ሰንበት ዘስምዖን በአቱ ለእግዚእነ - የካቲት 7 2013 ዓ.ም. (2/14/2021)

መዝሙር፡ መሀሩነ እለ ቀደሙነ ምጽአቶ ለክርስቶስ. . . . . ቅድመና ዝነበሩ ናይ ክርስቶስ ልደቱ ጥምቀቱ ግልጸቱ መሂሮምና። መልአኽ ንማርያም ከበስራ እንከሎ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ኢልዋ። መዓልቲ ምውላዳ ምስ በጽሔ ክአ ወለደቶ፥ ዮሓንስ አጠሚቕዎ መለኮቱ ንምሕታቱ ግን አይከአለን፥ ስምዖን አብ ሕፅኑ ተቐቢልዎ ሕልንኡ ገሊጽሉ፥ የማናዩን ምኽሩን ንአቦ ዝኾነ ክድሕነና መጽአ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡  1ጢሞ፥5፡5-10 ያዕ 5፡13-20፥ ግ.ሓ. 3፡17-26፥ ሉቃ 2:21-40።   ምስባክ፡  ዘእንበለ ይቁም አድባር ወይትፈጠር ዓለም ወምድር፥ እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም አንተ ክመ፥ ኢትምጦ ለሰብእ ለኃሳር - ኣኽራን ከይቆሙ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ። ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ተመለሱ፣ እናበልካ፣ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ። መዝ.89።

ካብ ዕለት 8-12 የካቲት አብ ሰንበት እንተ ወዓለ ዘስምዖን ይብሃል። ስምዖን ንኢየሱስ አብ ሕቕፉ ዝተቐበለ ንመጻኢ ሕይወት ኢየሱስን ማርያምን ብትንቢት ዝተዛረብ እዩ (ሉቃ 2፡27-35)። ናይ ሎሚ መዝሙር ምስቲ ናይ ስምዖን ትንቢትን ሕይወትን አተሓዚዙ ናይ ኢየሱስ እንታይነትን ንሕና አመንቱ ክንለብሶ ዝግብአና ሕይወት ይነግረና።

ሰንበት ዘስምዖን ነቲ አብ ወንጌል ሉቃስ ዝንገረና ብዛዕባ ስምዖን ነብይ ክነስተንትን ይሕግዘና። እስራኤላውያን ንርእሶም ከም ሕሩይ ህዝቢ አምላኽ እዮም ዝሓስቡ በዚ ኸአ ዝዓበየን ዝሓየለን መንግስቲ ከም ዝተኸሉ ይአምኑ። እንተ ኾነ አብ ታሪኾም ከምዝተራእየ እዚ አብ ግብሪ ክኸውን ከምዘይክአል እዮም ርእዮም። ካብ ርእሶም ተበጊሶም አብቲ ዝምነይዎ ከም ዘይበጽሑ ታሪኾም ጽቡቕ ገሩ ምሂርዎም። ዝበዝሑ አይሁድ ሕሩይ ህዝቢ አምላኽ ስለ ዝኾኑ ሓደ መዓልቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ናይ ዓለም ጎይቶትን ንመንግስታት ዝመልኩን ከምዝኾኑ ይአምኑ። እዚ ተግባራዊ ክኸውን ገለ ካብ ሰማይ ሓደ ሓይሊ ወሪዱ ንኹሉ አጥፊኡ ንሶም ከም ዝነግሱ ይሓስቡ፥ ገለ ኸአ ሓደ ካልእ ንጉሥ ካብ ዓለት ዳዊት ከም ዝትንሥእ እሞ ኩሉ እቲ ናይ ጥንቲ ክብርን ግርማን ክምለስ እዩ ይብሉ። ገለ እውን አምላኽ ብቐጥታ አብ ታሪኽ ባዕሉ ብመለኮታዊ ኃይሊ ከም ዝአቱ ሽዑ ዓቢ መንግሥቲ ከም ዝተኽለሎም ይአምኑ። እንተ ኾነ አንጻር እዚ ኹሉ ዝተባህለ ገለ ውሑዳት ብሱቕትኦም ዝፍለጡ ናይ ዝኾነ ኃይሊ ወይ ወተሃደራዊ ኃይሊ ዘይጽበዩ አብ ቀጻሊ ጸሎትን ብተስፋን ሱቕታን ክሳብ አምላኽ ዝመጽእ ዝጽበዩ ነሮም፥ ምሉእ ሕይወቶም ብተስፋ ይጽበዩ ነሮም። ስምዖን ሓደ ካብዚኦም እዩ ነሩ። አብ ጸሎትን አምልኾን ብትሕትናን ብእምነትን ንምጽአት አምላኽ ይጽበ ነሩ። እግዚአብሔር ከአ ብመንፈስ ቅዱስ ገሩ ንቅቡእ አምላኽ ዝኾነ ንጉሥ ከይርአየ ከም ዘይመውት ገሊጽሉ ነሩ። አብ ኢየሱስ እቲ ንጉሥ ንሱ ከምዝኾነ ርእዩ ሽዑ አመስጊኑ።  

