ድለ

፫ ሰንበት ዘአስተርእዮ 30 ጥሪ 2013 ዓ.ም. (2/7/21)

መዝሙር፡ ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ. . . ኢየሱስ ብዓቢ ክብሪ ካብ ድንግል አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ፥ተወሊዱ ተጠሚቑ ብልደቱ ምእንቲ ክንሕጎስ ብግልጸቱ ደስ ክብለና ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 7፡32-35፥ 1ጴጥ 1፡13-22፥ ግ.ሓ. 19፡1-10፥ ማቴ 5፡13-16

ምስባክ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር በሓውርተ አሕዛብ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወስብሓተ፥ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ስብሓተ ለስሙ። ‘ዓድታት ኣሕዛብ ናብ እግዚአብሔር ኣቅርቡ! ክብርን ምስጋናን ንእግዚአብሔር ኣቅርቡ! ንስሙ ዚኸውን ክብሪ ንእግዚአብሔር ኣምጽኡ! መዝ 29፡1-2። 

ዘመን ዘአስተርእዮ ኢና ዘሎና፥ ወዲ አምላኽ ከማና መሲሉ ፍቕሪ አምላኽን መገዲ ድሕነት ክገልጽ አብ አምንጎና ዝኃደሮ ዝሕብር ቅዱስ እዋን ኢና ዘሎና። አብ መዓልቲ ሰንበት አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ሓቢርና ክንጽሊ ከሎና አብ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንርከብ። አምላኽ ብርእሱ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ ይቐርበና ስለዚ ነዚ ርኡይ ግለጸት ተረዲእና ብወገና ንጣዕሚ ፍቕሪ ክነስተማቕር እሞ አብ ትሕቲ ሥልጣን ኢየሱስ ክነብር ፍቓደኛታት ክንከውን።

አብ ዝሓለፋ ክልተ ሰናብቲ መጀመርያ ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብዮሓንስ ከም ዝተጠምቀን፥ ትርጉምን ዓላማን ተልእኮኡ ከም ዘስተምሃረ፥ ከምኡ ምስኡ ኮይኖም ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝገብሩ ቀዳሞት አርድእቱ ከም ዝሓረየ ርኢና። አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ከአ ተልእኮኡ ብዕሊ ከም ዝጀመረ እሞ ነቶም ቀዳሞት አርድእቱ ሓላፍነቶም ክለብሱ መንነቶም ከም ዝገለጸሎም ክንሰስተንትን ኢና።

ኢየሱስ ንሓዋርያቱን ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብዛዕባ ትምህርቲ ብፅዕና አብ ዘስተምሃሮ አብ ሕይወት ነፍሲወከፍ አማናይን ሰማዕን ለውጢ እንተ ዘየምጽአ ዋጋ የብሉን። ክርስትያን ጥዑይ ንፉዕ ምዃን እኹል አይኮነን፥ ብሓቂ እንአምኖን እንነብሮ ከምዝኾና አብ ሕይወትና አብ ግብርና ኮታስ አብ ኩሉ ርክባትና ክርአ አለዎ። መንፈሳዊ ምዃን ንስምዒታትና አዕጊቡ ሰላምን ቅሳነትን ጥራሕ ዝህብ እኹል አይኮነን። ናይ ወንጌል መንፈሳውነት ቀንዲ ነገሩ አብ ርእስኻ ጥራሕ ዝተርፍ ዘይኮነ ንኻልኦት ዝበጽሕን ብኻልኦት ተራእዩ ልቢ ሰባት ተንኪፉ አብ ክርስቶስ ዝመልስ ክኸውን ይግባእ። አርድኢቲ ክርስቶስ ጥራሕ አይኮናን ክንከውን ዘሎና ክንሰብኮ ክንምስክሮ ካልኦት ንክርስቶስ አብ ሕይወትናን ግብርናን ርእዮም ክኽእሉ አለዎም። እሞ ሎሚ ሰባት አባይ መን ይርእዩ ኢልና ንርእስና ክንሓትት እዋን እዩ። ግብርና ስምዒትና ውሽጣዊ ርድኢትናን ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ናይ ክርስቶስ ምዃና ዝገልጽ እንተ ኾነ ብርሃን ኮና አሎና ንዝርእዩና አብ ክርስቶስ ንወስዶም አሎና እዩ እዚ ኸአ እሙናት አገልገልቲ ክርስቶስ ዝገብረና።

