መልእኽቲ ፋሲካ 2013 ዓምግ (2021) ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ

“ኦ ሕዝበይ ኣሰምዓልኩም ኣሎኹሞ፣ ስምዑኒ፣ ኦ እስራኤል ኣየ እንተትሰምዑኒ፣ ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣይሃሉ፣ ንካልእ ኣምላኽ እውን ኣይትስገዱ----ሕዝበይ ግና ኣይሰምዑንን፣ እስራኤል ድማ ኣይተኣዘዙንን” (መዝ 81:8-9.11)
ብድምጺ ንምክትታል!

“ኦ ፥ እስራኤል ስማዕ!”

ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፣                      

እንሆ ሎምዘመን እውን፣ ብኃይሊ እግዚኣብሔር፣ ናብ ሰሙነ ሕማማትን በዓላት ትንሣኤን ብድኃነ ሰላም በጺሕና። ንኣና ንክርስትያን፣ በዓለ ትንሣኤ እቲ ዝዓበየ በዓልና ከም ምዃኑ መጠን፣ ዓመት መጽአ፣ ብዛዕባ እቲ ዓሚቚ ትርጉሙ ከነስተንትን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። መዝሙር ናይዚ በዓላት እዚ ከምዝሕብረና፣“ፋሲካ ብሂል ማዕዶት፣ እስመ ዐደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት”፣ ጐይታና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ፣ ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ ይብል። እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ከውጽኦም ከሎ፣ መጀመርያ፣ ንልዳት መዓጹ ገዛውቶም ብደም እቲ ገንሸል ፋሲካ ክቀብኡ ኣዘዞም። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ንቦኽሪ ኣወዳት ግብጺ ክቐትል ዝተላእከ መልኣኽ፣ ንደቂ እስራኤል ከይቀተለ ሰገሮም፣ ወይ ኃለፎም። ከምኡ እውን ግብጻውያን ኣርኪቦም ክሕዝዎም፣ ደድሕሪኦም ይጎዩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ እግዚኣብሔር ንባሕሪ ኤርትራ (ቀይሕ ባሕሪ) ኣብ ክልተ መቒሉ ንእስራኤላውያን ብንቁጽ መሬት ኣሳጊሩ ንሰራዊት ግብጺ ግን ኣብቲ ባሕሪ ከምዝጥሕሉ ገበሮም (ዘጸ 14:131ረአ)። ኣብ ደብረ ሲና ድማ 10 ትእዛዛት ብምሃብ ምስ ሕዝቢ እስራኤል፣ ኪዳን ተኸለ (ዘጸ 20:1-26 ረአ)። እዚ ሓራ ዘውጽእ ምስጋርን (ፋሲካ) ጉዕዞን እዚ፣ ንሕዝቢ እስራኤል ዘይርሳዕ ተዘክሮ ኮኖም። በዚ ምኽንያት ከኣ ዓመት ዓመት ብዓብይ ክብርን ምስጋናን ከብዕልዎ ጀመሩ። እዚ በዓል እዚ ናይ ሓጐስን ምስጋናን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ተስፋ በዓል እውን እዩ ነቢሩ። ንሕዝቢ እስራኤል እቲ ቀደም ብኃያል ቅልጽሙ ሓራ ዘውጽኦም ኣምላኽ፣ እንደገና ከምኡ ብዝበለ ተኣምር ከድኅኖም ከምዝኽእል ወትሩ ክትስፈው ይሕግዞም ነበረ። ክሳዕ ሎሚ እውን ነቲ ዝተገበረሎም ዓበይቲ ተኣምራትን፣ ዘርኣዮም ትእምርትታትን ንውሉድ ወሎዶ ከዘንትው ይርከቡ ኣለው።

