ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቅዋሜ 

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቅዋሜ

ብውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መሰረት ናይቲ ብጹዕን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ውሽጢ መመሓደሪ ስርዓተ ደንብ ሕዳሴ ተገይርሉን ኣብ 1995 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይኹንታ ዝሃብሉ ሕዳሴ መሰረት ካብቲ እዋን ንደሓር ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣባላት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ክኾኑ

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቁፍ ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ምኽንያት ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበረ ብጹዕ ካርዲናል ባኛስኮን ምኽትላቶም ኣብ ፖላንድ ናይ ፕዝናን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋደኪን ኣብ እንግልጣር ናይ ወስትምንስትር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኒኮልስ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ናብ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ መኽሪ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረተ ዕለት 25 መጋቢት 1971 ዓ.ም. ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር Ad experimentum - ንሙከራ ብዝብል ውሳኔ ደሓር ናይ ኤውሮጳ ንግስቲ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃባን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብእትኽበር ሓልዮት ቅድስተ ማሪያም እመ ክርስቶስን እመ ቤተ ክርስቲያንን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ብዝብል መጸውዕ ዘቖሞ ከምዝኾነ ናይቲ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ሕብረት ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ የዘኻኽር።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት ቅዋሜኡ ዘሕለፎ ኣካል መርሕነት

እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ካብ ዝቐውም ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ካብ 1971 ክሳብ 1979 ዓ.ም. ብፈረንሳዊ ብጹዕ ካርዲናል ሮጀር ኤትቸጋራይ ከምእተመርሐን ስዒቦም እውን ክሳብ 1986 ዓ.ም. እንግሊዛዊ ካርዲናል ባሲል ሁመን ካብ 1986 ክሳብ 1993 ዓ.ም. ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒን ካብ 1993 ክሳብ 2001 ዓ.ም. ናይ ችክ ረፓብሊክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሚሎስላቭ ችልክን ኣብቲ እዋን እውን ብውሳኔ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መሰረት ናይቲ ብጹዕን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ  ሕብረት ናይ ውሽጢ መመሓደሪ ስርዓተ ደንብ ሕዳሴ ተገይርሉን ኣብ 1995 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ይኹንታ ዝሃብሉ ሕዳሴ መሰረት ካብቲ  እዋን ንደሓር ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ  ምኽሪ  ሕብረት ኣባላት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ክኾኑ ከምዝወሰኑን፡ ካብ 2001 ዓ.ም. ክሳብ 2006 ዓ.ም. ናይ ሽወደን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣመዲ ግራብን ድሕሪኦም እውን ሃንጋርያዊ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ኤርዶን ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ናይ ጀኖቫ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣቦ መንበርነት ይምራሕ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምኽንያ ቅዋሜኡ

ብምኽንያት ናይ ሕበርት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ባይቶ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይቲ ባይቶ ቤት ጽሕፈት መርሕነት ናብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ናይቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ባይቶ ክቐውም ዝደረኾ ዕላማ ብቐዳምነት፥ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክራኸቡን ሓባራዊ ምፍላጥን ተመክሮታት ምልውዋጥን መሰረት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ክርስቶስ” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ባይቶ ኣብ ኣዋናዊ ኵነት ኤውሮጳ ነቲ ንኽቐውም ዝድረኾ ዕላማ ምሕዳስን ምሕያልን ኣቃልቦ ክግበረሉን፡ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግዜ ምልክታ ፍልዩ ኣተኵሮ ከምእትገብር ዘመላኽት ከምምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ባይቶ ነቲ ኣብ 1989 ዓ.ም. ዝቖመ ሕብረት ኤውሮጳ ትንቢት ከምዝኾነ ገሊጾም፡ ኣቐዲሙ ህብረት ኤውሮጳ ዝተነበየን እቲ ንኽቐውም ዝደረኾ ምኽንያት ኣብ ህልው ኵነት ኤውሮጳ ህላዌኡን ተልእኾኡን ዘደልድልን  ምስ ህልው ኩነታት ኤውሮጳ ዝናበብን እውን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፥ . . . ኣብ ኢክርስቲያናዊት ኣብ ምዃን ልምዲ ትስጉም ኣብ ዘላ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ኣዚዩ ዘሳቕይ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ጥዕናን ናይ ኣባይቲ ስድራ ኤኮኖምን ናይ ስራሕ ፖለቲካን ኣዚዩ ኣብ ዝትንክፈሉን ማሕበራዊ ቁጥዔ ኣብ ዘለዓዕለሉን ዘሎ እዋን ኣብ ናይ ሃይማኖት ሕይወት እውን ከይተረፈ  . . . ጽልዋ ዘለዎን እዋናዊ ሓደጋ ተወሲዅዎ ከምዘሎን እዚ ከይኣክል እውን ውላቃውነትን ንኣይነትን ዝብል ባህሊ ተወሲዅዎ ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዖዞ ምልሕላሕ የስዕብ ከምዘሎ ኣመላኺቶም፡ ነዚ ኩሉ ግምት ብምሃብ ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ተልእኾኣ ከመይን እንታይ ክኸውን ከመዘለዎ ንምስትውዓል ዘጸግም ኣይኮነን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብድሆታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ

“ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኵሉ ኵንነት’ዚ ብዓብይ እምንቶ ክርስቶስ ተስፋና እዩ ቢላ ንኸተበስር ዝተጸውዔት እያ” ዝበል ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ባይቶ ቤት ጽሕፈት መርሕነት ብምኽንያት ናይቲ ባይቶ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብምዝኽኻር፥ እዋናዊ ብድሆታትን እቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተኣታትዎ ዘሎ ሓደስቲ ብድሆታት ንምግጣምን ምእንቲ ሕውነት ዝዓሰሎ ሕንጸት ዓለምን ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ንቕረባ መጻኢ ድህረ ኮቪድን ናይ ኵሉ ህርኩት ጻዕርን ሓባራዊ ተበግሶታትን ዘነቓቕሕ እውን እዩ ቢሎም፥ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ እቲ ባይቶ ኣብ ሮማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ባይቶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረኽብሉ ስለ ስርዓት ከብዕል ምዃኑ ኣብቲ ናይቲ ባይቶ ቤት ጽሕፈት መርሕነት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 March 2021, 15:14