ስምዖን ነብይ ንኢየሱስ አብ ሕቕፉ ምስ ሓዞ ከምቲ ብዙሓት ንኢየሱስ ምስ ረኸቡ ዝገብርዎ አብዚ ዓለም ክነብር አይብሃገን ኦ ጎይታይ ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም አፋንዎ ከመይ አዒንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን (ሉቃ 2፡29-30) እናበለ ዕብየትን ጸጋን ንኢየሱስ ምስ ረኸብና እንዕደሎ ይገልጸልና። ሰብ አብ ልቡ አብ ከባቢኡ ዕብየት አምላኽ ክርኢ ምስ ከአለ መንግስተ ሰማይ አብ ምድሪ እዩ ዝነብር። ቅ. ጴጥሮስ አብ ደብረ ታቦር ተልውጦ ራእይ ኢየሱስ ምስ ረአየን ክብሪ መንግስተ ሰማይ ምስ አስተማቐረን ጎይታይ ንአና አብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ (ማቴ 17፡1-9) እናበለ ካብቲ ዝርእዮ ዘሎ ሓጎስ ክቕይር አይደለን። ፊሊጶስ ንኢየሱስ ጎይታይ ነቦ አርእየና እምበር ይአኽለና ኢልዎ (ዮሓ 14፡8)። ንአምላኽ ድሕሪ ርኢና ዘድሊ ነገር የብልናን ማለቱ እዩ፥ እንተ ኾነ ኢየሱስ ንፊሊጶስ እዚ ኹሉ ዓመታት ምሳኹም ነረ አይፈለጥካን ንአይ ዝርአየ ነቦ ይርኢ ኢሉ ንሱን አብኡን ሓደ ከምዝኾኑ ነጊርዎም። ንኢየሱስ ክንርኢ ክንረክብ ከሎና ፍሉይ ጸጋን በረኸትን ኢና እንረክብ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንአምላኽ ዝርአየ አብ ናይ ዓለም ነገር ክምለስ አይደልን እዩ ምሳኻ ምንባር ይሕሸኒ ጎይታየ እዩ ዝብል።

ኢየሱስ ብዙሕ ተአምራታትን ስብከትን ምስ ገበረ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕቦ ነሩ ሓደ እዋን ብዙሕ ህዝቢ ንመዓልታት ስዒብዎ ነዚ ዝተዓዘቡ ሓዋርያት አፋንዎም አብዚ ከይሞቱና ዝዓይነቱ ኢዩ። እቶም ህዝቢ በቲ ካብኡ ዝሰምዕዎ ዝነበሩን ዝገብሮ ተአምራታት ርእዮም ንርእሶም ዘንጊዖም ጓሳ ከምዘይብለን አባግዕ ደድሕሪኡ ይኸዱ ነሮም። ንኢየሱስ ሰሚዑን አለልዩ ዝርአየ አብ ሕይወቱ ፍሉይ ሰላምን ቅሳነትን እዩ ዝስምዖ እዚ እዩ አብ ሕይወት ስምዖን እንርእዮ።

አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንሳተፍ ከሎና ኢየሱስ ብርእሱ አብ መንጎና እዩ ዝርከብ፥ ዓይኒ ሕልናና ክርኢ እንተ ዝኽእል ቅዳሴ ነዊሑና፥ ደኺምና እናበልና እነዕለብጦ መሕዘነና ምኽንያቱ ምሳና ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ንፈልጥ ከምቲ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝተባህላ ህያባ አምላኽን እቲ አስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፥ ንሱ ኸአ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነሩ (ዮሓ 4፡10) ዝበላ ንአና እውን እዚ አብ ቅድመኻ/ኺ ዘሎ ብሓቂ ክትርእዮን ክትአምኖን እንተ ትኽእል እዚ ኹሉ አይምበልካን ይብለና። አምላኽ ሎሚ እውን ክንፈልጦ ክነለልዮ ይደሊ አሎ ምስ ስምዖን ነብይ ኮና ንቀበሎ ንርአዮ ሽዑ ሕይወት መንግስተ ሰማይ ክንትምነ ኢና።

ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን እምነትና አብ አምላኽን አብቲ እንኮ ወዲ አምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ተዘኻኽረና አላ። ክርስቶስ ብትንሣኤኡን ሞቱን ንሞት ስዒሩ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እምነትና ተስፋን አጽኒዕዎ እዩ። ተሪፉ ዘሎ ናተይን ናታትኩም እሽታ ጥራሕ እዩ። ንክንሰምዖን ክንቀርቦን ንዝሓትት ዘሎ አምላኽ መልሲ ክንህብ እዋኑ እዩ።

አእዛና ንቃል አምላክ ክሰምዓ ጽንክብላ እሞ ክምልሳ፥ አዒንትና ቋሕ ኢለን ክርእያ እሞ እርኢ አሎኹ ኢልና ንኢየሱስ አሰሩ ክንስዕብ ናይ እዋና ሕቶ መልሲ ዝደሊ እዩ። ከምቲ ኤርምያስ አብ 5፡21 ዝብሎ እዩ ኩነታትና አቱም ልቢ ዘይብሎም ዓይኒ ኸለዎም ዘይርእዩ፥ እዝኒ ኸለዎም ድማ ዘይሰምዑ ዓያሱ ሕዝቢ። አብ ልብና ተመሊስና አምላኽ ካባይ እንታ ይደሊ አሎ ኢልና ሕይወትና ንሕተት፥ አብ ጽምዋ አቲና ምስ አምላኽ ጥራሕ ንዛረብ ሽዑ ክምልሰልና እዩ።

አብ ትንቢት ኤርምያስ 17፡5-8 ዘሎ እንተ አንበብና ሳዕቤን እምነት አብ ገዛእ ርእስናን አብ ካልኦት ሰባትን ክንገብር ከሎና ከምዚ እናበለ ይገልጾ አብ ሰብ ዝውከል እወ እሙንቶኡ አብ ምድራዊ ሰብ ዚገብር ብልቡ ኻባይ ካብ እግዚአብሔር ዚርሕቕ ሰብ ርጉም እዩ ይብል። በዘን ቃላት ገሩ አምላኽ ዝብለና ኩሉ እዚ ናይ ዓለም ነገራትን ካብ አምላኽ ተፈሊና እንገብሮ ነገራት ኩሉ የውድቐና ምኽንያቱ ዓወትናን ሕይወትና ብርእሱ አብዚ ነገራት ስለ ዘይጽጋዕ።

