ድለ

ዕለት 16 ሚያዝያ 1995 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታ ዝተቐትለ ትእምርቲ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ሕጻነት ኢክባል ማሲሕ ዕለት 16 ሚያዝያ 1995 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታ ዝተቐትለ ትእምርቲ ቃልሲ ጸረ ጊልያነት ሕጻነት ኢክባል ማሲሕ  

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ጊልያነት ሕጻናት

ኢክባል ማሲሕ ኣብ ፓኪስታን ከተማ ሙሪድከ ኣብ 1983 ዓ.ም. ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራ ቤት ዝተወልደን ገና ኣብ ኣርብዕተ ዓመት ዕድመኡ ንስራሕ ዓለም ተዳጒይኑን ወደ ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ ንሓደ ናይ ምንጻፍ መርገጺ ነጋዳይ ተሸይጡን ካብ 10 ክሳብ 12 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክሰርሕ ዝተገደን

ዕለት 16 ሚያዝያ ብዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ክርስቲያናዊ ባህሊ ብጋሴ መሰረት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ጊልያነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝዝከረሉ  ዕለት ክኸውን እክከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ዓቢይ ስቓይ ምኽንያት ዝኾነ ጊልያነት - ንግድ ደቂሰብ ክውገድ መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን መላእ ሃይማናታትን ኣበርቲዔን ክዓያ ጻዋዒት ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፥ ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ማሕበረሰብ ዓለም እዚ መዓት’ዚ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ኣበሪቱዕ ክዓዪ ዝሓትት መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛ ከብቅዕን ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከይዳጐኑ ዝተሓለቐን እዚ ጸረ ሕጻናት ዝኾነ ግብረ ጊልያነት ከብቖዕን ንምክልኻል ሕጻናት ጐስጓስ ዘነቓቕሔን ኢክባል ማሲሕ ኣብ 1995 ዓ.ም. በቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ጓስጓስ ምኽንያት እውን ከምእተቐትለ ዝዝከር ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዘነቓቕሕ ምንቅስቓስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኢክባል ዝተቐትለላ ዕለት 16 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ጊልያንት ሕጻናት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ብዘካየዶ ጐስጓስ ዝቖመ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ፥ በዛ ዕለት እዚኣ ምኽንያት እውን ሕጻናት ከይተመዝመዙ መሰሎምን ክብረቶምን ተኸቢሩሎም ንኽነብሩ ኣብ መላእ ዓለም ሕዝቢ ድምጹ ዘስምዓሉ ዕለት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 16 ሚያዝያ፥ እቲ ዘሕዝን ሎሚ እውን ኣብዚ ኣዚዩ ዝተራቐ እደ ጥበብ ዘማዕለ ዓለም ገና ብዙሓት ሕጻናት ኣብ ኢሰብኣዊ ኵነት ይርከቡን ይምዝመዙን ይግፍዑን ይመዛበሉን ጊልያዎት ኮይኖም እውን ይርከቡን፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እዚኣብሔር ዘዋርደና እዩ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ታሪኽ ኢክባል

ኢክባል ማሲሕ ኣብ ፓኪስታን ከተማ ሙሪድከ ኣብ 1983 ዓ.ም. ካብ ሓንቲ ድኻ ስድራ ቤት ዝተወልደን ገና ኣብ ኣርብዕተ ዓመት ዕድመኡ ንስራሕ ዓለም ተዳጒይኑን ወደ ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ ንሓደ ናይ ምንጻፍ መርገጺ ነጋዳይ ተሸይጡን ካብ 10 ክሳብ 12 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክሰርሕ ዝተገደን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ እውን ይሳቐይ ከምዝነበረን ገና ወዲ 9 ዓመት እንከሎ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ግብረ ምዝመዛ ከብቅዕ ዝጠልብ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣድማ ዝተሳተፈን ካብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ተመልስ ኣይሰርሕን ስለ ዝበለ ወለድኻ ዕዳኦም ኣይከፈሉን ስለዚህ ክትሰርሕ ኣሎካ ምስ ተባህለ በዚ ምኽንያት ምስ ዝፈርሑ ወለዱ ናብ ካልእ ከተማ ተቐይሩ ትምህርቱ እውን ከምዝጀመረን፥

