ጸሎተ ኃሙስ ሚያዝያ 21 2013 ዓ.ም. (29 ሚያዝያ 2021)

ምስባክ፡ወሰራዕከ መአደ በቅድሜየ፡ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፤ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ። አብ ቅድሚ ጸላእተይን ዝሳቕዩንን መአዲ ሰረዕካለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቀባእካዮ መዝ. 23፡5።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 11፡22-3፤ 1ጴጥ 2፡12-25 ግ.ሓ.27፡8-33፤ ማቴ 26፡26-30።

ጸሎተ ኃሙስ ማእከል ምስጢር ሕማማት ክርስቶስ ክንዝክርን ዕሞቕ ምስጢር ሞት መድኃኒናን ናታትና ሱታፌ አብ ተሳትፎ ሕማማቱ ክዓዝዝን ዝሕግዘና ፍሉይ ዕለት እዩ። አብዚ ምስጢር እምነትናን ናይ ነፍስወከፍና እሽታ ዝሓትት ዕለት ክንዝክር ከሎና አብቲ ንባባትና አተኩርና ክርንእዮ ከሎና ንሓዲስ መንፈስን ተበግሶን ዝድርኸና ሃዋሁ ይፈጥረልና። ጸሎተ ኃሙስ ናይ እቲ ኩሉ ተልእኮኡ መዛዘሚ ገርና ክንርእዮ ንኽእል። ኢየሱስ አብ መንጎ ሓዋርያቱ ክነብር ደልዩ ግን ብፍሉይ መልክዕ ኅብስትን ወይንን ለቢሱ አብ መንጎ አመንቱ ክነብር ደልዩ። እዚ ፍሉይ ርክብ በብዕለት ክሕደስ እንከሎ ምሉእ ውህደት ከም ነጥሪ ይገብረና። ነዚ አብ ቅድሚ ሞቱ ዘላ ሓሙስ ንበይኖም አብ ፍሉይ ቦታ ወሲዱ ሰርዓሎም። በዚ ቅዱስ ዕለት ብፍሉይ እንዝክሮ፡ ቅዱስ ቍርባን ዝሰርዓላ፥ ክህነት ዝሰርዓላ፥ ከምኡ ሓዲስ ትእዛዝ ፍቕሪ አብ አገልግሎት ዝተመስረተ።

ምንጪ ናይ ቅዱስ ቍርባን ሓዲስ ኪዳን አብቲ አብ ዘጽአት 12፡1-8፥ 11-14 ዘሎ መሰረት ገርና ክንርእዮ ንኽእል። እግዚአብሔር ንሙሴ ምስ ገለጸሉ ንህዝቢ አኪቡ ቅድሚ ካብ ግብጹ ምውጽኦም ከምዚ በሎም “አብ ዕለት 14 ሚያዝያ ምሸት ፀሓይ ምስ ዐረበት ኩሎም ሓደ ተባዕታይ ገንሸል በግዕ ወይ ጠል መኸላእታ ዘይብሉ ይሕረዱ፥ ምስ ሓረድዎ በቲ ደም ገሮም ልዳውቶም ይልከዩ፥ ለይቲ አምላኽ ብመልኡኹ ገሩ ንኹሉ ገዛውቲ ክሓልፎ እዩ ነቲ ብደም ዝተለኸ ክሓልፎ እዩ ነቲ ዘይተለኸ ግን ንኹሎም በኹሮም እንስሳ ከይተረፈ ክቐትሎም እዩ ኢሉ ነገሮም። እዚ ናይ አምላኽ ምሕረትን ከምቶም ካልኦት ከይተቐትሉ ምትራፎም ክዝክሩን ከምኡ ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ዝወጹሉን ንምዝካር ፋሲካ አብ ዓዓመቱ የብዕሉ። ፋሲካ አይሁድ ነጻነት ካብ ባርነት ግብጽን ነቲ ነውሕን ጽንኩርን ጉዕዞ አብ በረኻ ሲናይ ንምድረ ተስፋ ዝገበርዎ ዘዘኻኽርን እዩ። እቲ ብዓላ ፀሓይ ምስ ዓረበት በግዕ ፋሲካ አብ ቤተ መቕደስ ምስተሓርደ 14 ሚያዝያ ይጅምር፥ ንሓደ ሶምን ምሉእ ቈጺሎም የብዕልዎ። አብዚ ምስኡ ዘይበዅዔ ቅጫ ይብላዕ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ዝሰርዖ እዩ። ነዚ መግቢ ንሶምን መመላእታ ይበልዕዎ እዚ ኸአ መዘከሪ ናይ እቲ እስራኤላውያን ዝረኸብዎ ግፍዒ ንምዝካርን እቲ ካብ ባርነት ክወጽኡ ዝገበርዎ ቅልጡፍ ጉዕዞን ንምዝካር እዩ። እዚ ብዓል ፋሲካ አይሁድ ንአምላኽ ከመስግኑ ንኹሉ ዝተገበረሎም ከምኡ ንዝመጽእ ጽቡቅ ተስፋ ንምርካብ በብዕመቱ ዘኪሮሞ ይውዕሉ።   

