒዞም ይርእዩዎም ስለ ዝነበሩ ንዝነብሮም ርድኢት መወዳእታ ዓለም ቀይርዎ ነሩ። ምዕናው ኢየሩሳሌምን ቤተ መቕደስን ከም ምልክት መወዳእታ ዓለም ከምዝቐረበ ገሮም ይወስድዎ ነሮም። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ተሰሎንቄ አብ ዝጸሓፎ ርድኢቱ ግጉይ ከምዝነበረ ይገልጽ። አብቲ ዘርእይዎ ዝነበሩን ዝገጥሞም ዝነበረን ርድኢቶም ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም አብ ግዚኦም ከምዝፍጸም ይአምኑ ነሮም። ኢየሱስ ግን ሓደ ግሉጽ ነገር ጥራሕ ቅድሚ መወዳእታ ዓለም ከምዝኸውን ነጊሩ ነሩ፥እዚ ኹሉ ቅድሚ ምዃኑ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ አለዎ ኢልዎም። አበሰርቲ ወንጌል ነፍስወከፍና ኢና። አብ ኩሉ ክነብጽሖ ናይ ኩልና ተልእኮ እዩ።

ወንጌል እናተሰብከን ዓለም ቅድሚ ምውድኡ አብ ኩሉ ክበጽሕ ከምዘለዎን፥ ቤተ ክርስትያን ክትሓልፎ ዘለዋ ኩሉ ዝተፈላለየ ፈተናታትን ጸገማትን አቐዲሙ ነርድእቱ ነጊርዎም እዩ፥ ግን ኩሎም ዝርአዩ ጸገማት ምልክት መወዳእታ ዓለም እዮም አይበሎምን። ብዙሓት ምስ ዘመና ዝጓነፍ ጸገማት ብምርአይ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ እናበሉ ዘይናቱ መገዲ ዝነግሩ ብፍላይ አብ እዋና አይወሓዱን አለዉ ስለዚ ርኢኻ ምኽአል የድሊ። እዚኦም አብ ኩሉ ጉዕዞ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝገጥሙ ፍጻሜታት ምኽኖም ታሪኽ ይነግረና።

አብ ትምህርቲ እምነትና ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰብ መፈጸምታታት ክልተ ነገር አለዉ ብዝያዳ ክነስተውዕለሎም ዘሎና።

·         አብ ሞት ነፍስወከፍና መወዳእታትና እዩ፥ ምስ ሞትና ሽዑ ጸብጻብ ሕይወትና አብ ቅድሚ አምላኽ ነቕርብ። አብ ዳግማይ ምጽአቱ ምስ ክርስቶስ ዚግበር መወዳእታ ርክብ እዩ ዚጥምቶ። ግና ኸአ ነፍስወከፍ ብኡብኡ ብድሕሪ ሞቱ ብመጠን ተግባራቱን እምነቱን ዓስቡ ከምዝቕበል፥ ሓዲስ ኪዳን ደጋጊሙ ዜረጋግጾ እዩ። ናይቲ ድኻ አልአዛር ምሳሌ ኮነ፥ አብ መስቀል ኮይኑ ኢየሱስ ነቲ ብየማኑ ዝተሰቕለ ሰራቒ ዝበሎ ቃላት ኩሉ አብነት እዩ። ነፍስወከፍ ሰብ አብ ጊዜ ሞቱ ንሕይወቱ ምስ ክርስቶስ ብዘነጻጽር ብናይ ፍላይ ፍርዲ፥ አብታ ዘይትመውት ነፍሱ ዘለዓለማዊ ቅጽዓቱ ይቕበል። (ሓ/ት/ክ 1021/1022)። ሰብ ብግሉ ድሕሪ ሞቱ አብ ቅድሚ አምላኽ ስለ ዝቐርብ ክሰናደወሉ ከምዝግባእ ክፈልጥ አለዎ። ከይተሰናዶኻ ሞት ከም ሰራቒ ከይተመጽአካ ዓቢ ምስትውዕል ይሓትት።