ትንሣኤ ክርስቶስ እውን ንኣና፣ ከምዚ ብዝበለ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን መንፈስ ክመልኣና ይግባእ። ፋሲካ ማለት ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምስጋር ማለት ስለዝኾነ፣ ትንሣኤ ክርስቶስ ንነፍስ ወከፍና መዓልቲ ሓርነት እዩ። ብወገን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ እቲ ንድኅነትናን ሓርነትናን ዘድሊ ምሉእ ብምሉእ ተፈጺሙልና እዩ። ምእንታና ተሳቕዩ፣ ሞይቱ፣ ተቐቢሩ፣ ተንሢኡ ሓዲስ ሕይወት፣ ሓርነት፣ ብርሃን ኣምጺኡልና። በዚ ምኽንያት ኢና ለይቲ ፋሲካ፣ “ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓብይ ኃይል ወስልጣን፣ ኣሰሮ ለሰይጣን፣ ኣግኣዞ ለኣዳም፣ ሰላም እምይእዜሰ ኮነ ፍስሓ ወሰላም” እናበልና እምነትና ንገልጽ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓዊቱ እዩ። ንሕናውን ምስኡ ምእንቲ ክንዕወት ዘድልየና ጸጋን መንገድን ቀሪቡልና እዩ። ንሕናኸ ብወገንና ነዚ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ጸጋታትን ሓርነትን ብምስጋናን ሓጐስን ተቐቢልና ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ናትና ክንገብሮ እንታይ ክንገብር የድሊ? ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ካብ ኃጢኣትን ካብ ሞትን ካብ ባርነትን ነጻ ኮይንና ምስ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣዲኡ ማርያምን፣ ኣቡኡ ዮሴፍን ኲሎም መላእኽትን ቅዱሳንን ክንጐዓዝ ዘኽእለና እንታይ እዩ? ንዝገበረልካ፣ ሓደው ግበረሉ ሓደው ንገረሉ ከምዝበሃል፣ ንሕናኸ ንዚ ምእንታና ዝተበጀወ ገንሸል እንታይ ንመልስ?

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፣ እስኪ ነዚ፣ “ኦ እስራኤል ስማዕ!” ዝብል ካብ መጽሓፍ ኦሪት ዘዳግም፣ 6:4፣ ዝተወስደ ኣርእስቲ ኣዕምቚ ኣቢልና ነስተንትንኖ። ክሳዕ ሎሚውን እስራኤላውያን መዓልቲ መጸ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ በዓላት ፋሲካኦም ብታሕጓስ ዘንብብዎን ዝጽልዩዎን፣ ዝሕበኑሉን ጠቕሲ እዩ። “ኦ እስራኤል ስማዕ!”፣ ሸማ እዝራኤል! ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ጸዋዒት ንነፍስ ወከፍ ኣይሁዳውን ንኲሎም ደቂ እስራኤልን፣ ኣዝዩ ክቡር ቃላትን ትእዛዝን እዩ። በቲ ሓደ ወገን ብሥራትን፣ ዕድመን ምትብባዕን እዩ፣ በቲ ካልእ ከኣ መዘኻኸርን መጠንቀቕታን እውን እዩ። እቲ ዝስማዕከ እንታይ እዩ? እንተበልና ነዚ ዝስዕብ ዘገርም መግለጺ ንረክብ።“ኦ እስራኤል! ስማዕ! እግዚኣብሔር ኣምላኽካ፣ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ፣ ብዂሉ ልብኻን፣ ብዂሉ ነፍስኻን፣ ብዂሉ ኃይልኻን ኣፍቅሮ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት፣ ኣብ ልብኻ ዑቖሮ። ንደቅኻ ምሃሮም፣ ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን፣ ኣብ መንገዲ ክትከይድ ከሎኻን፣ ኣብ ምድቃስካን፣ ኣብ ምትንሣእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ክኾነካ ኣብ ኢድካ እሰሮ። ከም ክታብ ድማ ኣብ ግንባርካ እሰሮ። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾ ኣፍ ደገኻን ድማ ጽሓፎ” (ዘዳ 6:4-9)። ንመን እዩኸ “ስማዕ” ዝብሎ ዘሎ? ንውልቀ ሰብ ድዩ ወይስ ንመላእ ሕዝቢ እስራኤል?። ንመላእ ሕዝቢ እስራኤል ኮነ፣ ንነፍስ ወከፍ እስራኤላዊ፣ ነቲ ሓደ ሕያው ኣምላኽ ምምላኽን፣ ንእኡ ጥራይ ምፍቃርን፣ ንእኡ ጥራይ ምትእዛዝን፣ እቲ ዝዓበየ ናይ እምነትን ናይ ኣምልኾን ስራሕ እዩ። ከምኡውን እቲ ዝዓበየ ናይ መንነት መግለጺ እዩ ክንብል ንኽእል። “ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ሕዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ጽቡቕ ምእንቲ ክትረኽቡ እውን በቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘበለ ኩሉ መንገድታት ተመላለሱ” (ኤር 7:23)።