ዛዕባ መሰልን ክብረትን ሕጻናት

ካብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓለም ሓቆፍ መድረኻትን ብዛዕባ መሰልን ክብረትን ሕጻናት መልእኽቲ ከቕርብ ክዕደም ከምዝጀመረን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1994 ዓ.ም. ኣብ መንበረ ጥበብ ቦስቶን ንናይ ዓለም ሓቆፍ ሪቦክ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስልማት ዝበቕዔን በቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ምኽንያት ኣብ ፓኪስታን እውን ብዙሓት ሕጻናት በስገዳድ ዘስርሓ ዝነበራ መሸጣ ምንጻፍ መርገጺ ከምእተዓጸዋን ናይ ብዙሓት ሕጻናት ደቂ ሃገሩ ሕይወት ክመሓየሽ ከምዝገበረን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕልፈት ኢክባል

ዕለት 16 ሚያዝያ 1995 ዓ.ም. ኣብ ፓኪስታ ከምእተቐትለን እቲ ኣብ ፓኪስታን ናይ ሰራሕተይናታት ናጽነት ግንባር ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ምስንቅሳቕ ሰራሕተይናታት፡ ኢክባል ብነጋዶ ምንጻፍ መርገጺ ዝምራሕ ናይ ገበን ጉጅለ ኢድ እዩ ዝተቐትለ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ሎሚ ብመንን ብናይ መን ትእዛዝን ይቀተል ዘይፍለጥ ሚስጢር ኮይኑ ከምዝተረፈን ብስሙ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ክኽበር ዝተፈላለየ ምንቅስቓሳትን ጓስጓሳትን እውን ከምዝካየድን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ትምህርትን ጐደናታትን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራታትን ብስሙ ከምዝጽውዑን ታሪኹ ዘዘንትዉ መጻሕፍትን ፊልምታትን እውን ከምእተደርሰ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንሕተተሉ ኢና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛን ግብረ ጊልያነት ከብቅዕን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ክስዓር ጽዋዒት ከምዘቕረቡን፡ “ብዙሓት ሰባት ሕጻናት ኣክንዲ ክጻወቱ ዝሓድግዎም ይምዝምዝዎምን ጊልያዎት ይገብርዎምን፥ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ስቓይ እዩ። . . . ናይ ምጽዋትን ናይ ምዕባይን ተስፋኦምን ዝዕንቅጽ ወይልኡ” እንክብሉ ዕለት 12 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጻውዒት ከምዘቕረብን፡ ዕለት 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገሱሉ ዕለተ ረቡዕ፥ . . . እቶም ዝምዝምዙን ጊልያዎት ዝገብሩን ፈሪሓ እግዚኣብሔር ዘለዎም ዶ ይመስለዅም? ብፍጹም ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘይብሎን ሓጐስ ዘይፈልጦምን እያቶም፡ ሓደ መዓልቲ እዚ ዅሉ ኣብቂዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንሕተተሉ ኢና” ከምዝበሉን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ዝተፈላለይ ሃገራት መንግስቲ ልኡካን ተቀቢሎም ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮት መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛ ዘስዕብ ተግባር ጉጉይ ናይ ስነ ቁጠባ ሚላ ጌርካ ምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓድሽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማእከል ብዝገብር ናይ ቁጠባ ሜላ ክትካእ መንግስታት ኣብርቲዖም ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዓለም 64 ሚሊዮን ሕጻናት ደቀንስትዮን 88 ሚሊዮን ሕጻናት ተባዕትዮን ብጠቕላላ 152 ሚሊዮን ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከምእተዳጐኑን እዚ እውን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ሓደ ዕስሪት ዝሽፍን ከምዝኾነን እቶም ፍርቆም እውን ኣዚዩ ሓደገይና ኣብ ዝኾነ ዕዮ ዝምዝመዙን ብፍላይ ኣብ ድኻታት ሃገራት ሓደ ሲሶ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ከምዝዳረግ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓ.ም. ዕለት 12 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ምድጓን ምኽንያት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕጻናት ማሕበርዝ ዘውጸኦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

17 April 2021, 23:14