ኮሎምቢያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መራሒት ደቀባት ኹዋኺቢዮ ዝተፈጸመ ቅትለት ተውግዝ ኮሎምቢያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መራሒት ደቀባት ኹዋኺቢዮ ዝተፈጸመ ቅትለት ተውግዝ 

ኮሎምቢያ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መራሒት ደቀባት ኹዋኺቢዮ ዝተፈጸመ ቅትለት ተውግዝ

ሕይወት ዝህብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሕይወት ዘጥፍእ ጸረ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረትን እዩ

ዝሓለፈ ረብዕ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ደቀባት ዜጋታት መራሒት ምስ ሕጻን ጓል ወደን ኣጽዋር ብዝተዓጠቑስ ሰባት ከምእተቐትላ ናይ ሞኮኣ ሲቡንዶያ ሰበኻ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ እዘን መራሒት ደቀባት መቕተልቲ ዝፈጸመ እካል ኮነ ጉጅለ ካብ ሕጊ ከምዘይምልጡን ስለ እቲ ዝፈጸመዎ ግብረ ቅትለት ኣብ ሕጊ ፊት ክቐርቡ ናይ ሕዝቢ ተስፋን እምነትን እዩ ከምዝበለ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ናይ ሞኮኣ ሲቡንዶይ ሰበኻ ዕለት 18 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝግበሮ መግለጺ፡ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብሓደ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ተወላዲት ደቀባት ናይ ካቢልዶ ካመንትዛ ቢያ ካንቲባን ማሪያ በርናርዳ ዃኺቢዮ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሒ ዓመት ዝዕድመኣ ጓል ወደን ከምእተቐትላ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኤል ኤስፐክታዶር እተሰምየ ኣብ ኮሎምቢያ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ዝጠቐሳ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፖቸ፥ ይብላ ማሪያ በርናርዳ ዃኺቢዮ ምስ ሰለስተ ብጾተን ብሓባር ናብ ኤል ፕላሰር እተሰምየ ናይ  ቫለት ደል ጓሙኤዝ ዞባ ፑትማዮ እናተጓዕዛ እንከለዋ በቶም ዕጡቓት ጉጅለ ተዓጊተን ከምእተቐትላ ኣፍልጠን።

ሕይወት እቲ እዚዩ ዝተቐደሰን ዝተባርከን ጸጋ እዩ

ናይ ሞኮኣ ሲቡንዶይ ሰበኻ ናይ ማሕበራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ኣባ ልዊስ ሄርናን ሚራማግ ኣብቲ ብስም ሰበኻኦም ብዛዕባ መቕተልቲ ማሪያ በርናርዳ ዃኺቢዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ፡ ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋንን ኩነትን እቲ ኣዚዩ ዝተቐደሰን ዝተባርከን ሕይወትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክዕቀብን ክኽበርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሕይወት ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ፡ ሕይወት ዝህብ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሕይወት ዘጥፍእ ጸረ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረትን እዩ ከምዝበሉ ፖቸ ኣፍሊጠን።

ጻውዒት ንናይ መንግስቲ ተቕዋማት

ኣባ ሀርናን መግንስቲ ናይ ዜጋታት ሕይወትን መሰልን ክብረትን ውሑስ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ቢሎም፡ ኣብ ልዕል ዜጋታት ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም መቕተልትን ምፍርራሕን ክውገድ ፍትሕን ምርግጋእን ክዕወት ኣበርቲዑ ክዓይ ተማሕጺኖም፥ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕይወት ምኽባርን ዝብል ኣገልግሎት ናይ ዝኾነ ይዅን ፖለቲካ ተልእኾ ማእከል ክኸውንን ንሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሕልፈት ክኽበር ምዕያይ ኣንጻር ማዕበል ዘቝውም እውን እንተኾነ ብዘየገድስ ሕይወት ካብ ምክልኻል ዝዓበየ ክብሪ የሎን ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ዘመሓላለፍዎ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ፖቸ ኣፍሊጠን።

22 March 2021, 13:58