ጨው ምድሪ ኢኹም።

ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ብፅዕና ድሕሪ ተዛሪቡ ብዝተፈለለየ አምሳል ገሩ ንስኹም ንምድሪ ጨዉ ኢኹም እናበለ ነጊርዎም። አብ ጥንት ዘመን ጨው ክቡር ዋገ ዘለዎ እዩ ነሩ። ግሪኻውያን ንጨው መለኮታዊ ይብልዎ። ሮማውያን ዕብየትን ጥቕምን ጨው ኽገልጹ እንከለዉ ካብ ፀሓይን ጨውን ንላዕሊ ዝጠቅም ነገር የለን ይብሉ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ጨው ምስ ናይ ሰባት አእምሮ ዝተተሓሓዘ ሰለስተ ፍሉይ ዓይነታት ከም ዘለዎ ይርአ ነሩ።

  1. ጨው ምስ ንጽሕና ዝተተሓሓዘ እዩ። ሮማውያን ጨው እቲ ዝጸረየ ካብ ኩሎም ነገራት እዩ ይብሉ ምኽንያቱ ካብ ኩሉ ካብ ዝጸረየ ካብ ፀሓይን ባሕርን ስለ ዝመጽእ ይብሉ። ጨው ካብቶም ካብ ጥንቲ ከም መአባእ ንአማልኽቲ ዝቐርብ ዝነበረ እዩ፥ በዚ እዩ ክሳብ ሕጂ አይሁድ መስዋዕቲ ከቕርቡ እንከለዉ ጨው ምስኡ የቕርቡ። ስለዚ ክርስትያን ጨው ምድሪ ክኾኑ እንተ ኾይኖም አብነት ንጽሕና ጽሬት ክኾኑ አለዎም። ክርስትያን ዝልዓለ ንጽሕና አብ ኩሉ ክህልዎ ይግባእ አብ ዘረብኡ አብ አተሓሳስብኡ፥ አብ ሓቂ ዝጸንዕ ንዝኾነ ክፉእ ሓሳብን ግብርን ዘይቅበል ክኸውን ይግባእ።
  2. አብ ጥንታዊ ዘመን ጨው ንነገራት ንነውሕ ጊዜ ከይተበላሸው ክዕቀብ ዘክእል እዩ። Plutarch ዝተባህለ ናይ ታሪኽ ሰብ ከም ዝብሎ ሥጋ ምዉት ናይ ምዉት ሰውነት ክፍሊ እዩ፥ ከምዘልኦ እንተ ሓደግናዮ አብ ሓጺር ጊዜ ይበላሾ፥ ጨው እንተ ተገብረሉ ግን ከይተበላሸወ ከም ዘለዎ ከም ዝጸንሕ ይገብሮ። ከም ሓዳስ ነፍሲ አብ ዝሞተ ሰውነት ምእታው እዩ ይብል። ስለዚ ጨው ነገራት ካብ ምብልሻው ይዕቅብ። ክርስትያን ጨው ምድሪ ክኾኑ እንተ ኾይኖም አብ ሕይወት ዘየበላሹ ጽልዋ ክህልዎም ይግባእ እዚ ኸአ ዝነጽሑ ካብዝኾነ ንሕብረተ ሰብን ንግለ ሰባትን ዘበላሹ ነገራት ክገብሩ የብሎምን። ዓቀብቲ ሓቅን ሰላምን ክኾኑ ይግባእ። ምስ ዝነፈሰ ዝነፍሱ እንተ ኾኑ ዓለም መቐረት የብላን፥ ስለዚ ረዘንቲ እርኑባትን ሰብ ፍትሕን ክኾኑ ይግባእ።
  3. ጨው ዝዓበየ ጥቕሙ ወይ መለልይኡ ንነገራት መቐረት ይህብ። መግቢ ብዘይ ጨው ጥዑም አይኮነን ክትበልዖ የጸግመካ፥ አብ አዘራባና አብ ሕብረተሰብ ክህሉ ዘለዎ ክንገልጽ እንከሎና ስነስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ ከም ጨው ዘይብሉ ምግቢ እዩ ንብል እዚ ኸአ ጨው ንመግቢ ጣዕሚ መቐረት ከም ዝህቦ ክርስትያን ከአ ከምኡ ክኸውን አለዎ። ክርስትና ንሕይወት መቐረት ይህቦ። እቲ ዘሕዝን ሰባት ንክርስትና ብኸምዚ ክንዲ ዝርእይዎ ብአንጻሩ ክርእይዎ እንከለዉ እዩ፥ ከም ሓደ ንህዝቢ ዘበላሹ ሓቂ ዘይብሉ ዘደናግር ገሮም ክርእይዎ ከለዉ እዩ፥ በዚ ክርስትና ኩሉ ጊዜ አብ ስደትን እገዳን ከጥፍኡና ምስ ዝደልዩ ንነብር። ከም ብዓል ካረል ማርክስ ዝብሃል ናይ ቍጠባ ፈላጥ ዝብሎ ክርስትና ሓሹሽ ህዝቢ እናበለ ይገልጾ እዚ ግን ትርጉም ክርስትናን እንታይነቱን ብዘይምርዳእ ዝብሃል እዩ። ኩሎ አብ ዓለም ዘሎ ምዕባሌ ሳላ ክርስትና እዩ መጺኡ። ብፍላይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ዓለም ዝለዓለ ስርዓተ ትምህርቲ፥ ሕክምና፥ ምሕደራ፥ ንአረጋውያንን ሕሙማትን ፍሉይ ሓልዮት ኮታስ ኩሉ ምዕባሌ አእትያ ስለዚ ክርስትና ንሰባት ዘማዕብል ንሰብ ሰብ ከምዝኸውን ዝገብር እዩ።