ንኣና ንሰዓብቲ እቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ክርስቶስከ፣ ሎሚ እቲ ዝስማዕ እንታይ እዩ?። ብርግጽ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ እቲ ዝስማዕው’ን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮማ 10:17)። ስለዚ ሓደ ክርስትያን ንመድኃኒኡ ክርስቶስ ክሰምዕ ግቡእ እዩ። እዚ ምስማዕ እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ “ምስማዕ”፣ ቃል ንቃሉ፣ ጽን ምባል፣ እዝኒ ምሃብ፣ ኣቃልቦ ምግባር፣ ክኸውን ከሎ፣ ዓላምኡ ግን፣ ንዝሰማዕካዮ ኣሚንካ ምቕባል፣ ንዝተባህለካ ምትእዛዝ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ነቲ ዝሰማዕካዮ ብግብሪ ምፍጻም፣ ማለት እዩ። “ኣሜን” ማለት፣ ሕራይ፣ ከምኡ ይኹን፣ እቕበል ማለት እዩ። ሰሚዕካ ዘይትቕበል ወይ ዘይተተግብር እንተኮይንካ፣ ከምዘይሰማዕካ እዩ ዝቚጸር። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከምነንብቦ፣ “ኣታ ሕዝበይ ናባይ ኣድህብ፣ ኣታ ዓሌተይ ጽን በለኒ” (ኢሳ 51:4) ይብል። እግዚኣብሔር፣ ሕዝቡ ክሰምዖ ኣዝዩ ሃረር ዝብል ኣምላኽ እዩ። እንተኾነ፣ ብዙኅ ጊዜ ሕዝቢ እስራኤል ከምዘይሰምዑዎን፣ ፍቓዱ ክፍጽሙ ከምዘይተረኽቡን፣ ጠለምቲ ምዃኖምን፣ ብምስትምሳል ደጋጊሙ የዘኻኽሮም ከምዝነበረ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክምስክሩልና ንርኢ። ንኣብነት ኣብ መዝሙር ዳዊት፣ “ኦ ሕዝበይ ኣሰምዓልኩም ኣሎኹሞ፣ ስምዑኒ፣ ኦ እስራኤል ኣየ እንተትሰምዑኒ፣ ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣይሃሉ፣ ንካልእ ኣምላኽ እውን ኣይትስገዱ----ሕዝበይ ግና ኣይሰምዑንን፣ እስራኤል ድማ ኣይተኣዘዙንን” (መዝ 81:8-9.11) ይብል። ንኤርሚያስ ነቢይ እውን፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ፣ ሕዝቢ እስራኤል፣“ድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ፣ ተግሣጽ ከኣ ዘይቅበሉ ሕዝቢ ምዃኖም ክትነግሮም ኢኻ፣ ሓቂ ጠፊኣ እያ፣ ብኣኣ ዝዛረብውን ሓደ እኳ የልቦን” (ኤር 7:28) ክብሎ ንርኢ። እቲ ብሙሴ ገቢሩ ንሕዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ዓሰርተ ቃላት፣ ወይ ዓሰርተ ትእዛዛት እውን ተጸሚቖም፣ ኣብዚ ኢየሱስ ዘማዕረጎ ክልተ ናይ ፍቕሪ ትእዛዛት ተጠቕሊሉ ከምዝርከብ ወንጌል የበሥረና። ኢየሱስ ነቲ ዝሓተቶ ምሁር፣“ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፣ ብምሉእ ነፍስኻን፣ ብኲሉ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።” እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ እትመስላ ካልኣይታ ድማ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ትብል እያ። ኲሎም ኦሪትን ነቢያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠርኒፎም ኣለው” (ማር 12:29) ክብሎ ከሎ ምስማዕ ማለት ነዘን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ከምዝኾነ የረጋግጸልና። ብሓጺሩ ክርስቶስ፣፡ “እተፍቅሩኒ እንተኮይንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልው ኢኹም” (ዮሓ 14:15) እዩ ዝብለና ዘሎ። በዚ ከኣ ትእዛዛት መድኃኒና ብግብሪ ምፍጻም እቲ ዝዓበየ ናይ ፍቕሪ ምልክትን፣ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ከምዝኾነ ይበርሃልና። ንትእዛዛት ጐይታ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ከኣ ብፍቕሪ ብጻይ እዩ ዝጅምር። “ነቲ ዝረኣዮ ኃዉ ዘየፍቀሮስ፣ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ፣ እሞ ንኃው እናጸልአስ ‘ንኣምላኽ ኣፍቅሮ እየ’ ዚብል እንተሎ፣ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ካብኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ‘እቲ ንኣምላኽ ዘፍቅሮ ንኃዉ ድማ የፍቅር’ ዚብል እዩ” (1ዮሓ 4:19-21)።

