ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ፥ ሰላምን ፍትሕን ኣገልጋሊ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ፥ ሰላምን ፍትሕን ኣገልጋሊ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ 

ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ፥ ሰላምን ፍትሕን ኣገልጋሊ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ

ኣብ 1979 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ያጉኣ ጳጳስን ኣብ 1988 ዓ.ም. ካርዲናል ከምእተሰመዩን፡ ካብ 1991 ክሳብ 2009 ዓ.ም. ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳስን ናይ ካመሩን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉን

ቀዳማይ ካመሩናዊ ካርዲናል ቱሚ፥ ሰላምን ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍሉይ ዘነቓቕሑን ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 3 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ብኡነ ሳሙኤል ክለዳ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዱኣላ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ክሪስቲያን ዊይግሃን ቱሚ ዕለት 3 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ወጋሕታ ከምዝዓረፉን ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ፥ መላእ ሕይወቶም ኣብ ሃገሮም ሰላምን ምሉእ ምዕባለን ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ብቓልን ሕይወትን ዘገልገሉን ኣብ 2019 ዓ.ም. ንሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ብምቅዋም ማዕርነት ሰብኣዊ ፍጥረቲ ኣብ ምንቕቓሕ ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ እውን ነልሶን ማንደላ ስልማት ተሰላሚ ንምዃን ከምዝበቕዑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገሮም ቋንቋ እንግሊዘይና ተጠቀምቲ ዜጋታት እቲ ዘጋጥሞም ኣድልዎን ተነጽሎን ብምቅዋምን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝተኣታተወ ግጭትን ዓመጽን ክወገድ “ሕይወት እውን ዘኽፍል እይኹን ሰላም ክረጋገጽ ብመጋበርያ ሰላም ምዕያይ ግዴታ ኣሎና” ዝበሉን ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ክሳብ ምዝዛም ምድራዊ ሕይወቶም ከም ዘገልገሉ ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክለዳ ከምዝገለጽዎም ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ካመሩን ናይታ ሃገር ተጠቓሚ ቋንቋ እንግሊዝይና ዞባ ኣምባዞኒኣ ናጽነት ዝቃለሱ  ዕጡቓት ሓይሊ ብጹዕነቶም ዘካይድዎ ዝነበረ ናይ ሰላም ጐስጓስ ብምቅዋም ተጨውዮምን ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት እውን ናጻ ከምእተለቁ ክዝከር እንከሎ፥ ኣብ 1979 ዓ.ም. ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ያጉኣ ጳጳስን ኣብ 1988 ዓ.ም. ካርዲናል ከምእተሰመዩን፡ ካብ 1991 ክሳብ 2009 ዓ.ም. ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳስን ናይ ካመሩን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻየዱ ሲኖዶስ ብፍላይ ኣብ 1994ን ኣብ 2009 ዓ.ም. ዛዕባ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመኸረ ክልተ ሲኖዶስ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ምስ ተነግሮም፥ “ዜና ዕረፍት ሓው ካርዲናል ክርስቲያን ቱሚ ምስ ሰማዕኵ ዓቢይ ሓዘን ከምእተሰመዓኒ ኣናገለጽኩ፥ ንጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላትን ንስድራ ቤቶምን ፈተወቶምን በዚ ሓዘን ንዝተተንከፉን ኩሎም ጽንዓት ይሃብ ኣብል” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ናብ ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሳሙኤል ክለዳ ከምዘመሓላለፉን፥ “ብጹዕ ካርዲናል ቱሚ ኣብ ሃገሮም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕይወት ዘይርሳዕ ምልክታ ሓዲጉም ዝሓለፉ እዮም” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 April 2021, 15:02