አብ ስርዓት ፋሲካ አይሁድ ብዙሕ ምልክታት ነቲ ክርስቶስ አብ ምስራዕ ቅዱስ ቍርባን ዝተጠቕመሉ አገባብን ነገራትን ዝሕብር ንረኽብ። እቲ በግዕ ብዘይ ሓደ ጉድለት ንመስዋዕቲ ዝቐርብ አምሳል ኢየሱስ እዩ (2ቆሮ 5፡21)። ንሱ ምእንቲ ሓጢአትና በጃ ዝውሃብ እዩ። እቲ ዘይበኹዕ ቅጫ ኸአ ናታትና አብቲ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስታፍና እዩ፥ ንሕና አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንሳተፍ እንከሎና ኩሉ ዘድለየና ጸጋታት ንቕበል እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ክንቀውም ንኽእል። እቲ አብ ልዳት ዝልከ ደም ከአ አምሳል ደም ክርስቶስ እዩ። ኢየሱስ ብደሙ ይሕልወና።

ኢየሱስ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ምስ አርድእቱ ፋሲካ አይሁድ አብዒሉ። አብቲ ዘብዓሎ ፋሲካ ግን ናይ ገንሸል መስዋዕቲ አይነበረን ምኽንያቱ ባዕሉ ኢየሱስ ገንሸል ኮይኑ ንመስዋዕቲ ክቐርብ ስለ ዝኾነ። አብ መአዲ ምስተቐረቡ ህብስቲ ወሲዱ አመስጊኑ ቆሪሱ ከምዚ እናበለ ሃቦም፥ “እዚ ሥጋይ ምእንታኻትኩም እዩ፥ ንዝኽረይ ክአ ግበርዎ እናበለ ሂብዎም (1ቆሮ 11፡24)። ድሕሪኡ ድራር ንጽዋዕ አልዒሉ “እዚ ጽዋእ እዚ ብደመይ ዝኸውን ሓዲስ ኪዳን እዩ፥ ብትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ (1ቆሮ 11፡25)። ነዚ እንገራዚ ብትበልዕዎ ነዚ ጽዋዕ እዚእውን ብትሰትይዎ ኹሉ ክሳዕ ጎይታ ክሳብ ዝመጽእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።

ቃላት ኢየሱስ አብ ጸሎተ ኃሙስ ነቲ ናይ አብ ብሉይ ኪዳን እግዚአብሔር ምስ ደቂ እስራኤል ዝአተዎ ተኪእዎ። እዚ ሓዲስ ኪዳን ምስ ደቂ ሰብ አፍደገ መንገስተ ሰማያት ንኹሎም እቶም አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምኑን ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉን ከፊቱ። በዚ አብ ኃሙስ ጽግቦ ዝተፈጸመ እንምሃሮ ኩልና ደቂ ሰባት አብቲ ክርስቶስ ዝሰርዕልና ብምሉእ ክንሳተፍ ከምዘሎና ንርኢ። አብኡ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ተቐቢልና ሞቱን ትንሣኤኡን ንዝክር።

አብ ወንጌል ዮውሓንስ 13፡1-15 እንተ አንበብና ጽሩያት ክርስትያን ክንብሃል ትሕትና ክንለብስ ከም ዝግብአና ይነግረና። ነቲ ጸቒቱ ዝሕዘና ንብረትና ነገራትና ሎሚ ክንሓድጎ ምስኡ ዘሎና ፍቕሪ አብኡ ጥራሕ ከም እነተኩር እሞ ልዕሊ ኹሉ ንዝኾነ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየና ከይንርስዕ የዘኻኽረና። ከምቲ ንሱ ብሞቱ ፍቕሩ ዝገለጸልና ንሕና እውን አብ አሕዋትና ፍቕርና ክንገልጽ ይግብአና። ከምቲ ክርስቶስ ዘገልገልና ንሕና እውን ንኻልኦት ክነገልግል ይግብአና። ንሱ ንሓዋርያቱ አእጋሮም እና ሓጸበ ንኻልኦት ከምኡ ግበሩ ኢልዎም ንአና እውን ከምኡ ክንገብር ሎሚ ይዛረበና አሎ።