ምስላ ሃገርና“ሰማዒ ዘይብሉ ኣይብከ፣ ረዳኢ ዘይብሉ ኣይጥራዕ” ይብል። ከምኡውን “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ይበሃል እዩ። ኣምላኽና ግን፣ ወትሩ ርኅሩኅ ሰማዕን፣ ኃያል ረዳእን እዩ። ኣብ ስብሓት ፍቁር ናይ ዘመነ ፍልሰታ፣“ወብዙኅ ሣህልከ ለኲሎሙ እለ ይጼውዑከ። ይጼውዑከ ብጽድቅ፣ ሰማዒ ወትረ፣ ከሃሊ ዘውስተ ኣድኅኖ”፣ ንኲሎም ዝጽውዑኻ፣ ምሕረትካ ብዙኅ እዩ፣ ብጽድቂ ይጽውዑኻ፣ ወትሩ ሰማዒ፣ ኣብ ምድኃን ከኣ ከኣሊ ኢኻ (ስብሓት ፍቁር) እናበልና ኢና እምነትና ንገልጽ። ኣብ ጊዜ መስዋዕተ ቅዳሴና እውን“ኣርኣይኮሙ ለሕዝብከ ኃይለከ፣ ወኣድኃንኮሙ ለሕዝብከ በመዝራዕትከ፣ ሖርከ ውስተ ሲኦል፣ ወኣዕረገ ጼዋ፣ እምህየ ፀጎከነ ምዕረ ዳግመ ግዕዛነ፣ እስመ መጻእከ ወኣድኃንከነ”። ንሕዝብኻ ኃይልኻ ኣርኣኻዮም፣ ብቕልጽምካውን ንሕዝብኻ ኣድኃንካዮም፣ ናብ ሲኦል ከድካ፣ ካብኡ እውን ምርኮ ኣውጻእካ፣ ንሓንሳእውን ዕጽፊ ሓርነት ሀብካና(መኑ ይመስለከ) ንብል። እቲ ነዚ ዓበይት ነገራት ዝገብር ኣምላኽና እዩ ስምዑኒ ዝብለና ዘሎ። ሎሚውን“ኦ እስራኤል ስማዕ!” ክብለና ከሎ፣ ብግልን ብኃባርን፣ ነቲ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ምስ ኣምላኽ ዝተኸልናዮ ኪዳን ብተኣማንነት ክንሕሉ፣ ነቲ ሽዑ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ብግብሪ ክንነብሮ እዩ ዝዕድመና ዘሎ። እግዚኣብሔር፣ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንሕዝቡ ዘቕርቦ ዝነበረ ናይ ምስማዕን ምትግባርን ጸዋዒት፣ ሎሚ’ውን ንነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኮነ፣ ነታ ሓዳስ ቤተ-እስራኤል ዝኾነት ቅድስቲ ቤተክርስትያን፣ ነዚ ዕድመ እዚ ቀጻሊ ይደግመልና ከምዘሎ ክንርዳእ ኣድላይ እዩ። ካብ ልቢ ዝብገስ ሓቀይና ተኣዝዞ ብተግባር እዩ ዝግለጽ። ኢየሱስ ባዕሉ ነቶም ተኸተልቱ፣“ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፣በዚ ደቀመዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ” (ዮሓ 13:35) እናበለ፡ ሓዲስ ትእዛዝ ሃቦም። ቅዱስ ዮሓንስውን“ትእዛዛት ኣምላኽ እንተሓሎና፣ ንእኡ ከምእንፈልጦ በዚ ኢና እነረጋግጽ---እቲ ኣብ እምላኽ እነብር ኣሎኹ ዚብል ከምቲ ኢየሱስ ዝነብሮ ክነብር ይግብኦ” (1ዮሓ 2:3.6) ይብለና። “ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና ንፈልጦ” (1ዮሓ 4:6)።

