ዜና ዕረፍት ዝሓለፈ ቅዱስ ሓሙስ ሰሙነ ሕማማት ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ ሊቪኑስ ዜና ዕረፍት ዝሓለፈ ቅዱስ ሓሙስ ሰሙነ ሕማማት ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ ሊቪኑስ 

ዜና ዕረፍት ዝሓለፈ ቅዱስ ሓሙስ ሰሙነ ሕማማት ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ ሊቪኑስ

ክህነት ካብ ዝተቐበሉላ ዕለት ኣትሒዞም ብዝነበሮም ብርቱዕ ስቓይ ኣብታ ዝእለዩላ ካብ ዝነብሩላ ቤት ሕክምና ኣብ ዓራቶም ኮይኖም ንዕስራን ሰለስተን መዓልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉን ኩነታት ጥዕናኦም እውን እናገደደ ምስ ከደ ...

ናይጀሪያዊ ኣባል ማሕበር እመ ኣምላክ ብብርቱዕ ሕማም ምኽንያት ብሕክምና ዝእለዩ ዝነበሩ ገዳማዊ ብፍሉይ ፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 1 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ካብ ኢድ ብጹዕ ኣቡነ ሊባኖሪ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ ሊቪኑስ ኤሶምቺሂ ንናማኒ ዕለት 23 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ዝተወለዱላ ሰበኻ ስነ ስርዓት ቀብሮም ክፍጸም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዝሓለፈ ሰሙነ ሕማማት ቅዱስ ሓሙስ ኣትሒዞም ን 23 መዓልታት ካህን ኣባ ሊቪኑስ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩን ክህነቶም ዘለዓለማዊ ምስቲ ምእንታና መስዋዕቲ ዝኾነ ክርስቶስ ካህን ሓቢሮም ንኽነብርዎ ናብ ቤት ኣቦ ዕለት 23 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምእተሰጋገሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም ወዲ 31 ዓመት ድሕሪ ቀዳማይ ምብጽዓ ከም ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ኣመ ኣምላክ ናይ ደም መንሽሮ ሕማም ከምዝሓደሮምን ይኹን ደኣ እምበር ትምህርቶም ከየቋረጹ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ዝሓደሮም ሕማም ናብ ዘሰክፍ ደረጃ ምስ በጽሔ ኣብ ቤት ሕክምና እናተኣለዩ ንክህነት ዘካይድዎ ምስንዳው ከያቋረጹ ዝነበሮም ጸዋዕታ ክህነት ከይዅለፍ እውን ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ምዕራፎም ከም ፍቓድ እግዚኣብሔርን ፍቓድክውም እውን እንተድኣ ኮይኑ ማዕርገ ክህነት ክቕበል ይፍቐዱለይ ዝብል ውሉዳዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈሎምን ቅዱስነቶም እውን ይዅንታ ሂቦምሉን ዕለት 1 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ሰሙነ ሕማማት ቅዱስ ሓሙስ ካብ ኢድ ናይ ሮማ ሰበኻ ተራድኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳኒኤለ ሊባኖሪ ማዕርገ ክህነት ከምእተቐብሉ ኣዘኻኺሩ ካብታ ክህነት ዝተቐበሉላ ዕለት ልክዕ ድሕሪ 23 መዓልቲ እውን ከምዝዓረፉ ኣፍሊጡ።

ክህነት ካብ ዝተቐበሉላ ዕለት ኣትሒዞም ብዝነበሮም ብርቱዕ ስቓይ ኣብታ ዝእለዩላ ካብ ዝነብሩላ ቤት ሕክምና ኣብ ዓራቶም ኮይኖም ንዕስራን ሰለስተን መዓልቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉን ኩነታት ጥዕናኦም እውን እናገደደ ምስ ከደ ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ቀንዲልን ቅዱስ ቁርባንን ተቐቢሎም ዕለት 23 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 11.10 ከምዝዓረፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 26 ሚያዝያ ሰዓት 11 ኣብ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ ለዮናርዲ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ሬሳኦም ናብ ሃገሮም ክኸይድን ኣብታ ዝተወለዱላ ሃገሮም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

24 April 2021, 22:59