ሳኮ፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከልና ንዒራቕ ዝቕይር ኵነት ሳኮ፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከልና ንዒራቕ ዝቕይር ኵነት 

ሳኮ፥ ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከልና ንዒራቕ ዝቕይር ኵነት

እቶም ዘይክርስቲያን እውን ነቶም ክርስቲያን “ንስኻትኩም ከምዚ ዝብለ ዓቢይ ሃብትን ትሑትን ንኹሉ ጽን ዝብልን ዘፍቕርን ኣቦ ዘለዅም ዕድለይናታት ኢኻትኩም” ከምዝበልዎም

ኣብ ዒራቕ ናይ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንመላእ ዒራቕ ዝልወጥ ፍልዩ ህሞት እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ዕለት 7 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገበረሉን ምንዮት ናይ መላእ ዒራቃውያን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ጐድኖም ዝነበሩ ኣብ ዒራቕ ናይ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቡጹዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ ንመላእ ክርስቲያንን እስላምን ፍሉይን ዓቢይን ኵነት ምዃኑ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣመልኪተን ኣብ ዒርቕ ዝርከባ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ሰምዑን ናይ ሕትመት ጋዜጣታት ምስ ኣንበቡን ብቐረባ ዘስተውዓልዎ ሓቂ ምዃኑ ገሊጾም፡ ንሕና እንሓስቦ ጥራሕ ዘይኮኑ ብኹሉ፡ “ምስ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ መልእኽቲ ምጽንናዕን ሰላምን በጺሑ እዩ” ምስ በሉ፡ ኣብቲ ንቅዱስነቶም ዝቕበል ዝነበረ ሕዝቢ ዝርአይ ዝነበረ ምድናቕን ሓጐስን ከምዘገረሞምን እቶም ዘይክርስቲያን እውን ነቶም ክርስቲያን “ንስኻትኩም ከምዚ ዝብለ ዓቢይ ሃብትን ትሑትን ንኹሉ ጽን ዝብልን ዘፍቕርን ኣቦ ዘለዅም ዕድለይናታት ኢኻትኩም” ከምዝበልዎም እውን ይሕብሩ።

ናይቲ ምብጻሕ ማሕታ ኣብ ዒራቕ

ብርግጽ እቲ ምብጻሕ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ሕይወት ዓቢይ ማሕታ ክህልዎ ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ፡ ካልኦቶ ኣብ ዝህብዎ መልሲ፥ ምልዋጥ ዘስዕብን ዓመጽን ኣኽራርነትን ንምውጋድን ዘተባብዕን ድላይ እውን ዘነቓቕሕ እዩ፡ ዒራቓውያን ብባህርይኦም ምእኵላን እያቶም፡ ኣኽራርነት ካብ ደገ ናብ ዒራቕ ዝመጸ እዩ፡ እዚ ጽልዋ ዝፈጠረ እውን እንተነኾነ ዒራቓውያን ናብቲ ተፈጥሮኣዊ ባህሪኦም ክምለሱ እያቶም።

እቲ ምብጻሕ ኣብ ፖለቲካዊ ሕይወት እውን ከይተረፈ ማሕታ ክህልዎ ከምዝኾነን፥ እዚ ኸኣ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዝብል ኣመለኻኽታን ኣብቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫን ጽልዋ ክህልዎ እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ናጃፍ ዘካየድዎ ምብጻሕ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ክብሪ ዘለዎ እዩ፡ ደሓር እውን ኣብ ዑር ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ሰላምን ሕውነት ምስ ቅዱስነቶም ኮይንና ዝጸለናሉ - ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ብመልእኽቶምን ብዘስምዕዎ መደረን ኣቢሎም ናብ ኵሉ በጺሖም እዮም፡ ንሕዝቢ ዒራቕ ዓቢይ ተገዳስነት ከምዘለዎም ዘመላኽት እውን እዩ፡ ኣብ ዒራቕ መጺእካን ንሰለሰ መዓልቲ እውን እንተኾነ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ተስፋታትን ተኻፋሊ ምዃን ዝብል ምብጻሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 March 2021, 15:49