ደቡብ ኮርያ፥ ሓኤሚ ናይ መንፈሳዊ ንግደት መካነ ስፍራ ክኸውን ተወሲኑ ደቡብ ኮርያ፥ ሓኤሚ ናይ መንፈሳዊ ንግደት መካነ ስፍራ ክኸውን ተወሲኑ 

ደቡብ ኮርያ፥ ሓኤሚ ናይ መንፈሳዊ ንግደት መካነ ስፍራ ክኸውን ተወሲኑ

ናይ ጃኤጀኦን ጳጳስ፥ ብሕይወትን ሞትን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ መሰኻኽር ከምዝኾኑን እምነት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንኽመሓላለፍ ዝገብር ህያው ሰዓብትን መሰኻኽርን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማሕበረሰብ ኣብ እምነት ክድልድል ዝገብር

ቅድስቲ መንበር ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ናይታ ሃገር ካቶሊካውያን ሰማዕታት ስፍራ ሓኤሚ ናይ መንፈሳዊ ንግደት መካነ ስፍራ ኸውን ከምዝወሰነት ናይ ዳኤጀኦን ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ ስኪ ሓቢሮም፥ እቲ መካነ ናይ ንግደት ስፍራ ብሕይወትን ሞትን ትንሳኤን ዝተገልጸ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ ብተግባር ናይ ዝመስከረ ናይ ሕይወት ትእምርቲ እዩ ከምዝበሉ ኡካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን።

እዝስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን ደቡብ ኮርያ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉሉ ስፍራ ሓኤም ቅድስቲ መንበር ናይ መንፈሳዊ ንግደት ስፍራ ክኸውን ከምዝወሰነትን እቲ ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ነቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ዝነብሩ ዘብርህ እዩ እንክብሉ ናይ ዳኤጀኦን ጳጳስ ብጽዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሄንግ ሲክ ከም ከምዝገለጹ ኣገልግሎት ዜና ኡካ ዝጠቐሳ ፖቸ ኣስዒበን፥

ክልተ ሺሕ ሰማእታት እምነት

እቲ መካነ ስፍራ ሰማዕታት ናይ ንግደት ስፍራ ዝብል ስያሜ ከምእተወሃቦን እዚ ዜና ዕለት 1 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያ ኣብ 2016 ዓ.ም. ተኸባሪ ዝብል ውሳኔ ንዝሃበትሉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ቶማስ ቾኤ ያንግ ኮፕ መበል 200 ዓመት ውልደቶም ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት ከምዝኾነ ብጹዕ ኣቡነ ዩ ሓ ቢሮም እቲ ናይ ንግደት ስፍራ ክኸውን ብቕድስቲ መንበር ውሳኤ ዝተወሃበሉ ሓኤሚ ካብ ናይ ደቡብ ኮርያ ርእሰ ከተማ ሴኡል 280 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ዞባ ሰኣሳን ኣውራጃ ደቡብ ቹንግከኦንግ ከምዝርከብን ካብ 1866 ክሳብ 1882 ዓ.ም. ኣብ እዋን ስርወ መንግስቲ ጆሰኦን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣሳዶን መቕተልትን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ተኣሲሮምን ተቐጥቒጦምን ብሕይወቶም እንከለዉ ተቐቢሮምን ንሞት ዝተዳርጉ ምዃኖም ፖቸ ይሕብራ፣

እቶም ሰማእታት ይብሉ ናይ ጃኤጀኦን ጳጳስ፥ ብሕይወትን ሞትን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ መሰኻኽር ከምዝኾኑን እምነት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ንኽመሓላለፍ ዝገብር ህያው ሰዓብትን መሰኻኽርን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ማሕበረሰብ ኣብ እምነት ክድልድል ዝገብር ምዃኑ ናይ ዳግማይ ኣስፍትሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብቲ ቅድስቲ መንበር ዘመሓላለፈቶ ናይ ውሳኔ ሰነድ የመላኽቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ቅዱስ ናይ ንግደት ስፍራ ኣብ ኮርያ ካልኣይን ኣብ መላእ እስያ ሳልሳይ ናይ ምዃኑ ክንገር እንከሎ ካብ ጠቕላላ ብዝሕ ሕዝቢ ኮርያ 46 ሚእታዊ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖት ዘይስዕብን እቲ 29 ሚእታዊ ክርስቲያን 23 ሚእታዊ ቡድሃውያን ከምዝኾኑን ካብ ጠቕላላ 51,8 ሚሊዮን ሕዝቢ ደቡብ ኮርያ እቲ 11 ሚእታዊ ጥራሕ ካቶሊክ ምዃኑ ፓቸ ኣፍሊጠን።

11 March 2021, 16:04