ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ምእንቲ ንዝተዓርቐት ምያንማር ንጸልይ ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ምእንቲ ንዝተዓርቐት ምያንማር ንጸልይ 

ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ምእንቲ ንዝተዓርቐት ምያንማር ንጸልይ

ኣብታ ብዙሕነት ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ዘለዋ ምያንማር ማዕርነት መሰልን ክብርን ውሑስ ኮይኑ ኩሉ ብምትሕብባር ምእንቲ ሰላማዊት ምያንማር ግደኡ ከበርክትን ሓይሊ ምክልኻል ጸረ ሕዝቢ ንኽኾኑ ዘይኮነ ናይ ሕዝብን ሃገርን ሰላምን ደሕንነትን ውሑስ ንኽገብሩ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ክኽብሩ

ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ምያንማር ክኸውን ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ናይ ጸሎት ስነ ስሮዓት ብመረብታዊ ውሕዘት ከምእተኻየደን፥ ምእንቲ ደሞክራስን መሰልን ክብረትን ምኽባርን ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝፍነዎ መጥቓዕቲ ኣልዮም ንሕዝቢ ዝከላሉል ክኾኑ ዝምህለል ጸሎት ዝዓረገሉ ዕለት ከምዝኾነ እውን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ምእንቲ ንዝተዓርቐት ምያንማር ንጸልይ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምያንማር እቲ ዕለት 1 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝኸሰቶን ዝቕጽልን ዘሎ ምፋሳስ ደምን ዓፈናን ምኽንያት መላእ ሃገርን ህዝብን ናብ ምዕራፍ ደልሃመት ንኸብል ይድርኾ ከምዘሎን፡ እቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ መራሒት ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ንቤት ማእሰርቲ ዳሪጉን ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ኣካላት እውን ንተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘቃልዔን ደሞክራስን ናጻነትን ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ምያንማር ዝተበጽሑ ክብርታት ከይቕበር ናይ ኩሉ ህርኵት ጻዕርን መሃዝነትን ብርቱዕ ድላይን ከምዝሓትት ኣብዚ ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን፥ ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ቦ ሊቀ ጳጳሳት ያንጐን፥ ኣብ ልዕሊ ሞት ሕይወትን ትንሳኤን ሰዓሪ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ትንሳኤ ክህሉ ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ክርስቶስ ኣብ ጽሉም እዋን

ነቲ ዕልዋ መግንስቲ ዝፈጸመን ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቃወም ሕዝቢ ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ንምብታን ሓይሊ ጸጥታ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይተመጣጠ ሓይሊ ናይ ምጥቓም ተግባራት ዘስዓቦ ዘሎ ሞትን ማህሰይትን ማእሰርትን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ብዙሓት እውን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ክንገር እንከሎ፡ ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ “ኣብዚ ጽንኩርን ጸልማትን ህሞት ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን መጋበርያ ኣብ ምዃና ኣበርቲዓ ክትዓይን፥ ናይ ጐይታ ኣእዳውን ኣእጋርን ኮይና ንድኻታትን ነቶም ኣብ ፍርሕን ራዕድን ዝርከቡ ክትኣልን ምእንቲ ሃገርና ንጽልይ፡ ንጽልእ ብፍቕሪ ንኽትቃለሶን ናይዚ ፍቕሪ’ዚ ህያው ምስክር ክትከውን ጐይታ ይጽውዓ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምእንቲ ሰላም ዝዓሰላ ምያንማር ብሓባር ንዕየይ

ብጹዕነቶም ኣብቲ ዕለት 14 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምእንቲ ምያንማር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት፡ ካብ ነቢይ ኢሳያስ ዝተወስደ ምንባብ ጠቒሶም “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ መሬትን” እቲ ሕዝቢ ሃረር ዝብሎ ምዃኑ ገሊጾም፡ ካብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝተረጋገአት ምያንማር ክትውለድ መታን ንጸልይን ብተግባር ንዕየይ . . . ኣብታ ብዙሕነት ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ዘለዋ ምያንማር ማዕርነት መሰልን ክብርን ውሑስ ኮይኑ ኩሉ ብምትሕብባር ምእንቲ ሰላማዊት ምያንማር ግደኡ ከበርክትን ሓይሊ ምክልኻል ጸረ ሕዝቢ ንኽኾኑ ዘይኮነ ናይ ሕዝብን ሃገርን ሰላምን ደሕንነትን ውሑስ ንኽገብሩ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ክኽብሩ ኣላበው ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ግዚኡ ከይሓለፈ ብዓንተውዑ ምእንቲ ሰላም ንቑም

ብጹዕ ካርዲናል ቦ ምእንቲ ኣውን ሳን ሱ ክዪን ምእንቲ ኩሎም ኣባላት ምንቅስቓስ ንደሞክራሲ ክጽለይን ኣባላት ሃይሊ ምክልኻል ከም ጳውሎስ ኣብ መገዲ ደማስቆ ልቦም ክትንከፍን እቲ ህዝቢ ብዝሃቦ ድምጺ ኣቢሉ ዝገለጾ ድላዩ ክኽበርን ምያንማር ናብቲ ሓድሽ ጐደና ደሞክራሲ ብዘተን ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣቢላ ክትጓዕዝ ንጸልይ ቢሎም መልእኽቶምን ጸሎቶምን ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 March 2021, 16:52