ሰንበት ዘቅድስት (ጾም ፵) መጋቢት 5 2013 ዓ.ም. (3/14/2021)

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር . . . . . ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ፥ ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቆርዎ፥ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚሩልና አሎሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበቱ ነኽብር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ብግልና ንአምላኽ ንርከቦ።

ንባባት፡   2ቆሮ 5፡20ፍ፥ 1ጴጥ 1፡ 13-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡17-30፥ ማቴ 6፡16-25።      ስብከት፡   እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ፥ እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ መዝ። 96፡5።

ናይ ሎሚ መዝሙር ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ የዘኻኽረና ከምዚ ከአ ይብል፥ ንአምላኽ ክነገልግሎ ክንምስከሮ አብ ግላዊ ሕይወትና፥ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ሰናይ ተግባር ክንገብር ዘጋጊ ከይዕወተልና ኩሉ ጊዜ ጥንቑቓት ክንከውን፥ ንክርስቶስ አሰር አሰሩ ክንጉዓዝ ፍቕሪ አሕዋት መለለይና ገርና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና።

አነ ከም አነ ብግለይ ንአምላኽ ክረኽቦ ይግብአኒ።

ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ ክነዕልሎ፥ ጸገምና ክነካፍሎ፥ ክንልምኖ፥ ብግልና እንደልዮ ክንሓቶ፥ ከምኡ ንሱ ካባና ዝደልዮ ክንሰምዖ ብሓጺሩ ምስኡ ግላዊ ዕላልና ክንገብር እዋኑ እዩ። ሕይወትና ንአምላኽ ክሳብ ዘይረኸበት ዕረፍቲ የብላን። ንአምላኽ ዝረኸበት ሕይወት ናይ ኩሉ ተኽእሎ አለዋ ምኽንያቱ አምላኽ ናይ ኩሉ መልሲ እዩ። ምስ አምላኽ ዝራኸብ ግድን ውሽጣውን ግዳማውን ለውጢ የምጽእ። ሙሴ አብ ደብረሲና ነርብዓ መዓልቲ ምስ አምላኽ ገጸ ንገጽ ተራኺቡ ይብለና ዘጽአት 19፥ ዘዳግም 9፥ ከምኡ አብ ዘኁልቅ 12፡8። አብ ደብረሲና ምስ አምላኽ ምስ ተራኸበ ካብ ግንባሩ ጩራ ክወጽእ ጀሚሩ ተቐይሩ ይብለና ምስ አምላኽ ክንራኸብ ከሎና ምሉአት ንኸውን መንፈስና ይሕደስ፥ ፍሉይ ፍቕሩ ይሓድረና። ሰብ ዝርበሽ ዘይቀስን አምላኽ ምስኡ ምስ ዘይህሉ ጥራሕ እዩ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ርቡሽ እዩ። ስለዚ አምላኽ ክንረኽቦ አብዚ ጊዜ ጾም ግድን እዩ።

ጎ.ኢ.ክ. አብዚ ዓለም ሥጋና ለቢሱ ካብ ማርያም ምስ ተወልደ ንኹልና ናይ ደቂ አምላኽ ምዃን ጸጋ ሂቡና ዮሓ 1፡12 ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝአመኑ ኹሎም ግና ውሉድ አምላኽ ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም ይብለና። ትስብእቲ ክርስቶስ ብግልና ንአምላኽ ክንረክብ አፍደገ ከፊቱልና፥ ንኢየሱስ ብብዙሕ መንገዲ ብግልና ክንረኽቦ ንኽእል፥ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ቀሪብና ሥጋኡን ደሙን ብንጹሕ ሕልና ክንቅበል ከሎና፥ ቃል አምላኽ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንሰምዕ ከሎና፥ ብቤተክርስትያን ዝውሃበና ትምህርትን መምርሕን ኩሉ ብእምነት ክንቅበል ከሎና፥ አብ ሰናይ ግብሪ ምሕረትን ዕርቅን ሰላምን ክንወፍር እንከሎና። ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ መራኸቢና እዩ።   

