ኣባ ካርላሳረ፥ ዓመጽ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰናይ ነገራት ከየደምን ኣባ ካርላሳረ፥ ዓመጽ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰናይ ነገራት ከየደምን 

ኣባ ካርላሳረ፥ ዓመጽ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰናይ ነገራት ከየደምን

ምሕረትን ይቕር ምባልን ጥራሕ እዩ ናጻ ዘውጽእ፥ እቶም መንእሰያት ከጥቕዑኒ ዝደረኾም ምኽንያት ዘለዎም ኣይመስለንን ነቲ መጥቓዕቲ ንኽፍጽሙ ዝለኣኾም ሰብ ክህሉ ይኽእል

መጥቓዕቲ ዝወረዶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰበኻ ሩምበክ ጳጳስ ኣብ ከንያ ርእሰ ከተማ ናይሮብ ኣብ ሕክምና ከምዘለዉን ክፍለጥ እንከሎ፥ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕርቅን ፍቕርን ክወርድ ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም፥ እቶም ኣብ ልዕለይ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መንእሰያት ክዅንኖም ኣይደልን፡ ኣንጻረይ ኣዮም ቢለ እውን ክሓሰብ ኣይኽእል ቢሎም፥ ንሕልሚ ሰላምዊት ሃገር ካብ ምስዓብ ኣየቋርጽን እዚ ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ትምኒት እውን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ኮምቦናዊ ወንጌልዊ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሰበኻ ሩምበክ ጳጳስ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ኣባ ክርስቲያን ካርላሳረ ነቶም ኣብ ልዕለይ መጥቓዕቲ ዝፍጸሙ ብልበይ ይቕረ እብል፡ ምሕረትን ይቕር ምባልን ጥራሕ እዩ ናጻ ዘውጽእ፥ እቶም መንእሰያት ከጥቕዑኒ ዝደረኾም ምኽንያት ዘለዎም ኣይመስለንን ነቲ መጥቓዕቲ ንኽፍጽሙ ዝለኣኾም ሰብ ክህሉ ይኽእል፥ ንዅሎም ምሕረትን ይቕረታን እየ ዘቕርብ፡ እዚ ኸኣ ብስም ሕዝቢ ሩምበክ የቕርቦ፥ ንሕክምና ናብ ናይሮቢ ክውሰድ እንከለኹ እቲ ዘገርም ሕዝቢ ሰበኻ ሩመብክ ሓዲገዮ ዝኸይድ ዘለዅ መሲልዎ ኣባቴ ክትምለሱና ዲኹም እናበለ ይሓቶም ከምዝነረ እውን ገሊጾም፥ ብዘይ ቅሬታ ብህድኣት ዘቕርቦ ነገር፡ ንናይ ኵሉ ሰናይ ብምድላይ፡ ሓድነት ምስምማዕን ጸገማት ናይ ምፍታሕ ክእለትን ዝሓትት እዩ ኢሎም።

ኣብ ቤቶም ደቂሶም እንከለዉ ዝወረዶም መጥቓዕቲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም፡ እቶም መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት እውን ካላሽኒኮቭ ዝሓዙ ከምዝነበሩን ኣብቲ ዝቕመጥሉ ሕንጻ እውን ሓደ ናይ ሰበኻ ካህን ስለ ዝነበረ ንኣኦም እውን መጥቃዕቲ ከይወርዶም ዝብል ስግኣት ከምዝነበሮምን፥ እቶም ዕጡቃት መንእሰያት ክሳብ ሽዱሽተ ሸውዓተ ይኹን ኣብ እግሮም ጠያይት ከምዝተኮሱሎም ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቺ እተሰምየ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ ኣገልግሎት ዜና ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ምጽራይ ዘሎ ሓይሊ ጸጥታ ሰለስተ ገዳማውያን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 12 ሰባት ንምርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዎም ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ሮማ ናይ ማሕበር ኮምቦናውያን ቤት ጠቕላሊ ሓለቓ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሓው ዳኒየለ ጁስቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ገበን ዘጻርይ ሓይሊ ጸጥታ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መርመራ ዕዮ ውጺኢት ከርክብ ዘለዎም ድላይ ገሊጾም፥ እቲ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ ብፍላይ ናይ ገዳማውያን ኢድ ኣለዎ ዝብል ምንጪ ዜና ዝተረጋገጸ እንተድኣ ኮይኑ ብሓቂ ዘሳቕይ እዩ ዝኸው፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ክሳዕ ዝዛዘም ብዓቕሊ ንጽበን ንጽልን ኢሎም።

28 April 2021, 15:56