ንሓውናን ሓፍትናን አእጋሮም ክንሓጽቦም ይግብአና።

ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብሞት ቅድሚ ምፍላዩ አብ ነነድሕዶም ዝግበር ርክብ አብ አገልግሎት አድሕድ ክምስረት አርእይዎም። ንሱ መምህሮምን ጎይትኦምን እንከሎ ተምበርኪኹ ክሓጽቦም እንከሎ ፍሉይ ነገር አርእይዎም። እቲ ካብኦም ዓቢ ዝብሃል ብዝተሓተ ከገልግል ከምዝግባእ ነጊርዎም። አብ ዓድና እግሪ ንጋሻ ንዓቢ ሰብ ከምኡ ካብ ነውሕ መገሻ ዝመጽኤ ምሕጻብ ልሙድ ነሩ። እዚ ኸአ ፍቕሪ ንምርአይ እዩ፥ አገልግሎት አብ ፍቕርን ትሕትናን ክምስረት እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ በረኸት አልኦ። አገልግሎት አብ ስድራ ትጅምር በበደረጅኡ እናዓበየ ይከይድ አብ መጭረሽታ ዝለዓለ አገልጋሊ ብዓለም መራሕ ያገር ብመንፈስ ከአ አቡናትን ርእሰ ሊቃና ጳጳሳትን እዮም። በዚ እዮም ጳጳስ ናይ አገልገልቲ አገልጋሊ ዝብሃሉ።

አብ አገልግሎት ዝተመስረት ፍቕሪ ጻማ አልኦ። 

ንአምላኽ ክንመስል ክነገልግል ናይ መምህርና ክርስቶስ ለበዋ እዩ። ከምቲ አቦይ ዝልአኸኒ እልእከኩም አሎኹ ዝበሎ ንሕና ኩልና ብጥምቀት ደቂ ክርስቶስ ዝኾና ጸዋዕታና ክነገልግል እዩ። ንአምላኽን ንሰብን ክነገልግል ከሎና ሽዑ መልክዕ ተፈጥሮና ለቢስና አሎና ማለት እዩ። አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ከምኡ አብ ነነድሕድና ዘሎ ርክብ ክዓቢ ሓልዮትን ፍቕርን ክንለብስ እሞ አምላኽ አብ መንጎና ከም ዝርከብ ክንገብር እጃምና ክንግብር አሎና። አገልግሎት ክብሃል እንከሎ ባርነት ማለት አይኮነን። በቲ አምላኽ ዝሃበካ ጸጋን ዓቕምን ንኻልእ በቲ አገልግሎትካ አብ አምላኽ ከም ዝቐርብ ምግባር ማለት እዩ። ክተግልግል መጀመርያ ፍቓደኛ ክትከውን አሎካ ሽዑ አብ ሓገዝ ወገንካ ክትወፍር ትኽእል። ብዘይድላይካ ዝግበር አገልግሎት ፍቕሪ ይጎድሎ ፍቕሪ ዘይብሉ ኸአ አምላኽ ዘይብሉ እዩ።

ዘገልግል ሰላም አልኦ። 

ክነገልግል ከሎና ምእንቲ አምላኽ ኢልና ስለ እንገብሮ ዕግበት መንፈስን ጸጋ አምላኽን የውርደልና። ክነገልግል ከሎና ክምለሰና ወይ ከአ ክንንአደሉ ኢልና እንገብሮ አገልግሎት ፍቕሪ የብሉን ግዝያዊ ስለ ዝኾነ አብ ዘይተደለ ትርጉም ክነእትዎ ቀሊል እዩ። ሰብ ንጽጉማት ንሕሙማት ንሽጉራት ንኹሎም ከገልግል ኢሉ ክወፍር እንከሎ ሰላም ምስኡ አላ ። ወንጌል ገበርቲ ሰላም ውሉድ እግዚአብሔር ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹአን እዮም ይብለና። ሰላም አብ አገልግሎት አድሕድ እያ እትርከብ። ንኸማና ዝበለ ሰብ ክንገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዘይኮና መገዲ ሰላም ክንረኽባ ክትከብደና እያ። ሰብ ሰላም ክጎድሎ እንከሎ አገልግሎት አድሕድ ጎዲልዎ አሎ ማለት እዩ።