አብ እዋን ጾም ብሕትውና፥ ጽሞና፥ ምስትውዓል ይሓትት ምኽንያቱ ምስ አምላኽና ርክብ ክንገብር ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ። ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ዝተነበ ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጸምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ደአ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይትርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ እናበለ ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ፍሉይ መለለይኡ ጾም አርብዓ ምዃኑ ንርዳእ። አምላኽ ብግልና አድሒኑና ንነፍስወከፍና ምስኡ ናይ ብሕትና ርክብ ክንገብር ይደልየና። ሰብ ብግሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቡር ፍጡር እዩ ከመይ አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ርክብ አልኦ።

ካብ አምላኽ ዝፈሊ ጋግ ክንፈጥር ከሎና ሽዑ ኩሉ ይሕርብተና ይሽግረና ትርጉም ንስእነሉ። አምላኽ ዘይብሉ ሕልና ወይ ሕይወት ኩሉ ጊዜ አብ ክፍኡ ዝዘንበለ እዩ ጽቡቕ ክገብር የሸግሮ ምኽንያቱ አብኡ አምላኽ የለን። በዚ መንፈስ ዝጉዓዝ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ጸልማት ይጉዓዝ። አብ አምላኽ እንተ ዘይተመልሰ ትርጉም ሕይወት ጠፊእዎ ኩሉ ጊዜ ዘይቅሱን ሕይወት ሒዙ ንርእሱ ተረቢሹ ንኻልኦት ክርብሽ ይነብር። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ውድቀት ወይ ዝኾነ ድኽመት ዘሎና ክንቅይር ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ክነሓድሶ ሎሚ ምቹእ እዋን እዩ።

ንአምላኽ ብግሊ ክንረኽቦ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ነገራት፡

·        ሰናይ ግብሪ፡ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኩሉ ተግባርና ስዉር ሰብ ዘይርእዮ አምላኽ ጥራሕ ዝርእዮ ክኸውን ከምዝግባእ ይነግረና። የማናይካ ዝገብሮ ጸጋማይካ አይፍለጦ ይብለና። አብ መገዲ ጸጋም ንዝርከብ አብ የማን ክንመልሶ ሎሚ እዋኑ እዩ። አብ ኃጢአት ንዝነብር ደፊርና ክንእርሞ እዋኑ እዩ። ንኸማና ዝበለ ሰብ ብኹሉ ጸቡቕ ግብርና አብ አምላኽ ክንመልሶ እምብአር ኩልና ጽዉዓት ኢና።

·        ጸሎት፦ ሓደ ካብቲ ንአምላኽ ክንረክብ ክንፈልጥ ዝሕግዘና ቀንዲ መጋበሪ ድሕነት እዩ። ዝጽሊ ንአምላኽ ይፈልጥ። ክትጽልዩ ከሎኹም ዘረባ አይተብዝሑ ይብልና። ክትጽሊ ከሎኻ ናብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብስዉር ዘሎ አቦኻ ጸሊ እቲ ብሥዉር ዚርኢ አቦኻ ብግሉጽ ኪፈድየካ እዩ ( ማቴ 6፡ 6) ይብለና። ጸሎት አብ መንጎ አምላኽን ሰብን እሞ ብምሉእ ትሕትናን ጽምዋን ክኸውን ይግባእ። አብ ጽምዋ እዋን ምስ አምላኽ ክንራኸብ ከሎና ብዙሕ ሓገዝ አለዎ። ሓዋርያት ብሂጎም ንመምህሮም ዝሓተትዎ ጸሎት ክምህሮም እዩ። ክትጽልዩ ከሎኹም አቦና አብ ሰማይ እትነብር እንናበልኩም ጸልዩ እናበለ ምሂርዎም። አብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ርክብ ልዕሊ ኹሉ ርክባት እዩ። ብዓቢኡ ንአምላኽ አቦ ክንብሎ ምሂሩና። ነቦና ድላይና ክንሓቶ አይንስከፍን ኢና ስለዚ ንሰማያዊ አቦና ሎሚ ክንልምኖ ድላይና ሃበና ክንብሎ እዋኑ እዩ።

