ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም 

ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ ኣብ ኣርመኒያ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምክያዶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ኣብ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ብዝብል መጸውዕ ዝኽበር ምዃኑ ዘኪሮ

ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዓውደ ኣዋርሕ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዕለት 27 ለካቲት ንፈለማ ግዜ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጐርጎርዮስ ዘናረክ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምስርቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተበዓለን፡ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ’ዚ ኣማእኪሎም ናይ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዘናረክ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ዝብል መጸውዕ ክወሃቦም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ብጹዕ ኣቡነ ለቫኖ ዘክያን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ መቃበለት፥ ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘናረክ ብናይ ሰላም መልእኽቱን ጸሎቱን ሓላፍነቱን ኣብ ታሪኽ ኣርመንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ልዑል ክብሪ ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም
ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣርመንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ተራኺቦም፡ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ጸሎት ኣብ ዘዕረግሉ እዋን “ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ናይ ሰላም ሊቅ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ” ከምዝበሉን ኣብታ ሰቆቃ ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ጐርጐሪዮስ ዘናረክ መጽሓፍ፥ ንጸላእቶም ይቕርታን ምሕረትን ካብ እግዚኣብሔር ክማህለሉ፥ “ነቶም ነኸስተይ ኣይተጽንቶም ለውጦም! ነቲ ሕሱም ምድራዊ ኣካይዳ ኣጥፊእካ ኣባይን ኣብኦምን እቲ ሰናይ ዝኾነ ኣካይዳ ሰርት” (ሰቆቃ 83, 1-2 ረኣ)፡ ዝበሎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ካብ 951 ክሳብ 1010 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበረ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ሰቂለ ህልናውን ገጣምን ኣርመናዊ ምእንቲ መላእ ዓለም ክጽልይ መልእኽቲ ንኵላዊ ምትሕብባርን ንመላእ ሰብኣውነት የመሓላልፍ፡ ምእንቲ ኩሎም ምሕረት ዝልምን ልባዊ ገዓር ዘቕርብ ቅዱስ፥ ንዅሎም ኣርመናውያን እውን ናይዚ ናይ ሱታፌ ሃረርታ መልእኽተይናታት ክኾኑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣርመን ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ከምእተላበዉ ዶኒኒ የዘኻኽራ።

ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም
ቅዱስ ጐርጎሪዮስ ዘናረክ፥ ናይ ሰላም ሊቕ ንእዋናዊ ዓለም

ጥምረትን ሰላምን ናይ ምዃኑ ማእከል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ ኣብ ኣርመኒያ ኣብ 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምክያዶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ 2015 ዓ.ም.  ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ኣብ ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ብዝብል መጸውዕ ዝኽበር ምዃኑ ዘኪሮ፡ ቅዱስ እንክብሉ ከምዝኣወጁን ዝዘከራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥ ናይ ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ጥምረት ዝብል ቃሉ ንኣርመናውያን ነቢያዊ ቃላትን ናይ ሰብኣዊ ፍጣረት ነቕ ዘይብል ተንትናንን እንክብሉ ገሊጾምዎ ከንዝነበሩን፥ እዚ ኸኣ፥ ብፍታወይ ናይ ኩሉ ሓጢኣት ናተይ ገይረ ካብቲ ናይ ኣቦ ክሳብ እቲ ዳሕረዋይ ዘርኡ ኵሉ፥ ናይ ተሓታቲ ሓላፍነት ኣብ ዝባነይ” እንክብል ኣብታ ሰቖቓ ዘርእስታ መጽሓፉ ዝገልጾ ሓሳብ የረጋግጸልና፡ ንማህልየ ማህሊ መጽሓፍት ዘቕርቦ ትንታነን ማኣለያ ዘይብሉ ናይ ወዳሴ ድርሰታቱን ካብ ዝደረሶም መጻሕፍት ንምጥቃስ ይከኣል፡ ንማርያም ዘለዎ ኣኽብሮት ልዑል እዩ፡ ኣብ ናይ ቅዱስ ጐርጎርዮስ በዓል ናረክ ናይ ቲዮሎጊያን ንማርያም ዝነበሮ ተወፋይነቱን ብዛዕባ ማርያም ዘቕርቦ ትንታነታቱ ድሮ እቲ ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ማርያም ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ተጸንሰት ዝብል ናይ እምነት ሃምነናዊ ድንጋጌ ኣቐዲሙ ዘበሰረ እዩ።

ዕለት 27 ለካቲት ኣብ ሮማዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ከምዝወሰኑን እቲ ዝክረ በዓል እውን ከምቲ ናይ ብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ዘይግዴታዊ ዝብል እዩ። ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ናይ ቅዱስ ጐርጎርዮስ በዓል ናረክ ብነሓስ ዝተሰርሐ ቅዱስ ሓውልቲ ክቐውም ገይሮም ከምዝባረዅን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይቲ ቅዱስ ሓወልቲ ናይ ምብራኽ ስነ ስርዓት እውን መቐመጢኦም ኣብ ኤትችሚያድዚን ናይ መላእ ኣርመናውያን ኵላዊ ላዕለዋይ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዳግማውን መቐጢኦም ኣብ ዓባይ ቤት ቂልቂያ ኵላዊ ፓትሪያርክ ዓይራም ቀዳማውን ናይ ኣርመናውያን ካቶሊካውያን ኣብ ቂልቀያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪኮር በድሮስ መበል 20 እውን ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ዶኒኒ የዘኻኽራ።

ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ዕለት 27 ለካቲት

ዕለት 27 ለካቲት ዓመታዊ ዝክረ በዓል ቅዱስ ግረጎሪዮስ በዓል ናረክ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐሆ ሰዓት 10.30 ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ኢስታምቡል ናይ ኣረምናውያን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳዊ ወኪል ንናይ ኣርመናውያን መቺታሪስታ ጉባኤ ብጹዕ ኣቡነ ለቮን ቦጎስ ዘክዪኣን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብሪያን ፋረልን ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኣብ ዝቖመ ናይ ቅዱስ ጐርጎሪዮስ በዓል ናረክ ቅዱስ ሓወልቲ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ዘሳተፈን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣርመኒያ ልኡከ መግንስቲ ጋረን ናዛሪያን ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ኣብ ሮማ ናይ ኣርመን ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ወኪል ብጹዕ ኣቡነ ክሃጃግ ባርሳሚያን ዝመርሕዎ ጸሎት ከምዝዓረገ ዶኒኒ ሓቢረን።

01 March 2021, 15:19