ለብዋ ክርስቶስ ነነድሕድኩም አገልግሉ እዩ።

አርድእተይ ምዃንኩም ካብ ካልኦት ዝፈልየኩም ንኹሉ ብማዕረ ስለ እተገልግሉ እዩ። ክተገልግል አብ ገለ እዋን ካብ ስምዒትካ ካብ ድላያትካ ክትወጽእ አሎካ። ዘገልግል መስቀል ሽልማቱ ገሩ ጉዕዞኡ ክቕጽል አለዎ፥ ክተገልግል ከሎኻ ዝፈታተን ነገራት አሎ። ክትንአድ ምድላይ፥ ክትመልኽ ምድላይ፥ ዓስቢ ምጽባይ፥ ከምኡ ነቶም እተገልግሎም ፈላሊኻ ክትርኢ ምድላይ ወተዘ። ከምአገልገልቲ መጠን ክጥዕመና ክንጽበ የብልናን፥ መድኃኒና አይጠዓሞን ኩሉ ብአንጻሩ ውርደት ስቓይ ሞት አምጺእሉ፥ ንሕና እውን ከምኡ እዩ ዕጫና ስለዚ አብ እንወፍሮ አገልግሎት ዕጥቅና ድልዱል ክኸውን አለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ኩሉ ጽሑፋቱ አገልገሊ ክርስቶስን ማሕበር ክርስቶስን ከምዝኾነ ይገልጹ ንጢሞቴዎስ ከምኡ ንካልኦት ክጽሕፈሎም እንከሎ እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስ ኩኑ ይብል። ዘገልግል አገልግሎቱ አብ ክርስቶስ እንተ አተኮረ ጥራሕ እዩ ዓስቢ ዝህልዎ።

አብ አገልግሎት ፈተና ኩሉ ጊዜ አሎ፡

ዘገልግል ፈተና ኩሉ ጊዜ ከም ዝጓነፎ ክዝንግዕ የብሉን። አብ ገለ እዋን ነቲ አገልግሎትካ ስለ ዘይርድእዎ ብአንጻሩ ውርደት ከምጽአልካ ይኽእል እዩ፥ እዚ ንብዙሓት ሰበኽቲ ወንጌል ዝጓነፍ መስቀል እዩ። አብ ገለ እዋን ክተገልግል ምስጀመርካ አገልግሎትካ አብ ክብሪ አብ ዝና ርእስኻ ጥራሕ ምስ  አተኮረ ካልእ መንፈስ ብቐሊል ይወርሰካ አብ ክንዲ እተገልግል ከገልግሉኻ ትደሊ ድሕሪኡ ንዘየገልግሉኻ ክትጸልእ ሕነ ክትፈዲ ትቃለስ። አገልግሎት ክብረት ሥጋ የብሉን ንአምላኽ ርኢኻ ክትገብሮ ከሎኻ ጥራሕ እዩ ካብ ፈተናን ካብ ዝኾነ ዘይናቱ ትርጉም ምሃቡ እትድሕን። ንሕና ብባህርና ክብሪ ሞጎስ ትዕቢት ዘጥቅዓና ስለዝኾና ነዚ ድኹም ባህርና ክነሸንፎ በርቲዕና ክንቃለሶ አሎና።   

አብ መአድ ክርስቶስ ክንሳተፍ ይግብአና፡

ክርስቶስ መአዲ ፍቕሪ ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሰርዐ ንሓዋርያቱ እንኩም ብልዑ እንኩም ስተዩ እናበለ ሃቦም እሞ ኩሉ ጊዜ ንዝኽረይ ግበርዎ ኢሉ ትእዛዝ ሂብዎም። ኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን ብምልኡ ይነብር። አምሳል ወይ ከአ ብኸፊል አይኮነን አብኡ ዘሎ ብምልኡ እዩ አብኡ ዘሎ። ነዚ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ዝሃበ አምላኽ ከም ለበዋኡ ክንቅበሎ ግቡእ እዩ። “ሥጋ ወድሰብን ደሙን እንተ ዘይተሳተፍኩም አባኹም ሕይወት የለን” ይብለና። አብ ሕይወትና ብሕይወት ክንንቀሳቐስ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ከምቲ ዝግባእ ተሰናዲና ክንቅበል አሎና። አብ መአዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ፡