ንሕና ከኣ፣ ብሓቂ ደቂ ብርሃን-ትንሣኤ እንተኮይንና፣ መዓልቲ መጸ ከም ሳሙኤል፣ ንእግዚኣብሔር፣“ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ!”(1ሳሙ 3:10)፣ ክንብሎ ይግብኣና። ከመይ፣ እግዚኣብሔር ንነፍስ ወከፍና፣ “እቲ ኣብ ልዳት ደገታተይ እናተጸበየ በብመዓልቱ ደገ እናጸንዐ ዚሰምዐኒ ብፁዕ እዩ” (ምሳ 8:34) እናበለ እዩ ዘተባብዓና ዘሎ። ብፁዕ ማለት ዕውት ማለት እዩ። ሳላ ትንሣኤ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ስለእንሳገር ብሓቂ ዕውታት ንኸውን። ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ኣብ ዘጋጥመና ጊዜ’ውን ምስቲ ኣብ ጌተሰማኒ ኮይኑ ደም እናረሃጸ፣ “ኦ ኣቦይ! እዚ ዝከኣል እንተኮይኑስ እዛ ናይ መከራ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ትኅለፍ፣ እንተኮነ ከም ፍቓድካ ደ ይኩን እምበር ከም ፍቓደይ ኣይኹን” (ማቴ 26:30) ዝበለ ኢየሱስ ኃቢርና እንተደኣ ጸሊና ኣብ መጨረስትኡ ምስኡ ከምእነሸንፍ ርጉጻት ኢና። ኢየሱስ፣ እቲ ዝዓበየ ሰማዕን ተኣዛዝን፣ ናይ ብሓቂ ዕውት መምህርና እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ፣ ነቦኡ፣ “ኦ ኣምላኸይ፣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፣ እንሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ፣ በልኩ” (ዕብ 10:2) ብምባል ዓብይ ኣብነት ዝህበና። ኣብ ወንጌልውን ደጋጊሙ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባር፣ ዕዮኡውን ምፍጻም እዩ” (ዮሓ 4:34) ይብል። ቀጺሉ ከኣ፣ “ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኪገብር ኣይኮንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ”(ዮሓ 6:38) እናበለ ኣረጋጊጹና እዩ። ነቦኡ ድማ ብቀጥታ፣“ኣነ ነቲ ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣየ” (ዮሓ 17:4) ክብሎ ንርኢ። ንሕና ድማ ፍቓድ እቲ ቅድሚ ኩሉ ዘፍቅረና እግዚኣብሔር፣ ኣብ ምፍጻምን ንብጻይና ኣብ ምፍቃርን ንትጋህ። ዝሓለፉ ኣቦታትናን ኣዴታትናን እውን መውጺት ኣፎም“ፍቓድካ ይኹን”! እትብል ዓባይ ናይ እምነት ቃል እያ ነቢራ።