ከም ክርስትያን ንዝጠፍአ ክርስትያናዊ ብርሃና መቐረትና ክንረክብ ክንመልሶ አሎና። አብዛ ጭንቅን መከርና ዝመልአት ዓለምና ክርስትያን ኢና ብዝያዳ ክንዕርያ ዝግብአና። ጨው መቐረቱ እንተ አጥፍአ ንግዳም ይድርበ ይብለና ኢየሱስ። ነዚ ክንርዳእ ታሪኻዊ አመጻጽኡ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ ማለት አብ ሃገረ ፍልስጥኤም እቶን መግቢ አብ አፍደገ እዩ ዝግበር እቲ እቶን ብብርቱዕ ሙቐት ከይበላሾ ብናይ ጨው እምኒ ይኸድንዎ ድሕሪ ጊዜ ግን እዚ መኽደኒ ብእምኒ ጨው ዝተሰርሐ ተበላሽዩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይኸውን ሽዑ አብቲ ጥቓ ገዛ ዘሎ መገዲ ይጉሓፍ ሰባት ከአ ይረግጽዎ በዚ እዩ ኢየሱስ ጥቕሚ ዘይብሉ ጨው አብ መገዲ ይጉሕፍዎ ዝበለ፥ ሰማዕቱ ጽቡቕ ገሮም ይርድእዎ ነሮም።

ቀንዲ መልእኽቲ ኢየሱስ ዘይጠቅም ነገር ዕንወት እዩ ዝዕድም። ክርስትያን ከም ክርስትያን ዓላምኦም ዘየማልኡ እንተ ኾይኖም አብ መገዲ ዘይረብሑ ምዃን እዮም ዘምርሑ ዘለዉ። ንሕና ጨው ምድሪ ክንከውን እዩ ድለት መድኃኒና፥ አብ ሕይወት ንጽሕና እንተ ዘይአምጻእና ዕንወት ጥፍአት ኢና ንዕድም ዘሎና። ንክርስትያናዊ ዓላማናን እምነትና ዝፈታተን ነግር ክንተግሃሉን ክነስተውዕለሉን አሎና ምኽንያቱ ብቐሊል ወደቕቲ ስለ ዝኾና።

