ዜና ዕረፍት ዝዊዘርላንዳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሃንስ ኲይንግ ዜና ዕረፍት ዝዊዘርላንዳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሃንስ ኲይንግ 

ዜና ዕረፍት ዝዊዘርላንዳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሃንስ ኲይንግ

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብፍላይ ሃንስ ኲይንግ Weltethos-ዓለም ለኻዊ ስነ ምግባር ዝምልከትን ኣብ መንጐ ናይ ስነ ምርምር መጐትን እምነት ክርስትና መጐትን ኣብ ዘካይድዎ ጥልቂ ምርምርን መጽናዕትን ዘተኮረ እውን ከምዝነበረን ዓለም ለኻዊ ስነ ምግባር ዘይጭቡጥ ብኣእምሮ ዝተሓንጸ ኣምር ዘይኮነ

ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሳተፉን፥ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ብዛዕባ እምነት ዝምልከት ኣብ ውሳኔኦም ኣይጋገዩን ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ኣዚዩም ዝነቐፉን ኣብ 1979 ዓ.ም. ናይ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያ ካብ ምምሃር ዝተኣገዱ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሃንስ ኲይንግ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተወላዲ ዝዊዘርላንድ ሃንስ ኲይንግ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ጀርመን ከተማ ቲዩቢገን ከምዝዓረፉን፡ ኣብ ከተማ ሱርሲ ዕለት 19 መጋቢት 1928 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ 1954 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎምን ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክህነቶም ብዛዕባ ጠመቓዊ  ትምህርቲ ጽድቂ - ድሕነት ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊት (ተሓዳስያን) ኣቢያተ ክርስቲያንን ዘራኽብ ነጥቢ ከምዘሎ ዘብርህ ቲዮሎጊያዊ ምርምር ዘቕረቡን ኣብ 1960 ዓ.ም. ኣብ መንበረ ጥበብ ቲዩቢንገን ናይ ስነ ካቶሊክ ቲዮሎጊያ ቀዋሚ መምህር ንምዃን ዝበቕዑን፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ምሁር ክሳተፉ ተሓርዮምን ኣብቲ እዋን ከም ምሁር ተሓርዮም ምስ ዝተሳተፉ ጆሰፍ ራቲዚንገር (ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ዝተሓርዩ በነዲክቶስ መበል 16) ብዙሕ ኣብ ቲዮሎጊያዊ ጉዳይ ምንጽጻር ዘካየዱን እውን ምዃኖም ይዝከር።

ኲይንግ ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ኣብ ናይ ሃይማኖታት ታሪኽን ብፍላይ ኣብተን ኣብራሃማውያን ሃይማኖታትን ቲዮሎጊያን ስነ ግብረ ገብን ኣብ ኣብራሃማውያን ሃይማኖታትን ጥልቂ መጽናዕቲ ዝገበሩን ኣብ ገለ ገለ መጽናዕትታቶም እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ነቐፌታ ዘቕረቡን እቲ ዝነበረ ፍልልያት ከምዘሎ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ብዛዕባ እምነት ዝምልከት ኣብ ውሳኔኦም ኣይጋገዩን ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ዘይቅቡል ዝበሉን በዚ መሰረት እውን ኣብ 1979 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሃንስ ኲይንግ ከም ካቶሊካዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ መምህር ይኹን ዝብል ዝነበሮም ፍቓድ ከምዝሰረዞንን ብቐጥታ ናይ ካቶሊክ ቲዮሎጊያ ምምህር እውን ኣይኾኑ ኣብቲ ዝምህሩሉ ዝነበረ ቲዮቢንገን ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ከም ልሂቅ መምህር ዕዮም ከምዝቐጸሉ እዩ ዝፍለጥ።