እቲ“ብድኅሪ እተን መዓልታት እቲኣተን፣ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኪዳን እዚ እዩ፣ ‘ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፣ ኣብ ኣእምሮኦምውን ክጽሕፎ’”(ዕብ 10:16) ዝብል ኣምላኽ፣ ምትሕብባርና እንተ ደኣ ረኺቡ፣ ከምቲ ንመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘዓወቶ፣ ንነፍስ ወከፍና እውን ከዓውተና እዩ። ኃቢርና ከኣ፣“ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ”(1ቆሮ 15:57) እናበልና መዝሙር ትንሣኤ ክንዝምር ኢና። ኣብ ደብረ ታቦር፣“ካብቲ ደመና ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጐስኩ እዚ እዩ፣ ንእኡ ስምዑዎ”(ማቴ 17:5) ዝብል ምስክርነት ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ መጸ። ንኢየሱስ ምቕባልን ንእኡ ምስማዕን ፍቓድ እግዚኣብሔር ምፍጻም ማለት እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እውን ንተኸተልቱ፣“ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓሊወ ኣብ ፍቕሩ’ውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፣ ከምኡ ከኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም” (ዮሓ 15:10) እናበለ፣ ነቲ ሓቂ ከመርግደልና ንሰምዖ። ምስማዑ ማለት ከኣ፣ ኣብ ፍቕሩ ምንባር ማለት እውን የስምዕ። ሎሚውን ኢየሱስ ንነፍስ ወከፍና፣ “ዘቦ ኣእዛን ሰሚዐ፣ ለይስማዕ”፣ ዝሰምዐ ኣእዛን ዘለዋኦ ይስማዕ (ማቴ 11:15) ይብለና ከምዘሎ ክንኣምንን፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክንጽዕርን ኣሎና። ቅዱስ ያዕቆብ፣ “ገበርቲ ቃል ኩኑ፣ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደኳ ሰማዕ ቃል ኮይኑ ገባሪ እንተዘይኮነ፣ ንሱ ነቲ ገጹ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ንሱ መልክዑ ይርኢ። ክይድ ኢሉ ከኣ ብኡብኡ እንታይ ከምዝመስል ይርስዕ። እቲ ናብቲ ሓርነት ዚህብ ፍጹም ሕጊ ኣተኲሩ ዚጥምት፣ ኣብ ምጥማቱ ድማ ዚጸንዕ፣ ነቲ ዝሰምዖ ከይረስዐ ከኣ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፣ ኣብ ኲሉ ግብሩ ብፁዕ (ዕውት) እዩ” (ያዕ 1:22-25) ዝብል ወርቃዊ ማዕዳ ይህበና። እምበኣር ኣብዚ በዓላት ድኅነትና፣ እቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ መንፈስ ቅዱሱ ሰዲዱ፣ ዝሰምዕ እዝንን፣ ዝርኢ ዓይንን፣ ዘስተውዕል ልብን ይሃበና። ንሞት ኣሸኒፉ፣ ሰንሰለት ባርነትና ዝበተኸ ክርስቶስ፣ ነታ ሰማዒት ድንግል ኣዲኡ ማርያምን፣ ነቲ በዓል ውሑድ ቃላትን ሓላዊ ቅድስቲ ስድራን ዮሴፍ ጻድቕ ኣቦኡን የማስለና። ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስን ውግእን ወረ ውግእን የርሕቐልና። ንኩልና ከኣ ኣብ ዘዘሎናዮ ዝተባረኸ በዓላት ትንሣኤ ይግበረልና።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

መልእኽቲ ፋሲካ 2013 ዓምግ (2021) ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ
መልእኽቲ ፋሲካ 2013 ዓምግ (2021) ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ዘበአሥመራ
30 April 2021, 12:36