ሓደ አገዳሲ ልምዲ አብ አይሁድ ነሩ። ሓደ አይሁዳዊ እምነቱ ሓዲጉ አብ ካልእ እንተ አመነ ግን ድሕሪ ገለ እዋን ተጣዒሱ ክምለስ እንተ ኾነ ናይ ጣዕስኡን ንስሕኡን ምልክት አብ ማዕጾ አፍደገ ቤተ ጸሎት በጥ ይብል እሞ ኩሎም አብ ቤተ ጸሎት ዝአትዉ ረጊጾሞ ይአትዉ በዚ አብ እምነቱ ይምለስ። ቀዳሞት ክርስትይን ነዚ አብነት ብምውሳድ ንገለ ክርስትያን ዝነበሩ እምነቶም  ዝኸሓዱ እሞ ተጣዒሶም ክምለሱ እንተ ሓተቱ ቅድሚ ምቕባሎም አብ አፍደገ ወይ ማዕጾ ቤተ ክርስትያን በጥ ይብሉ ሰብ ክአቱ እንከሎ ረጊጽዎም ይሓልፍ ምኽንያቱ እዚ ሰብ መቐረቱ ዘጥፍአ ጨው እዩ ክርገጽ አለዉ ብሓዲስ አብ እምነት ክቕበልዎ። አብዚ ዘመና ከምኡ እንተ ትእውጅ ቤተ ክርስትያን ከመይ ምተሰምዓና?

አባና ክንምለስ ብሓቂ ዶ ከምቲ ክርስቶስ ዝደልየና መቐረት ሂብናያ አሎና ነዛ እትሕመስ ዓለምና? ብሓቂ ዘሕስብ እዩ ነቲ ብጥምቀት ዝአቶናዮ ማሕላ ኪዳን ነቲ አብ ኪዳናዊ ሕይወት ዝአቶናዮ ኪዳን ንኹሉ እናጠለምና መቐረትና ዘጥፋእና ውሑዳት አይኮናን። መቐረተይ ክመልስ እንታይ እግበር ክንብል አሎና። አብ ልብና አቲና ነቲ ምስ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ዘሎ ኃጢአትና ክፍአትና ኩሉ ብንስሓ ንሕጸቦ ሽዑ አብ ንቡር ጣዕሚ ጨውና ክምለሰና እዩ።

ብርሃን ዓለም።

አብ ዓለም ብርሃን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጥቕሚ ዘለዎ አምላኽ ዝሃበና ህያብ እዩ። ኢየሱስ ምስ ተወልደ ብርሃን አብ ዓለም መጽአ ይብለና እዚ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ዘምጽአልና ጸጋን በረኸትን ክገልጸልና ኢሉ እዩ። አብ ኢየሱስ ምእማን ምስ ኢየሱስ ምንባር ማለት አብ ብርሃን አብ ሓቅን ሰላምን ምንባር ማለት እዩ። ኢየሱስ ንሱ መን ምዃኑን ንሕና እውን ክንኮና ዘሎና ኽገልጽ እንከሎ ንሓደ ብዕውሩ ዝተወልደ ካብ ዑረቱ ከሕውዮ እንከሎ አብ ዓለም ከሎኹ ብርሃን ዓለም አነ እየ (ዮሓ 9፡5) እናበለ አሕውይዎ። ንሰዓብቱ ብርሃን ዓለም ኢኹም ክብሎም እንከሎ ከምኡ ልክዕ ክኾኑ እዩ ዝብሎም ዘሎ። ተልእኮና ንሰባት ብርሃን ኮና ክርእዩ ከምዝኽእሉ ጽቡቕን ክፉእን ከም ዘለልዩ ምግባር እዩ። ዝርኢ አይዕንቀፍን እዩ ዘይርኢ ግን ዝኾነ ጸገም ናይ ምውዳቕ ክጓነፎ ይኽእል ስለዚ ንርእስና ርኢና ንኻልኦት ክርእዩ ክንሕግዝ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ የዘኻክረና።