ካብ ሓጢአት ክነጽሕ አሎና።

አምላኽን ሓጢአትን ብሓንሳብ ክርከቡ አይክአልን እዩ። ሥጋን ደምን ክርስቶስ ክንቅበል እንተኾና ሕይወትና ክንምርምር አሎና። ንመን ከም እትቕበል ምፍላጥ የድሊ፥ ልምዲ ኮይኑ ከይተሰናዶኻ ምቕባል አብ ርእስኻ ኩነኔ ከምኡ ንሥጋን ደምን ክርስቶስ ምርኻስ ስለ ዝኾነ ክንጥንቀቕ አሎና። ክነጽሕ ክንናዘዝ አሎና። ምስጢረ ኑዛዜ ዘዘውትር ሰብ ካብ አምላኽ ርሑቕ አይኮነን። አብ ዝረስሐ ልብና አምላኽ ከይንቕበል ሓደራ። ትሕትና ለቢስና ብሓጢአትና ክንእመን ይግብአና።

አብ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ ብሓቂ ከም ዘሎ ክንአምን አሎና።

እዚ ሥጋይ እዚ ደመይ እዩ ክብለና ከሎ እቲ ማንም ህብስትን ወይንን አብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዝቕየር ክንአምን ኢሉ እዩ። እቲ ዝርአ ግዳማዊ መልክዕ ህብስትን ወይንን ከም ዝኾነ ክንርዳእ አሎና። አነ አብ ቅዱስ ቍርባን ንክርስቶስ ብርእሱ እየ ዝቕበል ስለዚ አብኡ ምስ ክርስቶስ እራኸብ ማኅደሩ እኸውን ቤተ መቕድስ አምላኽ እኸውን። ነዚ ዓቢ ምስጢር ከም ህያብ አብ ጸሎተ ኃሙስ ሂቡና። ቅዱስ ጳውሎስ አብ 1ቆር 11 ብፍሉይ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን የስተምህር። “ከይተገብኦ እንገራ ጎይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጎይታ ዚሰቲ አብ ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን እዩ ዚዕግብ፥ እምብአር ሰብ ካብዚ እንገራ እዚ ቅድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር” (1ቆሮ 11፡27-28)። ንኢየሱስ ክንቅበል ከሎና ሕልናና መርሚርና ተነሲሕና ክንቀርብ አሎና።

ቅዳሴ መአዲ አሕዋት እዩ።

ክርስቶስ ምስ ሓዋርያቱ እንከሎ ምስ ኩሎም እንከሎ ሰሪዑልና። ኩሎም ካብቲ መአዲ ተሳቲፎም ይሁዳ ከይተረፈ ተሳቲፉ እዩ። ባሕርይ ቅዱስ ቍርባን ንኹሉ ምዃን እዩ። በዚ እዩ ኩሉ ጊዜ ቅዳሴ ምስ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ ሓቀኛ መልክዑ ዝለብስ ንብል። አብ መአዲ ክርስቶስ ዘይሳተፉ ሎሚ ክሳተፉ ክንዕድሞም ክነምጽኦም ሓላፍነትና ምኻኑ ክንሓስብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ብዓልና ይሕብረና። ንኹሉ ዓለም አርድእተይ ግበርዎም ዝብላ ቃላት ሓላፍነት የልብሳና። ንሰባት አብ ክርስቶስ ከም ዝቐርቡ ምግባር ናይ ኩልና ሓልፍነት እዩ። መአዲ ክርስቶስ ዝሳተፎ ክውሕድ እንከሎ ክርስትናን ደኺሙ አሎ ማለት እዩ። ዘመና ከመሎ ቁምስናና ከመሎ እናበልና ክንሓትት ግቡእና እዩ። በተክርስትያን አብ ወርሓት ፈሲካ ተናዚዝካ ቁረብ ትብለና። ንሥጋ ክርስቶስ ብማዕዶ ጥራሕ ክንርእዮ መተቐበልኩኻ እንተኾነ አይተሰናደኹን ጥራሕ ምባል እኹል አይኮነን ዝግባእ ምስንዳው ገርና ክንቅበል አሎና። ንንስሓ ክንደፍሮ አሎና። ወላ እኳ ሥጋና አብ ገለ እዋን አይስዕርን እንተ በለና ሎሚ ክንስዕሮ አሎና።

