ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ሓደ ቆጵጣዊ ምእመን ብኢድ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዳዒሽ ተቐቲሉ ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ሓደ ቆጵጣዊ ምእመን ብኢድ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዳዒሽ ተቐቲሉ 

ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ሓደ ቆጵጣዊ ምእመን ብኢድ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዳዒሽ ተቐቲሉ

ናቢል ሃባሺ ካዲም ኣብቲ ከባቢ ካብ እትርከብ ጥንታዊት ክርስቲያን ስድራ ቤት ዝተወልዱን ኣብ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ንጡፍ ከምዝነበሩን

ኣብ ምስሪ ሰሜናዊ ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢር ኣል ኣብድ ንሕንጸት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣበርክቶ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ ብንግዲ ዝመሓደሩ ዜጋ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መቕተልቲ ናይ ግብጺ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ዝተሰምዖን ሓዘን ከምዝገለጹ ኤሽያን ነውስ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

62 ዓመት ዝዕድመኦም ምስራዊ ናቢል ሃባሺ ካዲም ብንግዲ ዝመሓደሩ በዓል ሰናይ ምግባርን ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 8 ሕዳር ብዳዒሽ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ ተቐቲሎም ከምእተረኽቡን እቶም ኣሸበርቲ ዝፈጸምዎ ግብረ ቅትለት ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብማሕበራዊ መረብት ከምዝፈነውዎን እቶም ዝተቐትሉ ምስራዊ ኣብታ ዝቕመጥላ ከተማ እትርከብ ሓንቲ ንበይና ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን እመቤተ ማርያም - ኣንባ ካራስ ዳግም ንምሕናጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለ ዝገበሩ ዒላማ ናይቶም ኣሸበርቲ ኮይኖም ከምዝጸንሑን በዚ ምኽንያት እውን ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ ንሞት ከምዝፈረድዎም ኣብቲ ዝተፈነወ ነቲ መቕተልቲ ኣብ ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንሕንጸት ቤተ ክርስትያን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ስለ ዝገበሩ ንሞት ፈርዲናዮም ዝብል መግለጺ ከምዝፈነዉ ኤሽያን ነውስ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካፐሊ ሓቢረን።

እሙን ወዲ ቤተ ክርስቲያን

ናቢል ሃባሺ ካዲም ኣብቲ ከባቢ ካብ እትርከብ ጥንታዊት ክርስቲያን ስድራ ቤት ዝተወልዱን ኣብ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ንጡፍ ከምዝነበሩን ኣብ ንግዲ ወርቅ ዝተዋፈሩን ናይ ኣልባሳትን ናይ ኢድ ቴለፎንን መሸጣን ዝነበሮምን ንናይቲ ከባቢ ስኡናት ዜጋታት ዝድግፉን ንድኻታት ቀረባን ከምዝነበሩ ዝግነረሎም ኮይኑ፡ መቕተልቶም ዝሰምዑ ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፥ “ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝተቐትለ እሙን ኣገልጋሊ ወዳ ትነብዕን ኣብ ሓዘን ትርከብን፡ ሎሚ ኣብቲ ክቡር ዝኾነ ሰማያዊ ቤተ ክርስቶስ ከምዝኾኑ እምነትና እዩ፡ እምነቶም ክሳብ ናይ ደም ሰማእትነት ዝመስከሩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ “መንግስቲ ምስሪ ሓድነት ሃገር ብምዕቃብ ንብሩህ መጻኢ ሰላምን ምዕባለን ዘካይዶ ጻዕርን ነዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራ ኣብ ምቅዋምን ዘካይዶ ዕዮታትን ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ድጋፋ ተቕርብ” ከምዝበሉ ኤሽያን ነውስ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሰን፥ ካብ ዓመታት ብፍላይ ካብ 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ካብ ስልጣን ምዕላይ ርእሰ ብሔር ሞርሲ ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ደሓር እውን ምስፋሕ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዳዒሽ ብተደጋጋሚ ግብረ ሽበራን መጥቓዕትን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያንን ሰላማዊ ሕዝብን ዝፍጽምሉ ኮይኑ ከምዘሎ የመላኽታ።

20 April 2021, 14:39