ኢንዶነዢያ፥ ኣብ ከተማ ማካሳር ኣብ እትርከብ ካቴድራል ወጻኢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ኢንዶነዢያ፥ ኣብ ከተማ ማካሳር ኣብ እትርከብ ካቴድራል ወጻኢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 

ኢንዶነዢያ፥ ኣብ ከተማ ማካሳር ኣብ እትርከብ ካቴድራል ወጻኢ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ

ኣብ ኢንዶነዢያ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ምስ ኣልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎን ኣብዚ እዋን`ዚ ከኣ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዘለዉን

ዕለት 28 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዢያ ኣብ እትርከብ ካቴድራል ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ብምኽንያት በዓለ ሆሳዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዕርገሉ ዝነበረ እዋን ብዝተፈጸመ ለኪምካም ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 14 ሰባት ከምእተቐትሉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ ኢንዶነዢያ ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 09.26 ደቓይቕ ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ልበ ዘኢየሱስ ብበዓለ ሆሳዕና ምኽንያት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣብቀዔ ለኪምካ ናይ ምጥፋሕ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸረ ቤተ ክርስቲያን ዝሃቀነ ሸበራዊ መጥቓዕቲ

ኣብ ኢንዶነዢያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዙሕ እዋን ንመኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዒላማ ከምዝኾናን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ደሴት ጃቫ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ሓንቲ ካቶሊካዊትን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ፖርተስታትን ሽበራዊ መጥቓዕቲ ተፈጺሙ 13 ሰባት ከምእተቐትሉን ነቲ ለኪምካ ናይ ምፍጥፋእ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ እውን ሽዱሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ከምዝነበሩን ናይቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ እውን እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝጽውዕ ዳዒሽ ጉጅለ ኣሸበርቲ ተሓታቲ እየ እንክብል መግለጺ ዘርጊሑ ከምዝነበረ የዘኻኽር።

እኽራርነት

ኣብ ኢንዶነዢያ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ምስ ኣልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎን ኣብዚ እዋን`ዚ ከኣ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዘለዉን ንውሁዳን ሃይማኖታት ዒላማ መጥቓዕትን ኣሳዶን ኣድልዎን ዝገብርን ኣብ ምዕራባዊ ደሴት ጃቫ ኣብ ከባቢ ጃካርታን ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ዞባ ኣሰሕ ሻሪዓ ካም ናይ ማሕበራዊ መመሓደሪ ስርዓትኣብ ዝኾነላ ግዝኣት ኣዚዩን ኣበርቲዑን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣሸበርቲ ጉባኤ ሕዝቢ ምስልምናን ተኻላኸልቲ ሃይማኖት ምስልምና እቲ ሳልሳይ ላስክሓር ጂሃድ እተሰምየን እውን ከምዝኾነን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብላጺ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምናን ብዙሓት ምሁራት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘተን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘተባብዑ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብዚ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ዝተፍላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ርክብን ዘተን ኣብ ምንቕቓሕ ዓቢይ ግደን ቀንደይና ተዋሳኢት እውን ምዃኑ የመላኽት።

30 March 2021, 15:24