አብ ጸሎተ ሓሙስ ክርስቶስ ቅዱስ ቍርባን ጥራሕ አይኮነን ሰሪዑ፥ በዚ ዕለት ከም ልምዲ ምስጢረ ክህነት፥ ምስጢራ ንስሓ፥ አብ አገልግሎት ዝተመስረት ፍቕሪ ሰሪዑልና። ንሓዋርያቱ ንኹሉ ክመርሑ ከስተምህሩ ድላዩ ክፍጽሙን አብ መጻኢ ክመርሑን ከም ዘለዎም ነጊርዎም። ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ምስጢረ ድኅነት ክቕጽሉ ምእንቲ መጋበሪ ዝኾኖም ምስጢራት ሰርዓሎም። እዞም ምስጢራት እንብሎም ኩሎም ካብ አምላኽ ብዝርአ ምልክት ንዘይርአ ጸጋ አምላኽ የውህቡና። ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ክርስቶስ ብርእሱ አባና ይሓድር መንፈስ ቅዱስ ንቕበል፥ ደቂ ትንሣኤ ምዃና ንምስክር።

በዚ ሕሩይ ዕለት ንአምላኽ በቲ ኩሉ ዝሃበናን ዝገበረልናን እናአምሰገና ሕጂ እውን ከምቲ ንሓዋርያት አብ መንግኦም ሓዲሩ ዝሓገዞም ንሕና እውን አብ መንጎና ሕደር ንበሎ።

አደ ሓዋርያት ንዝኾነት ማርያም ነቲ ካባኺ ዝወስዶ ሥጋኡን ደሙን ክህበና ከሎ ንአኺ እዩ ሂቡና ስለዚ ንሥጋ ወድኽን ደሙን ክንቅበል ከሎና ብርእሱ ዝኾነ አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ኢና እንቕበል እሞ ብንጹሕ ሕልናን ብምስንዳውን ክንቅበሎ እሞ ምስኡ ሓድነትን ብርቱዕ እምነትን ክነሕድር ሓግዝና ንበላ። አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎኻ ክርስቶስ ጓስየና መግበና ኩሉ አበሳና ሓዲግካ ናትካ ግበርና ንበሎ።

ንኹልኹም ብክህነት አሕዋተይ በዚ ብሩኽ ዕለት እቲ አብ ጸግኡ ተሳተፍቲ ክህነቱ ዝገበረና ሎሚ ብዝተሓደሰ መገዲ አብ አገልግሎቱን አብ አገለግሎት ቤተክርስትያኑ ከምቲ ንሱ ዝደሎ ክነገልግሊ ከምቲ ንሓዋርያቱ ዝመርሐን ዝሓገዘን ሎሚ ንአይን ንአኻትኩምን ብፍሉይ ክሕግዝ ብፍሉይ አብ ጸሎተይን አብ ፍሉይ መስዋዕቲ ቅዳሴን እዝክረኩም። አምላኽ ክህነትና ባሪኹ ብብርሃኑ ተልእኮና ፍርያምን ንቤተክርስትያን ዝጓስን ይግበረልና።

ክቡራን ምእመናን ብጸጋ ጥምቀት አብ ሓባራዊ ክህነት ተሳቲፍኩም ኢኹም እሞ ሎሚ እውን ጸዋዕታኹምን ንመድኅንኩም ብእምነት ክተገልግሉን ክትልአኹን ልብኹም ክፈቱሉ መብጽዓኹም ሓድሱ። ሥጋኻን ደምካን ተመጊብና እሙናት መጓሰኻ ክንከውን ሎሚ እውን ርድአና በልዎ።

ደቂ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኮና አብ ሓደ ክርስቶስ ሓቢርና ፍቕርን ሕውነትን አንጊስና መራሒናን ትምክሕትና ንክርስቶስ ገርና በዚ ብሩኽ መዓልቲ መብጽዓናን እምነትና ንሓዲስ። ምስ አደ ቤተክርስትያን ዝኾነት ማርያም ኮና አብ ወዳ ንቕረብን ንተዓረቕን።

ርሑስ ብዓል ጸሎተ ኃሙስ 2013 ዓ.ም.

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

29 April 2021, 11:59