·         ሓባራዊ ፍርዲ፡ አብ መጨረሽታ ዓለም ሓባራዊ ፍርዲ አሎ። ቅድሚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ትንሣኤ ሙታን ማለት ናይ ጻድቃንን ኣጥአንን ክልቲኦም ትንሣኤ (ግ.ሓ. 24፡15) ኪፍጸም እዩ። እዚ ኸአ እቶም አብ መቓብር ዘለዉ ኵላቶም ድምፁ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ. . . . . ሽዑ እቶም ሠናይ ዝገበሩ ናብ ትንሣኤ ሕይወት እቶም ክፉእ ዚገበሩ ድማ ናብ ትንሣኤ ኵነኔ ኪኸዱ እዮም (ዮሓ 5፡28-29) ድሕርዚ ክርስቶስ ብኽብሩ ኪመጽእ እዩ፥ ኵሎም መላእኽቱዉን ምስኡ. . . . ኵሎም አሕዛብ ድማ አብ ቅድሚኡ ኪእከቡ እዮም። ጓሳ ነባግዕ ካብ አጣል ከምዝፈላሊ ከምኡ ከአ ንሱ በብወገኖም ኪፈልዮም፥ ነባግዕ ብየማኑ፥ ነጣል ብጸጋሙ ኬቕውም እዩ. . .. . . ሽዑ እዚአቶም ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት፥ ጻድቃን ግና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኪኸዱ እዮም (ማቴ 25፡31፥32፥46)። እቲ መወዳእታ ፍርዲ ዚኸውን ክርስቶስ ብኽብሪ ምስተመልሰ እዩ። ነታ ዕለትን ሰዓትን ዚፈልጣ ግን አቦ ጥራሕ እዩ። ናይ እቲአ ዕለት እቲአ ምጽአት ዚውስን ከአ ንሱ ጥራሕ እዩ . . . .(ሓ/ት/ክ 1040)።

እዚ ሎሚ ዝተነበ ቃል አምላኽ ክንፈርሕ አይኮነን ተጻሒፉ ጉዳይ ሰማይ ከገድስና ስለ ዘልኦ እዩ። ቅ.ጳውሎስ ግና አኅዋተይ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትኃዝኑ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፍለጡ እደሊ አሎኹ. . . . አምላኽ ነቶም ንኢየሱስ አሚኖም ዝሞቱ ምስኡ ኸም ዘተንሥኦም ንአምን ኢና (1ተሰሎ 4፡13-14)፥ እናበለ ቅድሚ ሞት ክህልወና ዝግብኦ ርድኢትን ኩነትን ይነግረና። ጳውሎስ አብ ግ.ሓ. ንዝቐረቦ ክሲ ክምልስ እንከሎ ከምቲ ንሳቶም ዚትስፈዉዎ አነውን ጻድቃንን ኃጥአንን ካብ ሞት ከምዚትንሥኡ አብ አምላኽ ተስፋ አሎኒ፥ ስለዚ ኸአ እየ አብ ቅድሚ አምላኽ ኮነ አብ ቅድሚ ሰብ ብንጹሕ ሕልና ኽነብር ዝጽዕር ዘሎኹ (24፡15-16) ይብል።

ሓዋርያ ጳውሎስ ናይ ሓደ ክርስትያን ሕይወት መለለይኡ ስንድዉ ዕጡቕ ክኸውን ከምዘለዎ እሞ ብሃንደበት ሞት እንተ መጽአት ዘፍርሕ ዘይብሉ ኮይኑ ክነብር እዩ ዘልኦ ይብለና። ንሕና ዘንጋዕትን ከምኡ ዋኒን ዓለምን ጣዕሙን ዓዚዙና አብ ካልእ አተኲርና ኢና ንነብር። እዚ ሕማም ካብ ቀዳሞት ወለድና ዝወሰድናዮ እዩ። አብ ውድቀት አብ ጥልመት ዝዘንበልና ኢና። ስለዚ ንቕሓት ምስትውዓል የድልየና። ጊዜ ጾም ብዝያዳ ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና ክንክእል፥ እዚ ምድራዊ ሕይወትና ሓደ መዓልቲ ዝውዳእ ምዃኑ አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ አምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ከምዝኾና ክንሓስብ ዝሕግዘና እዋን እዩ።

ጉዕዞይ ከመሎ አትኩሮይ አበይ እዩ ዘሎ ኢልና ክንሓስብ ንሕተት አሎና። ዓለምን ሰይጣንን ተዓዊቶምልና ከይህልዉ ክንበራበር እሞ አድራሻና አብ መገዲ አምላኽ ክንመልሶ ይግብአና። ምናልባት ሰባት አብ ጎንና አብ መገዲ ጸጋም እንተ አለዉ እውን ሓፍተይ/ሓወይ አብ የማን ተመለስ ክንብል እዋኑ እዩ። ነዚ ክንገብር ድፍረት ትብዓት ቅድስና ለቢስና እምበር ንርእስና አብ ጸልማት እንከሎና ብዛዕባ ብርሃን ክንዛረብ አየማዕርገልናን እዩ።

ቅ. ጴጥሮስ መዓልቲ ጎይታ ግና ኸም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ. . . . ስለዚ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብአኩም? ነታ አምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እናአቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃትን እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም. . . ንሕና ግና ሓዲስ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ አሎና” (፪ጴጥ 3፡10-ፍ) እናበለ ሞት ከመይ ኢላ ከም እትመጽአናን ብኸመይ ተሰናዲና ክንጸንሓ ከምዘሎና ይነግረና። . . ነዚ እና ተጸበኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘለኩም ኮንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ ይብለና። አምላኽ ክም ምሕረቱ እምበር ከም በደለና አይከደናን ኩሉ ጊዜ ብትዕግስቲ አብኡ ክንምለስ ይጽበየና። ከምቲ አብ ሉቃስ 15 እነንብቦ ንኹልና ዓለም ውሒጥና አብኡ ክንምለስ ጸጊሙና እንከሎ ወደይ ጓለይ ሎሚዶ ጽባሕ ይምለሱኒ ይኾኑ እናበለ ይጸበየና አሎ።