ቃል አምላኽ አብ ዓሚቕ አስተንትኖ ክንአቱ እዩ ዝዕድመና። ንርእስና አብ መንን አብ እንታይን እዩ እምነተይ እናበልና ክንሓትት ይግብአና። እምነትና አብ አምላኽ ክንገብር እንከሎና እቲ ዝበለጸ አቅራርባ አብ ሕይወት እዩ። ብርግጽ ከም ሰበ መጠን አብዚ ሕይወት ክንገብሮን ክንኮኖን ዘሎና አሎና ስለዚ ንኹሉ ናይ ዓለም ነገርን ርእስናን ምድርባይ ማለት አይኮነን። ግን ክንርስዖ የብልናን አምላኽ እዩ ህልዋት ዝገበረናን አብ ኩሉ እንገብሮ ኃይልን ክእለትን ሂቡ ከም እንነብር ዝገብረና ዘሎ።

ብዘይ አምላኽ ምንባር ማለት ምማት እዩ፥ ብዘይክኡ ሓንቲ የብልናን ከም ብፁእ ሊምበርማን (Nenerabl Libermann, C.Sp) ዝብሃል ደጋጊሙ አብ ጻዕሪ ሞት እንከሎ ዝብሎ አምላኽ ኩሉ እዩ፥ ሰብ ወላ ሓንቲ አይኮነን፥ አምላኽ ኩሉ እዩ ሰብ ሓንቲ አይኮነን። እዚ አብ ርእስና ተመሊስና ክንሓስብ ይዕድመና፥ እንታይ ድአ እዩ እዚ አብ ዓለምና ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ብሃገር ደረጃ ሃነፍነፍ ምባልን አነ ዘብል ትዕቢት ክፍአት ገዚኡ ንደቂ ሰብ አብ ዓዘቕቲ ስቓይን ጭንቀትን አውሪዱ ንሰብ እንታይነቱ ዘጥፍእ ዘሎ? ሕጽር ብዝበለ አብ ልብናን አምላኽ ክነግስ ስለ ዘይክአለ እዩ።

ንአምላኽ ምሉእ እምነት ገርካ ሕይወትካ ምምራሕ ምንጪ ውሽጣዊ ሓጎስን ሰላምን ቅሳነትን እዩ። መዘምር ዳዊት አብ መዝ. 125፡1 ከምዚ ይብለና እቶም ብእግዚአብሔር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ ንዘለዓለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም ይብለና። አምላኽ ዝሓዘ ሕይወት ኩሉ ዝሓዘ እዩ። እሞ ሎሚ ንመን ሒዝና አሎና? ምስ ሰባት ዘሎና ርክብና አብ እንታይ ዝተመስረተ እዩ? ብዙሕ ጊዜ አብ ግዙፋዊ ጥቕሚ እዩ ዝምስረት ክገብረልካ ግበረለይ ዝዓይነቱ ሕይወት ስለዚ ርክብና ብዓይኒ አምላኽ ርኢና አብ ቤት አምላኽ ንመለስ።

ምስ አምላኽ ርክብ ዘለዎ ሰብ አምላኽ አብ ሕይወቱ ዓስቡ ይህቦ እዩ። እስራኤላውያን ምስ አምላኽ ጥቡቕ ርክብ ክገብሩ እንከለው ሰላም ፍቕሪ ሓድነት ይረኽቡ ነሮም ካብ አምላኽ ክፍለዩ እንከለዉ ግን ብኣንጻሩ ስደት ሞት መከራ ጥመት ይወርዶም ነሩ። ሕይወት ስምዖንን ሓናን ነዚ ብግሁድ ይገልጸልና። ወላ እኳ ብዕድመ ይሸምግሉ ንአምላኽ ይረኽብዎ ስለ ዝነበሩ ሕጉስ ሕይወት ነርዎም፥ አብ መወዳእታ ኸአ ነቲ ሓደ ወዱ ክርእዩ ዝተዓደሙ ኮኑ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ይዕድመና እዩ ንዕድሚኡ አኽቢርና ክንቅበል እንተ ኸአልና ዕጫና ከምቲ ናይ ስምዖንን ሓናን እዩ፥ ንወዲ አምላኽ ክንቅበል ብቑዓት ንኸውን።

ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ ምስ አእተውዎ ስምዖንን ሓናን ከም ዝተቐበልዎ ዝነግር ፍሉይ መልእክቲ አልኦ። ንአምላኽ ክትቅበል ንጹሕ ልብን ትሑት ሕይወትን ክህልወካ ይግባእ። ጸሎትን ትሕትናን አብ ቤት አምላኽ አብ ስርዓተ አምላኾ ቀጺልካ ምስታፍ የድሊ። አምላኽ ትሑት ልቢ እዩ ዝደሊ ትዕቢት አንነት ከምኡ ጸሎት ዘይምግባር ካብ አምላኽ የርሕቐና። ሕይወትና ምስ አምላኽ ዝተአሳሰረ ክኸውን እንከሎ አብ ሓጎስን ፍቕርን ኢና እንርከብ።

ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ሒዞሞ አብ ቤተ መቕደስ ከይዶም አብኡ ተልእክኡ ጀሚሩ። ክንድሰብ ምስ አኸለ ተልእክኡ ምስ ፈጸመ ኸአ ንገዛእ ርእሱ አብ ቅድሚ ኩሉ አብ መስቀል አወፊዩ። በዚ ንሕና ተልእክኡ አብ ቤተ መቕድስ ብምእታዉ ስለ ዝጀመሮን ንገዛእ ርእሱ ብምውፋይን ንሕና አብ ሕይወቱ ከም እንሳተፍ ኮና። ንሕና ብጥምቀት ጉዕዞ ሕይወትና አብ ቤተ ክርስትያን አብ መቕደሱ ንጅምሮ፥ ምስ ሞትና ኸአ ሬሳና አብ ቤተ ክርስትያን ይመጽዕ ስለዚ ሕይወትና ምስ አምላኽ ጀሚሩ ምስኡ ዝውድእ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ዓቢይ ትምህርቲ እንምሃሮ እንተሎ ንአምላኽ ሕይወትና ክነወፊ ደረት የብሉን።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ ዝሃቦ ተስፋ እሙን እዩ፥ ብፍላይ ነቶም ዘፍቅርዎን እሙናት ዝኾኑን። ስምዖንን ሓናን አብነትና እዮም። ስምዖን ንኢየሱስ ምስ ረአየ ንሱ እቲ ነሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ ኢሉ። በዚ ኢየሱስ ብርሃና ስለ ዝኾነ ንሕና እውን ምስኡ ክንበርህ ከምዘሎና ክንሓስብ ይግባእ።

እምብአር እቲ ጽቡቕን ዘሓጎስ ዜና ናይ ሎሚ አብዚ ዓለም እንከሎና ወላ ሓደ ሰላምናን  አእምሮናን ውሽጣዊ ሓጎስናን ክሰርቀና አይግባእን፥ ምኽንያቱ እምነትና አብዚ ዓለም ወይ እውን አብ ሰብ ከማና አይኮነን። እንታይድአ እምነትና አብቲ ዝሞተን ዝተንሥኤን ክርስቶስ መድኃኒናን ተስፋ ዓለምን ዝኾነ እዩ። መዘምር ነዚ ሰናይ ዜና ከምዚ እናበለ አሕጺሩ ይገልጸልና እቲ አብ እግዚአብሔር ዝአምን ሰብ ብፁእ እዩ (መዝ. 40፡4)።

አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርና ሓቅን ሰላምን ዝሓዘ ሕይወት ሒዝና ንሓውናን ሓፍትናን አፍደገ ሰማይ ክንከፍተሎም መብራህቲ ኮና ካብ ጸጋም ናብ የማን እንመልሶም ኮና ክነብር ነቲ ክአል ኩሉ አምላኽ እሙን ረድእኻ ክኸውን ሓግዘኒ ንበሎ። ነዚ ኸአ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

13 February 2021, 12:42