·        ተጋድሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንፉዓት ተዋጋእቲ ኩኑ ይብለና። ውግእና ምስ ስልጣናትን ሓይሊ ከይስን እዩ እናበለ አብ ኩሉ ሕይወትና ንፈተና ከምኡ ባዕልና ካብ እነልዕሎ ናብ ኃጢአት ዝመርሕ ኩሉ ክንርሕቕ ክንጋደል ከም ዝግባእ ይነግረና። ክርስቶስ ባዕሉ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ኮንኩም ንበሩ ይብለና። ዝጋደል ምረት መከራ ይፈልጥ እዩ። ጸኒዑ ክጋደል እንከሎ ጥራሕ እዩ ዝዕወት ስለዚ ተጋዳልይ አብ ጸልማት ብርሃን ርእዩ ዝኽእል እዩ። እዚ ፖሎቲካዊ ገድሊ ዘይኮነ ሰማይዊ ገድሊ እዩ። ኩሉ ጊዜ ከይዘንጋዕና ንመንገዲ አምላኽ ሒዝና ክንጉዓዝ ሽዑ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንሕወስ ኢና። አብ ጉዕዞ ገድሊ ኢና ዘሎና ክሳብ ዕለተ ሞትና ሓለዋ ዘድልዮ ጉዕዞ ሕይወት።

አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ነፍስወከፍና ተሓዲስና ክንርከብ ምእንቲ ፍሉይ ምስትውዓል የድልየና። ሱባኤ ንአቱ አሎና ነርብዓ መዓልቲ ካብ ኩሉ ክፍእ፥ ሓጢአት ክንርሕቕ ምእንቲ። ነናትና መደብ ክህልወና እምብአር ግቡእ እዩ። ዓይንና ከፊትና መገዲ ጸጋም አለሊና ነታ ቀጣን መገዲ አምላኽ ክንክተል ። ነዚ ዝገብር ሰብ ካብ አምላኽ ርሑቕ አይኮነን። አምላኽ ፍጡራት ርሒቕናዮ ኩሉ መገዲ ጸጋም መሪጹ ዓለምና ትሕመስ አላ። ካብ ጽቡቕ ዝገብር ክፉእ ዝገብር ንጥፍአት ሓዉ ሆ እናበለ ዝጭድር በዚሑ ዘሎናዮ እዋን መሓረና ዘብል እዩ። አነን ንስኹምን ነዛ እንነብረላ ዓለም ቀየርታ ክንከውን ንኽእል ኢና ብፍላይ አብዛ ንእሽቶይ ቤትና ቁምስናና ንአምላኽ ክንዕድሞ ምሳና ክነውዕሎ። ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምስኡ ምስወዓሉ ተቐይሮም አሚኖም ከይወዓሉ ከይሓደሩ ንስብከት ወፊሮም እሞ ሎሚ ክንወፍር ክንሰብኽ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና አብ ገዛና አብ ሓዳርና አብ ኩሉ ንርከቦ እሞ ንስማዓዮ።

ዓይንና፥ እዝንና፥ እግርና ኩሉ ዘሎና አብ አገልግሎት አምላኽ ነውዕሎ። ደጊም አብ ሰብ ምግልጋል ወፊሩ ዝነበረ አእገር፥ ናይ ሰይጣን መንፈስ ወሪስዎ ዝነበረ ሕልና ሎሚ ታቦት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ዕላል ምስ ኢየሱስ ይጀምር። ሽዑ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳኻ አብዚ ምንባር ይሕሸና ዝብል መዝሙር ክንጅምር ኢና።

