ቅልውላው ሓይቲ ቅልውላው ሓይቲ 

ሓይቲ፥ ገዳማውያንን ጳጳሳትን፥ ሃገር ትመውት ኣላ

ብድኽነትን ሕማምን ተጨኒቑ ዘሎ ህዝቢ መጻኢኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሻሕከረ ይኸይድ ከምዘሎን ሕጂ እውን ብለበዳ ኮቪድ-19 ኣዚዩ ኣስጋኢ እናኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እታ ሃገር እቲ 60 ሚእታዊ ትሕቲ ድኽነት ዝነብርን

ናይ ሓይቲ ናይ ገዳምውያንን ገዳማውያትን ጉባኤ ንናይ ሃገሮም መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ህዝቦም ብሕማምን ድኽነትን ኣብ ከቢድን ጭንቀት ተዋሒጡን ዘይብሩህ መጻኢ ኣብ ቅድሚኡ ተዓሪዱን ኣዚዩ ኣብ ዘስከፍክ ኩነት ከምዝንርከብ፡ ኣብ ሃገርና ናይ ብዙሕት ገበናትን ግዳያትን ኢፍትሓውነትን ዘይማዕርነትን መሰኻኽር ኢና ዝብል መልኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ሓይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገሮም ትነብሮ ዘላ ኩነት ዘይጽወርን ዘየተኣማምንም ዕለት ብዕለት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገልጽ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስዒቡ፡ ናይታ ሃገር ናይ ገዳምዋያንን ገዳማውያትን ቤት ምኽሪ እውን ነቶም ብብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ከምኡ እውን ሕዝቢ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንክብል ሕቶ ንዘቕረበሎም ዘሎ ስልጣኖም ኣጽኖዖም ዘደላደሉ ንናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ዮቨነል ሞይሰ ብብርቱዕ ከምዝነቐፉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥

ርእሰ ብሔር ሞይሰ ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርቦም እውን እተኾነ ሕዳሴ ቅዋም ሃገር ዝብል መደቦም ንቕድሚት ክብል ይገብሩ ከምዘለዉን፡ ብፍሉይ እዋጅ መሰረት እውን እቲ ካብ 2017 ዓ.ም. ዝተረከብዎ ስልጣን ንሓደ ዓመት ክቕጽል ከምዝገበሩን ሕዝባዊ ምርጫ ዝሓለፈ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ክካየድ ከምዝነበሮን እቲ ምርጫ ን2021 ዓ.ም. ወርሒ መስከረን ኣሰጋጊሮምን ነታ ሃገር ብዘይ ህዝባዊ ባይቶ ይመርሑ ከምዘለው ኣመላኺተን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሮ ብድኽነትን ሕማምን ተጨኒቑ ዘሎ ህዝቢ መጻኢኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሻሕከረ ይኸይድ ከምዘሎን ሕጂ እውን ብለበዳ ኮቪድ-19 ኣዚዩ ኣስጋኢ እናኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እታ ሃገር እቲ 60 ሚእታዊ ትሕቲ ድኽነት ዝነብርን መጠን ዝቕባበ እታ ሃገር እዚዩ ዘሰክፍን ስእነት መግብን ነዳድን ክኽሰት ይገብር ከምዘሎን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንስእነት መግቢ ከምእተቓለዔ ከምቲ ጳጳሳት ሓይቲ ኣብቲ ናይ ዕለት 2 ለካቲት 2021 ዓ.ም. መልእኽቶም ዝበልዎ፡ ዓፋንን ናይ ሞትን ወተሃደራት ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ እታ ሃገርን ከተማታታን ራዕድን ሞትን ይዘርኡ ኣለዉ። ጸጥታን ደሕንነት ዘይብላን ጨወያ እናሰፈሔን እዚ እውን ንሓደ’ኳ ዘየናሕሰይ ከቢድ ራዕዲ ኣብታ ሃገር ከንጸላልው ይገብር ምልዉ እዩ ዝንገር።

ልክዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ጳጳሳት ሓይቲ ብዛዕባ ሃገሮም ዘሰምብድ ህልው ኩነታት ኣማእኪሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ሓይቲ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ጉባኤ፥ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ስእሊ ህልው ኩነታት ሃገሮም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም፥ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ንምእላይን ካብ ቁጥዔ ንምዕቃብን ዝግባእ ውሳኔ ኣይወሰደን እንክብሉ ኣብታ ናብ ርእሰ ብሔር ሞይሰ ግልጺን ቅሉዕን መልእኽቶም ሓቢሮም፥ “እቲ ዘገድሰኩም ናይ ህዝቢ ጥርዓንን ተቓውሞን ይኣክልን ዝብል ጻውዒት ዘይኮነ ስልጣንኩም እዩዝመስል” ከምዝበሉ ዝሓበራ ዘንጋሪኒ ኣስዒበን፥ ሕዝቢ ኣብ ድኽነትን ስቓይን ንስእነት መግብ እናተቓልዔ እሞ ነዚ ናይ ህዝቢ ጸገም መፍትሒ ዘየናዲ ስልጣን ትርጉም የብሉን፥ እቲ ናይ ሞት ባቡር ዕለት ብዕለቲ ኣብ ህዝቢ ጓህን ልቕሶን ሓዘንን ዝዘርእ ዘሎ ደው ንምባል ብቕዓት ዘይብሉ መንግስትን ስልጣንን እንታይ እዩ ትርጉሙ፡ ናይ ሕዝቢ ናጻነትን ብናጻ ብዘይ ፍርሕን ራዕድን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክብርን ውሕስነት ጸጥታን ድሕንነትን ውሕስ ዘይገብር መግንስትን ስልጣንን ጥቕሙ ኣበይ እዩ ዝብል ሕቶ እውን ኣብ መልእኽቶም ብዝርዝር ከዘስፈሩ ኣፍሊጠን።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1983 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ምብጻሕ ናይ ሓይቲ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ቤት ምኽሪ ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፡ እቲ ኣብቲ እዋን ዘቕረብዎ ናይ ለውጥን ሕዳሴን ጻውዒት ኣብ ዝሓለፉ 38 ዓመታት ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለን ኩነታት ሃገር ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰን ሃገርን ህዝብን እናሞተን ኣብ ከቢድ ተስፋ ቁርጸትን ኣብ ትሕቲ ኣርዑትን ኣልቦ ቅሳነትን ይርከብ ከምዘሎን ሃገር ትመሓደር የላን፡ ንሕና መሰኻኽር ኣደዳን ብዙሕ ገበናትን ኢፍትሓውነት ኢማዕርነት ኢና፥ ክቡር ርእሰ ብሔር ናይታ ሃገር ሕጊ ብምኽባር ንናይ ህዝቢ ጠለባት ቅሉጥፍን ጭቡጥን መልስታት ናይ ምሃብ ሓላፍነትን ግቡእንትን ኣለኩም እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

11 March 2021, 16:11