ኢየሱስ ነዚ ቃላት ክብል እንከሎ ሰማዕቱ ጽቡቕ ገሮም ይርድእዎ ነሮም ምኽንያቱ አብ ባህሎም ከምኡ ዝብል አዘራርባ ነርዎም። ንአብነት ንኢየሩሳሌም መብራህቲ አረማውያን ኢሎም ይጽውዕዋ ነሮም። ንሓደ ውሩይ መምህሮ ራባይ መብራህቲ እስራኤል ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ አበሃህላ ነቲ አይሁድ ዝብልዎን ኢየሱስ ዝበሎን ክንርዳእ መገዲ ክኸፍተልና ይክእል።

ኢየሩሳሌም መብራህቲ አረማውያን ክብሃል እንከሎ ካብ አምላኽ ካብ ላዕሊ ዝተዋህባ እዩ። ህዝበ አምላኽ ዝበርሃሉ ዝተለቅሕዎ ካብ ካልእ ዝተውህቦም እዩ። አብ ክርስትና እውን መብራህቲ ኢና ክብሃል እንከሎ ባዕልና እንፈጥሮ መብርሃቲ ዘይኮነ ዝተዋህበና እዩ። ንሕና ናይ እቲ ቀንዲ ብርሃን ነጸብራቕ ኢና። እቲ አባና በሪሁ ዝርአ ካብቲ ክርስቶስ አብ ልብና ሓዲሩ ዘሎ እዩ። ንሓንቲ መርዓት ተወሊዓ በሪሃ ንብል እንተ ኾነ እዚ መብራህቲ ካብቲ አብ ልባ ዘሎ እዩ ምንጩ።

ኢየሱስ ንክርስትያን ብርሃን ዓለም ኢኹም ክብሎም እንከሎ እንታይ እዩ ትርጉሙ፡

·         መብራህቲ ቅድም ቀዳድም ዝርአ ክኸውን አለዎ። አብ ጸላም ክንርኢ መብራህቲ ንገብር ብእኡ ንርኢ እቲ መብራህቲ ኸአ ብማዕዶ ይርአ። ክርስትና ማለት ክርአ ዘለዎ ማለት እዩ። አብ ክርስትና ሕቡእ ነገር ዝብሃል የለን ግሉጽ ብሩህ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር ዝሽፈን የብሉን። አብ ዓለም ግብሪ ክርስትያን ሕያውን ርእዩን ክኸውን አለዎ፥ እዚ ከአ አብ ኩሉ ዝጓነፈና እዩ። አብ አዘራርባና ምስ ሰባት አብ እንራኸበሉ፥ አብ ዝንአሰን ዝዓበየን ስራሕና አብ ቤተ ክርስትያን ከም ዘሎና አብ ኩሉ ርኡይ ክኸውን አለዎ። ኢየሱስ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኢኹም አይበለን ብርሃን ዓለም ኢኹም እዩ ኢሉና እዚ ኸአ ክርስትናና አብ ኩሉ ግሉጽን ብሩህን ክኸውን አለዎ ማለት እዩ።

·         ብርሃን ሓባሪ መረሓይ እዩ። አብ ባሕሪ ንመራኽብ አብ መዕርፎ ነፈርቲ ብማዕዶ ዝሕብር መብራህቲ ይግበር። አብ ከተማ እንነብር መብራህቲ እንተ ዘየሎ ጎደናታት ክንፈልጦም አጸጋሚ እዩ። መብራህቲ መገድና ብጽሩይ ክንርኢ ዝገብር እዩ። ክርስትያን ንኻልኦት ንጹር መገዲ ከምዝኸዱ ዝገብር እዩ። እዚ ማለት አብ ኩሉ ጥዑይ አብነት ክኸውን አለዎ። ዓለም ልዕሊ ኹሉ ዘድልያ ጥዑያት ሰባት ናይ ጽቡቕ ነገር መተሓላለፍቲ ዝኾኑ። ጸልማት ክፍአት አብ ዝበዝሓሉ ብሓቂ ደፋራትን ቅኑዓትን ሰባት ዝመርሑ የድሊ አይኮነ ግን ተተሓሒዝካ ጥፍአት እዩ። አብዛ እንነብራ ዓለም ደፊሮም ንሓቂ ዓው ኢሎም ክዛረቡ ኽገብሩ ዘይክእሉ ብዙሓት አለዉ አብ ከምዚ እዩ ጥዑይ ክርስትያን ንሓቂ ዝነግር ንጌጋ ደፊሩ ዝዛረብ ክህሉ ዝግባእ። ሰባት መራሒ አብ ቅኑዕ መገዲ ዝመርሕ እንተ ረኸቡ ይስዕብዎ። ስለዚ ክርስትያን ዝደኸሙ ብዝኾነ ምኽንያት ንሓቂ ደው ክብልሉ አብ ዘይክአሉሉ መሪሕነት ክወስድ ይግባእ። በዚ ምኽንያት ዓለም ዝመርሓ መብራህቲ የድልያ። ብዙሓት ሰባት አለዉ ብባዕሎም ክገብርዎ ዘይክእሉ ሓደ ክመርሖም ዝጽበዩ ስለዚ ክንመርሕ ግቡእና እዩ።