ኢየሱስ ሎሚ እውን ብልዕን ምምራትን አብ ዜበላሽዎ ሰረቕሪ ዅዒቶም አብ ዝሰርቅዎ ንአኻትኩም አብ ምድሪ ሃብቲ አይትአክቡ. . . ሰረቕቲ ዅዕቶም አብ ዘይሰርቅዎ አብ ሰማይ ሃብቲ አክቡ ይብለና። አብ ሰማይ ሃብቲ ክንእክብ አሎና። አብዚ ምድሪ ከሎና እዩ ዓስቢ ሰማይ ክንጭብጥ እንኽእል ማለት ሎሚ ዝገበርናዮ ጽባሕ አብ ሰማይ ክጸንሓና እዩ ነዚ ፈሊጥና ግብርና ክነጸብቕ ይግባእ። ዳሕራይ መንፈሊጥዎ ሎሚ ንብላዕ ንሰተ ዝበሉ አብ ታሪኽ ከም ሰብ ሰዶምን ገሞራን፥ አብ ጊዜ ኖኅ ዝነበሩ ካብ አምላኽ ርሒቖም እንከለዉ ሞት አርኪባቶም መመሰሊ ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ቅዱስ ጾም ነዚ ዘኪርና ንሰማይ ዝኸውን ሃብቲ ክንእክብ ይሕግዘና። አብ ታሪኽ አይሁድ ሓደ ሞኖባዝ ብዓል አድያቤን ዝተባህለ ንጉሥ ናብ እምነት አይሁድ ዝአተወ ብዛዕብኡ ዝዝረብ ታሪኽ አሎ። ሞኖባዝ ኩሉ ሃብቱ አብ ጊዜ ጥመት ንድኻታት ዓዲልዎ ይብሃል። በዚ ግብሩ ዘይተሓጎሱ አሕዋቱ ከምዚ እናበሉ ልኡኽ ሰደዱሉ አቦታትና ብዙሕ ሃብቲ አብርእሲ እቲ ካብ አቦታቶም ዝወረስዎ አኪቦም፥ ንስኻ ግን ናታቶም ናትካን በቲንካዮ እናበሉ ዘይምሕጓሶም ገሊጾምሉ። ንሱ ኸአ ከምዚ እናበለ መሊስሎም፡ አቦታትና ሃብቲ አብዚ ዓለም ዝኸውን አከቡ አነ ግን ሃብቲ ንሰማይ ዝኸውን አከብኩ፥ ንሳቶም ሃብቲ ወዲ ሰብ ኢዱ አእትዩ ከማሓድሮ ዝኽአል አብዚ ዓለም አከቡ አነ ግን ግን ኢድ ሰብ ከመሓድሮ ዘይክእል አብ ላዕሊ አብ ሰማይ አኪበ፥ አቦታትና ሃብቲ ወላ ወለድ ዘይብሉ አከቡ አነ ግን ወለድ ዘለዎ ሃብቲ አኪበ፥ ወለድና ሃብቲ ገንዘብ አከቡ አነ ግን ሃብቲ ንፍሲ አኪበ፥ አነ ሃብቲ ንርእሰይ አኪበ ወለድና ግን ሃብቲ አብዚ ዓለም ጥራሕ ዝኸውን አከቡ፥ አነ ዝአከብክዎ ሃብቲ ንዝመጽእ ዓለም ዝኸውን ሃብቲ እዩ እናበለ ዓቢ ትምህርቲ ዘልኦ መልሲ ሂብዎም።

ኢየሱስ ኩሉ ሃብቲ ይኹን አብ ጥቅሚ ርእስና ጥራሕ ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ ክሳራ እዩ። ብልብና ብዓቢ ሕያውነትን ርሕራሐን ተበጊስና እነወፍዮ ኩሉ አብ ሰማይ ሃብቲ የውህበና። አብዚ ምድሪ እዚ ዝልአኽናዮ ሰናይ ግብሪ እዩ አብ ሰማይ ዓቢ መዝገብ ዝኾነልና። እሞ እስከ ንርእስና ንሕተት ንሰማይ ዝኸይድ ሃብቲ አኪበደሎኹ፥ ንሰብ አምላኽ ጥራሕ ዝፈልጦ ሃብቲ አካፊለዶ? ሰብ ሎሚ ከም ዝሃበ ከም ዝገበረ እዩ ክፍለጥ ዝደሊ አብ ገለ እዋን ከአ ዘይገብርናዮ ከም ዝገበርናዮ ነውሪ ክልተ ጉድአት አብ ርእስና ነምጽእ።

ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ ንድኻታት ንጽጉማት፥ ሕሙማት፥ ጭቁናት፥ ሓደ ሓላይ ዘይብሎም እናተጣበቕት እያ አገልግሎታ ጀሚራቶ። ቅ. ሎረንሶ ድያቆን እዩ ነሩ ሓደ እዋን ሮማዊ ንጉሥ ንኹሉ ሃብቲ ቤተ ክርስትያን አምጽአዮ ኢሉ ሰለስተ መዓልቲ ሂብዎ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንጉሥ ብዙሕ አዋርቕን ሃብትን እና ተጸበየ ቅ. ሎረንሶ ንኹሎም ድኻታትን ምግዱራትን ጽጉማትን አኪቡ እዚኦም እዮም ሃብቲ ሽልማት ቤተ ክርስትያን ኢልዎ ይብሃል። ቤተ ክርስትያን አሰር መምህራ ተኸቲላ አብ ጎኒ ጽጉማትን ግፉዓትን ደው ትብል። ሎሚ ከም ሎሚ ዳርጋ አብ ሃብታም አብ ብዓል ስልጣን አድህቦ ምግባር ናይ ኩሉ ባህሊ ኮይኑ። ግፉዕን ድኻን ዝርእዮ ስኢኑ ብሕማም ብጥመት ብስደት ብኹሉ ክዋረድ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። አብዚ ጾም ክንገብሮ እንኽእል ክንገብር አብ ጎኒ ድኻታትን ውጹዓትን ደው ክንብል ክንምሃሮን ክንሓስበሉን ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ኢየሱስ ሃብትኻ አብዘለዎ ልብኻ አብኡ አሎ ይብለና። ሰባት ልቦም ቀልቦም አብ ናይ ዓለም ነገራትን ሃብትን ጥራሕ ከቕልቡ እንከለዉ ካብዚ ዓለም ወጻኢ አብ ዝርከብ ዓለም ከድህቡ ቀሊል አይኮነን። ብአንጻሩ ልቦም ቀልቦም ብዛዕባ ዘለዓለማውነት ዝሓስብ እንተ ኾነ ኸአ ናይ እዚ ዓለም ሃብቲ ምቾት ንልቦም ክማርኾ አይክእልን እዩ። እምብአር ልብና አበይ እዩ አድሂቡ ዘሎ። ሰብ ሎሚ ሃብቲ ክብሪ ስልጣን ክደሊ ክብል ዘይገብሮ ግፍዕን ጥልመት ዳርጋ የለን። ሃብቲ ዓለም ካብቲ ቀንዲ ጸዋዕታኻ ከዘናብል ዓቢ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ብሓቂ አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ክነድህበሉ ዝግብአና እዩ።

ጾምና ፍረ ክህልዎ አስተውዕል አቢልና አብ ሕይወትና ዘሎ ነገራት ርኢና ንኽአል እሞ ሽዑ ጉዕዞ ቅድስና ክንጅምሮ ኢና። ነዚ ኽንገብር ጾም ንጹም ንብጻይና ነፍቅር ልዕሊ ኹሉ ኸአ ንአምላኽና ጽን ኢልና ንስማዓዮ።

እምብአር ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ጉዕዞ ጾም ምስታ አደና ዝኾነት ማርያም ንጀምሮ ንሳ ምስጢር ወዳ ዝተረድኤት እያ፥ ንወዳ ክንረኽቦ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና ንሱ ዝብሎ ኸአ ጸሎት መምርሒኹም ገርኩም ስዓቡኒ ይብለና። ስለዚ ነደና መገዲ ወድኺ ሓብርና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

13 March 2021, 14:33