ጊዜ ጾም ጊዜ ምምላስን ጊዜ ንስሓን እዩ፡

ዝዓበየ መልእኽቲ ጾም አርብዓ አብ አምላኽ ክንምለስ መገድና አብቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ክንጉዓዝ እዩ። ነፍስወከፍ አማናይ አብ መአዲ ንስሓ ክአቱ ሎሚ አፍደገ ተኸፊቱ ክንአትዎ ንሕተት አሎና። እናሰማዕና ከምዘይሰማዕና እና ረኤና ከምዘይረኤና ኮና አይንኽድ። ደቂስና እንተ አለና ንበራበር፥ ተጋጊና እንተ አሎና ንመለስ፥ ጠፊእና እንተሎና ዓዲ ንእቶ።

ካብቲ ካብ አምላኽ ከዊሉ አብዘይ ገዛናን ዓድናን ሒዙና ዘሎ ግብሪ ጸልማት ክንወጽእ እሞ ክንምለስ እዋኑ እዩ። አብ ገለ እዋን ክትምለስ መገዲ ክትፈልጥ አድላይ እዩ። ንዓመታት ዘይከድካዮ መገዲ ክትፈልጦ ቀሊል አይኮነን። ንመገዲ አምላኽ ልምምድ ክነጥሪ እዋኑ እዩ። ጾሞና ለቢስና ክንጽሊ፥ ናይ ምሕረት ስራሕ ክነዘውትር፥ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ክንወጽእ ክንውስን፥ እንከሎና ነቲ መገዲ ተተሓሒዝናዮ አሎና ማለት እዩ።

ኃጢአትና ተአሚና ክንክእል አሎና። አብ ውሽጥና አቲና ንዘሎና ድኽመት ክፍአት ኃጢአት ተአሚና ክንናዘዝ። ንብዙሓት ሎሚ ምስጢረ ኑዛዜ ጠፊእዎም ሓንቲ ኃጢአት ከምዘይብሎም ኮይኖም ዝነብሩ አለዉ። ብኃጢአትኩም ተአሚንኩም ተነስሑ ይብለና አሎ ክርስቶስ ጎይታ። ልብና ክልስልስ እንተ ኸአለ ጥራሕ ኢና ክንሳሕ እንኽእል ልብና ደረቑ ከም ከውሒ ተሪሩ እንተሎ ክንሳሕ ከቢድ እዩ ስለዚ ጭካኔ መንፈስ ሓዲግና አብ ርሕሩሕ አምላኽ ንመለስ።

አብ እምባ ሕይወትና ደይብና ነቲ ከአልኩሉ ዝኾነ አምላኽ ክነዕልሎ ክንሰምዖ ፍቓደኛታት ኮና ንረኸብ እሞ ሽዑ ዝመጸ እንተ መጸ አይከሰንብደናንን እዩ። ሰብ ዝስንብድ ከይተሰናደወ ክጸንሕ እንከሎ እዩ። ክርስቶስ ልብኹም አይሸበር አነ ምሳኹም አሎኹ ይብለና አሎ ስለዚ ከይተረበሽና አብ አምላኽ ንጽናዕ።

ዘሎናዮ ዘመን ንንስሓ ዝናገር ዝሐኤ ኮይኑ እዩ ዝርአየካ። ዓለም ብዓለሙ ብሕማም ብስእነት ቍጠባ ብውግእን ዓጸባን፥ ቅትለት ጥፍአት ክሕደት ተጨኒቑ ሰብ ዓቕሉ ጸቢብዎ መለለዪ እዋና ኮይኑ አሎ። እንታይ ንግበር? ኢየሱስ መልሲ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ይነግረና ክልተ ክዳን ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ። ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር እናበለ ንኹሎም ዝሓተትዎ ምስቲ ዝነብርዎ እናአዛመደ ነጊርዎም። አብ ግ.ሓ. 2፡37 ቅ. ጴጥሮስ ንሰማዕቱ ልቢ ዝትንክፍ ምስ ሰበኸ እንታይ ንግበር ኢሎም ሓቲቶሞ ንሱ ኸአ፥ ተነስሑ፥ ኅድገት ኃጢአት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸአ ነፍሲ ወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ እግዚአብሔር ዚህቦ መንፈስ ቅዱስ ከአ ኽትቅበሉ ኢኹም ኢልዎም። ሎሚ ንኹልና ዝብሃል ቃል እዩ። አብ ልብና ተመሊስና ንአምላኽ ዝበቅዕ ንስሓ ንግበር።

አምላኽ ጸግኡ አውሪዱ አብ እምነቱን ፍቕሩን እንጸንዕ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

02 April 2021, 12:57