ርክብ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ መበል 16ን ሃንስ ኲይንግን

ሃንስ ኲይንግ ብዙሕ ግዜ ንዮሓንስ ጳውሎስን ደሓርን እውን ንበነዲክቶስ መበል 16 ዝነቐፉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ራትዚንገር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ዕለት 24 መስከረም 2005 ዓ.ም. ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ንሃንስ ኲይንግ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቀሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ምሕዝነታዊ እንክብል ክመዝገለጾን ኣብቲ ርክብ ብኽልቲኣቶም ወገን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሃንስ ኲይንግን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ዝምልከት ህልው ዝኾነ ሕቶ ዘማእከለ ዘተ ከምዘይተኻየደን፡ ኣብቲ እዋን ዝወጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብፍላይ ሃንስ ኲይንግ Weltethos-ዓለም ለኻዊ ስነ ምግባር ዝምልከትን ኣብ መንጐ ናይ ስነ ምርምር መጐትን እምነት ክርስትና መጐትን ኣብ ዘካይድዎ ጥልቂ ምርምርን መጽናዕትን ዘተኮረ እውን ከምዝነበረን ዓለም ለኻዊ ስነ ምግባር ዘይጭቡጥ ብኣእምሮ ዝተሓንጸ ኣምር ዘይኮነ እተን ዓበይቲ ሃይማኖት ፍልልያታተን ከምዘሎ ኮይኑ ዘንጸባርቕኦ ናይ ሓባር ባይታ እዩ ዝብል ናይ ስነ ምግባር ክብርታት ርትዓዊ  ምዃኑ ነዚ ናይ ሓባር ረቛሒ ንምጉላሕ ዘካየድዎ ምርምር ዘብርህን ዝሕብርን ከምዝኾነን ኣብዚ መዳይ ከምእተመያየጡን በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኲይንግ ንዘካይድዎ ዝነበረ ስነ ምርምር ኣድኒቖም ኣገዳስቲ ናይ  ሰብኣዊ ፍጥረት ግብረ ገባዊ  ክቡራት ዋጋታት በቲ  ሃይማኖትን ግብረ ገብን ብዝንጽል ዓለማዊ ባህሊ ቅቡል ክኸውን ከምዝኽእል እውን በነዲክቶስ በነዲክቶስ መበል 16 ብወገኖም ኣመላኺቶም ሃንስ ኲይንግ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን ዘሎ ርክብ ንምሕዳስን ከምኡ እውን ኣብ ስነ ምርምር ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝምልከት ሕቶ (Gottesfrage) ስነ መጐታውን ኣገዳስን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኲይንግ ዝገብርዎ ዝነበረ ስነ ምርምራዊ  ጻዕሪ ኣድላዪ እዩ ክምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ኲይንግ እውን ብወገኖም በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ንናይ ሓብዝር ዘተን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ እዋንና ማሕበራዊ  ኣካላትን ዘተ ክህሉ ዝገብርዎ  ጻዕሪ ከምዘድነቑ የዘኻኽር።

ድሕሪ እዚ ርክብ’ዚ እውን እቲ ዝነበረ ፍልልያት ከምዘሎ ከምዝቐጸለን ብዛዕብ ንጽሕና - ካህናት ከይምርዓዉ ዝብል ውሳኔን  ማዕርገ ክህነት ንደቀንስትዮን መቆጻጸሪ ጽንስን ቃንዛ ዘይብሉ ሞትን ኣብ ዝብሉ ኣምራት ዝነበረ ፍልልይ ከምዘሎ ከምዝትረፈ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሃንስ ኲይንግ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዘካይድዎ ጥልቂ ምርምርን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ዘቕርቦ ናይ ምርምር ህልዩ ከም ፍጹም ሓቂ ገረካ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ብሰፊሕ ብስነ ምርምዊ ደረጃ ከምዝነቐፉን ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታት ብዘጋጥሞም ኵነታት ምጉዳል ጥዕና ኣብ ግሊ ሕይወቶም ፍንትት ቢሎም ይነብሩ ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

07 April 2021, 14:58