·         መብራህቲ መጠንቀቕታ ክኸውን ይክእል እዩ። አብ ቅድሚት ሓደጋ እንተሎ ናይ መጠንቃቕታ መብራህቲ ይግበር ሽዑ ሰብ ነቲ መብራህቲ ርእዩ ይትንቀቅ። ክርስትያን ንኻልኦት መጠንቀቕታ ክህቦም ግቡኡ እዩ። እዚ ብዙሕ ጊዜ ከቢድ እዩ፥ አብ ገለ እዋን ካብ ዘምጽኦ ጥቕሚ ጉድአት ዘምጽኦ ክበዝሕ ይክእል። እንተ ኾነ ደፊርና ክንገብር እንተ ዘይክአልና ብሓቂ ከቢድ ምኾነ። አብ ገለ አዘራርባ ብዙሓት መንእሰያት ንወለዶም ወይ ሰብ ጽቡቖም ክዛረቡ እንከለዉ እዚ ኮይነዮ ዘሎኹ ንስኻ/ኺ ጸኒዕካ ንኹሉ ጸርካ እንተ ዘይትቃለስ አይምኾንኩን ነረ ወይ አይምረኸብኩን ነረ ኢሎም ይዛረቡ።

ክርስትያን እምብአር ዝርአ መብራህቲ፥ መጠንቀቕታ ዝኸውን መብራህቲ፥ ዝመርሕ መብራህቲ እዩ። ክርስቶስ ጨው መብራህቲ ክንከውን ከም ዘሎና ክነግረና እንከሎ ምኽንያት አለዎ እዚ ኸአ እቲ ጽቡቅ ግብርና መታን ክርአ እዩ። ሰባት ምስኦም ከሎና አብ አምላኽ ዝወስድ መገዲ ክንመርሖም አብ መንግኦም ኮና ቅሳነት ጣዕሚ ዘለዎ ሕይወት ክመርሑ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምእንቲ ክንከውን እዩ።

እምብአር ሓደ ክንሓቶ ዘሎና ክሳብ ክንደይ እዩ ክርስትያናዊ እምነትና ብኹሉ ርኡይ ዘሎ፥ እዚ ኸአ ብግልና፥ ከም ስድራ፥ ቍምስና፥ ሰበኻ ክንሓቶ ዘሎና እዩ። አብ ሕብረተሰብና ወይ አብ ከባቢና ክርስትያናዊ ምስክርነት ዘይበጽሖ አሎዶ እዚ ኸአ ካብ ግለሰብ ክሳብ ሕብረተሰብ ወይ እውን ስድራ ዘጠቓለለ እዩ። ክርስትያናዊ መብራህቲ አብ ኩሉ ሕልና ክአቱ ክበርህ አለዎ በዚ ኸአ ሰላም ፍቕሪ ክነግስ ይክእል። አብ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መብራህቲ እምነትና ብዝያዳ አብሪህና ሎሚ እውን አጸቢቐ ክበርህን ከብርህን ሓግዘኒ ኢልና ንምንጪ ብርሃን ክርስቶስ ሓግዘኒ ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ   

05 February 2021, 13:01