ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር፥ ኣብ ሞዛምቢ ዝርአይ ዘሎ ዘደንጸው ዓመጽ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር፥ ኣብ ሞዛምቢ ዝርአይ ዘሎ ዘደንጸው ዓመጽ 

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበር፥ ኣብ ሞዛምቢ ዝርአይ ዘሎ ዘደንጸው ዓመጽ

ኣብ መወዳእታው ወርሒ መጋቢት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምእተቐትሉ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ክሕብር እንከሎ

ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ኣብ ሞዛምቢክ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተተሓዘን ዝዓነወን ዞባ ፓልማ ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘሰምብድን ምዃኑን ብዙሓት ከምእተቐትሉን በሸሓት ዝቑጸሩ እውን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዝሃቦ ምስክርነት መሰረት ገይሩ ከምዝሓበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሞዛምቢክ ኣብቲ ኣብ ኢድ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኣተወ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ዞባ ፓልማ ብርቱዕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ፈረንሳ ቶቶል ናይ ነዳዲ ማእከል ዕጡቓት ሓይሊ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን ኣብ መወዳእታው ወርሒ መጋቢት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምእተቐትሉ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስደተይናታት ውድብ ክሕብር እንከሎ፡ ልዕሊ 670 ሺሕ ዝግመቱ እውን ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ከምእተሰዱ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከምዘፍለጠ ዝሓበራ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥ በቲ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ብዙሓት ዕጡቓት ሓይሊ ጅሃዳውያን ከምእተቐትሉ ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሰን እንከመላኽታ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝሓለፍፈ ዕለት 24 መጋቢት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ማሕበር ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ጠቒሰን ይሕብራ።

ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ዘካይዶ ናይ ድጋፍ መደባት ኣመሓዳሪ ኡልሪኽ ክንይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቶም መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጽምዎ ዘለዎ መጥቓዕቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂት ኣዚዩ ዘሰክፍን ጽልእን ዓመጽን ራዕድን ዘስፍሕ እውን እዩ ኢሎም።

እቲ ተባሪዑ ዘሎ ግብረ ሽበራ ብዓንተውኡ ንምዕጋት ዓለም ሓቆፍ ማብረሰብ ዝከኣሎ ኵሉ ኽገብርን ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ዓለም ኣሸበርቲ ዝፍጽምዎ መጥቓዕቲ ብሱቕታ ክሕክለፍ የብሉን፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር እውን ይፈጸም፡ ኣብ ሞዛምቢክ ነቶም ዝመዛበሉን ከቢድ መጉዳእቲ ንዝወረዶም ዜጋታት ቤተ ክርስቲያን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ትርከብ ከምዘላ እውን ሓቢሮም፡ ዓለም ሓቆፍ ማብረሰብ ብዘይ ውዓል ሕደር ግብረ መልሲ ክህበሉ ይግባእ ይብሉ።

ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው መልሲ ንምሃብ ልዕሊ 160 ሺሕ ኤውሮጳ ከምዘወፈየን እዚ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ንናይቲ ከባቢ ሰበኻ ካህናትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓገዝ መደባትን መሳለጢ ኣብ ዝህቦ ሓገዝ ተወሳኺ ከምዝኾነን ብጸሎትን ሰብኣዊ ሓገዝን ነታ ኣብ ሞዛምቢክ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ንኹን ቢሎም፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕጹጽ ሓገዝ ክቐርብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 April 2021, 14:36